መልእኽቲ ብፍላይ ንምሁራት

ክፈቱዎ ናይ ርእሲ ማሕቱታ

እንታይ ይዓብስ ዘይብላዕ ብርኲታ

ብ ረ.ክ. (ባሻይ) ሚያዝያ 12-2005

ተለዓል ተበገስ ምሁር ፕሮፌሰር

ዓይኒ ወላዲትካ ተደፊኑ በሰር

እኽሊ ተጎኒኹ ተሪፉካ ሓሰር

     እንታይ ዘጸቢ ‘ሎካ ከተለሊ ንመን?

     ዘጋጊ የብሎምን ዕንቅርቢተ ተመን

     ጣዕስኡ ኣይወጽእንዩ ንስምረት ዝልመን

መንእሰይ ሃገርኩም ከም ጤል ተወጢጡ

አደይ ከይጸገበ ሩባ ሞት ፈሊጡ

ኣሕዋትኩም ነጺፎም ንምንታይ ተጽቅጡ

     ውድባትና ኣብ ካርቱም ሰሚርና እንተበላ

     ኪዳን ይኹነና ኢለን እንተመሓላ

     ሕማቕ ወረ ድዩ’ታ ድሕርሕር ትብሉላ?

ክገርመኒ ደልዩ ሕጅስ ናይ ብኡነት

ፋሕ ኢልናዶ ‘ሓይሽ ካብ ሰሚርና ማለት?

እንታ’ዩ ‘ቲ ሕልሚ እንታየ’ዩ ‘ቲ ድሌት?

     ምዓስ’ዩ ዝበሊ ስምረት ምንእኣስ?

     ኣረብሪቡና’ኮ ብፊደል ምብኣስ

     ሕጅስ’ባ ይእከል ንህዝብና ንኽሓስ!

እይፈልጣን’የ ነይረ ‘ዛ እርጋን ዝብልዋ

ኣሪግኩም ክብልስ ባዕለይ ኣተኹዋ

ለካስ እዚኣ’ያ ድንግርግር ዘለዋ!

     ሓገዝ እንተጠለቡ ሰሚርና እንተበሉ

     ሰብ ይሕጎስ እምበር ይጸቦ ድዩ ዓቕሉ?

     ለካ ዓውዲ ስደት ቀላሲ ዘይብሉ!

ተስኡ ንበገስ ሕጅስ ንበራበር

ወግሐ-ጸብሐ ብላሽ ዕድላት ኣይንቕበር

ኣዕጽምቲ ህዝብና ክንደይሳዕ ክስበር

     እንታይ ትርፊ ‘ለዎ ከማይ ጥራይ በሉ

     ኣነ’ውን ከማኹም እባ ሓውስሉ

     ሓው ኣይንዓቕ’ንዩ ከርተት ዝዕድሉ

ናይ ለብዘበን ነገር ጒዳም’ዩ መስደምም

ስመሩ ይብል’ሞ ተመሊሱ ይረግም

መሪር ስቅያት’ዩ ኣዚዩ ዘሕምም

     እወ! ሓደ ሓቂ ኣሎ ሎሚ ነስተብህሎ

     ምሒልካ ጥሒልካ ምርሳዕ’ውን ኣሎ

     ናይ ሓባር ገዲፍካ ናይ በይንኻ ኣውሎ

ሕደጉ! ሕደጉ! ብኪዳን ንወከል

ኣእሪጉና እኮ’ዩ ውድባዊ ኰለል

ህዝብኻ ትብድል ንስኻ ትብለል

     ምሁር ተበገስ ድሕሪት ኣይትገታእ

     ሰርሲርካ እተዎ ኣብ ውሽጢ ተዋጋእ

     ኪዳን ናይ ኩሉ’ዩ ናይ ዘይብሉ ሰጋእ

ዕድል ዘይረኸበ ዝተረግጸ ህዝቢ

ቃላት ሓጺሩዎ ሒደት መዛረቢ

ኩሉ-ሳዕ ይብልዎ ኣነ ‘ኮየ ዓቢ

     ተልዓል ምሁር ሃለዋት ኣይተጥፍእ

     እንደገና ኣይተጒድል ዝጎደለ መልእ

     ፈትሊ ዋጋ የበሉን ተዘየልዩ መርፍእ

ኡይ እንዳተባህለ ዘይትሰምዕ እዝኒ

ደም እንዳ ተነብዐ ዘይትርኢ ዓይኒ

ሕጂ ናይ ሰብ-መሰል ጸኒሓ ናይ ግኒ

     ምልክት ምዓርግ ቆብዕ ኣብ ርእስኻ

     ኣብዛ እዋን’ዚኣ እንተ ተጋጊኻ

     ተንኮበት ትሓይሽ ላኻ ናይ ዓድኻ!!!

ነባሪ ጭርሖና=ስምረት ናይ ብሓባር ዝፈረሙ ዘይኮነስ ናይ ብሓባር ዝሰርሑ ኢዩ።


Short URL: https://english.farajat.net/?p=2221

Posted by on Apr 13 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net