ርሑስ በዓል ፋሲጋ 2015

 eudc

 ኤርትራዊ ሰምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ኣብ ውሽጥን ደገን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣመንቲ ክርስትና፡ ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ድማ ብፍላይ ርሑስ በዓል ፋሲጋ 2015 ዝብል መልእኽቱ የመሓላልፍ። በዓል ፋሲጋ 2015 ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ንዝርከብ መላእ ህዝብና በዓል ሰላም፡ ፍቅሪ፡ ስኒት፡ ምትሕቑቓፍን ምትሕግጋዝን ክኸውን ድማ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) በዚ ክቡር መንፈሳዊ በዓል’ዚ ተሞርኲሱ ነዚ ዝስዕብ ሓላፍነታዊ  መጸዋዕታን መልእኽትን የመሓላልፍ።

  1. መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ዝሳውሮ ቅሉዕን ስቱርን ኣዕናዊ ኣተሓሳስባታት ማለት ካብ ድሑር ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃውን ወገናውን ስምዒታት ብግብሪ ተናጊፎም፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ከቢድ ሓደጋ ብርስትን ዕንወትን ንምድሓን ካልኣዊ ፍልልይ ብዕቱብ ኣብ መኣዲ ዘተ ብልዝብ እናፈትሑ ሓድነቶም ብምድልዳል ኣንጻር ውልቀ መላኪ ስርዓት ኢሳይያስ ዝካየድ ዘሎ ጽዕጹዕን ዘይሕለል ቃልስን ጥራይ ኣተኲሮም ክሰርሑን ክምክቱን።
  2. ኩሉ-መዳያዊ ተሳትፎ፡ ወሳንነትን ልዕላውነትን ህዝብና ተረጊጹ፡ ፖሎቲካዊ መሰላቱ፡ ሰብኣዊ ክብርታቱን ባህልታቱን ከም ሕሱም እናተጨፍለቐ ኣብ ፍቆዶ ስደትን ሓሳረ-መከራን ኮይኑ፡ በዓል ፋሲጋ ኣብ ዘኽብረሉ ዘሎ ህሞት፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ህዝቢ ንምትላል ብስም ልዕላውነትን ምክልኻል ሃገርን ኣብ ዝፈጥሮ ኣዕናዊ ዝኾነ ኣጀንዳታት ኲናትን ወራርን ዕንክሊል ምባል ንብልሒ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘጉትም ብምዃኑ ደው ክብል።
  3. ኩሎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ከቢድ ሂወት፡ ከምኡ’ውን ህዝብና ዝሕልፎ ዘሎ መሪር መነባብሮ፡ ሃገር ብምልእታ’ውን ናበይ ገጻ ትጓዓዝ ምህላዋ ብግቡእ ብምግንዛብ፡ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ምግልጋል እወ ንሓርነት እንቢ ንባርነት ብምባል ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቦም ክድግፉ።
  4. ኩሉ እምነታት ህዝብና ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሓሲሩን ተዋሪዱን ምህላዉ ብምግንዛብ፡ ኣብ ህላወ እዚ ስርዓት’ዚ መሰልን ማዕርነትን ሃይማኖታት ክኽበር ስለዘይሕሰብ፡ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖታት ፖሎቲካዊ መንነትን እከይ ፖሊስታትን ናይዚ ስርዓት’ዚ ንምቕላዕ ልዑል እጃሞም ከበርክቱ ይጽውዕ።

 

ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀትን ሞትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍን ዓንገልቱን!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ኤርትራዊ ሰምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

11 ሚያዝያ 2015

 

 

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9519

Posted by on Apr 11 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net