ጻውዒት ንተቓወምቲ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ንምምሕልላፍ ዝተዋሃሃደ መልእኽቲ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ሰነ 01, 2005
ካርቱም  

ብዘይ ጥርጥር ተራ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ቃልሲ መድረኻት ዓብይ እዩ።ኣብዚ ግዜ ተቓውምቲ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ሓድነታዊ መስርሕን ንስርዓት ኢሰያስ ንምግጣምን ጻዕረታተን ኣብ ዘሐይላሉ ዘለዋ እዋን፡ ሓደ ዝተዋሃሃደ ዜናዊ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ቐንዲ መሳርሒ ንገለ ዌብ ሳይታት ሓበሬታ ምሃብ፡ እቲ ቐንዲ ዕላማ ካብ ዕጹው ማዕጾ ሃዋህው ናብ ክፉት ንምስጋር፡ ውሱን ዝኾነ ጽልዋታት ናብ ዝበዘሐ ንምስግጋር ጀሚርናሉ ዘለው ግዜ ነዚ ጻውዒት ይቐርብ።ነዚ መንገዲ ንኽንሕዝ ንዓና ዘተባባዕና፡ ተገዳስነት ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት፤ ልዑል ድሌቶም፤ ዝተፈላላዩ ጻዕርታቶም ንምሕባር ዝግበር ዘሎ መደብ፤ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዓለማዊ ህዝባዊ ርእይቶ ንምግላጽ እዩ።እቲ ቐንዲ ዕላማ ካብዚ ስራሕ ምውህሃድ ወይ ሕብረት ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና እዩ ክኸውን ዘለዎ።ነቲ ዘሎ ፍልልያት ካብ ውልቃዊ ንምግባር ብምርሓቕ ነቲ ዜናዊ ስርሓት ኣብ ፕሮፈሽናል ስራሕ ዝተሞርከሰ ኮይኑ፡ እቲ መድረኽ ነቶም ክኢላታት ዝባሃሉ ካድረታት ምሃብ።እዚ ድማ ዜናዊ መልእኽቲ ብርግጽ ናይ ፕሪፈሽናል ዝኾነ ሙሉእ ፍልጠት ብዛዕባ መምርሒታት ዜናዊ ስራሓት ዘለዎ ሰብ የድልይ።

