እዛ ባቡርና ጉዕዘኣ ናበይ’ዩ ?

ካብ
ቤ/ጽ/ሚ/ሪ ምክልኻል

ባለነኪ

6 ክፋል

እዛ ባቡርና ጉዕዘኣ ናበይ’ዩ ?

ኣብ ሕሉፍ ላዕለዎት መራሕቲ እዛ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ዝዝቲ ተኸታታሊ ኣኼባታት የካይዱ ከምዝነበሩ፡፡ ኣንፈት እቶም ኣኼባታት ብሓደ ገጽ ንሰላም ብካልእ ገጽ ንህውከት ጥሉል መዓልቦ ኣብ ዘይነበሮ ጉዳይ ይህውትቱ ምንባሮም ተናኺፈዮ ነይረ፡፡ እንተኾነ ዛጊት ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ክንሱ፡ ካብ ገሊኡ ሓዲኡ እንከይገበሩ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ፡፡  ሕጂ’ውን ግን ነቲ ጣቋ ዘይብሉ ኣኼበኦም  ኣየቋረጹዎን ኣለው፡፡ እንተ እቲ ግዜ ተፈጥራዊ ሕጉ ተኸቲሉ ጉዕዝኡ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ግን እቲ ጉዕዞ ክሳብ ኣበይን መዓስን ኢዩ ክቕጽል………?

ካብ መጀመሪያ ወርሒ ሓምለ 2012 ክሳብ ናይ ዝቕጽል መወዳእታ ሰሙን ናይዚ ወርሒ ሓምለ 2012 ተኻታታሊ ኣኼባታት ካብ ምክያድ ዓዲ ኣይወዓሉን፡፡ ውጽኢት እቲ ኣኼባ እሞ ዋላ ሓደ ፍረ ኣተረኽበን፡-

  • ፈለማ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ግንባራት፡ ሓይሊ ባሕርን ኣየርን ዘጠቓለለ ሓጺር ኣኼባ ኣብ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ተኻይዱ፡፡ መራሕን ጸዋዕን እቲ ኣኼባ ባዕሉ እቲ ሰብኣይ ከምዝኾነ ተፈሊጡ፡፡
  • ቀጺሉ ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታት ኣዘዝቲ ሓይሊ ምድሪ ኩሎም ኣዘዝቲ ግንባር ጀነራላት ዝርከብዎም ወዲ ኢፍሬም (ጀነራል) ዝመርሖ ኣኼባ ተገይርሎም፡፡ ኣብዚ ወዲ ኤፍሬም ኣብ ቤ/ጽሕፈቱ ባለነኪ ዘካየዶ ኣኼባ ኣዘዝቲ ግንባራት ኣብ መዛተይ ዛዕባ እቲ ኣኼባ ሓበራዊ ምርድዳእ ብዘይምፍጣሩ ብዘይዝኾነ ዕልባት ከምዝተበተነ፡፡ ብምኽንያት እዚ መደምደምታ ዘይተገብረሉ ኣኼባ ባለነኪ፡ ድሕሪ ኣኼባ ኣዘዝቲ ግንባር ኣኣብ ግንባሮም ብህጹጽ ከካይድዎ ጸዊዖምዎ ንዝነበሩ ካብ እዚ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ናይ መኮነናት ኣኼባ ንመወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2012 ከምዝተናውሐ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ኣለው፡፡

ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ብሓለፍቲ ማእከለይ ቤ/ጽሕፈት ህግደፍ ዝተጸውዐ ኣኼባ ኣማሓደርት ዞባታትን ሓለፍቲ  ህግደፍን ተኻይዱ፡፡

ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ዝነበሩ መዛተይ ዛዕባታት፡-

1) ህልው ኩነታት ሰራዊት ኣብ ዝምልከት ዛዕባ፡-

  • ውሽጣዊ ኩነታት ሰራዊት ንዘጋጥም ውግኣት ናይ ምጽዋር ዓቕምን ድሌትን ከምዘይብሉ፡፡ ኩሉ ሰራዊት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ካብ እዚ ቦጦሎኒ ንታሕቲ ዘሎ ሰራዊት ንውግእ ድልውነት ከምዝጎድሎ፡፡ ናይዚ መግለጺ ከም ተርእዮ ኣብ ዘጋጠሙ ውግኣት ሓላፍነት ተሰሚዕካ ዘይምምራሕ፡ ነብስኻ ካብቲ ውግእ ንምኽዋል ክሳብ ምፍታን ዝኣመሰሉ ሓደሽቲ ክስተታት ተራእዮም ፡፡
  •  ናይ’ዚ ምኽንያት ከኣ፡- ሓደ እንዳተኣከበ ዝጸንሐ ብኣግኡ ዘይተፈትሐ ጽልኣት ውትህድርና፡ ካልኣይ ንተደጋጋሚ ሕቶታት ማሕበራዊ ፍታሓት ሰራዊት ዛጊት ዘዕግብ ምላሽ ዘይምሃብ፡ ሳልሳይ እቲ ብኣካላውን ሞያውን ብቕዓት ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ዝነበረ ዝበዝሕ ዓቕሚ ሰብ ገገዲፍዎ ስለዝሃደመ “እንተዘይሃደምኩ እንታይ ገደሰኒ ሂወተይ ዘጥፍእኩ” ብዝብል ስሚዒት ድስኩል ኣተሓሳስባ ምሓዝ፡ ራብዓይ ኣብ ኣሃዱታቱ ብዘሎ ዋሕዲ ዓቕሚ ሰብ ዓቢ ሃጓፍ ተፈጢሩ ኩሉ ንሱ ጥራይ ክስከሞ ስለዝተገብረ ሞራሉ ተተንኪፉ ብሓለዋ ዋርድያ ቀትርን ለይትን ዕረፍቲ ሲኢኑ ተሰላችዩ “ከምዚ ኢልካስ ክሳብ መዓስ?” ብዝብል ተስፋ ምቑራጽ ኣስዒብሉ …ወዘተ
  • መነባብሮ ሰራዊት ኣዝዩ ሕማቕ ኣሎ፡፡ መብዛሕትኡ ሰራዊት ንኣካላዊ ብቕዓቱ ሃነጽቲ ትሕዝቶታት ዘለዎም ቀረባት ስለዘይብሉ ነዊሕ ዘጓዕዝን ዘዕልምን ዓቕሚ የብሉን፡፡ ብጀካ ዓደስ፡ ወዲ ዓከር፡ ሽኳርን ጨውን ናብ ሰራዊት ዝቐርብ ቀለብ የለን፡፡ ሓሓሊፉ ዝቐርብ ፊኖ እኳ እንተሎ ዝረብሕ ኣይኮነን፡፡ ስጋ፡ ጸባ፡ ዓሲር፡ ሰርዲንን ካልእን የለን፡፡ ከምቲ ኣብ ሳሕል እንገብሮ ዝነበርና ኣብ እዋን ታዕሊም እኳ ክነቕርበሉ ኣይከኣልናን፡፡
  • ኣልባሳት ኮንጎ፡ ክዳን፡ ኣንሶላ፡ ኮበርታ፡ መንጸፍ፡ ብራተሊ፡ ሙታንታ፡ ሳሙና ካልእን የብሉን፡ ኣብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ድስፕሊን (ሕጋጋት) ከማልእ፡ ናይ ውትህድርና ቆሞንኡን ውልቀ ጽሬቱን ክሕሉ ክትገብሮን ንካልእ ዓቢ ጉዳይ ኣኪብካዮ ብዛዕባ እዚ ክሓተካ ትሓፍር ትምልሶ ትስእን፡ ዓሪቑ ጥራይ እግሩ ክኸይድ ስለትሪኦ ከኣ ትስከፍ፡
