ክሲ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብዕለት 14 ግንቦት 2018 ብቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ክሲ ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብ’ዚ ዝወጸ መግለጺ ሚኒትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ ዑደት መራሒ ኢትዮጵያ ንሱዳን ኣብ ዘካየደሉ ”ንዕጡቓት ተቃወምቲ ኤርትራ ንዝብልዎም” ብዝግባእ ተርኦም መታን ከሰላስሉ ኣብ ደዶባቶም ሙሉእ መሳለጥን ደገፍ ክህብዎም ተሰማሚዖም ይብል። ቀጺሉ ኣብ’ቲ መግለጺ ጅሃዳዊ ውድባት ከኣ ይብል።

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ሓደ ንጹር ዝኾነ መርገጽ ዝምድናታት ወጻኢ ዘይምህላዉ ዝተበገሰ መግለጺ ምዃኑ ብዙሕ ዝተፈላልየ ትንተና ክቀርበሉ ዝኽእል ጉዳይ’ዩ። ይኹን’ምበር ኤርትራ ቅዋም ዘይብላ፡ ብሓደ መላኺ ስርዓት ጃንዳ ህግዲፍ ትምራሕ ሃገር ካብ ምዃና ሓሊፉ ካልእ ክቀርብ ዝክእል ኣይኮነን። ኣብ’ዛ ባይቶን ተቆጻጸሪ ነጻ ቤት ፍርዲ ዘይብሉ ሃገር ከኣ ወግሐ ጸብሐ ተጋላባጢ መርገጽ ክረአ ዘይንቡር ኣይኮነን።

ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ምስ’ቲ ኵናት የመን ተታሓሒዙ ዝማዕበለ ቆላሕታን ኣገዳስነት ጠመተን ቀይሕ ባሕሪ፡ ዑደት መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ሱዳን በቲ ሓደ ሸነኽ ዝምድናታት ኤርትራን ግብጽን ነቲ ዞባ ኣብ ዘይንቡር ኩነታት ዘሰጋገሮ ዝመስል፡ ብዕለት 15 ጥሪ 2018 መንግስቲ ሱዳን ዶብ ኤርትራ ክትዓጹ ምግባራ እቲ ጉዳይ ካብ’ቲ ማሕዲጉ ዝጸንሐ ዘይጥዑይ ዝምድናታት ፖለቲካዊ ረኽሲ ተወሲኽዎ ኣብ ዘየድሊ ዕንወት ንኽየሰጋገር ስግኣት ከም ዝነበረ ዝዝከር’ዩ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብድሕሪ ታሕሳስ 1994 ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገር ሱዳን ድሕሪ ምዕጻዉ ዝምድናታት በቲኹ ጸኒሑ፡ መተንፈሲ ሲኡን ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ፡ ነቲ እስላማዊ ጃሃዳዊ ዝብሎ ዝነበረ መንስግቲ ሱዳን ዳግማይ ተዓሪቁ ሕጽኖት ከም ዝሕለፈ መን ይርስዖ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣውራ ዕዮ ገዝኡ ምእሳር ምጭዋይ ከይረሰዐ ከኣ ንኩሉ ቤት ጽሕፈታት ተቃወምቲ ሓይልታት ኣብ ሱዳን ክግታእን፡ ኣብ ሃገር ሱዳን ላዕለዋይ ኢድ ጸጥታ ኮይኑ ነቶም ይገብሩን ይሰርሕን እዮም ዝብሎም ባእታት እንዳጨወየ ከም ድላዩ ክዕንድር ከም ዘይጸንሐ፡ ዝሓቶ ዘይብሉ ሃላሊ ኮንትሮ ባንዳዊ ንግዲ ዒቕ ክሳብ ዝብሎ ንትካላቱን ነቶም ናተይ ዝብሎ ከዕንግሎም ከም ዝጸሐን መን ይርስዖ፡ ድሕሪ ዶብ ብወታሃደራት ሱዳን ምዕጻዉ ከኣ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ልማዱ ስለ ዝሰኣነ ካብ’ቲ ንጹር መርገጽ ዲፖሎማሲያዊ ዝምድናታት ዘይምህላዉ ዝነቀለ ብቤት ጽህፈት ወጻኢ ዝወጸ መግለጺ መንቀሊኡ’ዩ። ይኹን’ምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ስቃይ መስፈርን መዕቀንን የብሉን። ኮር ተግልበጥ ሱዳንውያን ምስ ተጣበቕቲ ሰባኣዊ መሰል ብምትሕብባር ኣንጻር ኣስገርቲ ጨወይትን በደዊን ንሕሰም ኤርትራዊ ክቃለሱ እንከለዉ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኢዱ ኣጣሚሩ ዝሓለፎ፡  ግደኡን ሓላፍነቱን ከየልዕል ብኣንጻሩ ኤርትራ ንምጽናት ብበዓል ኣሜሪካን ተሓባበርቶም ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ክብል ዝተሰምዓሉ’ውን ነቲ እንዳፈርሐ ዝኣተዎ ዝምድናታት እንዳፈርሐ ክገድፎ ግድነት እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ንስልጣኑ ንምሕላው ሓደ ሸነኽ፡ ብኡ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  ሻቅሎት ንምእታው ዝጉስጉሶ ዘሎ ሓሶት መግለጺታት ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት’ውን ከይሃለዎ ኣይተርፍን፡ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ድሕሪ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒተር ኣብ ኢትዮጵያ ምምራጹ ዘርኣዮ መርገጽ ሓንቲ የለን፡በታ ዝጀመራ ደኣ ቀጸለ። ነቲ መዕረፊኡ ብዘየገድስ ህዝቢ ክሰምዖ ዝደሊ ጀሚሩ ዘሎ ሰላም ከም ሰላም ዘሰምበዶ እንተሃለወ ስርዓት ኣስመራ እዩ። በዚ ምኽንያት ነቲ ብስም ሰላም ዝናፈስ ዘሎ ንምዕፋን ኣንፈቱ ንምቕያር ነዘን ይወዳደራኒ’ዩ ዝብለን ክልተ መንግስታት ከጸልምን ክኸስስን ግድነት’ዩ።

