ጀበርቲ ነፍሱ ዝኸኣለ ብሄረ እዩ

nahda

ናብ ተቃላሳይ ሓፋሽ ህዝብና

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ጸረ ኤርትራን ውህደት ህዝባን ዝኾነ ውዲታቱ ተሓንጊጡ ብዘይገለ ሰጋእ- መጋእ ይምርሽ`ኳ እንተሎ ፤እቲ ንታሪኽ ንምጥምዛዝ፡ንባህላዊ ስነ-ምግባር ንምቅያር፡ ህዝቢ ንምብታን ዝገብሮ ጻዕርን ዝሰርዖ መደባትን ምስ ግዜ እናተቀልዔ መጺኡ እዩ። ብፍላይ ነቲ ብመሰረት ቋንቋ ኢሉ ዝጀመሮን ዝተተሓሓዞን ንህዝቢ ኣቆምጢዕካ ንውሽጣዊ ባህግታትካን ሕማማትካን ብዝሳማማዕ መንገዲ ምህንዳስ ብዝምልከት እቲ ቀንዲ ዝተሃስየ ህዝቢ ጀበርቲ እዩ ። ጀበርቲ ኤርትራ ትግርኛ ቋንቆኦም ምኻኑ ዝኣምኑን ንምምዕባሉ እጃም ዘለዎምን ይኹኑ እምበር መንነቶም/ መጸወዔኦም ማለት ትግርኛ \ዘይኮነ ጀበርቲ ዝብል ምዃኑ ቅድሚ ዘመነ ህግደፍ ዘሎ ዘመናት ናይ ሺሒን ኣማኢትን ዓመታት ስኑድ ታርኽ ዝምስክሮ`ዩ።  ነዚ ምብርራህ ከኣ ነቲ ገለ ዘይፈልጥ ንኽፈልጥ እንተዘይኮይኑ  እዚ ስም`ዚ ከምዘይሕከኽ  እቲ ድሕሪ`ቲ ቀዳማይ  ወስታ ህግደፍ ዝተራእየ  ደቂ ጀበርቲ ነቲ ብሃገራዊ መንነቶም ኣጽሊሎሞ ዝነበሩ ጀበርታዊ መንነቶም ጸብለል ብምባል ብዝላዓለ ጽንዓት መንነት ዝመከትዎ ዓቢ ምስክር`ዩ ።

ኣብ`ዚ ቅንያት`ዚ ህግደፍ ናይ መንነት መፍለጢ ንምውጻእ ይጉስጉስ ኣሎ፤  ሕጂ`ውን ነቲ ኣብ ጊዜ ናጽነት ዝተኸተሎ ንጀበርቲ ዝጓነየ ሓዲሽ ህንደሳ ሃንዲሱ  መምሪሕታቱ ቀሪቡ  እነሆ።  ብጠቅላላ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን፤ ከተፍርሶ ዝካኣል ዓንድታት ኣፍሪስካ፤ ዝናቃነቅ ኣናቃኒቅካ ንገለ ብርእዮ ንገለ ብስውር ምህሳይ ኣብ ልቢ ህግደፍ ዘሎ ምዃኑ ምግንዛብ ናይ ኩሉ ህዝብና ግቡእ`ዩ። ኣብ ጊዜ ረፈረንዶም ንምድማጽ ዘገልግል ግዚያዊ ናይ መንነት ወረቀት ሒዝካ ንምቅራብ ዝኣክል፤ ደቂ ጀበርቲ ገለ ምሉእ ብምሉእ ” ጀበርቲ” ገለ ኸኣ ኣብ ጎኒ ትግርኛ  ጀበርቲ ኢሎም ብምጽሓፍ ክሳተፉ ዝደለዩሉ ቀንዲ ምኽንያት፡-

 

1 – ብዝኾነ መልክዕ ንናጽነት ምድማጽ ኣጋዳሲ ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም።