  •  ስግረ ዶብን ኩብለላን ዝተገብረ እንተተገብረ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ መጠኑ እንዳወሰኸ ካብ ምኻድ ሓሊፉ ዝተረኽቦ ውጽኢት የልቦን፡፡ ንኣስገርቲ፡ ተሓባበርትን ሰገርትን ዝውሰድ ክሳብ ምርሻንን ማእለያ ዘይብሉ ቅጽዓታትን ዝግበር ስጉምታት ካብ ምብእኣስን ህልኽን ሓሊፉ መፍትሒ ክኸውን ኣይረአናን፡፡ ሎሚ ሚስጥር ኢዩ ዝበሃል ነገር የብልናን፡፡ ሎሚ ትውጥና፡ ጽባሕ ናብ ጸላእቲ ሓሊፋ ትጸንሓካ፡ ውሽጥና ውሻጠና ኩሉ ጋሕዝበለ ኢዩ፡፡
  • ዕጥቅታትና ን3 ወይ 4 ዓበይቲ ናይ ኩናት መድረኻት ዝሓለፉ፡ ምስ ግዜ ዘይከዱ ኣዝዮም ዝኣረጉ ኢዮም፡፡ ተደጋጋሚ  ጠለባትና ንመንግስቲ ኣቕሪብና ምላሽ ኣይተረኽበሉን፡፡ ኣንቱም ሰባት ኣብ 3ይ ወራር ዝተዋረድናሉ ሓደን ኣገዳስን ጉዳይ እኮ ሕጽረት ተተኮስትን ዘመን ዝሓለፎም ተኮስትን ሒዝና ምስ ወያነ ክንወዳደር ስለዘይከኣልና ኢዩ፡፡
  • እቲ ልዕሊ ብርጌድ ዘሎ እዚ ሰራዊት እውን እንተኾነ፡ ዋላ እቲ ቀንዲ ጸገማት ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸን ካብ ልዕሊኡ ዘሎ ኣካል መፍቲሒታት ዝናድየሎም እንተኾኑ ዳርጋ መብዛሕትኡ በቶም ጸገማት ተሳዒሩ፡ ተስፋ ቆሪጹ ንሰራዊቱ ብውጥን ብሓላፍነት ይመርሕ ኣሎ ንምባል ኣጸጋሚ ኢዩ፡፡ ልዕሊ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ኣብ ውልቃዊ ዋኒኑ ግዜ ዘሕልፍ ኣይክስኣንን ኢዩ፡፡
  • ላዕለዋይ መሪሕነት ንገዛእ ነብሱ ወይ ኣይምልስ ወይ ከኣ ዘእምን ዝረጠበ ሓሳብ ኣይምልስ ኣጸጋሚ ኢዩ ዘሎ፡፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ባይታ ዘይርከብ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚታት ዝእቶ መብጸዓታት፡ ንማእከለዎትን ታሕተዎትን ሓለፍቲ ሰራዊት ኣብ ሞንጎ ቀርቂሩና ኢዩ ዝርከብ፡፡
  • ብሓፈሻ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ዝርከብ ሓይልታት ምክልኻልና (ሰራዊትና) ንምጥቃዕ ይኹን ንምክልኻል ድልውነት ዘይብሉ ብምዃኑ ውጽኢቱ ስዕረት ኢዩ፡፡ ጠንቂ ናይዚ ድማ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ናይ ዘሎ ኣዛዚ ሰራዊት ናይ ገዛእ ነብሱ ብጽሒት ዋላ እንተሃለዎ ብቀንዱ እቲ ገዛኢ ጸገም ናይ መንግስቲ ኢዩ ዝብል ናይ ዝበዝሑ ተኣከብቲ ገምጋም ቀሪቡ፡፡
