ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ብ1960 ተ.ሔ.ኤ ምስ ተመስረተት ዝተጻሕፈ ቅዋም ኣብቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ – ህዝባዊ ሓይሊታት ዝሕተም ዝነበረ ብ1981 ዝወጸ መጽሄት ‘ ሰውራ ‘ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2006 ( ወብ ሳይት) ፋራጃት ከም ዘሎዎ ኣውጽኡ ስለ ዝነበረ ነዚ ኣገዳሲ ሰነድ ኩሉ ክጥቀመሉ ብማለት ኣብ ትግርኛ` ቶርጊመ የቅርቦ ።

                       ዓብደላ ሓሰን ዓሊ

 ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

 

መጽሄት( ሰውራ ) ነቲ ካብ ዓመት ንላዕሊ ብረታዊ ተጋድሎ ቅድሚ ምጅማሩ  ብ1960 ኣብ ካይሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክትምስረት ከላ ዝተጻሕፈ ቅዋም ብቀሊልን ብሩህን ዝኾነ ኣገባብን ገለጻን ንመንቀሊታትን ኣገባብን ዕላማታትን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራን ፡ ከምኡ እውን ቀይድታትን ውድባዊ ቅርጻን ፡ መብዛሕትኡ ግዜ  ከምቲ ኣብዚ እዋንዚ ምሁራት  ሰውራውያን   ክእለቶም ንምርኣይ ካብ ዝኽተሉዎ ናይ ቃላት ምግናንን ህውተታን ምትሕልላኽን ብዝረሓቀ ኣገባብ ዝተጻሕፈ ሰነድ ንተደላይነቱ  ከም ዘለዎ እንሆ ።

ቅዋም

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

መእተዊ

ብስም እምላኽን ብስም ህዝቢ ኤርትራን….

 ንሕና ብፍትሓውነት ጉዳይና እንኣምን ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሓርነትናን ናጽነትናን ብትርን ብጽንዓትን ክንቃለስ ሓላፍነት ዝተሰከምና ኢና ።

ንሰውራዊ ስራሕ መጸዋዕታ ቅድሚ ምቅራብናን ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ከይጠለቅናን ከኣ ሓጺር ክውንነት ህዝቢ ኤርትራ ክንገልጽ ንፈቱ ።

ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ዘሕለፍናዮ ስሳ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈላለየ   ጭቆናን መሪር ግፍዕን ዘውረደ ነይሩ ክበሃል ይካኣል ።

 ብምዕዋት ሻራ ዝኾና ሃገራት ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ ሓደ ገጽ ካብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሉ መሪር ተሞክሮታቱን ቃንዛታቱን  ተዓጽዩ ፡ ኣብ መዝገበ ታሪኽ ህዝብና ካልእ ሓዲሽ ገጽ ተኸሲቱ ። ትሕቲ መግዛእቲ ተቆሪነን ዝነበራ ሃገራት ከኣ መሰል ርእሰ ውሳነኤን ክጎናጸፋ ተስፋ ይገብራ ነይረን ። ነዚ ድሌታት ዘንጸባሪቅ ንደቂ ሰባት ኣብ ሰላምን ናጽነትን ክብረትን ዘሎዎም ተስፋ ዝሕሉ ቻርተር ከኣ ብሕቡራት መንግስታት ተሓንጺጹ ነይሩ ።

 ይኹን እምበር ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ጠቅላላ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ምስ ቀረበ በዚ ኣህጉራዊ ውድብ ብ 2 ታሕሳስ 1950 ካብ መትከላቱን ቻርተሩን ዝተኣልየ ፡ ንሓራ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ ህዝቢ ውከሳ (ሪፈረንዱም ) ከይተገብረ ፡ ንኤርትራ ምስ መስፍናዊት ኢትዮጵያ ዘተኣሳስር ፡ ፈደራላዊ ሓድነት ተባህሉ ዝተሰየመ ፡ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ናይ ኣህዛብ ዝሃረመ ሓደገኛ ውሳኔ ተመሓላልፉ ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣህጉራዊ ውሳኔታትን ውዑላትን ዋጋ ከምዘይትህቦ ተረጋግጹ ።