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብዛዕባ ሰላም ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ኤርትራ ዓጢጥዎን ገዲስዎን ኣይፈልጥን፡ ኣብ ሎሚ በጺሑ ከኣ ብዛዕባ ጉዳይ ክዛረብን ንሰላም ክሰርሕን ኣይክእል። ጉዳይ ህግዲፍ ወላ’ውን ኢትዮጵያውያን ሰራዊቶም ስሒቦም ንዛተ እንተበሉ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዘተ ኮፍ ዝብል ዓቕውብን ከቢድን ውሳነ’ዩ። ምኽንያቱስ ባድመ ከም ጽላሎት ኵናት ግርም መሕብኢት ስልጣኑ ንስለ ዝጥቀመላ። ኣብ’ቲ ኩሉ ከይተበጽሐ ግን መኻልፍ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ቅድሚ በዓል ነጻነት ኤርትራ እዚ ዝዓይነቱ ክሲ ሒዙ ክቀርብ ህዝቢ ንኸይቀስን፡ ተዳነገጽቲ እንተረኸበ፡ ሚዛን ደገፍቱ ንምፍላጥ ዝገብሮ ግን ከኣ ኣዝዩ ሃሳዪ ዝኾነ መግለጺ’ዩ። ስርዓት ህግዲፍ ንኣዋርሕ ክዳለወሉ ዝጸንሐ ኣብ ወጻኢ ዘካይዶ ዘሎ ወፈራ ሓደ ካብ’ቲ መደባት መግለጺ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ተተሓዚ ዝጸንሐ ብምዃኑ ዘገርም’ውን የብሉን።

ካብ’ቲ ዝገርም ከኣ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንልዕሊ 18 ዓመት መንግስቲ ጭፍራ ወያን ክብል ከም ዘይጸንሐ ሎሚ ዲሞክራሲያዊት ሪፓፕሊክ ኢትዮጵያ ክብል ምጥቃሱ፡ ካብ’ዚ ዘለዎ ፍርሒ ዘይተናገፈ፡ ካብ’ቲ ዘለዎ መርገጽ ዝመንጨወ ምዃኑ ጽባሕ ከኣ ሓዳስ ኤርትራ እንታይ ስም ከም ትህቦም ምጽባይ ጥራሕ’ዩ።

ሰዲህኤ ኣብ ሃገርናን ዞባናን ዘላቒ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ንኽረጋገጽ ብሕጋዊ ዝኾነ መስርሕ ንሰላም፡ ከረጋግጾ ዘለዎ መደባት ኣብ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ዝሕለፎ ውሳኔታት ኣቢሉ ምስ ኤርትራውያን ተቃውምቲ ሓይልታት ብዘተን ልዝብን ብዘረጋግጾ ሃገራዊ ሓድነት ዝተኽሎ ቅዋማዊ ህዝባዊ መንግስቲ ከም ዝብጻሕ ይኣምን።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘድልዮ መግለጺ ሰላም፡ ኣዋጃት ሰላም’ምበር፡ ኣዋጃት ኵናት ኣይኮነን። ብውግእ ዝላደይን ዝላሕለን፡ ዝተበታትነት ስድራ ቤት፡ ብስደት ዝተበታተነ መንእሰይ ዝርከበላ ሃገር ሎሚ ንዝኾነይ ይኹን ኵናት ከም ዘይትጻወርን ምጽዋርን ዘይምጽዋር ጥራሕ ዘይኮነ ከኣ ብመሰረት ብዘይካ ህግዲፍ ካልእ ዝረብሓሉ ስለ ዘየለ ህዝብና ብሓደ ኮይኑ ክምክቶን ንጥቅሙ ከውዕሎ ዘለዎ ኩነት ከዕቢ ይግባእ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11017

Posted by on May 17 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net