  • ኣብዚ መጠቓለሊ ዝተፈጥረ ኣፈላላያት ኣብ ሰራዊት ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ድልውነት ጸገማትን ጠንቅታቱን ብዝግባእ ኣለሊዮም ብኣግኡ ንምፍታሕ ኣብ መፍትሒ ውጥናት ኣብ ክንዲ ምድላው ኣብ ውልቃዊ ዋኒናቶም ዝውዕሉ ክሳብ ግንባራት ናይ ዘለው ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢዩ እቲ ቀንዲ ጸገም፡፡ መንግስቲ ካብ ኣጠቓላሊ ዓቕሚ እታ ሃገር ነጺልካ ክግምገም የብሉን ዝብል በቲ ሓደ ገጽ፡፡
  • ኣይፋሉን ይዕበ ይንኣስ ኩሉ ነናይ ባዕሉ ብጺሒት እኳ እንተለዎ ብዝያዳ እቲ ቀንዲ ጸገም ግና እቲ መንግስቲ (Policy maker) ኢዩ ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎ፡፡ ምኽንያቱ ፖሊስታትናን ኣሰራርሓታትናን ንፈትሽ፡ ደጋጊምካ ሓለፍቲ ሓለፍቲ ዝብል ኣበሃህላ ኩላትና ቁቡል ኣይንገብሮን፡፡ “እንታይ ክተዛርቡና ደሊኹም ኢኹም! ኣብ ሓለፍቲ ኣሎ ንትብልዎ ብልሽውና ንምእላይስ እንተኾነ እንታይ ስጉምቲ ዶ ወሲድኩም ኢኹም? መን ድዩ ነዚ ዝገንሕ?’’ ጸገማት እንተነይሩ ብኣግኡ ንምእላይ ኣብ ክንዲ ምጽዓር ዓሰርተ ግዜ ንዕኡ እናረገምካ ምንባር ፍታሕ ኣየምጽእን፡ ስለዚ እቲ ጸገማት ኣብ ኩላትና ጸኒሑ ኢዩ ደረጃታቱ ግን ከከምደረጃና ክፈላለ ኣለዎ፡፡ ንሓደ ግንባር ዝመርሕን ንሓይልታት ምክልኻል ዝእዝዝን በዓል ጽፍሒ ሰብ፡ ሓደ ዓይነት ጉድለትን ተሓታትነትን ከምዘለዎምን ከምዝነበሮምን ገይርካ ዘቕርብ ኣካይዳ ኣይንቕበሎን ብዝበሉ ኣፈላላያት ፋሕ ብትን ኣትይዎም ከይተሰማምዑ ወጺኦም፡፡
  • ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታት ዳግማይ ኣኼባ ተጸዊዑ ንናይ ክልቲኡ ድኽመታት ኣጃሚሉ ብዝኸይድ መገዲ ሓውሲ መታዓረቒ ብዝኾነ Ethics ክረጋጋእ ተገይሩ፡ እንተኾነ ሕሉፍ ክርክር ናብ ካልእ ከይወስድ ተሰኪፎም ዝገደፍዎ”ምበር ኣሚኖም ከምዘይተቐበልዎ ዝሓምዩ ሰባት ኣለው፡፡ መፍትሒ ንዝተላዓሉ ጸገማት ዝበሃሉ ቀሪቦም ተፈላሊዩ፡፡ እቶም መፍቲሒታት እንታይ ነይሮም ንበይኖም ኣብ መወዳእታ እዚ ጽሑፈይ ከቕርቦ ኢየ፡፡
  • ድሕሪ እዚ ኣብቲ ማእከላይን ላዕለዋይን ኣኼባ መኮነን ወሪዶም እንታይ ከምዝዝትዩ ኣብ ቀጻሊ ክረአ ኢዩ፡፡

