ምልክታ ብዛዕባ አብ ሸገራብ (ሱዳን) ዝርከቡ ስደኛታትት ኤርትራውያን

encdc executive office

ናብ ኩቡር ኣቶ ኣንቶንዮ ማኑኤል ዲ ኦሊቨር ቴርዝ

አብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮምሽነር ንስደኛታት

 

 

ጉዳይ፡- ምልክታ ብዛዕባ አብ ሸገራብ (ሱዳን) ዝርከቡ ስደኛታትት ኤርትራውያን

ኩቡር ኣቶ ኣንቶንዮ ማኑኤል

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤ/ሃ/ባ/ድ/ለ) አብ ማዓሰከር ስደተኛታት ሸገራብ (ሱዳን) ዝርከቡ አሕዋትና ሰደተኛታት ዝወርዶም ዘሎ ተደራራብን ተደጋጋምን ግፈዕታት ደው ንከተበልዎ ይምሕጽን፡፡ ኤርትራዉያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ትሕቲ ዕድም ህጻውንቲውን ከይተረፉ ኣካላውን ስነ-ኣእሙራውን መጥቃዕቲ፤ ዓመጻዊ ጾታዊ ተራክቦ፤ ንዓፈናን ግዳይ ዘይሕጋዊያን ኣዘዋወረቲን ደቂ-ሰባት ብምዃን፡ ንሓደጋ ተሳጢሖም ይርከቡ ኣለዉ፡፡ እዚ ኣብ ልዕሌኦም ዝወርድ ዘሎ ዘሰካሕክሕ ኢ-ሰብኣዊ ተገባራት ዘይቅጭጮ መንግስቲ ኤርትራ፡ እዞም ስደተኛታት ህያው-መሰኻክር እከይ ተግባራቱ ሰለዝኾኑ ከም ጸላእቱን ናይ ስርዓቱ ሓደጋን ገይሩ ስለዝቖጽሮም፤ ኣብ ውሽጦም ጨወይቲ እንዳሰሎኸ ግዳይ ተደራቢ ጸገምን ራዕድን ክገብሮም ጸኒሑን ዘሎን፡፡

ታሕሳስ 25/2015 ኣብ ታሪኽ ማዓሰከር ሸገራብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ህልቂት’ዩ ተኸሲቱ፡፡ ብንእሽቶ ጀልባ ውሕጅ አትባራ ሰጊሮም ንከተማ ካርቱም ክአትው ካብ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ስድተኛታት ብዘጋጠሞም ሓደጋ 17 ንጹሃት ዜጋታትና ሞይቶም፡፡ ድሕሪ’ዚ ሓደጋ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ሬሳታት ኣሕዋቶም ክቐብሩ ዝወጹ ስደተኛታት ዜጋታትና ሓለውቲ ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ሱዳን ዘይተደልየን ዘይተሓሰበን ዘይምቅዳው ተኸሲቱ፡፡ ከም ውጽኢቱ ብርክት ዝበሉ ንጹሃት ዜጋታትና ብሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ሱዳን ተኣሲሮም፡፡ እዚ ተገባር’ዚ ዘቖጦዖምን ዝሓዘኑን ግን ካአ ካልእ ገበን ዘይብሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሕዋትና ዘርአይዉ ተቓዉሞ፡ ብዘይዝኾነ ሓልዩትን ሰብኣውንትን ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ናይ ቀቢላ ሚሊሻታት ገዛወቶም ብሓዊ ነዲዱ፤ ንምግላጹ ዝከብድ ዘስካሕኽሕ በደል በጺሕዉም’ዩ፡፡ ከም መቐጸልታ ናይዚ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈለጠ፡ ካብ 7 ክሳብ 8 ብዝኾና ዓበይቲ ናይ ጽዕንት መካይን ተጻዒኑም ካብ ሸገራብ፡ ንከባቢ ምብራቕ ሱዳን-ከሰላ ገጾም ዝተወስዱ፤ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣበይ ከመዘለው ኣይተፈልጠን፡፡ ህላዊኦም ናብ ዘስግእ ኩነታት ዓሪጉ ኣሎ፡፡ ዛጊት በዚ ሓደጋ’ዚ፡ ግዳያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ሃለዋቶም ዝጠፈኣ፤ ዝሞቱ ዝተኣሰሩን ቁጽሮም ክሳብ ሕጂ ኣየተፈለጠን፡፡ እዚ ንኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣዝዩ ዘሻቕል ምዃኑ ርዱእ’ዩ፡፡ ስለዚ ድሕንት ናይ’ዞም ስደተኛታት ምርግጋጽ ዝላዓለ ሓለፍንት ዘለዎ፡  ሕቡራት መንግስታት ላዕላዋይ ኮምሽን ንስደተኛታት ምዃኑ እናዘኻኸርና፤ ነቶም ገበነኛታት ድማ ናብ ፍርዲ ዝቐርቡሉ ኩነታት ክፍጠር ኣጥቢቕና ንምሕጽን፡፡

መንግስትን ህዝብን ሱዳን፡ ነቶም መዓልታዊ ብብዝሒ ቁጽሪ ዶብ እንዳሰገሩ ዝስደዱ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ መዕቋቦምን ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ማዓሰከር ስደተኛታት ምቕማጦምን ብዝምልከት፡ ኣብ እንግድዖዖም ዘሎ ጾር እዩ፡፡ ሰለዝኾነ ከአ ነዞም ስደተኛታት ምሕላውን ምክልኻልን፤ ሕግን ስርዓትን ምሕላው ዝላዐለ ሓለፍንት መንግስቲ ሱዳን ምዃኑ ንኣምን፡፡ ስለዚ ሕቡራት መንግሰታት ላዕለዋይ ኮምሸን ስደተኛታት፡ ብዝቀልጠፈ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ፡ ጠንቑን ተሓታቲኡን ብዝምልከት ከጻርዩለናን ፍትሒ ክንረኽበሎን ንሓትት፡፡ ብተወሳኺ ብቐረባ ምስ መንግሰቲ ሱዳን ብምትሕብባር ነቶም ጸግዕን ከውልን ዘይብሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትዳፍዕሎም ንምሕጽን፡፡

ኣብ መወዳእታ፡ በዚ አጋጣሚዚ ከነተሓሳስቦ ንደሊ፡ ቀንዲ ምንጪ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ ሕገ-መንግስቲ አልቦ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ብሕታዊ ተሓታቲ ምዃኑ ክነረጋግጽ ንደሊ፡፡ ምንጪ ዋሕዚ ስደት ክደርቕ፡ ሕቡራት መንግስታት፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፣ ሓያላን መንግስታትን ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ነዚ ሕጊ-አልቦ ስርዓት ጸቕጢ ክገበረሉን አብ ሃገርና ሕጋውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ብምድጋፍ ኩሉ መዳያዊ ሓገዛት ክግበረልና ንላበው፡፡

ምስ ሕውነታዊ ሰለምታ!!

 

ክ/ዮሃንስ ወ/ገረግስ

ኣቦ መንብር ፈ/ቤ/ጽ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኤ/ሃ/ባ/ደ/ለ

30 ታሕሳስ 2014

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9225

Posted by on Jan 5 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net