መን፡ዩ ከዳዕ?

ሕና ዲና ህዝብና እንዳ ተጨቆነ ነዘውትር ጓይላ ምስዕሳዕ?
ንሕና ዲና ዲክታቶር እንድግፍ ህዝብና ክውጻዕ?
ንሕና ዲና ደይ ረኣየና ናይ ኢስያስ ደም ህዝብና ሰትዩ ምጉሳዕ?
ንሕና ዲና ህዝብና ንኽቅጥቅጥ ንስርዓት ህግደፍ ነውፍየሉ መግዝኢ ስላዕ?
ንሕና ዲና ህግደፍ እንተ ተነቂፉ ዘብለና ጸላዕላዕ?
ሕና ዲና ህዝብና እንዳ ተጨቆነ ነዘውትር ጓይላ ምስዕሳዕ?
ንሕና ዲና ዲክታቶር እንድግፍ ህዝብና ክውጻዕ?
ንሕና ዲና ደይ ረኣየና ናይ ኢስያስ ደም ህዝብና ሰትዩ ምጉሳዕ?
ንሕና ዲና ህዝብና ንኽቅጥቅጥ ንስርዓት ህግደፍ ነውፍየሉ መግዝኢ ስላዕ?
ንሕና ዲና ህግደፍ እንተ ተነቂፉ ዘብለና ጸላዕላዕ?
ጅግና ናይ ጀጋኑ. . . ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ሰውራ ኣዊጅዋ ኣብ መስከረም ሱሳን ሓደ ክብርን መጎስን ይኹን ንኹሉ ዋጋ ዝኸፈለ ተባዕ ተጋዳላይ መስተንክር ሰሪሑ ዝተዓወተ ***** ብረትካ ደርቢኻ. . . . ላኻ ዘይለወጥካ ዑቅባ ዘይጠለብካ. . ህዝብኻ ራሕሪሕካ ምእንቲ ህዝብኻ. . . . . በጃ ዝሓለፍካ መሰረት ኤራትራውነት ዓንዲ ሃገር ኢኻ ***** ጅግና ተጋላይ. . […]
ፈላሚ ኣዳል ተጎርባ ዑበል ዓዲ ቐገነት ዝረኻባ ሰንዓፈ ዓዲቐይሕ ጸላኢ ኣብ ከበባ ወዲ ጀጋኑ ጸግዑ እምባ፡ ኣየ’ወ ኵናት መረብ ኦምሓጀር ስጋለት ቀጣን ኣማድር ማይድማ ማይምነ ዓናግር ብጥሙይ ከብዱ ክታኾስ ዝሓድር ዓደ’ቦ ኣሕሊፉ ከይህብ ከየድፍር፡ ኵናት ሓዲ ሓሙሽተ ሰላዕዳዕሮ ባረንቱ ተኾምብያ ኣውጋሮ ክንደይ ዓወት ተሓፊሱ ኣዲኡ ትቁጸሮ ብልሓት […]
25 ነሓሰ 2018 ምጽዕዳው ከተማ ኣስመራ ብደቂ ሽዋ ዝንገሮም ኣብ ዕቛር ዝሕጸቡ ዋናታት ገርግሱም፡ ወዳጀ ጓይላ ወዳጀ ከበሮ ኵዳ ከይጀመረ ስበሮ መጺጽ ስዋ መርዛም ሕንክሮ
ኣውሊዔይ… ኣውሊዔይ… ኣውሊዔየ ኣብ ኣኽሪያ….. ሰውራ ሓርነት ተባሪዓ ኣውሊዔይ… ኣውሊዔይ… ኣውሊዔየ ኣብ ኣስመራ……. ሸግ ሓርነት በሪሃ *** ኣያ ሙሳ ዶ ክብለካ….. ኣቦይ ሙሳ ሸኽ ሙሳ ዶ ክብለካ…. . ሓጂ ሙሳ ኩሉ ኣስማትካ’ዩ… ኩሉ የጥዕመልካ ምብርካኽ ዘይትፈልጥ ተባዕ ጅግና ኢኻ **** ጅግና እንተበልኩኻ.. . . እወ. .. .ጅግና ኢኻ ተባዕ እንተበልኩኻ.. .. . እወ.. . .ተባዕ […]
ክሕምሕም….. ሓጊየ ከሪመ ክጠርዕ……. ውዒለ ሓዲረ ክዛረብ….. መልሓሰይ ስሒለ ርብዒ ዘበን ሓሊፉ ብተባህለ ተገብረ ጭንን ኢልካ ኣብ ባዕዲ… የለን ዝዕረ *
ኣደራዕ ባርነት ምልኪ ናይ ባዕዳውያን ኣብ ገዛእ መሬትና ኣብ ዘንጠጠየሉ እዋን መታን ከጥዕምና ምታን ክርህወና
አዛበእ ዓድና እምብዛ ገርጊሮም ወግሐ ጸብሐ ዝⷅሩ ሕብሮም ሓሶት ክዛረቡ ምንም ዘየሕፍሮም ግርጉራት አዛበእ እከይ ግብሮም ናይ ቀደም አዛበእ ይዘምቱ ብለይቲ ናይ ሎሚ ግን ዋላ ብመዓልቲ ጨሪሶመን ንከብቲ ዕባራ ስብሕቲ መስኪናይ ዓኻይ ጥሪቱ ምሰአነ አደዳ ጥሜትን ሰእነትን ኮነ ግርግርቲ ዝቢኢ ምስ ክልተ ደቃ ናብ ደንበ አተወት ማዕጾ ፈንቂቃ ንዝደቀሳ እንሣሳ ኧእቲዋ ፋሕ ብትን ሓደ ሰብ […]
ብፍረወይኒ ሃብተማርያም፡ ንሰላማዊ ሰልፊ ጂነቫ 26.06.2015 ውረድ ውርደተኛ! ተዋሪድካ ኣዋሪድካና ዋይ ወሪዱና! ወረዳ ኣውሪዱልና? ወሪድዎ እግዝሄር´ሲ ኣውሪዱልና? ባዕልና ደኣ ብኣንነት ዓዊርና ጸሚምና! ገሌና ድማ ብዕሽነትና ዝሒልና – ዓንዲሩልና! ውረድ ደይብ ኩነታት ህዝብና ከይዓጀበና ዋጋ ዕዳጋ ብመንእሰያትና!? ተዋጢጥና ተለኻኺምና ተዋሪድና! ጀጋኑ ከሲርና ነዊሑና! ሕጂ ግን ይኣኽለና! ውረደልና! ሓቢርና ንጂነቫ መጺና ክንብለካ ውረድ […]
እንታይ ጉድኪ ዘይትዛረቢ እዚ ኩሉ ዓዛብ ስቕ ኢልኪ ትዕዘቢ ነጻነት ክብሉኪ ብዙሕ ሰሚዐ ንዓኪ’ውን ብሂገ ክቱር ሰሲዐ ኣብ ጽላልኪ ኮይነ ክመርሕ ሂወተይ ክግስግስ ክጎዪ ከም ትርግታ ልበይ ኣነ’ሞ እንታይ ዘይገበርኩ? እቲ ፈጣሪ ዝሃበኒ ኣፈይ ምስ ተሎጉመ ሓንጎለይ ተሻቂሉ ምስ ኣጉረምረመ ካብ ናብ ከይስጉም እግረይ ምስ ተቐየደ ስርሐ ከይበልዕ ኢደይ ምስ ተኣስረ ፍልጠት ከይቀስም […]