2) ኩነታት ጸላኢ ብፍላይ ንሰራዊት ጸላኢ ኣብ ዝብል ዛዕባ፡

  • ብሓጺሩ ብዛዕባ ሰራዊት ጸላኢ፡ ኣጠቓላሊ ዓቕምታት ሰራዊት ጸላኢ ዝጸንሓና መጽናዕታት ድሩት፡ ግዜ ዝሓለፎ፡ ንሓቀኛ ምስሊ ዘንጸባርቕ ከምዘይነበረ ተገምጊሙ፡፡
    ድሕሪ እዚ ከም ዓቢ መወከሲ ዝቐረበ ኩነታት ኣብ ወርሒ ግንቦት 2012 ኣብ ላዕላይ ዴዳ ኣብ ዝነበረ ውግእ፡ ፍጥነት፡ ኣካላዊ ብቕዓት፡ ናይ ዕጥቂ (ብፍላይ ናይ ቀጭሕርሙን ሞርታራትን) ምልክት፡ ትብዓት፡ ድፍረት  ሰራዊት ወያነ ብኸፊሉ ንምዕዛብ ከምዝተኸኣለ ብቀጻሊ ብደቂቑ ስራሕ ከምዝሓትት ዘቲዩ፡፡ ከም ኣብነት ዝተወስደ ጉዳይ ከኣ ኣብ ላ/ዴዳ ዝገጠመ ኩነታት ዝተሰውኡ ብዙሓት ኣባላትና ማህረምቶም ኣብ ልዕሊ ክሳዶምን ብድሕሪቶምን ከምዝነበረ ባዕሉ ወዲ ኢፍሬም ከይተረፈ ኣብቲ ባይታ ወሪዱ ከምዘረጋገጾ ኣብቲ ኣኼባ ከምዘቕረቦ ሰሚዐ ኣለኹ፡፡
  • ጠንቂ ናይዚ ጣብጣብ እንዳበሉ ኢዶም ዝህቡ ወተሃደራት ወያነ ካብ ዘቋርጹ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቑጺሩ፡ ምንጪ ሓበሬታ ኣጸጋሚ ምዃኑ ተገሊጹ፡፡

3) ኣብ ኣኼባ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ምምሕዳራትን ዝተዳህሰሱ ኩነታት፡-