 ኢትዮጵያ ነዚ ፈደራላዊ ውሳኔ ብምጥላም ንኤርትራ ብሓይሊ ጎቢጣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ ። ብወገን ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝተገብረ ፈተናታት ኩሉ ኮንቱ ኮይኑ ፡ ካብዚ ጸሊም መግዛእቲ ከድሕኖ ዝኽእል እንኮ ፍታሕ ምእዋጅ ሰውራ ምዃኑ ስለ ዝበራሃሉ ፡ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ብንቅሓትን ሓቀኛ ተረድኦን ሰውራውነትን ንኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ዝቃለስ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብሽም ህዝቢ ኤርትራ ክምስረት ወሰኑ ።

 እንሆ ከኣ ናብቲ ዘድሊ ዕላማ ፡ ማለት ናጽነት ኤርትራን ምቛም ሪፖብሊካዊት ኤርትራን ዘምራሓና ናይ ስራሕ ሰነድ ዝኾነና ቅዋም ነቅርብ ።

ቀዳማይ ክፍሊ

  ስም ፡ ዕላማ ፡ ሰንደቅ ዕላማ ፡ ኣገባብ ቃልሲ

ዓንቀጽ (1) ስም

  እዚ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተባሂሉ ይጽዋዕ ።

ዓንቀጽ (2) ሰንደቅ ዕላማ

  ሰንደቅ ዕላማ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እታ ኢትዮጵያ ዘውረደታ ናይ ኤርትራ ሰንደቅ ዕላማ እያ ።

ዓንቀጽ (3) ዕላማ

  ምሉእ ናጽነት ኤርትራ ምርግጋጽን ፡ ሓድነት መሬት ኤርትራ ምዕቃብን ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ምቋምን እዩ ።

ዓንቀጽ (4) ኣገባብ ቃልሲ

    ሰውራዊ ጎነጽ ዝተኸተለን ፡ ምስጢራዊ ባህሪ ዝሓዘለን ኮይኑ ወድዓዊ ኣድማዒ ኣገባብ ምኽታል  

  ህ) ምንቅቃሕ ህዝቢ ኤርትራን ፡  ስምረት መሪሕነቱ ምርግጋጽን ።

  ለ) ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ከም ዝፍለጥ ምግባርን ሓፈሻዊ ርእይቶ-ዓለም 

     ንምኽሳብ ኣብ ኣህጉራዊ ጉባኤታት ምስታፍን ።

ካልኣይ ክፍሊ

 ዓንቀጽ (5) ኣባልነት –  ኣባልነት ዝዋሃቦ

  ህ) ዕድሜኡ ካብ 18 ዓመት ዘይውሕድ ኤርትራዊ ።

  ለ) ብናጽነት ኤርትራ ዝኣምን ፡ ህርኩት ፡ እሙን ፡ ኣብ ስራሕ ተሓባባርን

     ፡ ንመስዋእቲ ቅሩብ ዝኾነን ።

  ሐ) ማሕላ ተ.ሓ.ኤ. ዝፍጽም ።

ዓንቀጽ (6) መሰላት ኣባል

  ሀ) ሓደ ኣባል ብስሪዒታዊ መስኖ ውድብ ኣቢሉ፡ ናብ ላዕለዋይ ባይቶ   

     ርእይቶኡ ከቅሪብ መሰሉ ሕሉው እዩ ።

  ለ) ዝኾነ ኣባል ብመሰረት ክእለቱን እምነቱን ተወፋይነቱን ኣብ ናይ ምምራሕ

     ቦታ ክመጽእ መሰሉ እዩ ።

  ሐ) ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራን ዝተፈላለየ ምዕባሌታቱ ከጽንዕን ክፈልጥን ዘኽእሎ 

     ባይታ ይጥጣሓሉ ።

ዓንቀጽ (7) ግቡኣት ኣባል

  ህ) ምስጢራት ውድብ ይዕቅብን ፡ ኩሉ ግቡኣቱ ብንጽህናን

     ትርን ጽንዓትን ይፍጽም ።

  ለ) ገንዘባዊ ሕግታት ውድብ ዝወሰኖ ወርሓዊ ውጽኢት ይኸፊል ።

  ሐ) ሓደ ኣባል ብመሰረት ሕገ ህንጻ ውድብ ዝካየድ ውደባ (ስርርዕ)

