ርእሰ ዓንቐጽ ሰዲህኤ 20 ግንቦት 2018

መበል 27 ዓመት መዓልቲ ነጻነት    ኤርትራ

ሃገርና ኤርትራ ከም ኩለን ሃገራት ዓለም ታሪኽ ኣለዋ፡ ብፍሉይነት ኤርትራዊ ታሪኽ ከኣ ብዘለዋ ጂኦ ፖለቲካዊ ኣቕውማምጣ ኣካል ኣህጉራዊ ታሪኻዊ ተርኽቦታት ክትኸውን ዘእኽኣላ ብዙሓት ረቛሒታት ኣሎ። መናሃሪ ባይታ ታሪኽ ዝተፈጸመሉ ቀይሕ ባሕሪ መድረኽ ብምንባራ ከኣ ግድነት ነይሩ ኣካል’ዚ ታሪኽ ክትኸውን። ኣገዳስነት ጂኦ ኣቐማምጣ፡ ኤርትራ ትርከበሉ ማእከላዊ ምዃኑ ንረብሓታቶም ንምዕዋት ዘንቐሎ ኣራግጽ ወራራት ፡ ምስክርነት ገዛእ ርእሶም ባዕዳውያን ዘረጋግጾዎ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ዝንየተሉ ዝኾርዓሉን ባዕዳውያን ንዝፈጸምዎ ታሪኽ ዘይኮነ፡ እንታይ ደኣ ብገዛእ ርእሱ ዝሰርሖ፡ ኣንጻር ዝተፈላልዩ ዓበይቲ ወራራት ዝፈጸሞ ጅግንነትን ዘርኣዮ መኸተን ድልውነቱን ዝተሰረተ ታሪኽን’ዩ። እዚ ከኣ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ዝኾርዓሉን ዝንየተሉን። መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ’ምበኣር ዓሙቕ ምርጢር ትርጉም’ዚ ዝተጠቕሰ ዝሓቆፈ ነዊሕ መሪር ታሪኽ’ዩ።

ኤርትራ ብወራርን ኵናትን ትፍልጠ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስት ቀላሲት፡ ማእከል ምዕባለን ዕብየት ቀይሕ ባሕሪ ዙላ፡ ኣዱሊስ፡ ዳሕላኽ፡ ናዅራ፡ ካብ ራስ ዱሜራ ክሳብ ራስ ቔሳር ምስ ኩለን ማርሳታት ተሻራኺት ታሪኽ ሞምባሳ፡ ዛንዚባር ንግስነት ሳባ ወዘተ ዝኣመሰሉ ወርቅን ክቡር ዕንቝን፡ ቅመማት ዝርከበሉ ስሕበት ማእከል ባሕርን-መሬትን ዝገሹን ዝነግዱን ኣህዛብ ከም ዝነበረት መጠን፡ ኣብ ባህላዊ ብዙሕነት ዕብየት ዘመስከረት ታሪኻዊት’ውን እያ።

ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ’ውን ዓባይ መራኸቢት ኣፍደገ ባሕሪ ኣፍሪቃን ኣስያን ዘራኽብ ህንዳዊ ውቕያኖስ፡ ባብኤል መንደብ ጠረፋ ዓደንን፡ ሲናይ፡ ዓቐባ፡ ስዌጽ፡ ጸኒሑ ምስ ማእከላይ ባሕሪ መዲተራንያን ምስ ሙሉእ ኤውሮጳ ዘራኸበ መስመር ኣስታት ሓደ ሽሕ ኪ.ሜ ገማግም ባሕሪ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ እዩ።

እዚ ዘረጋግጾ ከኣ ንብደዐን ጅህራን ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ተሸካሚ ሓፍ ዘይብል ክቡር ታርኽ ምዃኑ ዘመልክት’ዩ። ታሪኽን ጅግንነትን ምስ ኵናት ዝተኣሳሰረ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም’ቲ ዝተጠቅሰ ቁጠባዊ፡ታሪኻዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን፡ ዕብየት ዝተረኣየሉ ኣፍደገ ዞባኣን ጎረባብታን ዘጣመረ ቀጥታውን ሓፈሻዊ ታሪኻዊ ትሕዝቶ ጸጋን ሃብትን ህዝቢ ኤርትራ መሰረት ዝገበረ’ዩ።

ዝኽሪ መበል 27 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ክረአን ክምዘንን ዘለዎ መሰረቱ መንነቱ ዘየጠፍአ ዝሓለፈን ዘሎን ድምር’ዩ። እዚ ስለ ዝዀን ከኣ ካብ ወለዶ ንወለዶ ክመሓላለፈ ሓላፍነት ምዕቓብ ታሪኽ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ነዊሕ ምርብራብ ዝተኻየደሉ ምንባሩ ኣብ ፍሉይ ኤርትራዊ ታሪኽ ማንም ከም ድላዩ ዘይጠዋውዮን ዘይትክፎን ዘለዎ ሕዙእ ቦታ ታሪኽ ቆፎ’ዩ።

