ጋዜጣዊ መግለጺ : ኣዳላዊት ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፊ ስቶክሆልም 2015

ዝኸበርኩም ዝኸበርክንን ሓርበኛታት ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ስቶኮሆልም
ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ሎሚ ዕለት 01/ ነሓሰ/ 2015 ብደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ኣብ ከተማ ስቶኮሆልም ተኣኻኪብና ኣለና።

ሰላማዊ ሰልፍና ከም ወትሩ ብሽዊደናዊ ኤርትራዊ ጽላል ንደምክራስያዊ ምዕባለ (ሰሳዱ) ዝተወደበ እዩ። ሰሳዱ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ኣብ ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡ ንምውህሃድ ሽማግለ መዚዙ። ሰሳዱ ንፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝጥርንፍ ጽላል ምዃኑ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ሰላማዊ ሰልፍና ንምድማቕን ንምዕዋትን፦ ንኩሉ ማሕበራት ኣባል ጽላል ሰሳዱ፣ ንኣወሃሃድቱን፣ ግዜኹምን ጉልቡትኩምን ገንዘብኩምን ወፊኹም ካብ ቐረባን ርሑቕን ንዝመጻእኩም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ንኩሉ‘ቲ ዘበርከትኩሞ ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ፣ ብስም ኣዳላዊት ሽማግለ ዕዙዝ ምስጋናና ብምቕራብ፡ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም ንብል። ንቕዱስ ተበግሶኹምን ዘርኣኹምዎ ጻዕርን ከኣ ኣኽብሮትና እናገለጽና፣ ከነመስግነኩም ሓበን ይስምዓና።

ናይ ሎሚ ዓመት ሰላማዊ ሰልፍና ካብ ዝሓለፉ ግዜ ዝፈልዮን ዝያዳ ዕዙዝ ዝገብሮን፣ ድሕሪ‘ቲ ኣብ ጀነቫ ዝተጋበአ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ንዘይሕጋዊ ስርዓት ኤርትራን ደገፍቱን ዘቃለዐ ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ይካየድ ብምህላዉ፣ ፍሉይ ክብደት ይህቦ። እዚ ተራእዩ ዘሎ ምቹእ ኣህጉራዊ ምዕባሌ፣ ንመንፈስን ሞራልን ቓልሲ ደለይቲ ፍትሒ ዝድርዕ እዩ። ይኹን’ምበር ኪንዮው ኣህጉራዊ ምዕባሌ ክንስጉም፣ ወይ ብማዕሪኡ ክንከይድ ዕዮ ገዛና ብቕኑዕ ኣገባብ ክንፍጽም ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክመና መድረኽ ተጋሂዱ ኣሎ። እዚ ሓዲሽ ኩነታት ኩልና ብግቡእ ከም እንግንዘቦ ጥርጣሬ የልብልናን። ግን’ከ ኣብ ሰፊሕ ዝርዝር ከይኣተና ኣብቶም ኣገደስቲ ነጥብታት ብሓጺሩ ንምግላጽ ከኣ ኣገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ ይስመዓና፡-

ክቡራት መራሕቲ ሃይማኖታት!!
ክቡራትን ኩቡራንን ተሳተፍቲ!!

ዘይሕጋዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ንልዕልና ሕጊ ረጊጹ: ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ይግህስ ኣሎ። ህዝብና: ዋላ እቲ ዝሰርሕ ዝረኽቦ ትሑት ደሞዝ: ምስ ናይ ናብራ ክብሪ ስለ ዘይመጣጠን፣ ናይ ማይን መብራህትን ጸገማት ደሚርካ፣ ኣብ መዓልታዊ ናብርኡ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ጸገም ሕልና ንዘለዎ ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ህግደፍ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዜጋታት ናይ ምንቕስቓስን ናይ ምዝራብ ናጽነቶምን ገፊፉ፣ ብጸጥታዊ ኣገባብ ርእሶም ኣድኒኖም ከምዝኸዱ ይገብር ኣሎ። መንእሰያት ይኹኑ ትሕቲ ዕድመ ከይተረፉ ናይ መጻኢ ብሩህ ዕድል ስለዘየርኣዮም ናብ ስደት የምርሑ ኣለዉ። ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ጃምላዊ ህልቒትን ዘይሰብኣዊ ተግባርን፣ ይትረፍ ንኤርትራውያን ንኩሉ ዓለም ግሉጽ ስለዝኾነ በተን ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ይዝረበሉ ኣሎ። ጠንቒ ናይ‘ዚ ኩሉ ሽግር ስርዓት ህግደፍን እዮ። ሕጋዊ ተሓታትነቱ ከኣ ክስከሙ ከምዝግባእ ዘከራኽር ኣርእስቲ ኣይኮነን። ናይ ግዜ ጉዳይ ጥራሕ እዩ።