  • ኣብ ሞንጎ መንግስትን ህዝብን ዘሎ ሃጓፍ ኣዝዩ ከምዝሰፍሐ፡ ሃገራዊ ስሚዒት ህዝብን ሰራዊትን ይጎድል ምህላው፡ ካብ ሃገር ምውጻእ ከም ቀንዲ ኣማራጺ ይውሰድ ምህላውን እቲ ዝወጽእ ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ እቲ ክወጽእ ዘይክእል ተራፊ’ውን ይድግፎ ከምዘሎ፡
  • ተኾርሚኻ ሞት ኣሳፊሕኻ ሞት ስለዝኾነ ንኹሉ ጸገማት ተጻዊርና ናብ ጎረቤት ሃገር ብምስጋር እንተገደደ ሓንጎልና እኳ ነዐርፍ ዝብል ኣተሓሳስባ ይስዕርር ምህላው፡
  • ኣብ ህዝቢ ተፈጢሩ ዘሎ ሕሰም ናብራን መረረትን ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ፡
  • ውላድኩም ወጺኡ፡ ሰብኣይኪ ወጺኡን ኮብሊሉ ብዝብል ዝውሰዱ ስጉምታት ልዕሊ መሃሪነቶም ጎዳኢነቶም ይዓዝዝ ኣሎ፡
  • ኣብ ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን ዝርከቡ ካድራት (ሓለፍቲ ህግደፍ) ብሚሒር ብልሽውና ተጠላቒዮም ዝብል ካብ ህዝቢ ዝስማዕ ሰፊሕ ምዕዝምዛማት ኣሎ
  • ህግደፍ ከም ውድብ ኣሎ ኢልካ ንምዝራብ ይከኣል ዶ ኣይከኣልን? ዝብሉ በዳህቲ ሕቶታት ይቀላቐሉ ኣለው፡፡ እዞም ሕቶታት ምስ ምፍራስ ማእከላይ ሽማግለ እቲ ውድብ፡ ንነዊሕ ዓመታት ጉባኤ ምስ ዘይምክያዱ፡ ብተኸታታሊ ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ብንጡፍ ክሳተፍ ምስ ዘይምርኣዩ፡ ንሰፊሕ ናይ ቁጠባ ዋንነቱ ኣመልኪቱ ጸብጻባት ክቕርብን መነባብሮ ህዝብን ሰራዊትን ምስ ዘይምርሃው፡ ኣባል ማእከላይ ቤ/ጽሕፈት ህግደፍ ኣሕፈሮም ተወልደ ኣብ ቲቪ ኤረ  (መደብ ድባብ) ዝተዛረቦ ሓድሓደ ቃላት እንታይ ማለቱ ኢዩ ዝብል ኣሎ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤ/ጽሕፈት ኣብ ቀረባ ንወጻኢ ምስ ከደ ኣብ ቅድሚ ተኣከብቱ ተዛሪብዎ ተባሂሉ ምስ ዝቐረበ፡ ኣብ 2005 ንጠቕላላ ካድራት እቲ ውድብ ዝኣተዎ ቃል (ንብልሽውና ንዘይዲሞክራስያዊ ተግባራት ክንኣልዮ ኢና ዝብል ቃል)
    ክተግብር ምስ ዘይምኽኣሉ …ወዘተ ብምዝማድ ኣብ ህልውና እቲ ውድብ ሰፊሕ ምጥርጣራት ይለዓል ምህላው ካብ ተኣከብቲ ብሰፊሑ ቀሪቡ፡፡
  • ኣብ ሃገር ናይ ዘሎ ጸገማት ኩሉ ተሓታቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ገይሩ ዝወስድ ህዝቢ ይበዝሕ ከምዘሎ፡፡ ህዝባዊ ግንባርን ህግደፍን ነጻጺሉ ይርኢ ኣሎ፡፡
  • ንኹሉ ዜጋ ናይ ምዕጣቕ መደብ፡ ኣበይ ከብጸሐና ኢዩ ዝብል ምጥርጣራትን ስግኣታትን ይሰፍሕ ኣሎ፡፡ ዛጊት ብዛዕባ እዚ መብርሂ ዝሃበ በዓል ስልጣን ከኣ የለን፡፡
    ክንድ’ዚ ዝኣክል ገዚፍ ወፍሪ እንዳተፈጸመ እንከሎ ኣዋጅ፡ መምርሒ፡ መብርሂ ዘይተገብረሉ ወፍሪ ብምዃኑ ኣዝዩ ኣጸጋሚ
    ይመስለና፡፡

ብመንጽር’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት
ዝቐርቡ ዘለው ኣዝዮም ኣሰከፍቲ ኩነታት ሓቀኛ መፍትሒታት ክርከበሎም እንተዘይኪኢሉ፡ እዛ ሃገር ናብ ኣዝዩ ሃው ዝበለ ገደል ኢያ
ተምርሕ ዘላ፡፡  