2 – እቲ ናይ መንነት ወረቀት ንባዕሉ ጊዝያዊ ኮይኑ ብግዝያዊ መንግስቲ ዝወጸ ስለዝነበረ።

3 – ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሕንጸጽ ደስቱር ንጉዳይ መንነት ኣልዒሎም ክዝትዩ መደብ ስለዝነበሮም`ዩ።

 

እዚ ጥራሕ` ውን ኣይኮነን፤ ጀበርቲ በዚ ከይተወሰኑ ኣብ ወራሒ ታሕሳስ 1992 ብ ስውእ ሸኽ መ/ጃሃር ሓጎስ፡ ሸኽ መ/ ብርሃን መ/ኑር ፡መሃንድስ ዓብደሰላም መ/ ሓቢብ ዝቆመ ሽማግሌ ናብ ጊዝያዊ መንግስቲ ብምልኣኽ ተቋውመኦም ኣስሚዖም`ዮም፡፡ ስርዓት ህግደፍ ግና ንወከልትና ብዕለት 5/1/1993 ኣብ ማእሰርቲ ብምድጋን ነቲ ንፈልጦ ቅብሕነቱን /ክፍኣቱ ኣርኣየና ። ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ምስቲ ካብ ኩሉ ሃገር ጠቀስ ጉዳያት ዘይፍለን ክፍታሕ ዘለዎ ጸገማትን ዝኾነ ጉዳይ ብሄርነት  ጀበርቲ ደው ክብልን ቆላሕታ ክገብረሉን ሰልፊ ናህዳ ትጽውዕ። ብሄር ጀበርቲ ከም ኩሎም ኑጹሃት ሃገራውያን ኑጹሃት ሃገራውያን ግደኡ እናኣበርከተ ዝመጸ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፤ ንምስ መንነት ኤርትራ ዝተኣሳሰር መንነቱ ንምኽባር ብዝነበሮ ጽኑዕ መርገጽ ኣቀዲሙ መሰረት፡ንብረቱ ብሓዊ ዝተቃጸለ፤ ምእንቲ እዛ መሬትን ህዝባን ብኣጋ ደም ቀዳማይ ስውእ ሸኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ዝኸፈለ ነቲ ኣብ ማእከል ቤት ፍርዲ ንምሕረትን ግዝኣትን ሃይለ ስላሴ ተቃወምኡ ኣስመዑ፤ ኣብ ክንዲ ምሕረት ካብ ጃነሆይ ተጋዳለይ ኮይኑ ክመውት ዝመረጸ ከም ስዉእ ስዒድ በሽር ዝኣምሰሉ ጀጋኑ፡ንሰውራ ደቕኩም ሰዲድኩምን ኣዐንጊልኩሙን ተባሂሉ ዓድታቱ ከም ምስያም ህዝቢ ብምልኡ ተቀቲሉ ዓዶ ብሓዊ ዝተቃጸለ እናኸፈለ ዝመጸ ዜጋ ክጉነ እንከሎ፡ቅድሚ ንጀበርቲ ንኹሉ ኤርትራዊ ሓርበኛ ምጉናይ ምዃኑ ርዱእ ክኸውን የድሊ።

ህግደፍ ብሕጊ ይኹን ብደስቱር ኮታ ብኹሉ መለክዕታት ሕጋውነቱ ዘይብሉ፤ ድሕሪ 1997 ብማንም ዘይተወከለ “ብፍተዉ ጽልኡ” ደው ኢሉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት`ዩ። መራሒ ህግደፍ ከም ግዝያዊ መራሒ ብግዝያዊ መንግስቲ ዝተዋህቦ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዕድመ ረጋጊጹ ብምሕላፍ ንስልጣኑ ካብ ግዝያዊ ናብ ቀዋሚ ድሕሪ ምስጋር፤ ከም መማልእቲ ስጉምትታት ከኣ እነሆ ቀዋሚ መፍለጢ መንነት ወረቀት የዳሉ ኣሎ። ካብዝን ወድዝን ብምንቃል ሰልፊ ናህዳ ንዘለዋ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ካብ`ቲ ፍትሒ ዘገድሶ ሸነኽ ህዝብና ነዚ ዝስዕብ ይጠልብ ፦