ካብቲ ቐንዲ ጉዳያት ከነተኩረሉ ዝግባኣና ወይ ኣተኩሮ ካባና ዘድልዮ ጻውዒት ንውህደት ጻዕርታት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብዚ መዳይ ድማ ኩልና ሓደ ናይ ሓብር ጸላኢ ንገጥም ከምዘለና ክንርዳእ ይግባእ።ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ ስልጣንን መሳርሒትታንን ሙሉእ ዓብለላ ዘለዎ ብኡ ኣቢሉ ምግሃስ መሰላትን ጭቖናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝግበር ዘሎ ጸላኢ ምዃኑ ክፍልጥ ይግባእ።በንጻሩ ግን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንፍትሓዊ ዕላማ ዝቓለሳ ዘለዋ ማለት ንጉዳይ ናጽነትን ዲሞክራስን፤ ምክባር መሰላት፤ ንግሉጽን ቕንዑን ምሕደራ ንምምስራት እዩ።እዚ ቃልሲ ዞባውን ዓለማውን  ብፍላይ ካብ ህዝብትታን መንግስታትን በቲ እቲ ስርዓት ዝፈጥረሎም ዘሎ ጸገማትንን ስቕያትን ዘለዋ ደገፍ ኣልዎ።ስለዚ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ተጠቒምካ ሓበራዊ ዘተ ምስ ስቪል ሕብረተስብ፤ ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታት ናይዚ ዞባ ክንገብር ይግባእ።ሓቂ እዩ እዚ ቐሊል ጉዳይ ኣኮነን ብፍላይ ኩነታት ናይተን ኣብ ስደት ዘልዋ ተቓወምቲ ሓይልታት እቲ ከጋጥመን ዝግባእ ናይ ምግያሽ ዕንቕፋትን ብገለ ዓቐን ድማ ቐይድታት ምስተን ዘጋይሽአን ሃገራት ብስንኪ ፖሊስታተን ክህልው ስለዝኽእል።እዚ ግን ተኽእሎ ዘተ መድረኽ ንምኽፋት ክዕንቕፍ ኣይግባእን። ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ዞባና ብፍላይ ምስ ተቓወምቲ ሱዳን ሕጂ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትየን ንምምስራት ሓዳስ ሱዳን ብዝሑነት ስልፍታትን መሰልን ናጽነትን ዝሕልው ኣብ ስልጣን እታ ሃገር ክሳተፋ ዝዳለዋ ዘለዋ ከምእውን ምስ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ምርጫ ብመንግስቲ መለስ ዜናዊ ኣብ መሪሕነት እታ ሃገር ንምስታፍ ዝዳለዋ ዘለዋ ርክብ ምግባር።ከምእውን ኣድላይነት ናይ ዘተ ምድረኻት ዳግማይ ምብርባር ምስ ፍሉጣት ጸሓፍቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ጎኒ ሰውራ ኤርትራ ደው ኢሎም ንናጽነት ኤርትራ ዝጣበቑ ዝነበሩን።ንሳቶም ድማ ቐንዴል ፍልጠት ኣብ ሃገሮም ስለዝኾኑ ቀጥታዊ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ስለዘለዎም።ገለ ካብ ኣቶም ንምጥቓስ ፍሉጣት የሕዋት ሱዳናዊያን ጋዜጠኛታት ዶክተር ኢብራሂም ደገሽ ግዜጠኛን ጸሓፍን፡ ዳይርክተር ክፍል ዜናን ውሃቢ ቃል ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ነበር፡ ሎሚ ኣብ ሱዳንን ፍሉጣት ጋዜጣታት ዓረብን ዝጽሕፍ ዘሎ፤ ባብክር ዒሳ ኢዲተር ናይታ ኣብ ቐጠር እትሕታም ግዜጣ ኣራያ፤ ሲድኣሕመድ ከሊፋ፤ ማሕጁብ መሓመድ ሳልሕ፤ ዶክተር ኣልባቕር ኣሕመድ፤ መሓመድ ዓብደላ መስራት ጋዜጣ ካርቱም፤ስታዝ ፋብላላ መሓመድ፤ ስታዝ ፈይሰል መሓመድ ሳልሕ ኢዲተር ግዜጣ ኣድዋዕ፤ ስታዝ መሓመድ ኣልሓሰን ኣሕመድ፤ መዓውያ ሓሰን ያሲን ካልኦትን ብዙሓት።

ምርኻብን ምትሕግጋዝን ምስ እዞም ፍሉጣት ሰባት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ንምግልጋል ካብቲ ዲክታቶርዊ ስርዓት፡ ነቲ ፍትሓዊ ዝኾነ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምቅላሕ ዘኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብ ብዙሕነት ዝተሞርከሰ ኣብ ክሊ ዲሞክራሲን፤ ናይ ዓለም ጻውዒት ንናጽነትን ዲሞክራስን ምዝርጋሕ እናሓየለ ዝመጸሉ ዘሎ፤ ኣብ ውሽጢ ሓድሽ ሓበራዊ ሽርክነት ኣፍሪቃ “ኒባድ”ን ፕሮግራም ው.ሕ.ሃ ኣብ ዝመጽእ ርብዒ ዘመን ከምእውን ምስቲ ኣመሪካ ደገፋ ንድሌታት ህዝብታት ንምስፋን ዲሞክራሲ ምንጻግ ዲክታቶራውነት እዩ።

እዚ ኩሉ ቐንዲ ነጥባታት ናብ ኣሕዋት ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊያን ዌብ ሳይታት ዝኾኑ እነቕርቦ ጉዳይ እዩ።ጻውዒትና ንህዝቢ ኤርትራ ከገልግል ዝኽእል ክፉት ኣእምሮ ረኺቡ ተቐባልነት ክረክብ ዓብይ ተስፋ ንገብር።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2723

Posted by on Jun 1 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net