ተነጽሎ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ

ኤርትራ ነጻነታ ኣዊጃ ኣባል ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ካብ ትኸውን፡ ድሕሪኡ ዘሎ ግዜ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ዘቤታዊ ምሕደራ፡ መስርሕ ኣህጉራውን ዲፖሎማስያውን ዝድምናታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ዓለም ዘይተጸበዮ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ዓለም ድሕሪ ጫካን ወታሃደራዊ ምሕደራ ደረግ ተሳዒሩ ምስ ወጸ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ተርእዮ ዳግማይ ክጋሃድ’ዩ ዝብል  ሚዛን ይኹን ትጽቢታት ፍጹም ኣይነበረን።

መዋእል ነጻነት ኤርትራ፡ ነቲ ተስፋይ ዘይነበሮ ብጸልማት መድረኻት ዝተሓለፈ ብጥሜትን ኵናትን ማእሰርትን ቅተለትን ኣመሓዳድራ ዝፍለጥን ስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ኣልጊሱ፡ ሓድሽ ስርዓትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየሉ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምቅይያር ስልጣን ወለዶ ተራእዩ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ዝነበረ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብስልጣን ተሰርኒቁ ሕፍር ከይበለ ምስ መሳርሕቱ ከይተዛተየን ወፈራታት ጸለምን ክስታትን ከካይድ ኣብ ዝጀመረሉ ቀዳሞት ኣህጉራዊ ትካላት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ውድብ ሃገራት ዓረብ ነበራ። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብብልሽውና ዝመሓደሩ ብትኳቦ ምዕራብ ሃገራት ዝናበሩ ክብል ጀሚሩ፡ ቀጺሉ ንውድብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ሽግረን ዘይፈትሓስ ጸገምና ክፈትሓ ዘይክእላ ሃገራት እንዳበለ ሓደ ብሓደ ንመላእ ዓለም ከነኣእስን ከቋናጽብን ዝጀመረ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ንኤርትራን ህዝብና ኣብ ቅድሚ ዓለም ንዘለዎ ዝምድናታት ዘየቀራርብን ዘየርብሕን ገይሩ ክሰርዖን ክሃንጾን ጀመረ።

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብፍላይ ድሕሪ ኵናት ባድመ 12 ግንቦት 1998፡ ቀጺሉ ተርኽቦ መስከረም 2001 እንታይነቱ እንዳተገለጸን እንዳተነጸረን መጸ። ገገለ ተሞክሮ ፖለቲካን ኣካይዳ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝፈለጡ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብሉ ” ምልካዊ ስርዓት ካብ’ቲ ደመበ ተቃውሞ ዘጋልጾ፡ብጌጋታቱ ዝያዳ ባዕሉ ከም ዝጋለጽ ”ይበዝሕ ክብል ዘቅረቦ መብርሂ፡ ተግባራት ምልካዊ ስርዓት ንቁልቁል ዝኣፉ ብስፍሓቱን ብዕብየቱን እንዳፈጾሞም ዝመጸ ብደላትን ግፍዕን ጭቆናን ልክዕ ብልክዕ ዝገልጾ’ዩ።

ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ፡ ኡጋንዳ ካብ’ተን ተስፋ ዝተነበረለን ሃገራት ምንባረ ዝተጠቅሰ፡ ኣብ ህዝበን ዘሎ ማሕበራዊ ፍትሒ ቀጻልነት ዘለዎ ዕብየት ምርግጋእ ሰላምን ጸጥታ፡ ዲፖሎማስያዊ ንጥፈታትን ኣብ ኤርትራ በቲ ዝኸፍአ መልክዑ ዝግለጽ ዝነበረን ዘሎን’ዩ። ኣብ ዓሙቕ ፖለቲካዊ ትንታነታት’ኳ ከይከድና፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝዕቆብለን ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነስ ንነዊሕ ዓመታት ዝቅመጡለን ሃገራት ኢትዮጵያን ኡጋንዳ ምስክርነት ህላውንት ምልኪ ኣብ ኤርትራ’ዩ። ብካልእ መዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ኡጋንዳ ቤት ፍርድታት፡ እሱራት ብስድራ ቤቶም ምብጻሕ ዝፍቀደሎም፡ ብውሑዱ ብዓውታ ክዝረበሉ ዝኽእል ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘይምህላውን ምልኪ ዝነገሰላ ሃገር ምዃና ዘመልክት’ዩ።

