ቃል ግ.ሃ.ድ.ኤ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ

ENSF

ከም‘ዛ ሎሚ መዓልቲ ቅዲሚ 52 ዓመት ብዕለት 15 መጋቢት 1964 ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ ኣብ መንጎ ጅግና ሰራዊት ሓርነት ኤርትን ጎበጣዊ ሓይሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያን ዝተኻየደላ ዕለት ኢያ።

 

15 መጋቢት 1964 ሰራዊት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፣ ንሰውራና ኣብ ዕሸሉ ከሎ ንምብርዓን ተሃንዲዱ ዝወፈረላ መዓልቲ ነበረት። እንተኾነ ግን እዚ ሰፍ ዘይብል ሓይሊ ሰብን ኣጽዋርን ተሰኪሙ ዝመጸ መግዛእታዊ ሰራዊት፡ ምስ‘ቲ ብብዝሒ ሰብ ይኹን ብዕጥቂ ፈጺሙ ዘይዳረጎ ሓይሊ፡ ስዉእ ጅግና መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ “ኣቡ ሪጀላ“ ዝመርሐን ሰለስተ ጋንታታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ትብዓትን ጅግንነትን ተወፋይነትን ተዓጢቐን ነቲ ከጥፈአን ዝመጸ ሓይሊ ጸላኢ ከቢድ ስዕረት ብምስዓብ ዛሕ-ዛሕ እናበለ ከም ዝምለስ ገበረኦ። ኣብ‘ዚ ውግእ‘ዚ ጸላኢ 84 ዝኾነ ካብ መኮንናቱን ስራዊቱን ክመትዎ ከለዉ ብዙሓት ከኣ ቍሰሉ። ሒዝዎ ዝመጸ መደባት ንምዕዋት‘ሲ ይትረፍ ብኣገባብ ክሃድም ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት በጽሐ። ብወገን ሰራዊት ሓርነት ከኣ ንዘልኣለም ዝዝከር ታሪኽ ጅግንነትን ተዋፋይነትን ገዲፎም 18 ዝኮኑ ብጾት ተሰውኡ።

 

ልክዕ‘ዩ ቅድሚ ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባን ብድሕሪኡን ብዙሕ ተመሳሳሊ ዕዉት ስርሒታት ኣንጻር ሰራዊት ጸላኢ ተፈጺሙ ኢዩ። ይኹን‘ምበር ኵናት ተጎርባ፡ ኣሃዱታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ምስ ዓቐኑን ዓይነት ዕጥቁን ዘይመዛዘን ስሩዕ ሰራዊት ጸላኢ ብሰፍ ዘይብል ክሳራ ከም ዝሰዓር ዝገበረሉ ኵናት ብምዃኑን፡ ኣብ‘ቲ ዝቐጸለ መድረኻት ድማ ርኡይ ኣሰራት ስለ ዘመሓላለፈ ኢዩ ፍሉይ ዕለት ዝገብሮ። ካብ‘ቶም ኣገደስቲ ውጽኢታት  ኵናት ተጎርባ፡ ክሳብ‘ቲ ዕለት‘ቲ መግዘእታዊ ሓይሊ ቅልጡፍ  ኵናት ኣካይድካ ብቐሊሉ ክድምሰሱ ዝኽእሉ ውሑድ ዝቝጽሮም ሸፋቱ ኢሉ ዝግምቶም ዝነበረ ተጋደልቲ፡ ካብ‘ቲ ንሱ ዝገመቶ ዝለዓለ ዓቕምን ተወፋይነትን ብህዝቢ ዝድገፍ ናይ ርሑቕ ሃገራዊ ዕላማ ዝውንኑን ምዃኖም እቲ ዝተኻየደ ኵናት ብዘየማትእ ኣረጋጊክጽዎ ኢዩ። ከምኡ‘ውን እቲ ኣብ ውሱን ቦታታት ተሓጺሩ ዝነበረ መቓልሕ ሰውራና ናብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ ክዝርጋሕን፡ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ሰውርኡ ዝያዳ ክተኣማመንን ንተሳትፍኡ ኣብ ቃልሲ ክብ ከብልን፡ ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ ደራኺ ተራ ተጻዊታ።