ስርዓት ኤርትራ ስልጣኑ ንምንዋሕ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ጸገም ንምሽፋን፣ ብኣመሪካን መሻርኽታን ዝብለን ሃገራትን ዝተኣልመ ውዲት እዩ ብምባል ክውንጅለን ይፍትን ምህላዉ ኩላህና ንከታተሎ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ። ንኹሉ ውሽጣዊ ጸገማቱ ከኣ ምስ ውሳኔ ዶብ የትኣሳስሮ። ብጸቢብ ኣትሓሳስባን ውልቓዊ ረብሓን ይኹን ብሕሱር ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ጎስጓሳቱ ዝተታለሉ ደገፍቲ ህግደፍ ከኣ፣ ብዕለት 22/06/2015 ኣብ ጀነቫ ከይዶም ኣንጻር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ኩልና ተዓዚብናዮ ኢና። እቲ ዘገርም ከኣ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝቖመት ኮሚሽን ናይ ፖለቲካ ጸግዒ ከምዘለዋ ክገልጹ ፈቲኖም። ንኣባላት ኮሚሽን ከፈራርሑ፣ ኣማባሳደር ህግደፍ ወዲ ገራህቱ ካብ ዲፕሎማስያዊ ቛንቛ ወጻኢ ብዝኾነ ንኮሚሽን ዝዝልፍ ዘይእሩም ቃላት ስለዘውጽኤ መጠንቐቕታ ተዋሂቡዎ ’ዩ። እዚ ከኣ ብፕሮቶኮል ዓይኒ ክርአ ከሎ፡ ኣዚዩ ዘሕፍር ተግባር እዩ።

እቲ ቐንዲ ዝሰሓትዎ ሕጋዊ ኣገባብ ግና፣ እታ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ካብ ግዳያት ብዝረኸበቶ፡ ቀዳማይ ኢድ ምስክርነት ብመረጋገጺ ኣሰንያ እያ ጸብጻባ ኣቕሪባ። ንሳቶም ዘይቕቡል ምኽንያት ኣብ ክንዲ ምቕራብ፣ እታ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትያ ክትምርምር ከተጻሪ ከም ዝኸልከልዋ ዓለም ብምሉኡ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ኣንጻር ኣህጉራዊ ውሳኔ ዝወሰዱዎ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ንሳዕቤኑ ብከመይ ከምዝገጥሙዎ ኣይመለሹን። ኣህጉራዊ ውሳኔ ከኣ ብሰላማዊ ሰልፊ፣ ብጸርፍን ሕሱር ፕሮፖጋንዳን ከምዘይቕየር ንካልኣይ ግዜ ዘይተማህርሉ ኣገባብ እዩ። ኮሚሽን ዝተዋህባ ሓላፍነት፡ ክትፍጽም ድሮ ሕጋዊ ስልጣና ንሓደ ዓመት ተናዊሑ ኣሎ። ስራሕ ኮሚሽን ምጽራይ ገበናት ኣብ ኤርትራ ኣብ 2016 ናበይ የምርሕ ሓቢርና ንርእዮ ጉዳይ እዩ።

ስልጣንን ዕማማን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብሕጊ ተነጺሩ ሰፊሩ ካብዘሎ ኣገደስቲ ነጥብታት ንምጥቃስ፣ እዛ ኮሚሽን‘ዚኣ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ገበናት ይኹን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ’ዶ ኣይተፈጸመን ምጽራይ፣ ቤት ማእሰርቲ ክትበጽሕ እሱራት ከተዘራርብ፣ ናይ እሱራት ሰብኣዊ ኣትሓሕዛ ክትምርምር፣ እሱራት ምስ ስድራ ቤቶም ናይ ምርኻብ መሰል ከተረጋግጽ፣ ናይ ጠበቓን ነበሰ ምክልኻልን መሰል ይፍቐድ ዲዩ ኣይፍቐድን ክትምርምር፣ እሱራት ንጹሃት ዲዮም ገበነኛታት ንምርግጋጽ ተኸሲሶም ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ መሰሎም ከቢሩ’ዶ ተነፊጉ፡ መርሚራ ጸብጻባ ምቕራብ እዩ ቐንዲ መዝነታ። ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ነዚ ኩሉ ሕጋዊ ኣገባብ ተሓሲሞም፣ ንጉድለቶም ንምሽፋን ክብሉ ከኣ ዘይቕቡል ምኽንያታት እናቕረቡ ህዝቢ ንምትላል ሕሱር ፖሮፖጋንዳ ክዝርግሑ ዝስምዑ ዘለዉ።

