መልእኽቲ ካብ ዴምህት: ሕርር ደኣ በሉ

adulart (4)

ሕርር.. እወ ሕርር በሉ.. ወየንቲ

ህዝቢ ኤርትራ.. ምስ ተቃወምቲ

ህግደፍ-ዴምህት  ኴና.. ኢድን ጓንቲ

ኤርትራ ናዓኹም ገሃነም.. ንዓና ስስንቲ

ሳላ ባህሪያዊ ሃብትና.. ናይ ቢሻ ወርቂ

ወዲ ኣፎም ናይና.. ክቡር ንጉሰ ነገስቲ

ወይሉ ዝትንክፋነዛ ናቱ ዘውዲ

ክንዕቅባ ኢና ብደምና ብክላሽን ብታንኪ

***

ብረት ዓጢቅና’ለና.. ኣንጻር ተጻባእቲ

ኩሉ ተማሂርና  ኢና.. በቢሓንቲ

ካብ ሃንደሳ ጀመርና ክሳብ ስልቲ

ዝና ክብሪ ታሪኽና ክምለስ’ ዩ እቲ ክብሪ

ብቀልጽም ጀጋኑ  ዴምህት  ተቃለስቲ

ወደባትና.. ቀይሕ ባሕርና ካብ ጥንቲ

ንስኹም ኴንኩም ናይ ዉድቀትና ተጸበይቲ

ሕርር በሉ ተቃወምቲ.. ሕርር በሉ ወየንቲ

***

ኣይንፈላለን ካብ ህግደፍ.. ብቋንቋ ብዘርኢ

በቦና በደና.. ባህሪያትና ሓደ የለን ዝፈላሊ

ዕላማ’ለና ንጹር ኢዩ.. ናይ ህዝብና ረኢ

ብፍጹም ኣይንፈላለን.. ብናትኩም ትምክሕቲ

በሉ መጻናኹም ዓጢቅና.. ጀሚርና ስጉምቲ

ዘሓበረ ቀልጽምና ዘይዕጸፍ’ዩ የብሉን ዓጋቲ

ንዓኹም ንምጥፋእ.. ኣንቱም ሞቕረምረምቲ

ናይ መቓብርኩም ሰዓት ኣኺላ መዓልቲ

******

ሕልሚ ትግራይ-ትግሪኚ.. መዓልቱ ኣኺሉ  

ክትግበር’ዩ እቲ መደብ ዝደለኹም በሉ

ካብ መሬት ክንጥፈኦም’ና ሕድሪ ዝጠለሙ

ተዛረቡ ኣቕረምርሙ.. ካብኡዶ ከይትሓልፉ

የለን ኣማራጭ.. ሃጽ በሉ ጥፍኡ ኪዱ ተሰደዱ

ተዋረዱ.. ሰሓራ ስገርዎ.. ኣብ ባሕሪ’ዉን ጥለቁ

ተኣዘዙና ኣምበርክኹ ወይ መሬትና ልቀቁ

ምድሪ ባሕሪ-ነጋሲ ናይና’ያ ፍለጡ ኣስተዉዕሉ

***

ኣይተሰደድናን.. ዴምህት ተሰዲዶም ኣይትበሉ

ንዕንድር ኣለና ኣብ መሬትና.. በሉ ተዓዘቡ

ሰሲና ሰዊትና.. ግምባራትና በዚሑ ደልዲሉ

እቲ ንጹር ዕላማና መድረኹ  ኣቐቢሉ    

በኣና ታሪኽ ክድገም.. ቅያታት ክስርሑ

ብሕቡእ ዘይኮነ ብጋህዲ ተጋሊጹ

ዳዕሮና ጠጢዓ.. ርእስኹም ደኣ ሕመሙ

ከም ዕንበባ ደሚቅና ሕርር ደኣ በሉ

************

ኣለኹምደቂ ኤረ!!!

ሰሚዕኩም?  ናይ ዴምህት  ወረ???

ኤረና ወሪሶማ.. ብዘይ ፍርሒ.. ካብ ሕነ

እንታይ ንግበር.. ክነድሕና ሃገርና ካብ ፈተነ???

እስኪ ንሕሰብ ንበራበር.. ከየጥፋእና ጊዜ

ከይንጣዓስ ጽባሕ… ጊዜ ምስ ሓለፈ

ንድሕነት ሃገር.. ንቋወም ሓቢርና ብሓደ

ሕድሪ ሰማእታት ይከበር ኣብ ኩሉ ኩነትን ጊዜ

***

ብደምና ንዓቅባ ካብ ህግደፍ-ዴምህት ጎበጠ

ዋዛ ኣይኮነን ሃገር.. ብደም ስውኣትና ዝመጸ  

መስዋእቲ.. ጽንዓት.. ጅግንነት.. ቅያ እተገብረ

ልዑልነት ሃገርናሃ ይትዓቀብ.. ካብ ዘመተ

ሓርነትና ክቡር እዩ.. ብመስዋእቲ ዝትረኽበ

ኣይነምበርክኽን  ኢና… ንወራራት.. ንወጠረ

ክንድርዕርም ኢና ጠላማት..  ኩሎም በብሓደ

ባህሪያት ህዝብና’ዩ.. ወትሩ.. ንወራራት ምስ በደሀ

***

ኣለኹምሃገራዊያን.. ደቂ ኤረ!!!

ሰሚዕኩም?  ናይ ህዝብኹም  ወረ???

ጭፍራ ህግደፍ-ዴምህት ጎቢጦማ ሃገርና ብሓደ

ርኢኹሞ’ዶ እቲ ግፍዒታት ኣብ ህዝብና ዝወረደ???

ዉጹዕ  ህዝቢ ካብ ኩሉ መሰላቱ እተሓረመ???

ሰብኣውነቱ ተገፊፉ ይሳቀሎ.. መሪርዎ ከም ዕረ

ንበራበር.. ንበገስ.. ንዕጠቅ.. ጊዜ ከይሓለፈ

ንዓቅባ ሃገርና ብደምና.. ንበድህ ንመክት.. ብሓደ

 

 

ብ/ ሙሓማድ ሳ. ኣሕማድ

19/01/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9293

Posted by on Jan 19 2015 Filed under Articles, Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net