ባዕዳውያን ገዛእቲ ካብ ዝነበሮም ክቱር ህርፋንን ፍሉይ ጠመተ ኣብ ኤርትራን ርውየቶም ከረጋግጹ ምስ ረብሓን ድሌትን፡ ሰላምን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝተጋራጨወ ምርብራብ ተኻይዱ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ኣብ ዝተኻየድ ኵናት ጥራሕ ዘይኮነስ ክነኡ ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእቲ ነቲ ታሪኽ ዘነጽሮን ዘብርሆን’ዩ። እዚ ታሪኽ ዘነጸረን ዘብርሀን ዝገለጸን ሂወት ሚእቲታት ኣሽሓት ኤርትራውያን’ዩ ከኣ ብስሞም ክጽንበል ዝግባእ። ነጻነት ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ብስም እዛ ሃገር፡ ንድሕነት ታሪኽ ሃገር፡ ንህላውነት ህዝብን ሃገርን፡ ንሰላምን ራህዋን መጻኢ ወለዶታቱ ሂወቱ ዝኸፈለ ኤርትራዊ ዜጋ ሽልማት’ያ።

ይኹን’ምበር ሃገራዊ ነጻነት ንምዕቛብ ጥራሕ ንህዝቢ ኤርትራ እኹል ትጽቢትን ሕልምን ኣይነበረን።ንነዊሕ ግዜ ዝተቃለሱሉን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ኣማዕድዩ ዝጥምቶ ዝነበረ ሙሉእ ሓርነት ብመጋበርያታት ህግዲፍ ተጨውዩ ካብ ዝሓለፉ ገዛእቲ ንላዕሊ ብዘስካሕኽሕ ጭቆና ክሳቐ ገይርዎ። ህዝቢ ኤርትራ ክንግንዘቦ ዘለዎ ህግዲፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ሓርነቱ ክጓናጸፍ ማለት ዘበት ምዃኑ ፈሊጡ ሓንሳብ ንሓዋሩን ንጭቆና ወጊዱ ኣብ ናይ ታሪኽ ጓሓፍ ሰንዲዩ ባዕሉ ወናን መንግስቲ ክኸውን ሕጂ’ውን ከም ትማሊ ሓድነቱ ኣትሪሩ ክቃለስ መተካእታ ዘይብሉ ቀንዲ ሃገራውን ህዝባውን ዕማም ምዃኑ ፈሊጡ ብንቕሓት፡ ብሕልና፡ ብዝተሳነየ ዝሓበረ ሃገራዊ ቅኒት ክገጥሞ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ።

ነጻነት ኤርትራ ኣውራጃ፡ዓሌት፡ሃይማኖት፡ጾታ ብዘይኣፈላላይ ዝተኽፈለ መስዋእቲ ዛዛሚ ውራይ ታሪኽ ነጻነት ኤርትራ ንዘልኣልም ዘይጠፍእ ምስ’ታ ኤርትራ ትብል መጸውዒት ዘይነጻጸል ክብርን ንሻንን’ዩ። ዝኽሪ በዓል ነጻነት ኤርትራ ኣብ ህዝባ ክህሉ ዝግባእ፡ ከም’ቲ ኤርትራ ማእከል ስሕበት ዕብየት ታሪኽ፡ባሕሊ፡ንግዲ፡ ማሕበራዊ ዝተጠቕሰ፡ ሎሚ ከኣ ኣብ’ዚ መሳጢ ስሕበት ታሪኽ ዝተሞርኮሰ ድሕነት እዛ ሃገር ዳግማይ ዛዛሚ ታሪኽ ምልኪ፡ ማእሰርቲ፡ ጭውያ፡ቅትለት፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ ጥሜት፡ ስደት፡ ምፍልላይ ከብቕዕ፡ ኤርትራውያን ገጽ ሰላም፡ ሕውነት፡ ስኒት፡ ጥሙርን ተሪርን ሓድነት ከርእይሉ ዝግባእ ካብ ማንም ግዜ ሎሚ ተደላይነት ዘለዎ ህጹጽ ተርኽቦ እቶ እቶ ንሓድነት ህዝብን ሃገርን መኽተ ኣንጻር ምልኪ ሽግ ሓርነት ኣልዕሊካ ድምጽጺ ክቃላሕ፡ ስውኣትና ኣብ መቃብሮም ዘቅስን ተግባርን ስርሓትን፡ ንህዝብና ኣብ ትሕቲ ምልኪ ዘብቅዓሉ ንብዓቱ ነጺጉ ሓርነቱ ከሳሲ፡ ዓዶቦ ከናብር ፍንሕኒሕ ዝብለሉ ግዜ ዕድልን ባይታን ዝፈጠረሉ እዋን’ዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብልዑል ተገዳስነት ካብ ዝርእዮን ዝሰርሓሉን ጉዳይ ከኣ ነዚ ታሪኻዊ ኤርትራዊ ተርኽቦ፡ ምስ ኩሉ ኣንጻር ምልኪ ዝቃለስ ኤርትራዊ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበር ውልቀ ዜጋታት ክዛተ፡ ክረዳዳእ ኣብ መወዳእታ ክሰማማዕን ብውጽኢቱ ተቀይዱ ብግሉጽነት፡ ቅንዕና ከሳሲ፡ ብዘለዎ ዓቕምን ክእለትን ኣካል’ዚ ዛዛሚ ታሪኽ ምልኪ ኣብ ኤርትራ ክኸውን ካብ ዘለዎ መትከል ሓድነት፡ ህላወ ህዝብና ሃገርን ኣብ ትሕቲ ክመጽእ ዝኽእል ዛዕባን ፖለቲካን ከኣ መሰረት ሕድሪ መስዋእቲ ኤርትራዊ ዜጋ ክኸውን ነጻነት ኤርትራ ዘረጋገጸ እዩ።

ዜናን ሓበሬታ

ሰ.ዲህኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11023

Posted by on May 21 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net