መበል 45 ዝኽሪ ዓመት ጥይት ጅግንነት ሕጂ’ውን እቲ ፍታሕ ብብረት እዩ

ወርሒ መስከረም ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ትፍለጠሉ ቀንዲ ነጥቢ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ብሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ብጾቱን እዩ። ስለዝኽነ ድማ ዲሞክራሲያዊ ጉዕዞና ንግምግመሉን መጻኢና እንእምተሉ ነጻ ካብ ጨኳኒ ዲክታቶርነት ሓርነት ውልቀ ዜጋ እነረጋግጸሉን ማእከል ናይ ሃገራዊ ታሪኽና ዝኾነት ወርሒ እያ ።

ብተወሳኺ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ልዕሊ’ቶም  ሂወቶም ምእንታና በጃ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ስውኣት ዘሎና መብጸዓን ኣኽብሮትን ዲሞካራሲያዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ነቲ እሶም ዝጀመርዎ ቃልሲ ንመሰልን ክብርን ህዝብና ተላዒልና እንቃለሰሉ ኣጋጣሚዩ ። ዝኽሪ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረተዊ ቓልሲ ህዝብና ዝኸፈአ ሓደገኛ ኩነታት እናንጸላለዎ እንከሎ ስለቲ ዝኽሪ ጥራይ ተዘኪራ ውዒላ ።እቲ ንመሰሉ ንፍርቂ ዘመን ዝተቓለሰ ህዝቢ ሎሚ ኣደዳ ጥሜትን ምብትታንን ማአሰርትን ጥፋትን ህልቂትን ኮይኑ ይርከብ ።

እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ከኣ እቲ ኣብ መስከረም ዝተሰንቀ ሓቦ ድርዒ ወስኹ ንፍትሒ ከበግስ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓላፍነትን ግቡእን እዩ ።እዚ ኣብ ኤርትራ ዝንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ካብቲ ቅድሚ 45 ዓመት ዓመጽ ንምልዓል ዝደረኸ ኩነት ዝከፈአ ምዃኑ ሓተታ ዘይድልዮ ግሉጽ ብምኻኑ፡ እታ ናይ ዓዋተ ጥይት ዳግም እትትኮሰሉ ግዜ ሕጂ እዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዓስኪሩ ዘሎ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ስነሞጎት ሓይሊ ዝኣምን ብግሁድ ንዝተቃወምዎ ጥራይ ዘይኮንስ ዝተፈልየ ሓሳብ ንዘለዎም ሃገራውያን ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝጽንት ዘሎ ስርዓት ስለዝኾነን፡ ንሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ዝኸፍእ ጸበባ ከጋጥሞ ስለዘይክእልን ምእንቲ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ነዚ ናይ ዓዋሉ ግጅለ በቲ ዝርድኦ እንኮ ኣማራጺ ጎነጽ ክንምልሰሉ እዋኑ ዝጠልቦ እዩ። ስለዚ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ነቲ ዝሓጸርን ኣማራጺ ዘይብሉ ምርጫን ክወስድን ነቲ ዝሓለፈ ክልተ መስከረማት ሒዝዎ ዝጸነሐ ፍታሕ ዘየምጸአ መርገጺ ካብ ዝተለኮተ ማዕጾ ምልማን ንሰላም ወጺኡ፡ ምስ ግዜ ዝኸይድ ስቓይ ህዝቢ ዘሕጽር ቃልሱ ምስ ምጥቃም ሓይሊ ምስዘዋሃህዶ ጥርሕ እዩ።

