ኮፊ ኣናንን ካፌር ሶላናን ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን መፍትሒ ንምርካብ ይጽውዑ፡ ፋይላት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ይሰጋገር

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ካርቱም  
ግንቦት 29, 2005  

ሙሉእ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኣገዳስነት ምፍታሕ ግጭታት ኣብ መላእ ኣፍርቃ ተስማሚዖም።ደገፍ መወልቲ ንዞባ ዳርፉር-ሱዳን ንምርካብ ኣኼባ ኣብ ቤት ጽሕፈት  ሕብረት ኣፍርቃ ኣብ ዝተበረ እቶም ለገስቲ ኣስታት 1 ቢልዮን 175 ሚሊዮን ዶላር ንሰላምን ምርግጋእን ንዳግመ ህንጸት እቲ ዞባ ኣውፍዮም ክብል ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።እቶም ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ግጭት ንሕብረት ኣፍርቃ ንኽርከብ ተሰማሚዓም።ኣብዚ ኣኼባ ልዕሊ 40 ሃገራት ከምእውን ዓሰርተታ ዘይመንግስታዊያን ማሕበራትን ስቪል ሕብረተሰብን ተሳቲፎም።

ኣብ መንጎ ዋና ጻሓፊ ው.ሕ.ሃ ኮፊ ኣናን፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣልፋ ኮናረን ወጻኢ ጉዳያት ኤውሮጳዊ ሕብረት ካፌር ሶላናን ኣብ ዝተገበር ርክብ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ግጭት ብፍላይ ንሰላም መስርሕን ዕርቕን ሶማል፤ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፤ ግልጹነትን ቕኑዑነት ምሕደራ ኣብ ዝብላ ነጥብታት ተዘራሪቦም ክብል እቲ ዜና ጥቒሱ።

ድሕሪ እቲ ርካብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግላጺ፡ ሚስተር ኮፊ ኣናን ንዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብተገዳስነት ይከታተሎ ከዘሎ ብምጥቓስ ኤርትራ ነቲ ናቱ ፍሉይ ልኡኽ ሊዮድ ኤክሶርሲ ወጻኢ ጉዳይ ካናዳ ነበር ከምዘይተቐበለቶ ጠቒሱ።እዚ ድማ ነቲ ንምሕጋዝ ዝግበር ዘሎ ጻዕታት ማለት ንትግባረ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኣተዓናቒፍዮ ክብል ሚስተር ኮፊ ኣናን ኣስሚርሉ።ንሱ ነዊሕ ርክብ ምስ ቕዳማይ ሚስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ከምዝገብረ ብምጥቓስ ኣብ ርክቡ ብዛዕባ ግጭት ክልቴኤን ሃገራት ስላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ከምተዘራረቡ ዘርዚሩ።ነቲ ልኡኽ ው.ሕ.ሃ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንጆን ኦዲሽን ምክትሉ ኮይኑ ክሰርሕ ከምዝመዘዞ ኣፍሊጡ።ድሕሪ ርክብ ቐዳማይ ሚኒስተር ንሰላማዊ ፍታሕ ድሌት ኢትዮጵያ ከምዘረጋገጸሉን ንጉዳይ ዳርፉር ኣመልኪቱ ድማ ሃገሩ ኣብ ዳፉር ሰላም ንኽሰፍን ነቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ከምእውን ኣብ ሶማል ዝካየድ ዘሎ ድገፉ ኣረጋጊጹ ክብል ኣናን ጠቒሱ።ሚኒስተር ኮፊ ኣናን ነቲ ኣብዚ ወርሒ ዝተኻየድ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ድሞክራሲ እተርእዮ ዘላ ዓብይ ዝላ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቓስ ነቶም ኣብቲ ምርጫ ዝተሳተፋ ኩለን ሰልፍታት ዮሃና ኢሉ።ኣስዒቡ ንምሕያል ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዶሞክራሲያዊ መስርሕ ኩለን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ነቲ ውጽኢት ንኽቕበለኦ ጸዊዑ።