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዕጽፊ ሓገዛት ካብ መንግስታት ኣሜሪካ ይኹን ኤውሮጳ ካብ ኢዱ ዘርጠብጠብ እንዳበለ ዝቅበሎ ሓገዝ እንዳጋሓጠ፡ ደገፍቲ ስርዓት ማሕበረ ኮም 2% ብኣስገዳድ ዝኸፍልዎ ማእለያ ዘይብሉ ዶላራት ኣብ ሕሳብ ከይኣተወ፡ ኣንጻር ኩሉ ሃገራት ወግሐ ጸብሐ ዝካየድ ምንእኣስን ጸለመን ሓደ ሸነኽ፡ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ንክሕሎ፡ እሱራት ኣይተጋገዩን ከይብሃል ኣብ ነጻ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ጉዳዮም ክረአ፡ ብሕጊ ዝጣበቅሎም ሞያውያን ጠበቓታት ክፍቀደሎም፡ ነጻ ፕረስ ብመሰረት ኣውጅ ስርሓቱ ክቅጽል፡ ገደብ ዘለዎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብሉ ሕቶታት ምልካዊ ስርዓት ክምልሶም ዘይምኽኣሉ እንዳኣንቆልቆለ ዝከደ ሓርፋፍ ዝምድናታትን ተነጽሎታትን፡ ኣብ’ቲ ዝጸንሐ ዘይምዕሩይ ምሕደራ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲትይ 11 ነሓሰ 2001 ኣብ ዊዓ፡ ቅትለት እሱራት ዓዲ ኣበይቶ 9 ጥቅምቲ 2004፡ ቃል መሓተት ምስ ኣልጀዚራ 23 ግንቦት 2008 ዝቀረበ መልስታት፡ 4 ሕዳር 2013 ቅዝፈት መንእሰያት ማእከላይ ባሕሪ ካብ’ቲ ብዙሕ እከይ ተግባራት ብውሑዱ ንዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛኡን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዘይዕረፍቲ ተነጽሎ ዝፈጠረሉን ትንታነ ዘየድልዮ ተርኽቦታት ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ብሕልፊ ከኣ እቲ ምስ መደብ ቲቪ ኣልጀዚራ ዝተገብረ ቃል መሕተት መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ንጋዜጠኛ ዲሞክራሲያዊ ስርዓታት ዝበሃል የልቦን ኣብ ኤርትራ ምናልባሽ ድሕሪ 40 ዓመታት ክብል ኣሽካዕላል መልሲ መዕዘቢ ኮይንዎ እዩ። ኬንያ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት እንዳጠቀሰ ንዘካይድኦ ዲሞክራሲያዊ ህንጸት፡ ምርጫ ዕግርግርን ባእስን ምብትታን ዘይሓላፍነታዊ እዩ ዝበለሉ እዋን ውሑድ ኣይኮነን።

ህግዲፍ ሰላም እንዳበለ ህዝቢ ዘጽንትን፡ ዘጥፍእን ኣብ ማእሰርቲ ዘሕቅቕን ዝርግሐ ስለያውን ጸጥታው መርበባቱ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ተባሂላ ክትጽዋዕ ዝጀመረትሉ ግዜ ሓጺር እዋን ዘይምኳኑ ተነጽሎ ምልካዊ ስርዓት ሚዛናዊ ገምጋም ታሪኻዊ መስመር ኣብ ፖለቲካ ኣብ’ዚ ዝተሰረተ እዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ይኹን ብኣንጻሩ ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ኤርትራ ዝምድናታት ወፍሪ ክሓታ እንከለዋ መንግስታዊ ይኹን ዘይመንግስታዊ ትካል መበገሲኡ ቅዋም ሃገሩ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ከኣ ኣውፈርቲ ርእሰማል ይኹኑ ዲፕሎማስውያን ቅድሚ ኩሉ ዘገድሶም ብህዝቢ ዝተደገፈ ቅዋም ምህላውን ዘይምህላውን’ዩ። እዚ ጉዳይ ቅዋም ብዘይካ ንህግዲፍ ንማን ኤርትራዊ ዜጋ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ዘገድስ ሕቶ ዘይምኳኑ ዝጸንሐ ንዓለም ዘገረመ ተገላቢጦሽ ኣተሓሳስባ ሓድሽ ፍልስፍና ህግዲፍ ምንባሩ’ዩ። ኤርትራ ኣብ 30 ዓመት ኵናት ዝነበረት ሃገር ይውሓድ ይብዛሕ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ እግሪ ከም ዘይትተክል ፍሉጥን ርዱእን’ዩ፡ ይኹን’ምበር ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ሻንጥኡ መጠን ዘይብሉ ገንዘብ እንዳቋጻረ፡ ብኣፉ ንሰዓብቱ ዘመሓላልፎ ክስን ጸለመን መንግስታትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ከይኣክል፡ ዘናብሮ መሰሊዎ ዝሓዘ ምስ ሓዘ ንስልጣኑ ኣሚኑ ትካላት ረዲኤት ካብ ኤርትራ ምስጓጕ ሓደ ካብ’ቲ ባዕሉ ዝፈሓሮ ዓቕሚ ጉድጓድ ተነጽሎ ዝነበረ’ዩ።

