“ሕቶ ብሄርነት ጀበርቲ ኣብ ቅዋም ኤርትራ ሰፊሩ ንሓዋሩ ክዕጾ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ” ኡስታዝ ሑሴን ዓብደልዋስዕ

Mr. Hussien Abdulwase (sourse:sbs.com.au)

Mr. Hussien Abdulwase (sourse:sbs.com.au)

14th March, 2015By Beyene Semere
ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ጀሚርዎ ዘሎ መስርሕ ምሕዳስ መንነት ካርድ ኣብ ዝምላእ ቅጥዒ፡ ንጀበርቲ ከም ሓደ ካብ ብሄራት ኤርትራ ኣፍልጦ ስለዘይሃበ ብምቅዋም፡ ኢርትራዊያን ጀበርቲ ነበርቲ ኣውስትራሊያ ናይ ተቓዉሞ ኣኼባታት ኣብ ምክያድ ይርከቡ። ምስኡ ዝተኣሳሰር ሕቶታት ክምልሰልና ካብ ቀንዲ ኣተሓባበርቲ እቲ ናይ ተቓዉሞ ኣኼባታት ዝኾነ ንኡስታዝ ሑሴን ዓብደልዋስዕ ዘዛርብናዮ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክትሰም ዕዎ ንጋብዝ።

sourse:sbs.com.au

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9444

Posted by on Mar 15 2015 Filed under Interviews, News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

3 Comments for ““ሕቶ ብሄርነት ጀበርቲ ኣብ ቅዋም ኤርትራ ሰፊሩ ንሓዋሩ ክዕጾ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ” ኡስታዝ ሑሴን ዓብደልዋስዕ”

  1. dekizemen

    none sense

  2. ሰላም ኡስታዝ ሑሴን ዓብደልዋስዕ፡ ኣቦታትና ታሪኽ ህዝብናን ሃገርናን ክነግሩና ከለው እዞም ትብሎም ዘለኻ ጀበርቲ ፡ ብደቡብ መረብ ሰጊሮም ናብ ከበሳታት ኤርትራ ዝመጹ መብዛሕተኦም ድማ ብናይ ቀደም ኣጸዋውዕ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ዝርከቡ ዝነበሩ ሸቃጦ ክኾኑ ከለዉ ምስቲ ከበቢኦም ብሰላም ይነብሩ ከምዝነበሩ ንሕናውን ኣርኪብናሉ። እዚ ሕጂ ሕጂ ዝመጽእ ዘሎ ሕቶ ናይ ብሄር ግን መንቀሊኡ ኣይበርሃለይን። እቶም ኣብ ትግራይ ገዲፍኩሞም ዝመጻእኩም ኣሕዋትኩም ጀበርቲ፡ በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ክልላዊ መንግስቲ ይኹን እተን ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ንጀበርቲ ከም ብሔር/ቀቢላ ብዕሊ ተቐቢሎምኹም ድዮም? ከምኡ እንተኾይኑ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ዳግም ክሓስበሉ ኣለዎ በሃላይ እየ።እንተዘይ ኮይኑ ግን ሓደ ጀበርቲ መንደፈራ መጽዩ ሸቂጡ መረባዓት ኣብ መንደፈራን ኣስመራን እንተገዝኤ ናይ ብሄርነት መሰል ንኸሕትቶ ይኽእል ማለት ከምዘይኮነ ትስሕቶ ኣይመስለንን፡፡ ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንዝርከቡ ቤተሰብካ ሕተቶም እሞ እንታይ መልሲኸ ተዋሂብዎም፡፡/የቐንየለይ

  3. ጀበርቲ

    ጀበርቲ ነብሱ ዝኸአለ ቢሄር እዩ።
    ሐደ ዘይተረድኦ ሓውና ሃለፍታ ኽገብረሉ ጸኒሑ ነገር ግን፣
    ጀበርቲ ብሄር እዪ
    ጀበርቲ መሰረቶም ካብ ዓረብ’ዪ
    ጀበርቲ አብታሪኽ መብዛሕትኦም ነጋዶ ነይሮም
    ጀበርቲ ምዕቡል ብሄር’ዪ
    ጀበርቲ ሃይማኖቶም ኢስላም’ዮም
    ጀበርቲ ምስከባቢኦም ብምምሳል ዝተፈላለየ ቋንቋታት ይዛረቡ
    ስለዚ ፈቲኻ ጸሊእኻ ንሕናስ ነጸግዕ እምበር አይንጽጋዕን

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net