Category archives for: Poetry

ኣንቲ ነጻነት

እንታይ ጉድኪ       ዘይትዛረቢ እዚ ኩሉ ዓዛብ      ስቕ ኢልኪ ትዕዘቢ   ነጻነት ክብሉኪ      ብዙሕ ሰሚዐ ንዓኪ’ውን ብሂገ     ክቱር ሰሲዐ ኣብ ጽላልኪ ኮይነ   ክመርሕ ሂወተይ ክግስግስ ክጎዪ       ከም ትርግታ ልበይ   ኣነ’ሞ እንታይ ዘይገበርኩ? እቲ ፈጣሪ ዝሃበኒ        ኣፈይ ምስ ተሎጉመ ሓንጎለይ ተሻቂሉ         ምስ ኣጉረምረመ ካብ ናብ ከይስጉም       እግረይ ምስ ተቐየደ ስርሐ ከይበልዕ           ኢደይ ምስ ተኣስረ ፍልጠት ከይቀስም       […]

እወ… እወ ክወግሕ እዩ

ምንም እንተ ነውሐ… ድቕድቕ ጸላም ለይቲ ወላ እንተጸበበ ካብ ዓይኒ መርፍእ ድቕቕቲ ካብ ዕረ’ውን እንተ መረረ እንተ ነውሐ ለይቲ ክንሰግሮ’ና ኩሉ ጸገማትና ብጽንዓት ብትዕግስቲ   ኣይርሳዕን’ዩ ቃልሲ ጀጋኑና… ታሪኽ ጽንዓት ትሪ ኣይጥለምን’ዩ ሕድሪ ሰማእታትና… ክትግበር’ዩ ብጋህዲ ኣይሕለልን’ዩ ኩሉ ተቓላሳይ… ደላይ ሓርነት ፍትሒ እትሪርና ንቓለስ… ክትወግሕ’ያ መሬት ብጽንዓት እዚ ተኣምራዊ ህዝቢ ትብዓትን ዕላማን… ፈላሚ መስዋእትና ተረቒሙ’ሎ […]

መልእኽቲ ካብ ዴምህት: ሕርር ደኣ በሉ

ሕርር.. እወ ሕርር በሉ.. ወየንቲ ህዝቢ ኤርትራ.. ምስ ተቃወምቲ ህግደፍ-ዴምህት  ኴና.. ኢድን ጓንቲ ኤርትራ ናዓኹም ገሃነም.. ንዓና ስስንቲ ሳላ ባህሪያዊ ሃብትና.. ናይ ቢሻ ወርቂ ወዲ ኣፎም ናይና.. ክቡር ንጉሰ ነገስቲ ወይሉ ዝትንክፋ… ነዛ ናቱ ዘውዲ ክንዕቅባ ኢና ብደምና ብክላሽን ብታንኪ *** ብረት ዓጢቅና’ለና.. ኣንጻር ተጻባእቲ ኩሉ ተማሂርና  ኢና.. በቢሓንቲ ካብ ሃንደሳ ጀመርና… ክሳብ ስልቲ ዝና […]

ሃገርና እናጠለቐት.. ኣይንኹን ተወላወልቲ

በዓል ኣቦይ ገራህቱ ኣቦና ኣይትኹኑ ህዝቦም እና ተሳቐየ ዓይኖም ዝዕምቱ ምእንቲ መረባዓት ሕልነኦም ዝሸጡ ዝነገሰ ንጉሶም..  ስሱዓት ናይ በለጽ ወጣጡ  መኻን የእምሮኦም

ምልኪ ይህለቕ… ፍትሒ ይንገስ

እረ ሎምስ…  ብልሃቱ ጠፍኣና ርብዒ  ዘመን ኮይኑ… ፍትሒ’ና በልና ምልኪ ይዕንድር’ሎ… ፈላሊዩ ነዓና  ይክሻሕ ብዕሊ መርዛም ‘ኣንጭዋ ናቕፋ’ ***

