1 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሰዲህኤ

ወትሩ 1 ግንቦት፡ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ትኽበረላ መዓልቲ እያ። መዓልቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ሙሉእ ዓለም ተኸቢራ እትውዕል መሰል ክብሪ፡ ወላ ሓንቲ መዓልቲ ትኹን’ምበር ሰራሕተኛታት ዓለም ንምሕያል እትዝከር መዓልቲ’ያ፡ ሰራሕተኛታት ኣፎም ከፊቶም ንመሰሎም ዝከላኸሉላ መዓልቲ’ያ።

ኣብ መላእ ዓለም፡ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ተኸቢሩን ተጸንቢሉን፡ ሰራሕተኛታትን፡ ማሕበር ሰራሕተኛታትን፡ ብታሪኻዊ ኣመጻጽኣ መሰረት ሰራሕተኛታት ዘለወን ሰልፍታትን ወከልቶም ተጣበቕቲ መሰል ሰራሕተኛታት፡ መሰል ክኽበር መብጽዓ ዘሕድስሉ መዓልቲ’ዩ። ሰራሕተኛታት ብዘይ ፍርሓትን ስግኣትን ድሌቶምን ሓሳባቶምን ዝገልጹላ መዓልቲ’ያ። ይትረፍስ ብደረጃ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ሰልፍታትን ውድባትንስ፡ ውልቀ ሰባት ንበይኖም ከም ሰራሕተኛታት ጭርሖታቶም ኣዋዲዶም ንመሰሎምን መሰል መሳርሕቶም ዝከላኸሉላ መዓልቲ’ያ።

በዓል መዓልቲ ሰራሕትኛታት ክኽበር ክትርኢ፡ ንኤርትራውያን ብዙሕ ካብ ዘዘኻኽር መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ኤርትራ እዩ። ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሃለዋት ምስ’ቲ ፖለቲካውን ምጣነሃብታውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኩሉ ዝርድኦ እዩ።ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ሰልፊ ሸቃሎ ንምዕዋት ንቃለስ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን መድረኽን ታሪኽን ጠሊሙ፡ ሰራሕተኛታት ኤርትራውያን ተረጊጾምን ተገፊዖምን ዝነብሩላ ዘለዉ ሃገር ኮይና ምህላዋ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ካብ’ቲ ብዘይመጽናዕቲ ዘካየዶ ”ምጽንጻል ዝብልዎ” ወፈራ ምስጓግ ሰራሕተኛታት  ደጊም ታሪኽ ሰራሕተኛታት ኣብ ኤርትራ ዘብቕዐን፡ ዝተበታተነት ስድራ ቤት ዘስዓበ ተግባራት ዝተራእየሉ’ዩ ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብ24 ነሓሰ 1994 ዋንነት መሬት መንግስታዊ ምዃኑ ዝኣወጀሉ ፡ ቅድሚ’ቲ 18 መስከረም 1996 ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝመሓደራ ዝነበራ ፋብሪካታት ብብሕቲ ክመሓደራን፡ ህግዲፍ ብታሕቲ ዝቆጻጸረንን ብሽርክነት ንግዲ ዘዋፍረለን ዘይምዕሩ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ዘተእታተወሉ፡ እቲ ካብ ስርሑ ዝተሰጔ ህዝቢ ሓሪሱ’ኳ ከይበልዕ ድሮ መሬቱ ኣብ ትሕቲ ዋንነት መንግስቲ ኣትዩ፡ ነታ ሪሙ እንተኾነት እንተሓሪሱ ክዘርኣ ወይስ ካልእ ዓይነት ሕርሻ ከካይደላ ተመሊሱ ነቲ ስርዓት ፍቃድ ምሕታት ዘይተርፎ ኮነ። ምልካዊ ስርዓት ከኣ ልክዕ ነዛ ኣገባብ ህዝቢ ዘየተንፍሰላ ህሞት፡ ሙሉእ ምቁጽጻር ዝተእታተዎ ምሕደራ ነበረ። በዚ ከኣ ላዕሊ እንተበለ ታሕቲ ካብ’ተን ስርዓት ዝኣወጀን ዝወጻሉ መንገዲ ስለ ዘይብሉ፡ ደቁ ክጠምዩ፡ ክዓርቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክርኢ ዘይከኣለ ኣብ ክንደይ ስነ ኣእምሮእዊ ጭነቀትን ሕማምን ስደትን በጺሑ’ዩ። እቶም ዕድለኛታት ተባሂሎም ኣብ’ቲ ኣብ ብሕቲ ትካላት ግን ከኣ በቲ ስርዓት ዝመሓደራ ፋብሪካታት ዝተረፉ ከኣ፡ ንስሙ ዝኽፈሎ ደሞዝ መብዛሕትኡ ግዜ ብምስምስ ህንጸት ሃገር፡ ድራር ተጋደልቲ ደቂ ስውኣት እንዳበለ ኣብ ኢዶም ከይበጽሐ ዝህድጎምን፡ እንተን ክፍሊት እንተኾና ኣብ ዕዳጋ ወሪድካ ንሸመታ ዘይኣኽላ፡ እንተተሸመታ ዘይጽግባ ብደላላን ዘይሕጋዊ ዕዳጋታት ዝተዋረደ ህዝቢ ሃለዋቱ ዝተደወነ ገጹን ዕርቃኑን ዘርእያካ ምስክር ዘየድልዮ ዝሓልፎ ዘሎ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ደሞዝ ይኸፍል ኣለኹን እንዳበለን፡ ንሰማዒ ዝገረሞ ወሰኽ ደሞዝ’ሉ ዝዛረበሉ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ መብጽዓ ናይ ፕሮፓጋንዳ ሃልኪ ህዝብና ዘይበልዖ በሊኡ ደሞዝ ከይከፈሎም ዝነብርሉ መድረኽ’ዩ። ካብኡ ዝኸፍአ’ውን እቲ ከም ሰራሕተኛ በጃ (ግሪምቢያለ ወይ ኮምፕላሲዮነ) ለቢሱ ኣብ ስርሓት ህንጻት ይኹን ትካላት ዝረአ መቁጸሪ ዘይብሉ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ ወዲ ይኹን ጓል፡ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ልክዕ’ቲ ዕድመ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ሰራሕተኛ ድከቱ ዝሰቲ ዘሎ ብዛይካ’ተን መሕሸሺ ተባሂለን ዝወሃባ ኣብ እንዳ መማቐሪ ዱዃን ህግዲፍ ዝተርፋ ቅሩብ ቁራቦ ገንዘብ ብነጻ ጉለበቱ ዝሰርሕ ውሑድ ዘይኮነስ ሃገር ብሃገሩ እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን።