 

1 – ኣንጻር`ዚ ዘይሕጋዊ ጭፍራ ህግደፍ ንኣተሃላልውኡ ሕጋውነት ንምልባስ ዝወስዶ ዘሎ”ጉዳይ መፍለጢ
መንነት”ደው ምባል።

 

2 –  ጉዳይ መፍለጢ መንነት ኣብ ርእሲ`ቲ  ብኡ ኣቢልካ ዝድለ ዘሎ ፖሎቲካዊ ረብሓ ንመዝሓሊ ምጣኔ-
ሃብታዊ ቅልውላው የድልዮ ስለ ዘሎ፡ ብኽፊሊቱ  ኣቢሉ ኣብ ምኹርማጅ ህዝቡ ከይትሳተፍ ።

 

3 – ህግደፍ ሃገር ንምምራሕ ብግስ ክብል ኣትሒዙ ጸሚዱሉ ዘሎ ንመንነት ጀበርቲ ምህሳስን ካብ ካርታ
ህዝቢ ኤርትራ ንምልቃቆምን ዘድሃበ ወፍሪ፡ንምግጣም ኣብ ደቂ ብሄር ጀበርቲ ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ
ደጋፊ ኮይኑ ክርከብ።

ሕቶ  ብሄርነት ጀበርቲ ናይ መሰል ሕቶ`ዩ፡

ጀበርቲ ምስ`ቲ ኹሉ ፈታው ክብሩን ሃገሩን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ሃገራዊ እጃሙ ከበርክት ዝጸነሔ፤ ኣብ ሃገር ጠቀስ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ምጣነ-ሃብታዊ መዳያት ርኡይ ተራ ዝነበሮ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቂ`ዩ። ሰልፊ ናህዳ፡ሕጂ`ውን  ከምቲ ኣብ መፈለምታ ዓመታት ነጻነት ዝተራእየ፤ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ጸሊም ነጥቢ ዝገደፈ ንመጻኢ ወለዶታት ደስ ዘየብል  መሰል ደቂ ሃገር እናተገፈ ዝተራእየ ነውራም ሸለልትነትን ስቅታን ዳግማይ ከይረኤ ሓደራ ይብል ።  ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ንስለ`ቲ ዝተወራረስናዮ፤ ከነዕቅቦ ዝደመናሉ መሬት ቅርጻ መሬት ኤርትራ፤ ኤርትራዊ ባህሊ ታሪኽ ተዘክሮ …… ወዘተ ኢልና ኣብ ጎኒ ሓቂ፤  ኣብ ጎኒ ዝኾነ ይኹን ዝተበደለ ባእታ፡ ጉጅለ፡ ወገን፡ ሰብ፡ ደው ክንብል ጸረ ዓማጺ ክንዓጥቅን ስነ- ሞጎት ይኹን ታሪኽ፤ መሰል ደቂ- ሰባት ይኹን ጭውነት፤ ዝጠልቦ ሓቂ`ዩ።

 

  1. በዚ ኣጋጣሚ` ዚሰልፊ ናህዳኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝርከባ ውድባት፡ሰልፍታት፡በርጌሳዊ
    ማሕበራት፤ ብ ህግደፍ ዝተረግጸ መሰል ህዝቢ ንምምላስ ይሰርሓ ከም ዘለዋ ዘርኢ መርገጸን  ከነጽራ
    ክጽውዕ እንከሎ ከምኡ ኸኣ ኣዕኑድ ናይቲ ፖለቲካዊ፡ማሕበራዊ፡ ምጣኔ- ሃብታዊ መብቲ ውልቀ- ሰብ
    ይኹን ጉጅለ ንምሕላው ዘኽእል ደሞክራሲ ዝውክላ ምዃነን ዝምስክር ብተግባር ብዝወስደኦ ደሞክራሲ
    መርገጽ ጥራሕ ምኻኑ ከነብርህ ንፈቱ ።