እዚ ኣህጉራዊ ውሳኔን ውጽኢቱን ንደምበ ተቓዉሞ ሓጋዚ እዩ። ይኹን’ምበር እዚ ኣህጉራዊ ምዕባሌ ተመሊሱ ፍሉይ ሓላፍነት’ዩ ዘሰክመና ንዓና ንደለይቲ ፍትሒ። ምኽንያቱ ነዚ ምዕባሌ’ዚ ብከመይ ንጥቀመሉ? ዕዮ ገዛና ክንፍጽም እቲ ኩነታት ከኣ ንረብሓና ክንቕይሮ ብከመይ ኣገባብ ዝብሉ ክንሰርሕ ይግባእ ዝብሉ መሰረታውያን ሕቶታት የልዕል ኢዩ። እቲ ተፈጢሩ ዘሎ መድረኻዊ ኣህጉራዊ ምዕባሌ፡ ከም ደምበ ተቛዉሞ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ነንሕድሕዱ ክመናጨት ዝውዕልን፡ ኣብ ካልኣዊ ግርጭታት ተሸኺሉ ኣብ ከንቶ ነገራት ግዝይኡ ዝባኽንን፡ ዓቕምታቱ ብሓባር ጸሚዱ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣበርቲዑ ክቃለስ ዕዙዝ ተዳላይነት ኣለዎ።

ክቡራትን ክቡራንን!!

ሰላማዊ ሰልፍና፣ ዕማማቱን ኣገባቡን ብናይ ግዜ ሰሌዳን ኮሚቴን ተሰሪዑ ስለዘሎ ኩልና ከነኽብሮ ንምሕጸነኩም። ካብ መደብ ወጻኢ ብዘይኣፍልጦ ኣላይ መድረኽ፣ ወይ ንዝምልከቶ ኮሚቴ ከይሓተትካ፣ ዝኾነ ሰብ ብኢደ ዋኒኑ ማይክሮፎን ምሓዝ ይኹን ካልእ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዘይፍቐድ እናሓበርና ከተኽብርዎ ንምሕጸነኩም። ዝኾነ ሰብ ንመደብ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕዋት ይጠቕም’ዩ ዝብሎ ኣገባብ ምስ ኣላይ መድረኽ ክዛረበሉ ነትሓሳስብ። ከም ደለይቲ ፍትሒ መለልይና ስነ-ስርዓትን ሓላፍነታዊ ባህርያትን ስለዝኾነ፣ ብስምዒት ተደሪኽና ካብ ስነ-ምግባር ወጻኢ ንክብሪ ሰባት ዝትንክፍ ጸርፍን ሕማቕ ቓላትን ስለዘይፍቐድ፣ ካብ ከምዚ ባህርያት ክንቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስበኩም። ብውልቐሰባት ዝርኣዩ ጉድለታት ከኣ፣ ተኸባቢርና ነንሕድሕና ክንትኣራረም ፍቱሕ ልቢ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ።

የቐንየልና !!
ውድቐት ንዘይሕጋዊ ስርዓት ኤርትራ!!
ዓወትና ናይ ግድን እዩ!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!

ኣዳላዊት ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፊ ስቶክሆልም 2015
01/08/ 2015.

Stockholm Rally Against the PFDJ Festival 2015 (5)

Stockholm Rally Against the PFDJ Festival 2015 (4)

Stockholm Rally Against the PFDJ Festival 2015 (3)

Stockholm Rally Against the PFDJ Festival 2015 (2)

Stockholm Rally Against the PFDJ Festival 2015 (1)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9818

Posted by on Aug 3 2015 Filed under News, Press release, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net