ሚስተር ካፌር ሶላና ብወገኑ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶባዊ ግጭት ስክፍትኡ ገሊጹ።እቲ መስርሕ ሰላም ናብቲ ዝድለ ገጹ የምርሕ ከምዘለን ምዕባለ ከምዘይራእየን ብምሕባር እቲ ኩነታት ኣንጻር ኩሉ ሰብ ዝጽበዮ ይኸይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።ኤውሮጳዊ ሕብረት ፍታሕ ንምንዳይ ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።ነዚ ጸገም ፍታሕ ንምንዳይ ኣብ መንጎ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ው.ሕ.ሃ. ርክብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።ንሱ ምስ ቐዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ኣብ ዝገብሮ ርክብ ኣመልኪቱ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ፍታሕ ንምንዳይን ዲሞክራሲያዊ ምዕባል ኣብዚ ዞባ ኣብ ዝብሉ ጉዳት ከምተዘራረበ ገሊጹ።ብዛዕባ ምቕባል ፍሉይ ልኡኽ ው.ሕ.ሃ. ኣገዳስነቱ ኣረጋጊጹ።ብዛዕባ ዳግማይ ምውላዕ ኩናት ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ብመሰረት ልኡኽ ው.ሕ.ሃ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረኸቦን ቐዳማይ ሚኒተር ኢትዮጵያ ከምዘርጋገጸሉን ትጽቢት ከምዘየላ ኣፍሊጡ።ንመርገጺ ኢውሮጳዊ ሕብረት ኣመልኪቱ ምስ ው.ሕ.ሃን ሕብረት ኣፍሪቃን ብምትሕብባር ነቲ ኩነታት ንከታተሎ ክብል ገሊጹ።ካፌር ሶላና ንዲሞክራኢያኢ ምርጫ ኢትዮጵያ ደገፉ ብምግላጽ መንግስትን ተቓወምቱን ነቲ ውጽኢት ንኽቕበሉ ጸዊዑ።ነቲ ዝረአ ዘሎ ድርቅን ንምብርባር ቁጠባን ዓብይ ሓገዝ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ክግበር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብተመሳሳሊ ዜና ርክብ ኣስመራን ዋሽንግቶን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረድ ተፈሊጡ።ንሱ ድማ ብምኽንያት መብል 14 ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ኣብ ዝተገበረ ፕረስድንት ኢስያስ ኣብ ልዕሊ ኣሜርካ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ እዩ።እቲ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ኣመርካ ስም ኣመሪካ ልዕሊ ሓደ ግዜ ክደጋገም ድሕሪ ምስምዑን ብሓገዝ ተርጎምቲ ነቲ ነቕፌታ ድሕሪ ምርዳኡን ነቲ ብዓል ገዲፎም ምውጸኦም እቲ ዜና ኣብሪሁ። እቶም ኣመርካዊያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ውጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ብዛዕባ እቲ መደረ መብርሂ ክዋሃቦ ከምዝሓተቱ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።ነቐፌታ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ድሕሪ ማዕክናት ዜና ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዋሽንግቶን ዝፍነው ዝነበረ መጥቓዓቲ ዝመጽእ ዘሎ እዩ።እዚ ድማ ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ንኤርትራ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ድሕሪ ምኽሳሱ ከምእውን ኣባል ኮንግረስ ኣመርካን ሓላፊ ዴስክ ኣፍርቃን  ሚስተር ክርስቶፈር ስሚዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ ናጽነት፤ ሃይማኖትን ፖለቲካን ኣብ መጀመሪያ ሰሙን ናይዚ ወርሒ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻቡ እዩ።ኣብቲ ጸብጻብ ኤርትራ ካብተን ቐንዲ ሰብኣዊ መሰል ዝግህሳ ሃገር ክብል ጥቒስዋ።ንሱ ንምፍታሕ እቲ ግጭት ከምዝፈሽለ ድሕሪ ምሕባር ሰላም ናይ ዘይምስፋንን ዘይምርግጋእን ንኤርትራ ሓላፍነት ኣሰኪሙ።ኣስዓቢ ልኡኽ ኮንግረስ ኣመርካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ኣመልኪቱ እሱራት ብፍላይ ኣብ መስከረም 2001 ዝተዳጎኑ ስብ ስልጣናት ንኽፍትሑ ዝገበሮ ጻዕሪ ከዝፈሽለ ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን ተሓጋጋዚ ውጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ጉዳያት ኣፍሪቃን ሚስተር ደናልል ያማማቶ መርገጺ ሃገሩ ብዛዕባ ናጽነትን ዲሞክራስን ዘይቕየር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።መንግስቲ ኤርትራ ድማ ርክባት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እዚ እምነት መሰርት ብምግባር ከምዝህነጽ ትፈልጥ እያ ኢሉ።

ተዓዘብቲ ከምዝበልዎ መጥቓዓቲ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ከም ግብረ መልሲ ነቲ ፋይል ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝብል ካብ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ናብ ኮንግረስ ኣመሪካ ድሕሪ ምስግጋሩንን ንመጀመርታ ግዜ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ዝብል ፋይል ብዛዕባ ኤርትራ ምኽፋቱን እዩ ክብሉ ኣፍሊጦም።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2911

Posted by on May 29 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net