ኪዳን!

መክት ጸላእትኻ ከትክት

ክተት ናብ መሬትካ ሰተት

ረ.ክ. (ባሻይ) ሚያዝያ 01-2005

ሕጂኸ ‘ታይ ይብሉ ብዓል ሙጒያ

ጒድ ረኺቦም ሳረምኦም ተኻዕያ

መኽደን ዕትሮ ስኢኖም ጥፍረርያ

     ነዊሕ ተጓዒዞም ብፍትሊ

     ተቓሊዖም ተለሊዮም ብዕሊ

     ቀምሽ ውሽጦም ወጺኡ ብላዕሊ

ካቲማ የብሉን መታለሊ

ሕልኩስ ፍጥረት ኣብ እቶን ዝበሊ

መዀስ ሓምሊ ጠበንጃ ናይ ጻሕሊ

     ፈኲስ ዕጥቂ ሽራርኡ ጨርቂ

     ኣመለኛ ዕላምኡ ቆይቍ

     ሒደት ትሕዝትኡ መስፈር ጭንቂ

ምስ ዓረበ ዘይወግሕ ዝመስሎ

ድዉን ፍጥረት ጠቐር ዝበለሎ

ትኽ ኢሉ ዘይከይድ ዒንኪላሎ

     ካብ ጽሩይ ማይ ሕርኽራኽ ዝፈቱ

     እንዳ ተዓጥቀ ዝፍታሕ ቅናቱ

     ደቂ መሬት ዝኣስር ኣሕዋቱ

     ደቀ ‘ብኡ ‘ዲኡ መዋልድቱ

መስፈር ጸይቂ ጋንታ ዝጠለሙ

ከይተነበ ዝድምሰስ ቀለሙ

ትኪ ጻሕሊ መኾምብያ ዓቕሙ

     እንሃልካ ወጺኣ ‘ታ ቻርተር

     መን’ዩ ሽፍታ መን’ዩኸ ዝኽተር?

     መን ይስከም መን’ዩኸ ዝሕንገር?

ወያ ቻርተር መጺኣ ብእግራ

መን’ዩ ቀጢን መን’ዩኸ ዕባራ?

መን’ዩ ጎዲም መንከ በሊሕ ካራ?

     መርምሩዋ ‘ታ ቻርተር ንሳ’ያ

     መን’ዩ ጽዕነት መን’ዩኸ መጠልያ?

     መን’ዩ ፈረስ መን’ዩኸ ዓረብያ?

ኣንብብዋ ኲለሉዋ ኩላ

መን’ዩ ጽራይ መን’ዩኸ ሓተላ?

ማዕረ ኢና እንድያ ትብል ዘላ

     ‘ታይ ሽግርኩም ብዓል ኩሉ ወዮ

     መን ክተኲብ ተጋጊኹም ሕዮ

     ተኻፊእኩም ናይ ለብዘበን ዋህዮ

ስቕ ‘ተበልካ ክትሓምዩ ትውዕሉ

ተሰራሕካ ተጋጊኹም ትብሉ

ብጥራዩ ግርም ውሓላሉ

     ሃገር’ኮ ገይሮማ ንዋያ

     ብዓል ዕቋር መአከብ ጽንጽያ!

     ሃገር’ኮ ገይሮማ መቓብር

     ጥውይውይ ኣመሎም ብዓል ውንጅር!

ግዲ የለን ተፋሊጥና አለና

ኣይነብርን ቀውዒ ርሒቑና

ጸያቕ ማዕጺድ ምዓስ ጠፊኡና።

ኪዳን!

መክት ጸላእትኻ ከትክት

ክተት ናብ መሬትካ ሰተት

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2278

Posted by on Apr 1 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net