ምልኪ ይህለቕ… ፍትሒ ይንገስ

naqfa rat

እረ ሎምስ…  ብልሃቱ ጠፍኣና

ርብዒ  ዘመን ኮይኑ… ፍትሒ’ና በልና

ምልኪ ይዕንድር’ሎ… ፈላሊዩ ነዓና

 ይክሻሕ ብዕሊ መርዛም ኣንጭዋ ናቕፋ

***

ሓሰውትን ሰረቅትን ህግደፋዊ ወዓጋ

ኣጣቓዕቲ ደናቑር… ናይ ሓፋሽ ሓተላ 

ጽረ ሓድነት ዓያሹ…  ዝሰኽሩ ብጓይላ

 ደገፍቲ ጭቆና  ወንጀላዊ ጭፍራ

***

መንሰይ ከይስደድ ከይከውን ድራር

ከይየጥ ከይልወጥ… ከም ሕሱ ንስሳ

ስቃይ ስደክውዳ መሬት ክወግሓልካ

ተቓወም ብጽንዓት ምስርጣይ  ደምሲስካ

***

   ስላማይ ክስታናይወዲ ቆላ ከበሳ

   ንምልካዊ  ስርዓት… መክቶ ርካ

   ዘለኻ ሊኻ… ብኹሉ ቅምኻ

ተቃለስ ሓቢርካ…  ኣድሕና ሃገርካ

********

 “ወዲ ሸቃ” ተመናይ ጥዉይዋይ ዘልቡ

ጭንቀት… ቶንከል ዉዲት ባህሪያቱ  

መሃንድስ ናይ ክፍኣት እከይ ተግባራቱ

  ይደርዓም… ነድሕና ሃገርና ካብ ዝልመቱ

***

ህግደፍ ተሓቒኑ… ድምህት ወሊዱ

መኻን ምዃኑ… ኣፍሊጡ ኣግሂዱ

ተቃሊዑ’ ዮ ሎሚ  ኩሉ ውዲታቱ 

ጸረ ፍትሕግን ዩ ኩሉ ጠባያቱ

***

ውላድ “ኣንድነት”… ቀያያሪ ቆርበቱ

 ለዋጢ መልክዑ.. ብዙሕ’ዮ ኣስማቱ

ቃል ኪዳን ምስ ድምህት ብዕሊ ኣሲሩ

 ነጻነትና ኣፍሪሱ… ክብርና  ዳህሲሱ

***

ናብራና ከፊኡ ስደት ውርደት ኮይኑ

ህዝብና ቢሩስቃዩ ገንፊሉ

ናብራ መሪርዎ… ንስደት ኣድሂቡ

ገዛዉቱ ራሕሪሑ መዕቆቢታት ሰፊሩ

********

ሓሳብ ይሃሉኻናይ ሕልና ይኒ

ህዝብኻ ክውጠር ለይቲ ምስ ልቲ

ይትምት ይንኻ… ጃምካ ወፊ

መክት መሰላትካዕዙዝ ፍናናዊ ሓይሊ

***

ቃልሲ ጀጋኑናታሪኽ ጽንዓት ትሪ

ሕድሪ ሰማታትናይተግበር

ፍትሒ ቅዋም ይንገስ… ልቲ   

 ይትረር ሓድነትና ይጓሓፍ’ዚ ድርባይ ስዲ

***

ንቃለስ ሓቢርና… ንፍትሒ ንለውጢ

መሰላትና ይተሓሎ… ብስር ብሕጊ

ይኣክል ንበሎም… ንወዲ ምስ ማንኪ

ቃልስና ይበርት  ከበር’ቲ ሕልሚ

***

ስደተ ክመለስ  ሃገሩ… ክሓርስ ክ

ክነግድ ነጋዳይ ክቀሰን’ዚ ማሕዩር ህዝቢ  

  ሕጊ ክነግስለስ ምስ ደለይቲ ፍትሒ

ይበርቖቕ ምልኪ… ንቃለስ ሓቢርና ብግሪ

 

ብ/ ሙሓማድ ሳ. ኣሕመድ

04/12/2014                  

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9086

Posted by on Dec 4 2014 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net