ብግዜ ፈደረሽን’ኳ፡ ኣብ ግዜ ዓደይ ዓደይ ተማሃሮ ኣብ 1957፡ ሰራሕተኛታት ኣብ 1958 ወርሒ ለካቲት ንመሰሎም ሰላማዊ ሰልፊ ዝወጽሉ ብወታሃደራት ኢትዮጵያ ብጥይት ዝወደቅሉ ግዜ ወዮ ደኣ ወርሒ ግንቦት ኣይነበረን’ምበር ንኽብርን መሰሎም ምንባሩ ከቶ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ንዝነበረ ዘይፍታሓዊ ምሕደራ ዝተቃወሙ ዝነበሩ እዮም።

ምልካዊ ስርዓት ነቶም ወግሐ ጸብሐ ዘነኣእሶምን፡ ዝኸሶምን ደሞክራሲያውያን መንግስታት ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ፡ ፍሉይ ትካላትን ቤት ፍርዲ ሰራሕተኛታት ብዘለዎ ዝመሓደር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሰዓብ’ቲ ህግዲፍ በቲ ኣብ ዝነብርዎ ሃገራት ዝተፈቀደሎም መሰል ሰራሕተኛ፡ ኣብ ኤውሮጳ ምንጪ ቁጠባ ኣማስይኡ ንስለላዊ መጋብርያ ዘውዕሎ ብሚሊዮናት ዝቁጸር ገንዘብ ንኤርትራዊ ሰራሕተኛ ሳንቲም’ኳ ትብጽሖ የብሉን። ኣብ’ዚ ከየጠቀስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝጠቀስክዎ እቶም ተሳተፍቲ 1 ግንቦት፡ ምስ ሰልፍታትን ማሕበራት ውድባት ዘለዉ ጥራሕ ዘይኮነ ውልቀ ሰብ ከይተረፈ ዝደለዮ ዲሞክራሲያዊ ፍትሓዊ ጭርሖ መሪጹ ክጽሕፍን ነቶም ኣብ’ቲ ቦታ ሰላማዊ ሰልፊ ዘለዉ ሓገዝ ሓቲቱ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ወጻኢ ዝደለዮ ጭርሖን ራእይን ብዝደለዮ ዓቐን ተጻሒፉ ክዋሃቦ ዝገብር መሰል ዘለዎ’ዩ። ብኣንጻር ኤርትራ ህዝባን ዝሓልፎ ዘሎ ፍልልይ መሰላት ከኣ እዚ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ መሰል ህዝቢ ኤርትራ መሰል ሰራሕተኛታት ኤርትራ ኸኽብር ዝኸልከሎ ሓደ’ኳ የልቦን። ግን ግን ስልጣኑ ንምክልኻል ብዘምጽኦ ምስምሳት ህዝብና ተረጊጹን ተገፊዑን ይነብር ኣሎ።

 

ዜናን ሓበሬታ

ሰዲህኤ

1 ግንቦት 2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11002

Posted by on May 3 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net