 

ብርግጽ ሓርበኛዊ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ብብዙሕ ንተጎርባ ዝመሳሰል ዓወታት መሊኡ ኢዩ። ስለ‘ዚ ካብቲ ካልእ ዓወታት ነጺልካ እትረአ ዕለት ኣይኮነትን። እንተኾነ ግን ፍልይቲ መዓልቲ ዝገብራ፡ ኵናት ተጎርባ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ኣብ መንጎ‘ቲ ኣብቲ ግዜ‘ቲ ኣብ ኣፍሪቓ ዝሓየለ ሰራዊት ተበሂሉ ዝዝነየሉ ዝነበረ ሓይሊ ዝተኻየድ ኵናት ሰለ ዝኾነ ኢዩ።

 

ሽሕ‘ኳ እኩብ ድምር ቃልስታ ሰውራ ኤርትራ ዓቢ ዓወት ብምርግጋጽ፡ መሬትና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ብምውጻእ፡ ኤርትራ ሃገርና ልዑላውነታ ክረጋገጽ እንተ በቕዐ፡ ብሰንኪ‘ቲ ኣብ መስርሕ ቃልስና ዝተራእየ ውሽጣዊ ሓጎጽጎጽን ዝፈጠሮ ምፍንጫላትን፣ ከምኡ‘ውን ብዞባውን ኣህጉራውን ሸነኻት ዝተደገፈ ብምሕዝነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተኣወጀ ውግእን፣ ብሰንኩን ብሰንኪ ካልእ ውሽጣዊ ሮቛሒታትን ጅግና ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ካብ‘ቲ ምስ ጸላኢ ዘካይዶ ዝነበረ ዓውደ ግጥምያ ክስሕብ ብምግዳዱ፣ ንሃገራዊ ሓድነትና ብኣሉታ ስለ ዝጸለዎ፣ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ምልካዊ ስርዓት ብምቛም፡ መጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻሩ ኣእቲዩ፣ ንኤርትራ ኣብ ዓባይ ቤት መእሰርቲ ቀየራ። ካብ መዓልቲ ናጽነት ኣትሒዙ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ግፍዕን ጭቆናን ከውርድ ይርከብ። ከምኡ‘ውን ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱ ልዑላውነት ኤርትራ ንዓቢ ሓደጋ ተሳጢሑ ኣሎ።

 

ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ኣቲየሞ ዝርከቡ ወሳኒ ታሪኻዊ መድረኽ ብምርኣይን፡ ስርዓት ህግደፍ ንሕድሪ ስዉኣት ኵናት  ተጎርባን ኣብ ካልእ ጅግነታዊ ግጥመታት ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ስዉኣትን ጠሊሙ፣ ምስ‘ቲ ስዉኣትና ዘማዕድውዎ ዝነበሩ ልዑል ሃገራዊ ዕላማታት ዝራጸም ገባቲ ስርዓት ኣቂሙሉ ኣብ ዘለወሉ ወቕቲ፣ ኣብ ዝተፈለለያ ሃገራውያን ውድባት ዝርከቡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝተቓለሱ ኩሎም፣  ንተቓላሳይ ህዝብና ብጀካ ስቓይን መረረን ካልእ ቁምነገር ዘየውረሶ ናይ ምፍንጫላታት ዓመታት ብምግምጋም፣ መትከላት መሪሕ ሃገራዊ ውድብ ተሓኤ ተሓንጊጦም ምስ ኩሎም ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምትሕብባር፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቃልሶም ከኻዕብቱ፣ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ከነዘኻኽር ንፈቱ። እዚ ምስ ዝፍጸም ጥራሕ ኢዩ ከኣ ሕድሪ ስዉኣት ኵናት ተጎርባን ኩሎም ስዉኣትናን ዝትግበርን፡ ሓርነትን ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ ዝከኣልን።

 

ክብርን መጎስን ንስዉኣትን ጀጋኑ ሓርበኛታን ተጎርባ !

ኤርትራ ሃገርና ነጻን ዲሞክራስያዊትን ኮይና ትንበር !

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

 

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ“

 

 

ፈጻሚ ኣካል

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

15/03/2016

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10213

Posted by on Mar 19 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net