ኣብዚ ህጂ እዋን ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ሕማቕ ሂወት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን ንኽሉ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ጃምላዊ ማኣሰርቲ ጥሜየት ድንቁርና ሕማም ወዘተ ንጎኒ ገዲፍና፡ ሓልፍነት ሃገርን ህዝብን ክስከም ዝግበኦ መንእሰይ ብስም ኣግልግሎት ኣብ ውትህድርና ከምዝጽመድ ብምግባር ድሕሪ ናጽነት ጉልበቱ ብባርነት መደልደሊ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ኣሎ። ካብ’ዚ ናይ ባርነት ሂወት ንምምላጥ መንእሰይ ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ ናብ ዝሰለጦ ይሃድም ኣሎ። እቶም ካብ መጻወድያታት ህግደፍ ኣምሊጦም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝበጽሑ መናሰያት ዉሕስነት ሂወትን ተስፋን ሰለዘይረኸቡ ሂወቶም ንሓደጋ ኣወፍዮም ናብ ምሉእ ዓለም ይበታተኑ ኣለዉ። ካብዚኦም ብሂወትም ኣብ ናይ ግዚኡ መዕረፊ ዝበጽሑን ኣብ ኣብያተ ማኣሰርትታት ናይተን ዝኣተውለን ሃገራት ዝሳቐዩ ዘለውን ብሂወትም ብምህላዎም እቶም ዕድለኛታት እዮም። ኣበይ ከምዝኣተዉ ዘይፍለጡን ምድረበዳታት ሳህራን ባሕርታትን ቀላያት ዝውሕጦም ዘሎ መንእሰያት ምስእትጽብጽብ ብሓቂ ሃገርን ህዝብን ይጥፍኡ ምህላዎም ዘይካትዕ ኮይኑ ትረኽቦ። ነዚ ኩነታት’ዚ ዝፈጠረ ናይ ዓዋሉ ስርዓት ብገበን ዝሕተት ኣብርእሲ ምዃኑ ብሓይሊ ክእለ’ምበር ከም’ቲ ናይ መብዛሕትኡ ደላይ ጽቡቕ ሃገራዊ ጉዳይና በቲ ንበር ናይ ሰላም መንገዲ ክሰጋገር ከምዘይካኣል ተረጋጊጹ እዩ።

መፍትሒ ናይዚ ኩሉ ጸበባ ምእላይ ናይቲ ሰርዓት እዩ። ኣዚ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ድማ ዋናን በዓል ጉዳይን ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቃውሞ ምንቅስቃስ ኮይኑ ንኽሳተፍ ምቹእ ባይታ ኣይጸነሖን።  በተን ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙለን ዘለዉ ሃገራት ዘጋጥሞም ዘሎ እዚ ዘይበሃል ግፍዕታት ንምክልኻል ወይ ንምቅላል ብተቓወምቲ ሓይልታት ሚዛን ክወሃቦ ዝኽእል ስራሓት ተኻይዱ ክትብል ዝድፈር እይኮነን። ሓደ ክንጸር ዝግብኦ ነገር እንተሃልዩ ደንበ ተቓውሞ እምነት ናይ መንአያት ረኺቡ ኣብ ምሕጻር ዕድመ ዲክታቶር ከሰልፎም ኣይከኣለን ፡ እዚ ኸኣ ስጋብ ሕጂ ዘይተፈወሰ ሕማም ኮይኑ ኣብ ምንዋሕ ዕድመ ዲክታቶራያዊ ስርዓት ዓቢ ግደ ይጻወት ኣሎ።

 በዚ ሓንቲ ካብተን ብሕማቕ ታሪኽ ናይ ህዝብና ትዝከር ዘላ ሃገር ሊብያ  እያ። መንግስቲ ሊብያ ምስ ሰርዓት ህግደፍ ብዘለዎ ዝምድና መንእሰያትና ኣብ ምእሳርን ንኣደዳ ማኣሰርትን መቕተልትን ኣሕሊፍካ ብምሃብ ኣብ ኣከይ ተግባራት ይሳተፍ እሎ። ሂወት ናይዞም መንእሰያት ንምድሓንን እካል ናይቲ ቃልሲ ኮይኖም ተርኦም ንኽጻወቱን ተቓወምቲ ውድባት ብዓቢኡ ድማ መሪሕነት ኪዳን ኣበርቲዑ ክሰርሓሉ ዝግበኦ መሰረታውን ኣዋናውን ጠለብ እዩ። ሐደ ካብቲ ናይዚ ኣዋን ኣሻቃሊ ኩነታት መንእሰያት ነቲ ብመንግስቲ ሊብያ ነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መንእሰያት ንሰርዓት ኣስመራ አሕሊፍካ ንምሃብ ዝግበር ዘሎ ውዲት ንምድሓኖም ናብ መራሒ ሊብያ ሙዓመር ኣልቓዛፊ ምሕጽንታ ምቕራብ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ክጓየየሉ ዝግበኦ ህጸጽ ግዳይ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገራት ዓረብን ገለ ሃገራት ኤውረጳን ተሰዲዱ ንዝነብር ዘሎ ህዝብና ናይ መንበሪ ፍቓድ ሰንዳቶም ምስ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ስለዝተእሳሰር ኣብ ግዜ ምሕዳስን መገሻታትን ከም ቀንዲ ሚንጪ ናይ እቶቱ ብምራኣይ ብቶም ብኮራብሽን ዝመሽመሹ ዲፕሎማቱ ጌሩ ዓቅሎም ከጽብበሎምን ከፈራርሖምን እንከሎ፡ ሽግራት ኣብ ዘጋጥሞም ግዜ ግልጽ ኢሉ ከምዘይሪእዮም አብነት ንምጥቃስ፡ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ  ኤርትራውያን ብመንገዲ ኤንባሲ ግብሪ እናተወሰደሎም ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ግጭት ሓገዝ እናደለዩ ዝተገብረሎም ሓገዝ ከምዘየለ ኣዩ።

