ጋዜጣዊ መግለጺ: ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ፍታሕ ከይረኸበ ንነዊሕ ግዜ ተንጠልጢሉ ዝጸንሐን ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ምትፍናንን ተጻብኦን ኣስዒቡ ዝጸንሐ ጉዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግን ሕጂ፣ ነቲ ሰፊኑ ዝጸንሐ ኩነታት “ኣይሰላም ኣይዉግእ” ወይ ድማ ከምቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝበሎ “ሞት ዘይብሉ ውግእ“፡ ናይ ፍታሕ ጩራ ክቀላቐል ምጅማሩ ንኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ብሓፈሻ ንህዝብና ድማ ብፍላይ ዓብይ ብስራት ሂብዎ ይርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ደላዪ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ምዃኑ ዘመስከረ ህዝቢ ብምዃኑ ነዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ተስፋታት ብዓቢ ሓጎስ ክቅበሎ ምዃኑ ንኣምን።

ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ዉሳኔ መሪሕነት ኢህወዴግ፡ ስምምዕ ኣልጀርን ዉሳኔታት ኮምሺን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኽትግበር ብዕሊ ከምዘጽደቆ ተሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር. ኣብይ ኣሕመድ፣ ኢትዮጵያ ዉሳኔ ፓርላማ ንምትግባሩ ቅርብቲ ከም ዘላ ንመላእ ዓለም ገሊጹ። እዚ ኣውንታዊ ምዕባሌ‘ዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ብኣውንታ ይቓላሕ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ‘ዚ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ነዚ ቅኑዕን ተባዕን መርገጽ እና ኣመጒሰ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ንሓው ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣፍደገ ዘላቒ ሰላምን ቅሳነትን ሰናይ ጉርብትናን ከርሑው ትንሚትና ወሰን የብሉን። እዚ ተወሲዱ ዘሎ ልቦናዊ ተበግሶ፣ ኣብ ሰረት ልዑላዉነት ክልቲአን ሃገራት ዝቚመ ዝምድና፡ ናብ ንቡር ቦታኡ ተመሊሱ፡ ክልቲኡ ሓው ኣህዛብ ተኻባቢሩ ዝነብረሉን፡ ኣብ ዞናና ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝርጋገጸሉን ጥዑይን ሃናጽን ዝኾነ ሓድሽ ጉዕዞ፡ ንጥቕምን ጸጋን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ይኹን’ምበር ሓንቲ ኢድ በይና ኣይተጣቕዕን’ያ ከምዝበሃል፡ ጉዱን ተግባራቱን ተቓሊዑ ዘሎን ኣብ ሰንከልከል ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ፡ እዚ ተበግሶ‘ዚ ብኸመይ ይቕበሉ ይኸውን ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ይኹን ኢትዮጵያዊ ከምኡ‘ውን ካልኦት ጉዱሳት ወገናት ዝለዓል ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ንጉዳይ ሰላምን ምርግጋእን ዋጋ ዘይህብ ስርዓት ከም ምዃኑ መጠን፣ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ጻዊዒት ብጎቦ ልቡ ካብ ምርኣይ ሓሊፉ፡ ብቕኑዕ መንፈስን ተቐራብነትን ክቕበሎ እዩ ዝብል እምንቶ ከነሕድር ኣዝዩ ዘጸግም ጉዳይ እዩ። እዚ ስርዓት‘ዚ ምስ ህዝቡ ከይተዓረቐ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሰላም ክነብር ድልየት ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ ዘይካኣል ኢዩ። ብኣንጻሩ‘ኳ ደኣ፣ ሕቶ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላም እንተ ተዛዚሙ፣ ነቶም ብስም “ምእንቲ ምክልኻል ሃገር“ ኢሉ ብኣሽሓት ኣብ ዕስክርና ጸሚድዎም ዘሎ መንእሰያትን፣ ከምኡ‘ውን ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንኸይቀውም ብግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመኻኒዩ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝኸውን ወንዚፍዎ ንዘሎ ኣምርን፣ ኣብ ቅድሚ ህዝብናን ሓፈሻዊ ርእይቶ ዓለምን ክቃላዕ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፣ ዝተፈላለየ ምስምሳት እናፈጠረ ክኸይድ ኢዩ ዝብል ግምታት ከም ዘሎ ክንእምት ንፈቱ።

ኣብ ክሊ እዚ ኣብ ዞናና ዝንህር ዘሎ ኣገዳሲ ምዕባሌታትን፣ ብዞባዉን ኣህጉራውን ድፍኢታት ዝተሰነየ ማዕበል ካብ ዝቀላቐል ድሮ ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ። ነዚ ንምግጣም፣ ተቓዉሞ ሓይልታት ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣሊና፡ ሰላምን ቅሳነትን ልምዓት ሃገርን ዘዉሕስ ዲሞክራስያዊ ለዉጢ ንምርግጋጽ ሓባራዊ ቃልስና ከነደንፍዕ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ውሽጣዊ ሰላምን ርግኣትን ከየረጋገጸ ኣብ ዞናና ሰላምን ቅሳነትን ክርከብ ኣዚዩ ኣጸገኣሚ ምዃኑ ብምርዳእ፣ ጉረባብቲ ኣህዛብን፣ ፍትሕን ሓርነት ዝድግፋ መንግስትታትን፣ ብህዝብና ንዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ክድግፍዎ ከተባብዕዎን ንጽውዕ።

ፈጻሚ ኣካል
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
08/06/2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11050

Posted by on Jun 9 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net