4) ኣብ
ምዝዛም ኣኼባታት ዝቐረቡ መፍትሒ ሓሳባት፡-

4.1
ኣብ ሰራዊት፡

  • ምስ ሰራዊት ክንረዳደአሎም ክንግምግሞም
    ዘለና ጉዳያት፡ ሓደ ንውሽጣዊ ኩነታቱ ምስ ሃገራዊነትን ትሕቲ ሃገራዊነትን ኣዛሚዱ ንኹሉ ኩነታት ክርኢ ቀጻሊ ጎስጓሳት ምክያድ፡፡
  • ናይ ባዕሉን ስድራ ቤቱን ማሕበራዊ ሽግራት ንምፍታሕ መንግስቲ ኣብ ምድላው ከምዘሎን ዛጊት ተጀሚሩ ንዘሎ ቅጥዕታት ብምምላእ ናይ
    ዓመታት ውህልል ሰልዲ ነናብ ዝመረጾ ባንክታት ክላኣኸሉ ምዃኑ
    ክኣምን ምግባር፡ ኣብ ዓመት 4 ግዜ ንስድራ ቤቱ ብዓይነት ዝዕደል ቀጻሊ ብዛዕባ ምዃኑ ምእማን፡፡
  • ኣብ ዓቕሚ ሰብ ንዘሎ ዋሕዲ ንምሽፋን ኩሉ ዜጋ ክዓጥቕ ምግባር፡፡ ትሕቲ 40 ዘሎ መንእሰይ ኩሉ
    ተኣኪቡ ንመበል 26 ዙርያ ናብ መዓስከር ታዕሊም ክወርድ ምግባር፡
  • እቲ ልዕሊ 40 -60 ዝዕድሚኡ ኣብ ዓዱ ኮይኑ ክዓጥቕ ዝተገብረ ሓይሊ ኣካል ብበዓል ተኽለ ማንጁስ፡ ወዲ
    መምህርን ወዲ ሊቀን ዝምራሕ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዝተሰየመ ዕቑር ሰራዊት ኮይኑ፡ ኣብ ዜሮ ሰዓት  ናብ ድፋዕቲ ኣትዩ ንሃገሩ ክከላኸል ምድላውን፡ ዘይዓጠቐ ኩሉ ክዓጥቕ
    ምግባርን
  • ኣብ ዝተፈላለያ ኮለጃት፡ ኣብ ቴክኒካዊ ቤት ትምህርታት፡ ኣብ ትካላት መንግስቲ፡ ትካላት
    ህ.ግ.ደ.ፍ.፡ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝርከብ ዘበለ መብዛሕትኡ ብጀካ እቲ ኣውዓ ስራሕቲ ዝዓምም እቲ ዝበዝሐ ዘውደልድል ናብ
    መሳርዕ ሰራዊት ክኸትት ምግባር፡
  • በዚ ምኽንያት እንተወሓደ መስርዕ ብ 5 ሰብ ዳግም ክትቆውም ምግባር፡፡

4.2
ምስ’ዚ ጎኒ ንጎኒ ዝካየድ ዘሎ ምድላው፡-

  • ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ምዱብ ናይ ባሕሪ ስልጠንኡ ናይ መሬት ታዕሊማት ወሲዱ ክውድእ ተገይሩ
    ኣሎ፡፡
  • ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ባሕሪ ዝርከባ 6 ቦጦሎኒታት ፍሉይ ሓይልታት፡ ኣስታት 4 ቦጦሎኒታት ዝጽውዓ
    ስኳድሮን፡ ስለያ ሓይሊ ባሕርን ዳይቪንግ ዝበሃሉን ኩሎም ኣሃዱታት ብሓባር ማርሳ ፋጡማ ተኣኻኺቦም ኣለው፡፡ ኣብ ካልእ
    ዘይተገብረ ሓደሓደ ሓደስቲ ድጎማታት ክግበረሎም ከምዘለዎ ተገሊጹ ኣሎ፡፡ ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከይዶም ንሓለፍቲ ኣኪቦም ተልእኾ
    ሂቦምዎም ኣለው፡፡
  • ዕለማ ምትእኽኻብ ኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ ናበይ ገጹ ከምዝኾነ ርዱእ
    አዩ፡፡ እቲ ሓደ መጣልዒ ካርታ ምስ ዝውደኣካ፡ ብካልእ መጣልዒ ካርታ እስከ ዕድለይ ክፍትን ዝዓይነቱ ናይ ተቋማሪ ካርታ
    ምቕያር ጥንቆላ ካብ ምዃኑ ከኣ ተፈዲሑ ኣሎ፡፡ ኤርትራዊ መጣልዒ ኢሳያስ ክኸውን ከምዘይኮነ ገና ኣይተረደኦምን ኣሎ፡፡ “ከም
    ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ኢዩ ነገሩ
    ፡፡

