ብድርቂ ዝተጠቕዓ ኣውራጃታት ኤርትራ ኣህጉራዊ ሓገዝን ረድኤትን ከይረኽባ ስርዓት ህግደፍ ዕንቅፋት ኰይኑ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት  ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ ኣብ ከተማ ብሩክሰል ዘካየዶ ሓጺር ዑደት ስራሕ ፈጺሙ ቦትኡ ከም ዝተመልሰ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ተረጋጊጹ።

 

ኣብ ዑደቱ፡ እቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ መዘና ዘይብሉ ጭቆናን፡ ኣስካሕካሒ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ልሉይ ኣቓልቦን ተገዳስነትን መንግስታትን፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራትን፡ ሓያሎይ ካልኦት ኣህጉራዊ ትካላትን እናረኸበ ይመጽእ ምህላዉ ተገንዚቡ። እዚ ምዕባሌ’ዚ፡ ነቲ ተቓውሞ ሓይልታት ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ዘተባብዕን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ሓዲሽ ተስፋን ሞራልን ዘስንቕን፡ ኣገዳሲ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ቆላሕታ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ እናደየበ ይመጽእ ምህላዉ የመልክተና።  

 

ካብ’ቲ ክቀላቐል ጀሚሩ ዘሎ ኣዎንታዊ ተርእዮታት ድማ፡ ፓርላማ ኤውሮጳ ነቲ ስርዓት ኣስመራ ዝፍጽሞ ዘሎ ሕሱም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝዂንን ኣብ 15 መስከረም 2011 ዘመሓላለፎ ውሳኔታት ከም ኣብነት ክንጠቕሶ ከም ዝከኣል ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሓቢሩ። ከም ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣብ’ዚ ፓርላማ ኤውሮጳ ነቲ ስርዓት ዝዂንን ውሳኔታት ዘመሓላለፈሉ ግዜን፡ ወይዘሮ ማርግሪት ኣሽቶን ድማ ኣሰሩ ተኸቲላ፡ ‘ስርዓት ኤርትራ ብሕጊ ዘይቅየድን ሰብኣዊ መሰላት ህዝቡ ዘየኽብርን’ ምዃኑ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጽን፡ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ግሃድኤ ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተቓሊሑ ከም ዝነበረ የዘኻኽረና። ነዚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሒዝዎ ዘሎ ቅኑዕ መርገጽ ልዑል ምስጋናና ነቕርብ። ነዚ ግናይ ስርዓት’ዚ ዝያዳ ንምንጻል ድማ፡ ተመሳሳልቲ መርገጻት እናሰፍሑ ክኸዱን፡ ቀጻልነት ክህልዎምን ነተባብዕ።

 

ኣብ’ዚ ዘለናዮ ስልጡን እዋን፡ ስርዓት ህግደፍ ሰብኣውን በርገሳውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ይጥሕስን ይጭፍልቕን ምህላዉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መዋእለ ስልጣን ንምንዋሕ ክብል፡ ክሳብ ንህዝብና ሰብኣዊ መንነቱ ኣህሲሱን ደምሲሱን፡ ብኸብዱ ክቐጽዖን ከንበርክኾን ድሕር ዘይብል ምዃኑ፡ መላእ ዓለም ዝዕዘቦን ዝከታተሎን ዘሎ ሕሱም ኣደራዕ ህዝብና ኰይኑ ከምዘሎ ጸብጺቡ። ክንዲ ዝዀነ፡ ገለ ካብ ክፍልታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ኤርትራ ሃገርና፡ ብድርቅን ዓጸቦትን ተጠቒዐን ክሳቐያ ይርከባ እናሃለዋ ክንሰን፡ ስርዓት ኤርትራ ነዚ ኣሉ ቀጣን ምባሉን፡ ኣደናጋሪ መናፍሓትን ሓሶታትን ብማዕከናቱ እናዘርገሐ ክሓባብኦ ምፍታኑን ፈጺሙ ኣይገርመናን።

 

ካብ’ዚ እቲ ዝበኣሰ ድማ፡ ነቲ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘይፈልጥን፡ ክሳብ ሕጂ መዘና ዘይተረኽቦን ድርቅን ሓደገኛ ሳዕቤናቱን ንምቅላል፡ መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሰብኣዊ ማሕበራትን መላእ ዓለም ብስፍሓት ተዓጢቐን ዝሸባሸባሉ ዘለዋ ፈታኒ ወቕቲ፡ ሕብረተ ኤውሮጳ ንኤርትራ ዘድልያ ሓገዛት ንምግምጋም ተደጋጋሚ ጻዊዒት ኣቕሪቡሉ ከብቅዕ፡ ስርዓት ህግደፍ ጸማም እዝኒ ሂብዎ ይርከብ ምህላዉ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ካብ’ቲ ስርዓት ዝኾነ መልሲ ከም ዘይተረኽበ፡ ካብ እሙናት ምንጭታት ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። በዚ ኸም’ዚ ድማ፡ ንኤርትራን ህዝባን ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉን፡ ንጥፍኣትን ብርሰትን ህዝብና ብጊሓቱ ዝተበገሰን ውራየይ’ሉ ዝተዓጥቀን፡ ዝኾነት ትንኣስ ትዕበ ሓላፍነት ዘይስመዖን ኣረሜናዊ ስርዓት ምዃኑ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ሕርሕራይ ገይሩ ተጋሊጹ ምህላዉ የፍልጥ። ህዝቢ ኤርትራ እናሻዕ ብዋሕዲ ዝናብ ክወረዶ ዝጸንሐ ዘሎን ነባሪ ጸገምን ሰለሎ ጥሜትን ከይኣኽሎ፡ ኣብ’ዚ ክባብና ምእለያ ዘይብሎም አህዛብ ካብ ህልቂት ንምድሓን ዓለምና ትረባረበሉ ዘላ እዋን ህዝብና ተጠቃሚ ከይከውን፡ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ታሪኻዊ ገበን ግሃድኤ ብጥብቂ ይዂንን።

 

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

25 መስከረም 2011

 

 

Eritrean National Salvation Front

Information and Cultural office

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5849

Posted by on Oct 2 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net