መግለጺ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ጨንፈር ኖርወይ!

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ፣ ብዕለት 14 ሚያዝያ 2018 ኣብ ትሕቲ፡ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉዝብል መትከላዊ መርሆኡ፡ ቀዳማይ ጉባኤኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ።

 

ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ፣ ብጻይ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ፖለቲካውን ስርዒታውን ጉዳያት ቤ/ጽን ተረኺቡ ውድባውን ሃገራውን ኩነታት ኣመልኪቱ ብሰፊሕ  ድሕሪ ምግላጽ፣ ብኣባላት ጉባኤ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ግቡእ መብሪሂ ኣቕሪቡ።

 

ካብ’ዚ ብምቕጻል፣ ጉባኤ ብሽማግለ ጨንፈር ዝቐረበ ጸብጻባት ብግቡእ ተኻቲዑ ብምሉእ ድምጺ ኣጽደቐ። ጉባኤ ንኹሉ ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ቃልስናን ዝምድናታትናን ብዕትበት ተመያይጥሉን መዚኑን። ጉባኤ ብፍላይ ውድብና ነቲ ክጓነፎ ዝጸንሐ መካቲ መድረኻት ሰጊሩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕዉት ውድባዊ ጉባኤ ምስልሳሉ፡ ጉባኤና ዮሃና ኢሉ። አዚ ድማ ከም ዓቢ መዐቀኒ ብቕዓት ውድብናን፡ ንመድረኻዊ ተረኽቦታት ዘርኣዮ ውሕሉል ኣተኣላልያን ዘረጋግጽ ኣብነት ምንባሩ፡ ጉባኤና መዚኑን ኣመጕሱን።

 

ጉባኤ ግሃድኤ ጨንፈር ኖርወይ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብቐጻሊ ዘውርዶ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ተግባራት፣ ግዜ ክወሃቦ ዘይብሉ ህጹጽ ጉዳይ ምኻኑ ተገንዚቡ። ነዚ ገባቲ ጉጅለ ካብቲ ህዝቢ ንምህላቕ ብሒቱ ሒዝዎ ዘሎ ስልጣን ንምጕሓፍ ንዝግበር ቃልሲ ንምቅልጣፍ ድማ፣ በብደረጅኡ ዝምዘን ሓድነትን ምውህሃድን  ተቓውሞ ሓይልታት ወሳኒ ምዃኑ ጉባኤ መዚኑ። መትከልና ነዚ ጉዳይ አዚ ንምርግጋጽ ብዕትበት ዘስርሕ ምኻኑ ስለ አንግንዘብ ድማ፣ መሪሕነትና ኣብዚ መዳይ አዚ ተበግሶታት ክወስድን መሪሕ ግደ ክጻወትን ብምልባው፡ ኣብ ጎኑ ምህላውና ጉባኤና ኣስሚርሉ።

 

ጉባኤ፣ ውድብና ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ቃልሲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘካይዶ ዘሎ ምዑት ቃልሲ ብምምጓስ፣ ናይ ምብራኹ ሓላፍነት ናይ ኣባላት ውድብናን ደላይ ፍትሒ ህዝብናን ምዃኑ ስለ እንኣምን፣ ኣባላት ጨንፈር ኖርወይ ኣብ ርእሲ’ቲ  ብሱሩዕ ዘማልእዎ ክፍሊታት፣ ፍሉይ ገንዘባዊ ወፈያ ገይሮም።

 

ኣብ መወዳአታ፣ ግደ ጨንፈር ንምዕዛዝ ኣገዳሲ ውሳኔታት ብምምሕልላፍን፣ ንዝመጽእ ክልተ ዓመት ጨንፈር እትመርሕ ኣካያዲት ሽማግለ  ብምምራጽን፡ ጉባኤ ግሃድኤ ጨንፈር ኖርወይ ብዓወትዛዚሙ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ዕንወት ንምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ!

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና!

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራጨንፈር ኖርወይ

14 ሚያዝያ 2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10990

Posted by on Apr 20 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net