4.3
ካልእ ኣካል ናይ ምክልኻል መፍትሒ ተገይሩ ዝተዘተየሉ ዛዕባ ጉዳይ
ዲምህት’ውን ነይሩ፡-

  • ዲምህት ብግንባር መረብ ሰቲት፡ ዓሊቴና መረብን ምብራቓዊ ግንባርን ተኸፋፊሉ ምስ ሰራዊትና ተሓዋዊሱ ኣብ
    ድፋዕቲ ኣትዩን ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ተሰሊፉን ምስ ወያነ ክዋጋእ ኣለዎ፡፡ ነዚ ዝበቅዕ ምድላዋት መታን ክህልዎ ከኣ ብዝግባእ
    ምርሕዎ፡፡
  • ነዚ “ገረብ ብሓኽላ” ቅዲ ስትራተጂ ሕጂ”ውን ብመትከል ሒዞም
    ክቕጽልዎ
    ፡ ብሰንኪ እዞም ወኪላቶም ህዝብና ከጽንትዎ ይዳለው ኣለው፡፡

4.4
ኣብ ኣኼባ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ኣማሓደርቲ ዞባን፡-

  • ህልውና ህግደፍ ከም ውድብ ዘጠራጥር ከምዘይኮነ ጉባኤ ዘይገበረሉ ምኽንያት ኣብ ምውሓስ ሃገር ናይ
    ቀዳምነት ምርጫ ከምዝወሰደ፡ ክኣምን ምግባር፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ብርክት ዝበሉ ካድራት ኣብ ምስልጣን ከምዝርከብ፡ እቲ
    ብመራኸቢ ብዙሃን ዝመሓላለፍ ብቐንዱ ዝመርሖ ዓሊ ዓብዱ ዘይኮነ ከም ውድብ ህግደፍ ምዃኑ ክርዳእ ኣለዎ፡፡  ኣብ ወጻኢ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እዛ ውድብ ዝኾኑ መንእሰያት ወዲቡ
    (YPFDJ) ይቃለስ ምህላው፡ ቁጠባዊ ውሕስነት እዛ ሃገር ይሕመቕ ይጸብቕ ኣብ ኢድ እዚ ውድብ ከምዘሎ፡ ብትካል ሕድሪ ኣቢሉ
    ወርሓዊ መቑንን ናብ ህዝቢ ዘቕርብ ዘሎ ምዃኑ ክኣምን ግበሩዎ፡፡
  • ስለዚ ውድብና ህግደፍ ብተፈጥርኡ ዝገበሮ ክዛረብ ልምዲ ስለዘይጸንሖ እምበር ነዚ ህዝቢ ዘይረኣዩዎ
    ብዙሓት ስራሕቲ ይዓምም ከምዘሎ ህዝቢ ክርዳእን ፡፡ እዛ ሃገር ብጀክኡ ካልእ ምርጫ ከምዘይብላን ክፈልጥ ኣለዎ፡፡
  • ‘’ስግረ ዶብ’’ ሕጂ’ውን ክድዓት ኢዩ:: ንሰገርቲ፡ ኣስገርቲ፡ ተሓባበርቲ ብዘይዝኾነ ንሕስያ ናይ
    ምርሻን ስጉምቲ ምውሳድ፡ እቲ መቅጻዕቲ ስድራ ቤት ሰገርቲ’ውን ከቋርጽ የብሉን፡፡
  • ካድራት እዚ ውድብ ኣብ ስርቂ፡ ውግንና፡ ብልሽውና እንተኣቲኹም ትማል ንሓለፍቲ ሰራዊት ትወቕሱ
    ከምዘይነበርኩም ሎሚ ባዕልኹም እንተኣቲኹምዎ ነዚ ዘጻርዩ ሰብ ዋኒን ኣለው ድሕሪ ምጽራይ ዘይምሕር ስጉምቲ ክንወስድ ምዃና
    ብኣግኡ ክትፈልጡ ይግባእ፡፡

ኣሕዋት! ኣንፈት ጉዕዞ እዛ ባቡር ናበይ‘ዩ ? ናብቲ ሃው ዝበለ ኣጻድፍ
ገደል ዶ ዋላስ  ናበይ?!!  

 

ሰሰናዩ
ንህዝብናን ሃገርናን!!

ሰናይ
ቅነ!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7442

Posted by on Aug 1 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net