ምምስራት ናይ ሃ.ዲ ኪዳን ንመን የሔጉስ ንህዝብና ንመንከ የጒሂ ንጸላኢና

ለዋህ   ህዝብና

ደስ ይበልካ ኣጸቢካ ተሓጎስ ፈታዊ

ተመሪጹ ሓቢርካ ምቕላስ ፍትሓዊ

ብሕጊ ክንማሓደር መሰል ሰብ ክረዊ

ንሓደ ክልተ ዘይ ኮነ ንኹሉ ኤርትራዊ

ናይ ኣርዑት ህግደፍ ጾዖትካ  ክሓዊ

              ኣንታ ጨካን  ጽላኢ  

                          ኣጸቢካ ተኾምተር እነና ተጠርኒፍና

                           ምጽልላእ ሕድሕድ ፈጺምና ወጊድና

                          ምእንቲ ከነድሕን ተህሉቖ ዘለኻ ህዝብና

                          ኩሉ ጠመተና ንሰላምን ራህዋን ኣቕኒዕና

                          ስርዓትኩም ህግደፍ ከም ዘይ ነበረ ጌርና

                         ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል ግድንዩ ዓወትና

  ለዋህ ህዝብና

 ጸማምስ ሓደ ደርፉ ዝብል ምሳሌ ኣቦታትና

ህግደፍ ከባእስ ሓዊ ክውልዕ ኣብ ሞንጎ ህዝብና

ውሉድን ውላድን ነቓዕ ፈጢሩ ንጠቕሙ ከባእሰና

ምስ ወያነ ዝራኸቡ ክብል ንተቓወምቲ ሓይልታትና

ባዕሉ ዝፈጠሮ ኣህላቒ  ዂናት ናዓና ከላግበልና

ንዑኡ ጥራሕ ክፍቆዶ ክምስርት ከባላሹ ዝምድና

እዚ ተበላጺ ህግደፍ ነስተውዕል እሞ ናቱ ትንኩልና

               ኣንታ ጨካን ጸላኢ

             ኩሉ ከ ቃልዓካ ኩፉእ መጋብርካ ካላእ ትዘክሮ

               ህዝብና ንምህላቕ ዝብራሃካ ናይ ሃገር መንሽሮ

               ናይ ክሕደት ጥልመት ስዉኡኣትና ትድስቕ ከቦሮ

              ህዝብና ብምረት ግዝእትካ ኣይ ክኣለን ፈጺሙ ክጸሮ

              ዓጢቕልካ ኣሎ እቲ ሓፋሽ ህዝብና ወጽዓ ዝመረሮ

              ደላር ኣኪብካ ክትሃድም ምዃንካ በጺሕናዮ ኣለና ድሮ

ለዋህ     ህዝብና

      ምጥርናፍ ብግምባር ሃገራዊ ድሕነት  ምስ ተጀመረ

     ሓይልኻ ምድልዳል ዘተ ኣኼባ ካርቱም ምስ ተገብረ

      እቲ ደላይ ለውጢ ደላይ ሰላም ተሃወኸ ክሰምዕ ወረ

    16 ውድባት ብሓደ ክሰርሓ ንጸላኢ የህተፍቲፉ ዘባህረረ

   ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝብል ናይ ኩለን ሽም ጽኑዕ ዓረ

  ህግደፍ ዓመጸኛ ኣጽቢቑ ፈሊጡ ማዓልቱ ቐሪባ ከም ተሳዕረ

   ንደላር ኣነየ ደሽርፎ ድሃብኩኹም ተቐበሉ ክብል ጀመረ

     ስለምንታይ? ክሃድም ደልዩ

       ኣንታ ጨካን ጸላኢ

               ስዓብትኻ ሰብ ኣዋሪዶም ጥረታት ዘይ በሰሉ

              ደድሕሬኻ ብወገን ብዓልየት ሰብ ክመቓቕሉ

               ሕልምኩም ንጽፍኩም ትሕዝተኹም እሱዩ ኣኺሉ

               ብዓልየት ብሃይማኖት ቀቢላ ያኢይ ሃገር ክትምልሙሉ

              ሓፋሽ መሪርዎ ሕሰም መክራ ይነብር ኣሎ ኮብሊሉ

              ብኣፍካ ዓወት ንሓፋሽ ኢልካ ምጭራሕ ጣቛ ዘይ ብሉ

ለዋህ   ህዝብና

        ነቶም ንድሕነትካ ዝሰመሩ ኪዳን ኢሎም ሓይሎም ዘትረሩ