መበል 45 ዝኽረ ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ንዝክረሉ ኣዋን ኣብ ተዘክሮታትና ዝቕልቀል ኣወንታዊ ተራ ህዝቢን መንግስትን ሱዳን እዩ። ይኹን እምበር ሓሓሊፉ ስርዓታት ሱዳን ንግዝያዊ ሃገራዊ ጥቕሞም ክብሉ ነቲ ኣሚኑ ተዓቂቡ ዘሎ ህዝብን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ጽቕጥታት ክገብሩን ከጋፍዑን ይራኣዩ ኣዮም። መበል 45 ዝኽሪ ዓመት ድማ ነዚ ትምስከር ዘላ ትመስል። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምዝራግ ሰላም ሃገር ሱዳን ታሪኽ ዘይርሰዖ ተራ ከምዘይተጻወተ ሎሚ ካብ’ቲ ኣትይዎ ዘሎ ዓለማዊ ተነጽሎን ቁጠባዊ ውድቀትን መስተንፈሲ ንምርካብ ኣብ ሽግር ሱዳን ሸምጋሊ ተመሲሉ ናይቶም ሒዝዎም ዝጸነሐ ናይ ደቂ ምብራቕ ሱዳን ጠለባት ዋና ኮይኑ ይጣላዓሉ ኣሎ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ መንግስቲ ሱዳን ንስርዓት ህግደፍ ንምጥባር ነቶም ምእንቲ ዲሞክራሲን ፍትሕን ዝቃለሱ ዘለዉ ውድባት ኣቐዲሙ ንዝተመደበ ጉባኤታትን ኣኼባታትን ንኽይካየድ ከልኪሉ። እዚ ኣብ ግምት ምስዝኣቱ ኣገባብ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ክሰጋገርን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ክካየድ ይጥለብ ከምዘሎ ድምበ ተቓውሞ ክዝንግዕ የብሉን።

ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንምክያድ ውጥናት ካብዝውጽን ብዝሓት ካብ ዝዛረቡሉን ነዊሕ ኮይኑ እዩ። እዚ ዋዕላ’ዚ ንኹሎም ተቓወምቲ ውድባት፡ ዘይፖለቲካውያን ማሕበራት፡ ደቂኣንስትዮ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ አገደስቲ ዉልቀሰባት፡ መንእሰያት፡ ትካላት ነጻ ፕረስ ዘሳትፍ ኮይኑ ክዳሎን፡ ንዘለና ሃገራዊ ሽግራት ዘትዩ ንእዋናዊ ኣግባብ ኣታሓሕዛ ቃልሲ ዝስእል ዋዕላ ክካየድ ኣለዎ። ኣዚ መደብ’ዚ ብሃገራዊ ምሕዝነት ከም ቀንዲ መደብ ተወሲዱ ይዘረበሉ እምበር ከይተትግበረ ናብ ኪዳን ተመሓላሊፉ እዩ። ከነታት ህዝብናን ሃገርናን እናሓደረ ናብ ጥፍእት የምርሕ ስለዘሎ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን መደምደምታ ክገብረሉ ይሕተት ኣሎ።

ክብሪን ህያውነትን ንንጹሃት ሰማእታትና

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ፈረጀት

Sep 2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2494

Posted by on Sep 1 2006 Filed under Editorial. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net