 

ሰልፊ ናህዳ ነዚ ጉዳይ`ዚ ኣብ ጉዳይ ሃገር ጸምቢሩ ክብገሰሉ እንከሎ፡ ኩሉ ህዝብና ክብገሰሉን ክድግፎን ከምዝግባእ እናረጋገጸ እዩ።  ኣብ ጎኒ ዝተበደለ ውልቀ- ሰብ ይኹን ወገን ደው ምባል ናይ ኩሉ ሃገር መሰል   ከም ምሕላው መጠን ስለዝኾነ ብኡ ኣቢልካ ነቲ ኣብ መጻኢ ኤርትራ ክንርእዮ እንደሊ ሃገራዊ ጥምረትን ሓድነትን ምርግጋጽ ማለት`ዩ።

 

5 – ጀበርቲ ብተግባር ህልዋት ምዃኖም፤ ክውንነቶም ፍልይነቶም ዝሓለዉ፤ ምስ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘጣምርን ዘራኽብን ሸነኽ ከም ዘለዎም ብተግባር ክሰርሑሉ፤ ህግደፍ ከኣ ከረኻኽበሎም ዘይክእል ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ዘፍሸልዎ ርግጻኛታት ክኾኑ ሰልፊ ናህዳ የዘኻኽር።

 

ይትረፍ ሎሚ ህግደፍ ሰንከልከል ኢሉ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተነጺሉ፤ በቲ ቅጥዒ ዝሰኣነ ፖለቲካኡ ኸኣ ዓለም ፎእ ኢልዎ ኣብ ዘሎ እዋን፤ ቀደም ኣለኹ እናበለን እናተጨፈረሉን እናተጨበጨበሉን፤ ነቲ ናባኻ ብዝያዳ ዘተኮረ ዓይኒ ኣንቁር ንጎቦ እንባሶይራ ዶብ ኣስጊርካ ወይ ምስ ጎልጎል ሃዞሞ ኣመሳሲልካ ከም  ምሕዳር ዝመስል ንካብ ሽሕ ዓመት ንላዕሊ ዝተሰመኻሉ መጸውዒኻ፡በቲ ዝመሃዞ ሓድሽ ህንደሳ ህዝቢ ኣቢሉ ክድምስሰካ ክፍትን እንከሎ፡ብድፍረት ዝተቃወምካ መጠን ሕጅ`ውን ኣብ መላእ ዓለም  ትርከቡ ተወለድቲ ደቐባት ብሄረ ጀበርቲን ማሕበራት ጀበርቲን፡ ብዝላዓለ ድምጺ ተቃውሞኦም ከስምዑ ንጽውዕ፡፡

 

እቲ በዚ ሓቂ`ዚ በዚ መርገጽኩም`ዚ ኣቢልኩም ንኤርትራን ታሪኻን ንኽውንነታን ባህላን ንምድሓን ትቃለሱ ምዃንኩም ዝፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ ምሳኹም ምዃኑ ኸኣ ነረጋግጸልኩም።  ህግደፍ  ንህዝቢ ኣቋማጢዑ ምስ ክውንነት እናተራጸመ ምስ ሓቅታት ታሪኽ እናተገራጨወ  ነቲ ህዝብና ሓቢሩ ዝተቃለሰሉ መድረኽ ተዘክሮን እናህሰሰ  ደስ ብዝበሎ ቅርጺ ንምትሓዝ ካብ ዝነበሮ ማሕበራዊ ታሪኻዊ ምትእስሳር ክበትኮ ህርድግ ይብል ከምዘሎ ዝፈልጥ፤ኣብ ነንሕድሕዱ ዝፋለጥ፤ ሃገሩ ትጠልቦ ምብጃው ዝርዳእ ህዝቢ ስለ ዝኾነ እዩ።

 

 

