ናይ ድጋፍ መግለጺ ንሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ

እዞም ክታምና ኣብ ታሕቲ ኣንቢርና ዘሎና ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ነዚ ብመሳርሕትና ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኪዳነ – ናይ ፋይናንስ ሚኒስተር ነበር  – ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ተወሲዱ ዘሎ  ኣዝዩ ተባዕ ዝኾነ ተግባር ዘሎና ጽኑዕ ደገፍ ክንገልጽ ንደሊ።

ኣብ ‘ዚ ቀረባ እዋን፡ አቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መልእኽቱ፡ ንኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ “ብሰላማውን ሕጋውን ዝኾነ ስልጡን ኤርትራዊ ኣገባብ” ስልጣኑ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ዘረክበሉ መስርሕ ኣሚሙ ኣሎ። ነዚ ናይ ምልኪ ንግስነት ኣብቂዑ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ተረኪቡ፡ ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ ዝኾነ መንግስቲ ንኽትከል ዝቐረበ ጻውዒት ድማ ኣጥቢቕና ንድግፍ።

ኣብ ‘ዚ ንመበል 57 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ዝኾነ “ባሕቲ መስከረም” እንዝክረሉ ዘሎና እዋን፡ ሕድርታትና ኣሓዲስና  ነቶም ካብ ነዊሕ እዋን ሓርነትና ንምርግጋጽ ምኽንያት ኮይኖም ንኽንቃለስ ዝደረኹና ክልተ ውድዓውያን ዝኾኑ መትከላት፡ ሓላፍነት ወሲድና ዳግማይ  ንኽንቃለስ ንድረኽ ኣሎና። እቲ ቀዳማይ፡ ኣዝዩ ገዚፍ መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናዮ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ነጻ ምግባር ዩ ነይሩ።

እቲ ካልኣይን ገና ዘይተወድአን ከነሰላስሎ ዘሎና ዕማም ድማ፡ ብህዝቢ ተመሪሑ ንህዝቢ ዘገልግል ህዝባዊ ስልጣን ንምምስራት ‘ዩ ነይሩ።  ነዚ ካልኣይ ሸቶ ክንወቅዕ ዘይምብቃዕና፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዘይተጸበዮ ዓርሞሸሻዊ ዝኾነ ስቅያት ተቖሪኑ ይርከብ ኣሎ። ኣቶ ብርሃነ “ዝሓለፉ 17 ዓመታት፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ኩሉ፡ ብሰንኪ ‘ዚ ደሃኺ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓተ ኢሳያስ፡ ሂወት ኤርትራውያን ኣብ ስቅያትን ውርደትን መከራን ተሳጢሑ ምህላዉ”  ብብሩህ ኣቐሚጥዎ አሎ።

እዞም ኣብ ታሕቲ ክታምና ኣምቢርና ዘሎና ሓርበኛታት ተቓለስቲ እምበኣር፡ ነቲ ቅድሚ 57 ዓመት ዝጀመርናዮ መብጽዓ ኣብ መፈጸምትኡ ከነብጽሖ ዝግብኣና ምዃኑ ብቐረባ እንፈልጦን ክንሰርሓሉ ዘሎና ምዃኑን ተገንዚብናዮ ኣሎና። ስለ ‘ዚ፡ ነዚ ንኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ኣውሪድካ ስልጣን ንህዝቢ ንምርካብ ቀሪቡ ዘሎ ጻውዒት ብዘይ ዝኾነ ምጥርጣር ኢና እንድግፎ። ካብ ‘ዚ ሓሊፉ ‘ውን ንኹሎም ናይ ብረታዊ ቃልሲ ብጾትናን መሳርሕትናን፡ ነዚ ናይ ብርሃነ ኣብርሀ ጻውዒት ተቐቢሎም ክትንስኡን ክድግፍዎን ንጽውዕ።

ንብርሃነ ኣብርሀ ምድጋፍ ማለት፡ ናይ ‘ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዕሸል ዕድሚኡ ኣወፍዩ ናብ ‘ቲ ዝደልዮ ሸቶ ንክንበጽሕ ዘካየዶ መሪር ቃልሲ ብሉጽ መርኣያን ኣብ ልዕሊ ሰማእታትና ዘለዎ ረዚን ክብረትን ዘመልክት ‘ዩ።

ንብርሃነ ኣብርሀ ምድጋፍ ንህዝባዊ ቃልስን ንልዕልነት ዲሞክራስን ምድጋፍ ‘ዩ።

ዝያዳ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ናይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ካብ ስልጣን ምልጋስ፡ መፈለምታ ናይ ‘ቲ ጭፍለቓ ንምብቃዕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዝና ክንጽበዮ ዝጸናሕና ዉሕሉል ኣገባብ   ‘ዩ።

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደግዮርጊስ

ኣቶ መስፍን ሓጎስ

ኣቶ መሓመድ ብርሃን ብላታ

ኣቶ መሑየዲን ኣቡበከር ሸንገብ

13 መስከረም 2018 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11142

Posted by on Sep 17 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net