ንዝኽሪ መበል 57 ዓመት ባሕቲ መስከረም ሰዲህኤ

             ፈላሚ ኣዳል ተጎርባ

           ዑበል ዓዲ ቐገነት ዝረኻባ

           ሰንዓፈ ዓዲቐይሕ ጸላኢ ኣብ ከበባ

           ወዲ ጀጋኑ ጸግዑ እምባ፡

ኣየ’ወ ኵናት መረብ ኦምሓጀር

ስጋለት ቀጣን ኣማድር

ማይድማ ማይምነ ዓናግር

ብጥሙይ ከብዱ ክታኾስ ዝሓድር

ዓደ’ቦ ኣሕሊፉ ከይህብ ከየድፍር፡

            ኵናት ሓዲ ሓሙሽተ ሰላዕዳዕሮ

            ባረንቱ ተኾምብያ ኣውጋሮ

            ክንደይ ዓወት ተሓፊሱ ኣዲኡ ትቁጸሮ

            ብልሓት መርፍእ ንምሓረሻ ክትስዕሮ

ግንባር ሰሜናዊ ሳሕል

ደብርእበን ማራት ተከል

ጢዖ ኢራፋይለ በይሉል

ገምገም ባሕሪ ሰምሃር ደንከል

ማርያ ጸላም ጸባብ ሓልሓል

ብነጻነት ክድበስ ብሓርነት ክዕንገል

ታሪኽካ’ዩ ኣጽንዕ ኣይትተሃመል፡

             ዕወት ገንፈሎም፡ ግፍዕታት ዑና

             ዓወታት መነዅሰይቶ ዓሊተና

             መዛግብ ጨው፡ ግንባር ሳሊና

             ዳሰ፡ ጎኘ ቢምቢና

             ወዲቅና ተስኢና

             መስዋእቲ ከፊልና ተዓዊትና፡

ውዲት ዝኸሽሕ ዘይንሕፍ

ጥውይው ዘይፈቱ መካልፍ

ውዕለት ዱታ ባራስ ህግር ገርገፍ

ታሪኹ ባዕሉ ክጸሓፍ

ጅግና ህዝቢ ስሙ ዘይሓልፍ፡

             ጎላጉል ናቕፋ ኣውገት

             ክሳድ ዓዲ ሽሩም ጸላኢ ክከላበት

             ሓሽሓሽ ከርከበት

             ተሰነይ ኣቝርደት ተኽረረት

             ሰላም ክኸውን ነጻነት፡

ኣበይ’ዩ እሞ ቦምባታት ዘይፈሰሶ

ሞጎራይብ ሳዋ መልብሶ

ብመትሬይስ ዝሕረሶ

ገድገድ፡ዶግዓሊ ዓዲ ረሶ

ጸላኢ ምስ ተሳዕረ ዘየተመልሶ

ህዝብና ካባ ነጻነት ለበሶ

እንሆ ይቃለስ ሓርነት ክነግሶ፡

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን

   ሰዲህኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11138

Posted by on Sep 4 2018 Filed under Articles, Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net