6 – ኤርትራ ከም ሃገር ዘለዋ ሃይማኖታዊ፡ መበቆላዊ፡ እንዳዊ ……. ወዘተ  ኣቃውማ ከም ታሪኻዊ ውርሻ መጠን ከም ዘለዎ ዝዕቀብ ኢድ ምእታው ዘየፍቅድ ዘየባእስ ኮይኑ ምሕላዉ ኸኣ  ሃገራዊ ግቡእ`ዩ ።

ንኤርትራውነት ምዕቃብ ከኣ ፡ነቲ እናተዋሰበ ዝመጸ ኣብ ምድሪ ሃገር ዝሰጠመ ክውንነትን ባህልን ርስትን ክትዕቅብ ምኽኣል ማለት እዩ ።

 

7 – ንሓቢርካ ብሰላም ምንባር ክንድግፍ እኮለና፡ብማዕሪኡ ኸኣ ኣብ ሕብረተ- ሰብና ማንም  ናይ ምንባር ይኹን ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ምጣኔ- ሃብታዊ መሰሉ ዝተገፈ ዜጋ ክህልው ኣይነፍቅድን።  ናይ ሓቢርካ ብሰላም ምንባር ባህግን ምህላው፡ወጻዕን ተወጻዕን ኣብ ሓደ ውሱን ግዜን ቦታን  ብሓባር ምንባር ዘይከኣል`ዩ ።

 

8 – ሰልፊ – ናህዳ ንመሰል ብሄርነት ጀበርትን መሰል ኩሉ ኤርትራውን ንምዕዋት ብደረጃ ደንበ ተቃውሞ ይኹን ብደረጃ ዞናውን ኣህጉራውን ንዘለዎ ዝምድና ተጠቂሙ ክሰርሕ ምዃኑ የረጋግጽ።

 

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ፈጻሚ ቤት- ጽሕፈት

25/2/2015

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9404

Posted by on Feb 26 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

16 Comments for “ጀበርቲ ነፍሱ ዝኸኣለ ብሄረ እዩ”

  1. ተወልደመድኅን

    ጽሑፍካ ኣንቢበዮ።ይግበኣኒ ትብሎ እንተልዩ ክትረኽቦ እምነየልካ።ግን ክቡር ጸሓፊ ኣባሓጎይ ጢልያን’ዩ ከማይ ዚ ኣመሰሉ ብዙሓት ካብ ጥልያንን ኤርትራዊን ዝተወልዱ ንሃገሮም ብዙሕ ዘበርከቱ ሃናፍጽ ኣለው።ስለዚ ንሕና’ከ ናትና ብሔር ክፍለጠልና እንተሓተትና እንታይ ይመስለካ።

  2. aba-chegora

    Stop joking. jeberty is not biher. just forget that.

  3. ዶኽኣ

    ኣነ ክምሰብ ከምብሀር እንተተኮስረ ውን ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን፡ግን ኣብ አርትራ ሕደ ብሄር ናቱ ቓንቃን ናቱ ባህልን ኪህልዎ ኣልዎ።እዝን 9ብሀራት ኢንተርእኻ ኮሚኡ ኢይን። ሕጅውን ብድላይካ ኪትጽውዕ መስልካዪ ክምንዓይ፡ ኢንተኾነ ጊን መልእኽትካ ገለ ሕቡእ ኣጀንዳ ኪኑ ዢኸይድ ዠለዎ ዩ ዝመሲል። ምኽንያቱ ኢትይዥዕብየ ሽግር ህዝቢ ካሊኢ እዩ ብዛዕቡ ክትዛረብ ይግባእ ነሩ።

  4. Jim

    If we use religion as a means of ethnic division Eritrea will have 2 or 3 ethnic instead of 9. To my knowledge jeberti speaks tigrigna and thy have more simillar culture to tigrina than other tribes in eritrea. The rest of the tribes have different backgrounds to eachothers compare to jeberti/ tigrina. And i always ask myself why jeberti need to be ethnic, while it is compmetely tigrina but muslim relegion. In the above article there should be a specific point for the need of jebertis as an ethnic. Anyone who can give us a point please? Thanks