          እንታዩ ጸገሞም ኣብ ምጥርናፍ ሃገራውያን ዘዕገርጉሩ

           ኣብ ክንዲ ተጠርኒፍካ ምቅላስ ቁም ነገር ዝገብሩ

       ፋሕፋሕ ከእትው ምዓር ተረኺቡለይ ነገር ክብርቡሩ

        ውጽኢት ፋሕፋሕ  ይፍልጡ ድዮም ታሪኽ ይነገሩ

     ከም ነፋሒቶ ሕብሪ ሽሞም እና ቐያየሩ ንህዝቢ ከሕርሩ

      ተዋሃሂድካ ምቅላስ ክብረት ምሓሾም ንጥንቲ ንሓዋሩ

                      ኣንታ ጨካን ጸላኢ

           ስምረት ተቓወምቲ ሃ.ዲ.ኪዳን የዔሪኻ ክትፈልጦ

            ነቲ ኣረምናዊ ግፍዔኛ ስርዓትካ ካብ ስሩ ክቕንጥጦ

          ብዓመጽ መርየት እንዳማትካ ብሓይሊ ትሸጦ ትልውጦ

           ብሕይሊ ንሰብ ከም ኣቕሓ ኣብ ግድጓድ ዓጺኻ ጠቕምጦ

           ብዘይ ፍርዲ ናይ ዓመጽ ማእሰርቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ

          ኣየ ሓሳር ስርዓት ኣልቦ ምልኪ ኣሲርካ በሎ ቐጥቅጦ

           ርእሰማላውያን ተሓርሙዋ ሃገርና ባዕሉኹም ሸቓጦ

          ባዕዳውያን ገዛእቲ ንህዝብና ከምዚ ናትኩም ነይ ጸቐጦ

ለዋህ   ህዝብና

ኣጀዃ ህዝበይ እታ ዓባይ ገረብ ሃ.ዲ ኪዳን እናሃለ ጠጢዓ

ኩል ሕብረተሰብና ኣብ ጽላላ ክዑቆብ ዓቢ ይኹን  ቆልዓ

ክሕጎሱ ኣቦ፥ኣደ፥ሓው፥ሓፍቲ ኩላ ትሳቐ ዝነበረት ደም ነቢዓ

እሱራት ክፍትሑ ካብ ጉድጓድ ክወጽኡ ብርሃን ክሪኡ ተወሊዓ

ህግደፍ ሰፈረይ ተኮስኩ ክትብል ኪዳን ዝብል ሺም  ሰሚዓ

                        ኣንታ ጨካን ጸላኢ

                  ስሱዕ በጀካ ስልጣንካ ካልእ ዘመድ ዘይብልካ

                  ንኹሉ ንብር ባህሊ እንዳባ ፈጺምካ ሓኺካ

                ተሰዊኦም ሰንኪሎም ጀጋኑ ናጽነት ዘምጹእልካ

                ኤህ ኤህ ሕድሮም ተጋሂሱ ብኽድዓት ጠሊምካ

                 ዓጽሞም ስጎኦም ድሞም ኣበይ እሞ ከይሰደካ

ለዋህ     ህዝብና

 ተንኮለኛ ህግደፍ ከባእስ ምስ ኢትዮጵያ ባዕሉ ዝበተኾ ዝምድና

 ንተቓወምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘልው እናለ ከባእስ ምስ ህዝብና

   ንህግደፍ ጥራሕ ድዩ ዝፍቀድ ምምስራት ምብልሻው ዝምድና

ነስተውዕል እሞ ወፍሪ ናይ ዓመጽ ኣብ ርእሲ ተቓወምቲ ሓይልታትና

በቶም ሑሱራት ሰዓብቱ ጌሩ ሑሱር ጸለመ በዛ ነጥቢ እዚኣ ከባእሰና

 ዝበለ እንተበለ ስልጣኑ ቐንጢጥና ከነርክቦ ኢና ስልጣን ንህዝብና

     ኮምኡ እዩ ወሲኑ ናይ ሃ. ዲ. ኪዳን ቻርተርና

  ብደምን ብመስዋእትን ስንክልናን ህዝቢ ዝመጽኤት ሃገር

ናይ ግድን ኢዩ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ብዘይ ውዓል ሕደር 

         ክብርን ዝኽርን ንስውኣትን ንሱንኩላትን

      ካብ ራህዋ ህዝበይ ዝምነ ገብሪሂይውት (ኣቡዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2180

Posted by on Apr 21 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net