     እንተዘይኮይኑ ካልእ ጎጃጃሊ ምትእኽኻብ ክገብር ብጥብቂ ክልኩል እዩ ።

  መ) ኣባል ናይ ካልእ ውድብ ክከውን ኣይፍቀድን ።

ሳልሳይ ክፍሊ

   ስርርዓዊ ቅርጻ ፡ ፈጻሚ ኣካል ፡ ውሽጣዊ ሕግታት ፡ መቅጻዕቲ

ዓንቀጽ (8) ኣወዳድባ

   ሀ) ውድብ ብመሰረት ጉጅለታት ዝተሰርዔ ኮይኑ ብዝሒ ጉጅለ ካብ

      ሓሙሽተ ዘይውሕድን ካብ ሸውዓተ ዘይበዝሕን ይከውን ።

  ለ) ጉጅለ ካብ ውድብ ዝመሓላለፈላ መምረሒታትን ውሳኔታትን ንምጽናዕን

     ንምትግባርን ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ስሩዕ ኣኼባኣ ተካይድ ።

  ሐ) ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ኣብ ጨንፈር ወካሊ ይህልዋ ።

ዓንቀጽ (9) ፈጻሚ ትካል

1.    ላዕለዋይ ባይቶ

  ላዕለዋይ ባይቶ ዝለዓለ ስልጣን ውድብ ኮይኑ ንዕኡ ተባሂሉ ብዝተሓንጸጸ ሕጊ መሰረት ይቆውም ።

2.    ፈጻሚ ኣካል

ሀ) ፈጻሚ ኣካል ካብ ኣባላት ባይቶን ባይቶ ብዝሓጸዮም             

        ኣባላት ውድብን ይቆውም።

     ለ) ዕማማት ፈጻሚ ኣካል ላዕለዋይ ባይቶ ብዘጽደቆም ሕግታት መሰረት

        ይውሰን ።

ዓንቀጽ (10) ውሽጣዊ ሕግታት

     ሀ) ምምሕዳራዊ ጉዳያት ውድብ ብመሰረት ፈጻሚ ኣካል ዝውስኖ ሕግታት ይስራዕ ።

     ለ) ኩሉ ኣብ ሕግታት ዝጥቀስ ነገራት ምስ ትሕዝቶ ቅዋም

        ክጋጮ  የብሉን ።

ዓንቀጽ (11) መቅጻዕቲ

     ሀ) ብሸለልትነት ፡ ህኩይነት ወይ ከኣ ብዘይ ቅቡል ምኽንያት ካብ

        ኣኼባታት ዝቦኸረ ኣባል መግናሕቲ ይግበረሉ።

     ለ) ገሊኡ ክስታት ፡ ላዕለዋይ ባይቶ ተሰማምዑሉ ዘጽድቆ ምስ ዝከውን

        እቲ መቅጻዕቲ ክሳብ ምስጓግ ወይ ከኣ ክድዓት ናብ ዘብል ደረጃ  

        የበጽሕ።

ራብዓይ ክፍሊ –  ገንዘብ

ዓንቀጽ (12) ገንዘባዊ ምንጭታት ውድብ ፡-

     ሀ) ኣባላት ዝኸፍሉዎ ወርሓዊ ውጽኢታትን ወፈያታትን ።

     ለ) ካብ ደገፍቲ ጉዳይ ኤርትራ ዝርከብ ወፈያታትን ሓገዛትን ።

     ሐ) ኣወጻጽኣ ገንዘብ ብዝምልከት ንጥፈታት ቃልሲ ብዝሓቶ መሰረት ኣብ

        ገንዘባዊ ሕግታት ብምምርኳስ ፡  ኣብ ጠቅሚ ጉዳይ ሃገር ይውዕል ።

ሓምሻይ ክፍሊ

ዓንቀጽ (13) ቃለ ማሕላ

     ብናጽነት ኤርትራ ኣሚኔ ንምርግጋጹ ብእምነትን ቅንዕናን ጽንዓትን ክቃለስን

     ምስጥራት ውድብ ክሳብ ሞት ከዕቅብን ብስም ልዑል ኣምላኽ ይምሕል ።

ዓንቀጽ (14) ምምሕያሽ ቅዋም

     ጠቃሚ ተደላይነት ምስ ዝህሉዎ ፡ ካብ ጨንፈር ሽማግለ ወይ ከኣ ሓደ ሲሶ

     ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ዘቅርቡዎ ርእይቶ ፡ ደገፍ ክልተ ሲሶ ካብ ኣባላት 

     ባይቶ ምስ ዝረክብ ዝኾነ ዓንቀጽ ናይዚ ቅዋም ክመሓየሽ ይከኣል ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2209

Posted by on Feb 14 2005 Filed under Documents. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net