  5. መብራህቱ ተወልደ

    ጽቡቕ ጽሑፍ’ዩ። ኣነ ኣብ ኤርትራ ሓምሳ ብሄራት ክህልዋ ደስ ምበሊ። ከመይሲ ኣብ ብዝሒ ብሄራት ደሎ ጸጋ ብዙሕ ስለ ድኾነ። ኣነ ብሄረ ትግርኛ ኢየ። ክሳብ ሎሚ ኣሕዋተይ ደቂ ጀበርቲ ከምዚ ኸማይ ትግርኛ ሙዃኖም’የ ክፈልጥ ጸኒሐ። ሎሚ ሎሚ ድመጽእ ደሎ ሓድሽ ዘረባታት ግን “ጀበርቲ ርእስና ድኸኣልና ብሄር ኢና” ድብል’ዩ። ንሙዃኑ ምዐቀንን መስፈርትን ሓደ ብሄር እንታይ’ዩ? ቋንቋ? ኣለባብሳ ክዳን? ኣመጋግባ? ባህላዊ ሳዕስዒትን ካልእን? ጀበርቲ ተዛረብቲ ትግርኛ እንተ ኾይኖም፣ ክዳን ሓበሻ ድለብሱን ጓይላ ኩዳ ድስዕስዑ ተኾይኖም፣ ካብ ብሄረ ትግርኛ ድፈልዮም እንታይ ሙዃኑ ብሩህ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ጀበርቲ ሓውና “እቶም ክርስትያን ድዛረብዎ ትግርኛን እቶም ጀበርቲ ድዛረብዎ ትግርኛን ገለ ፍልልያት ትረኽበሉ ኢኻ” ክብል ከም ድጸሓፈ ኣንቢበ’ለኹ። ካብ ትግርኛ ድፈልዩ ቋንቋ ጀበርትኛ ከመይ ከም ድድመጽ ግን ከረድእ ኣይከኣለን። “ኣማኒ ምስልምና ኮይነ ኣብ መንጎ ክርስትያን ድኾኑ ኣህዛብ ኣይጥርነፍን’የ” ድበሃል እንተኾይኑ ድማ ካልእ ጉዳይ’ዩ። ጸሓፊ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ “ጀበርቲ ትግርኛ ደይኮኑስ ‘ጀበርቲ’ ድብል መጸውዒ ከም ድነበሮም ታሪኽ መዝጊብዎ’ሎ” ክብል ከም ጭብጢ ከቕርበልና ፈቲኑ’ሎ። ንሙዂኣኑ “ጀበርቲ” ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ሃይማኖት ጀበርቲ ማለት እንታይ ትርጉም ኣለዎ? እዚ ንፈላጣትን ተመራመርትን ድግደፍኳ እንተኾነ፣ ንሓርበኛ ኣቦና ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ እንዳልዓልካ መሰል ብሄርነት ናይ ጀበርቲ ከተረጋግጽ ምፍታን ገበን’ዩ። ኣቦና ሸኽ ዓብደልቃብር ከቢረ ንመሰል መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድወደቐ ከም ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ’ምበር፣ ወኪል ህዝቢ ጀበርቲ ኮይኑ ኣይኮነን። ስለ’ዚ “ጀበርቲ” ከም’ዚ ትብልዎ ደለኹም ርእሱ ድኸኣለ ብሄር እንተ ኾይኑ ጭብጢ ሒዝኩም ምሙጓትን ንዝተረፈ ህዝቢ ኤርትራ ምእማን ጥራይ’ዩ ደድየኩም። ሓደ ክፍለጥ ደለዎ ነጥቢ ግን ኣሎ፣ መሰል “ብሄርነት ጀበርቲ” ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን ግሂስዎ፣ ጀብሃውን ንጀበርቲ ከም ብሄር ፈሊጣቶም ኣይትፈልጥን’ያ። ስለ’ዚ ካብ ኣጉል ምኽንያታት ምፍጣር ክንእምን ኣእሙኑና፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ነዚ ደይቅበሉ ኣሕዋትና ጀበርቲ ከም ደለዉ ድማ ምቕባል።

