ኣውሎ ንተሓላቂት ሰብኣዊ መሰላት

ሓብትና፡ ጓልናን ኣደ ውጽዓትን

ወ/ሮ ኤልሳቤጥ ጭሩም

ኣዉሎ ዶ ኽብለላ፡ ንኤልሳቤጥ ጭሩም
ታ’ነሕዋታ ተውጽኦም፡ ስሒባ ካብ ህጉም
ንአሓታ ተናግፈን፡ ካብቲ ጨካን ሕሱም
መልእኽታ ጸላዊ’ዩ፡ ልሳና’ውን እሩም

ኤልሳ! ዋዕሮ ዶ ክብለኪ፡ ዛግራ
ጎይያ ዘይትደክም፡ ሕልኽላኽ ዘየብኩራ
ክሳዳ ትመዝዝ፡ ትጥምት ኣዚራ
ዘይትቐስን ከይገበረት፡ ኣመት ቁም-ነገራ

ምጽሓፍ ዘይስልክያ፡ ዘይነጽፍ ብርዓ
ትምሕጸን ተስምዕ፡ ክንደይ’ኳ ‘ድሚዓ
ቁልዒ መሰል ግዳያት መላኺ፡ ወሊዓ
ንመጋረጃ ፍርሒ፡ ቐንጢጣ በታቲዓ

ኣብነታዊት ዜጋ፡ ንኣሕዋት ንኣሓት
ጓል መትከል’ያ ንሳ፡ ‘ታ ወናኒት ጽንዓት
ዝተሃንደደ ተተሃንደ፡ ተምሰሎ ምጽኣት
ምዕይ ኣየብላን፡ በዚስ የሎን ምዕጋት

ዘፍረየቶ እልቢ’ዩ፡ ዘርዚርካ ኣይዉዳእን
ሞሳኣ ብዙሕ’ዩ ኩሉ ‘ይጽብጸብን
ገንዘባ፡ ጊዚኣ፡ ሞያኣ ኣይተረፈን
ንያታ ፈልፋሊ’ዩ፡ ሕልናኣ ኣይዓረበን

ኣየናይ ኣልዒለ’ሞ፡ ክገድፍ ነየናይ
ስቕያት ዜጋታትና፡ ኣብ በረኻ ሲናይ
የእዊያትሎም ‘ያ ‘ምበር፡ ዘይከም ከማይ
ኮይኖም ከይተርፉ፡ ሓዲግ ምድረ-ሰማይ

ግዳያት ኣብ ምስሪ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሱዳን
ማእሰርትን ማህረምትን፡ ዘበሎም ዛንዛን
ኣቓሊሓቶ’ያ፡ ናቶም ጓሂን ቓንዛን
ዘሕለፍዎ መስገደል፡ ኪኖ ስድራን ገዛን

ይመስክሩ ስደተኛታትና ኣብ ሊብያ ኣብ ማልታ
ጠሪዓ ተማጉታ፡ ኮይናትሎም ዋልታ
ኣድሓነቶም’ካ፡ ካብ ሓዊ ሃልሃልታ
ክጥረዙ ዝተበየነሎም፡ ኣየወ! ብሃታ ሃታ

ሰሪሓ፡ ምስ ትካላት መሰላት ደቒ-ሰብ
ንእከይ ተግባር መላኺ፡ ንኽብሉላ ዓገብ
ብዝሓለፈ ተጣዒሱ፡ ንኽገብር ኣደብ
ነዚ ምስ ዝሕሰም፡ ክሕተት ብመደብ

ንምኽባር መሰላት ዜጋታት፡ እትሕለቕ
ተቓልዕ ሰብ ስስዐ፡ ሰብ መለቕለቕ
ዝጽዕቱ ዘይድቕሱ፡ ንሓቒ ንምሕቓቕ
ኤልሳ ኣይእግማን፡ ሓቒ ንምብርቛቕ

መስኪሮምላ፡ እሱራት ዜጋታት ‘ብ ሱዕዲያ
ኣሚኖምላ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ ኢጣልያ
ካብ ደቡብ ኣፍሪቓ ዚምባብወ፡ ክሳብ ኢትዮጵያ
ካብ ሱዳን ምስሪ ማልታ፡ ክሳብ ሊብያ

ካብ ደንማርክ ሽወደን፡ ክሳብ ቱኒዝያ
ካብ ሆላንድ ፈረንሳይ፡ ክሳብ ኦውስትረልያ
ካብ ሮማንያ እስራኤል፡ ክሳብ ዓባይ ብሪጣንያ
ካብ ካናዳ ኣሜሪካ፡ ክሳብ ኮሎምቢያ

ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ፡ ዝተረፉ ምድረ-በዳ
ግፍዕታት መላኺ፡ ጽሒፋ ሰኒዳ
ንግዳያቱ ዓንጊላ፡ ንዘጉሃዮም ኣቢዳ
ዘይዉዳእ ይሃባ፡ ይባርኸላ ኢዳ
መኻልፍ ይእለየላ፡ ካብ ሰናይ መገዳ

ንህዝባ ኣብሊጻ፡ ሓዳራ ኣመንጉያ
ቖልዓኣ ገዲፋ፡ ራሕሪሓ ናታ ሞያ
ኩለንትናኣ ሂባ፡ ዓቲባ ተወፍያ
ክንዲ ዕሽራ እባ ግበራ፡ በዓል ሶፍያ

ኣሰራ ዝስዕባ’ውን፡ ኣለዋና ብጾት
ዝኾኖኦ ንመላኺ፡ ዕለታዊ ምጾት
ሰርኪ ነኽብረን፡ ንኣሓትና ረጋቢት
ሓደራ ኣይነዕብራ፡ ንሸሞንተ መጋቢት

28 መጋቢት 2012

ቢንያም የማነ
ዙሪክ – ስዊዘርላንድ
b.yemane_tekle@yahoo.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6884

Posted by on Apr 15 2012 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net