ኤርትራ ህላወ ነጻ ፕረስ ዘየረጋገጸት ሃገር 27 ሚያዝያ 2018

ትማሊ ዕለት 26 ሚያዝያ 2018 ኣብ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ነጻ ፕረስ ማሕበር ገደብ ኣልቦ ጋጤኛ ( Journalist without boarders) ካብ 180 ኣባላት ሕቡራት መንግስታት ሃገራት፡ ኤርትራ ኣብ መበል 179 ተርታ እትርከብ ፈጺሙ ሃለዋት ነጻ ፕረስ ዘይብላ ሃገር ተባሂለ ተጠቂሳ ኣላ። ኣብ’ዚ ጸብጻብ ከም ዝገልጾ ኤርትራ ንሰሜን ኮርያ ጥራሕ ከም ዝበለጸታ ዘስፈረ ጸብጻብ ኩነታት ነጻ ፕረስ፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ኤርትራ ዳርጋ ዘይኮነስ ፈጺሙ ከም ዘየለ ዘብርሆን ዘረጋግጾን’ዩ።

ኤርትራ ምስ’ቲ ኣብ ምዕራብ ዘሎ ባህሊ ነጻ ፕረስ ይትረፍ፡ ምስ መሓዙታን ጎረባብታን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ነጻ ፕረስ ዘለዋ ኣተሓሕዛን ፖሊስን ክረአ እንከሎ ኣዝያ ድሕርትን ምልኪ ዝሰፈኖ ሓሳቡ ንምግላጽ ዝተዓፈነ ህዝቢ ዝርከበላ ሃገር’ያ። እንተን ዝበለጸን ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ዘለወን ሃገራት ከም ጋናን ናሚብያን ክኸኮና እንከለዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ሓድሕዳዊ ኵናት ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝርከባ ሃገራት ከም ሶማሊያ፡ብሩንዲ፡ ኮንጎ ዝኣመሰላ ሃገራት እንተኾና ብተዓጻጻፊ ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘላቶ ኣተሓሕዛ ነጻ ፕረስ ከም ዝበለጽ ይገልጹ።

ብዓለም ደረጃ ክረአ እንከሎ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘት ኖርወይ ክትኸውን እንከላ፡ ሽወደን ካልኣይቲ፡ ብሳልሳይ ደረጃ ፊንላንድ ተሰሪዔን ይርከባ። ደረጃ ሓሳብ ምግላጽ ነጻ ፕረስ ሽወደናውያን ገና በቲ ዘለዎ ከይተዛነዩ ኣብ ዝበለጸን ዝሓሸን ክሰጋገር ዘለዎም ድሌትን ትጽቢትን ገና ኣብ ቃልሲ ይርከቡ።

ርእይቶ (ሰዲህኤ)

ኣዋጅ ነጻ ፕረስ ኤርትራ ብዙሕ ከየገልገለ ኣብ ሓጺር ዕድመ ዝተቆጸየን ስርሓት ጋዜጠኛ ከም ሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣካላት ጋዜጠኛታት ምልካዊ ስርዓት ክጻወሮ ዘይክእል፡ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ህዝባዊ ኣገልግሎት ከበርክት ኣብ ዝተራእየሉን እዋን ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምእጋድ ኣብ’ቲ ኣብ ብወርሒ መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ሚኒስተራት ምእሳር ስጉምቲ ወሰደሉ እዋን ደማሚሩ ንሓለፍቲ፡ ወከልቲ፡ ኣዳለውቲ ጋዜጣታት ምእሳር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ጨውዩ ብምውሳድ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጠሉ ኩነታት ሓቂቖም ከም ዝጠፍኡ ዝገበረ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ደጊም 17 ዓመታት ሓሊፉ።

ኣብ’ዚ ጸብጻብ ካብ ዝገርም ማእከላይ መንግስቲ፡ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዘይብሉ ኣብ ተደጋጋሚ ውሽጣዊ ኵናት እትርከብ ሃገር ሶማሊያ’ኳ ቅድሚ ኤርትራ ተሰሪዓ ትርከብ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክንደይ መሳኵቲ መርበብ ሓበሬታታት፡ ማእከናት ሬድዮን፡ ፈነወ ቲቪ ዘርጊሑ ዘይኮነስ፡ ማዕረ ክንደይ ሓቀኛ ሓበሬታ ንህዝቢ የመሓላልፍን፡ ተሓታትን ኣለዎ ዝብል ሕቶ ብቀዳምነት ክምለስ ኣብ ዘለዎ መድረኽ፡ ነጻ ሓሳብ ምግላጽ፡ ህዝቢ ብዘይፍርሕን ራዕድ ተሳትፎኡ ዝረጋገጸሉ ጥራሕ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ግን ንስልጣኑ ኣብ ዘለዎ ስግእታት ኣብ ዲያስፖራ ዝተመስረታ ጋዜጣታት፡ ማዕከን ሬድዮ፡ ኣስማተን እንዳቀድሐ ህዝቢ ኣብ ምድንጋርን መጋበርያታቱ ዝልእከለን ማዕከና ኣቢሉ ነቲ ነጻ ሓሳብ ምግላጽ ዝብል ህዝባዊ መራኸቢ ብዙሓት ክዕፍን ክንደይ ጻዕርን፡ ገንዘብን ንዋትን ኣዋፊሩ ክሰልጦ ኣይከኣለን። ትሕዝትኡ ሓደ ዝዀነ ሕብሩ ቀያይሩ እንተቀረቦ ኣብ እዝኒ ሰማዒ ዘይበጽሕ ቃና ሃገርን ሓድነትን ስኒት ዘይብሉ መራኸቢ ብዙሓት ብዘይካ ነቶም ዓድና ጽቡቕ ኣሎ፡ ሃገርና ትምዕብል ኣላ ዝብሉ ሰዓብቲ ምልካዊ ስርዓት ዕረ እንዳጠዓሞም ዝቅበልዎ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ ስደት ዘሎ ደላይ ልዕልና ሕጊ ዝኾነ ህዝብና ይትረፍስ ኣብ ሕቝፊ’ቲ ስርዓት ዘሎ ህዝብና’ኳ ቶባእ ድሕሪ ደጊም ዝበሎ እዩ።

ህዝብና ኤርቲቪ ድምጺ ሓፋሽ ክዒብወን ዘይእመን ወረ፡ ጅህራን ዘይትግበር መደባትን፡ ብዝተጠልመ መጽዓታት ደኺሙስ፡ መደባተን ክጅምራ ብጃኹም እንዶ ዕጸውልና ዝብሉ ውሑዳት ኣይኮኑ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ትግባረ ንምውዓሉ ዘስግኦ ኣዋጅ ነጻ ፕረስ ኤርትራ፡ ህዝቢ ንምድንጋር ዘመሓላልፎ ሓበሬታ ዝዓበየ ክፋሉ ዘካይዶ ወፈራታት ትያትርን፡ ኮመዲ፡ጓይላ ኣቢሉ ንህዝቢ ከዛንን ከዘናግዕን ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብ’ቲ ደመደይ’ሉ ዝተዓጠቀሉ ውራይ ምኳኑ ኣብ ኤርትራ ፋይዳ ቀጥዕን ዘይብሉ፡ መቁጸሪ ዘይብሉ ማዕረ ክንደይ ፊልም ከም ዝተዝርገሐ ህዝብና ዝምስክሮ እዩ።

 

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10996

Posted by on May 3 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net