ድሕሪ ውድቀት መላኺ ወታሃደራዊ ስርዓት ደርግ ኣብ ኢትዮጵያ እንተ በቲ እንተ በዚ ኣብ ኢትዮጵያ 4 መራሕቲ መንግስቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሸሙ ከም ታምራት ላይነ፡ መለስ ዜናዊ፡ ደሳለኝ ሃይለማርያም፡ ሕጂ ድማ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ዝርከብ፡ ምስ’ቲ ኩሉ ክህሉ ዝክእል ጉድለታትን ጌጋታትን ንምዕራዩ ብሰላማዊ ኣገባብ ስልጣን ምትሕልላፍ ክብሪ ህዝብን ጸጋ ሃገርን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ነዚ ክብርን ጸጋን ኣይረኸቦን። ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 90/100 ሚሊዮን ዝነብሩላ ሃገር ህዝቢ ድኽነት፡ ስእነት ስራሕ፡ ሕማም፡ ፖለቲካዊ ፍልልያት ምህላዉ ዘይትጽበዮ ኣይኮነን፡ ምስ ኤርትራ ብምንጽጻር ኣስታት 5 ሚሊዮን ህዝቢ ዝርከባ ሃገር፡ ምስ’ቲ ኣብ መንግስቲ ዝነበሩ ይኹን ኣብ ስደትን ዝነበሩ መራሕታት ዘጋጠመ ሓደጋ ምግምጋም ኣብ ኣፈታትሓ ዓብይ ቀዳድ ዘለዎ ትሕዝቶ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝወሰዶ ስጉምቲ ስቓይ ህዝብና ከናውሕ፡ ዝምድናታት ንተነጽሎ ዝምረሐ እዩ።

መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ኣብ ኢጋድ 1996 ኣባላነት ሓቲቱ፡ ድሕሪ ዶባዊ ኵናት ስሒቡ፡ ካብ ኢጋድ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣባልነት ስሒቡ ከብቅዕ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብብልሽውናን ካልእ ዝዘቅበቡ ኣብ’ዚ ክጥቀስ ዘይድለ… ባህሪ መራሕቲ ብምግላጽ ኣንጻር ኤርትራ ዝግበር ሽርሒ ኤርትራ ኣባል’ዚ ብልሽው ዝኾነ ውድብ ከም ዘይኮነት ብሰፊሑ ተዘሪብሉን ተጻሒፍሉን ተጎስጕስሉን’ዩ። ክሳብ እዚ ግዜ ከኣ ብሰፊሑ ንተደጋገፊቱን ሰዓብቱን በዚ ኣርእስቲ’ዚ ወፈራታት ይቅጽል ኣሎ። ዘምጽኦ ፍርያትን ለውጥን ግን የለን። እቲ ሓደ ዕላማ ንምዕዋት ዝካየድ ጻዕሪ እንተሃለወ ስልጣን ምልኪ ግዜ ንምንዋሕ’ዩ። ተነጽሎ ግን ኣይተረፈን መሊሱ’ኳ ደኣ ገደደ፡ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ዓዲ ውዒል ኮይኑ ብልኡኻቱ ዘሳልጦ ስርሓት ሃገር ብልሓቱ ምልካዊ ስርሓቱ ከይሕተትን ከይጋለጽን ንዝገብሮ ፈተነታት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ግን ንተግባራት ህግዲፍ ሕርሕራይ ጌሩ ዝፈልጦን ዘስተብሃለሉን መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ወፊሩ ኣይወፈረ ካብ ህዝቡ ዝተኸወለ ካብ ዲጋ ዓዲ ሃሎ ንዘመሓድሮ ዲፕሎማሲያዊ ስርሓት ዘነጽሮ ስእሊ ተነጽሎ’ዩ።

 

ዜናን ሓበሬታ

ሰዲህኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11011

Posted by on May 14 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net