ጭፍራ ህግደፍ/ዴምህት… ኣኺላያ ሰዓት

መርዛም ጭፍራ… ህግደፋዊ መዓት ትቀላቀል ኣላ… ናይ  ዕንወቱ ሰዓት ኢሂን ምሂን ንበል ነጥፈኣያ ስግኣት ንቃወሞ ሓቢርና ውልቀ–መላኺ ስርዓት    ካብ ሱሩ ይለቀቅ ክርዳድ ክፉእ ውዲት     ሓቢርና ንመክት… ንገስግስ ንቅድሚት ነድሕና ሃገርና ካብ ህግደፍን  ዴምህት ንጨፍልቆም ብሓባር… ተመነ ዕንቅርቢት   ስንቂ ኣደና ኮነ… ስቃይ ሓዘን ንብዓት ኣቦና ተኣሲሩ… ብዘይ ሕጊ ስርዓት ጎበዝና ተሰዲዱ… ወሪድዎ  ግፍዓት […]

ሰዓረ’ዶ ጎደበ?

ሰዓረ’ዶምበልክሞ ጎደበ ጎደበ ምበልክዎ ሓንጎሉ ዝሰበበ ብጥልመትን ሽርሕን ዝዘቕበበ ቀትሪ ክሎ ጸሓይና ዘዕረበ፡ እወ ምበልክዎ ጎደበ ሕሰምን መከራን ዘዝነበ

8 መጋቢት !!

ውጽዕቲ ኣደ ንዓይ ዝፈጥረት እታ ብጸይተይ ምሳይ ዝነብረት ምእንቲ ህዝባ በረኻ ዝወፈረት ዝናራ ዓጢቓ ሰውራ ዘዐመረት ምእንቲ ነጻነት ተሓንጊጣ ብረት ምልኪ ነጊሱ ተሓሪማ ክብረት።   ሜዳ ወፊራ ኣብቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዝናራ ዓጢቓ ኣብቲ ጽዕጹዕ ቶኹሲ ምእንቲ ፍትሒ ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣብ ሜዳ ዘሪኣ ማዕርነታዊ ፈልሲ።                        ኤርትራዊት ዋዕሮ ኣንቲ ሓራስ ነብሪ                      ሎሚ’ውን ተላዒላ ስለ […]

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

እዛ ትስዕብ ግጥሚ ብዕለት 21 ጥቅምቲ ኣብ (ኤሪትረያን ኣል ሕዋር ኣል ዋጣኒ ሩም1) ኣጋጣሚ ወርሓዊ ዝኽሪ ታሪኻዊት ስርሒት ፎርቶን ዝኽሪ ጅግና ስዉእ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ(ወዲ ዓሊ) እተነበብት ናይ ደበስ ግጥሚ ኢያ፡ ፡ ሰናይ ንባብ ወ ዓድ ካብ ስደት ዕለት 21 ጥቅምቲ 2013   ወየ ወየ ወየ ሓቂ ድዩ ወዲ ዓሊ ዓሪፉ ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ […]

ውረድ በሎ !!

                                        ብገዛኢ ኪዳነ                               በሉዎ ደስቕዎ በቲ በትሪ ህዝቢ ጉዳይ ህዝብና ኪረክብ መዕለቢ፡ ፈታዊ ዘይብሉ ንእንኮኡ በቲ በትሪ ሲበርዎ ሕቖኡ።   ዘራይ የብሉን ኣብ ከባቢ ጸሊእዎ’ዩ ናይ ህዝብና ልቢ፡ ህዝቢ ዝጸልኦ ዕድሜ የብሉ ፍትሒ ዝኣምን ሓንቲ ቃሉ።   ነጎዳ ኣድሚጹ ሰርቢ ጀምሩ ንበይኑ ዝበልዕ ፈተውቱ ኣሲሩ፡ ቀሪቡ’ሎ ናይ ኢዱ ክፍደያ ኣብ ክንዲ ቦሶ […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net