  6. መተዓብይትኻ

    ንብሄራት ኤርትራ ዝምልከት ካብ ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሱሳታት ኣትሒዙ ክዝረበሉን ንጹር መብርሂ ክወሃበሉን ስለዝጸንሐ፣ ንብሄራት ኣልዒለ ኣዚ’ባ ከምዚ’ባ ክብል ኣይደልን። ዝግብኣኩም እንተኾይኑ ኣሕዋትና ጀበርቲ እግዚኣብሔር ኣምላኸ ይሓግዝኩም። እንተኾነ ግን፣ ካብ ዓዲ ሓረ ናብ ዓዲ ኢታይ፣ ካብ ዓዲ ድራር ኦኣይኒ, ናብ ከባቢ ዓናግር ናብ በረኻታት ምስያም, ካብ በረኻታት ምስያም ናብ ክሳድ ዳዕሮ, ከምኡውን ናብቲ ካልእ ቦታታት ኤርትራ፣ ሰጠቓ በጠቓ ኮይኖም ዝነብሩ ኣሕዋት ጀበርቲ ምስቶም ካልኦት ንብሄረ ትግርኛ ዘቑሙ ኣሕዋቶም፣ ባህሎም, ቋንቅኣኦም ልምዶም ዓቂቦም፣ ብዘይካ ሃይማኖታዊ እምነት ካልእ ፍልልይ ከይጸንሖም ተኸባቢሮም ተሳንዮም ክነብሮ ጸኒሖምን ይነብሩ ኣለዉን። ካብዞም ብዘይካ ብሃይማኖታዊ እምነት እምበር ብኻልእ መፍለዪ ዘይብሎም ኣሕዋቶም እሞ ብከመይ ይፈለዩ?

  7. Iman

    Why do the Tigrgna Jeberte want to be different? They are Muslim Tigrgna just like the Mensa christian Belien. If jeberte are not Tigrgna Behair and the Mensa will say they have their own Behair too. Tigrgna behair is not a christian behair. The majority of the Tigrgna behair is christian but that doesn’t mean they are only christian. what do the jeberte gain for having their own ethnic group ? do they know they will be the minority group in Eritrea. Their voice will never be heard. They will be invisible ethnic group in Eritrea. In Eritrea religion is not the case for the ethnic groups. All Eritrean ethnic groups are based on the language they speak. What language do the Jeberti speak? I beleive they speak Tigrgna so according the ethnic group in Eritrea they are Tigrngna Behair. It is not the Eritrean government who will decide your ethnic but the Eritrean people are the one who will accept you as different ethnic group. I do not think any of the Eritrean ethnic groups will accept you as different than Tigrgna behaie.

  8. Asghedom Woldeghiorghis

    What is biher by definition.
    1. First language
    2.other common things ( way of eating, way of dancing etc)
    3. Similare culture in general
    Religione is not a culture, but it is a only a belife.
    logical Jeberti should not be another tribe out of Tegrawat.
    who speakes Tigrigna is Tgraway, there for they are Tigrians.
    All the people who speaks Tigrigna are not All Tigrians , but when they accept thier language , and culture of tegaru they are tigrawet. For Example , most People of Hamasien by origine they are Amhara. They have been absorbed by Tigrawat and now they are Bihere Tigrigna or Tigrawat living in Eritrea, since the Seraye people are mostly from Adwa , they are tigrigna speaking and they are Tigrawat. The Akeleguzay hve mixed tripe Tgrawat, shahot,
    Asawerta and shay have the same languge but different religion. Most shay people are christian and most Asawrta are moslems but they are the same trip except thier religion. They demostrat that you can have different religion but the same trip and the same language.
    so Geberti are our brothers of Tigrigna trip you are Tigrian. You have one of the best history in this world, we Tigrigna speaking we are called Habesha , and we have been blessed by profet Mohamed ( peace be upon him), and you are blessed by the same profet Mohamed, are refusing to be part of the blessed people.
    what happen to you my brothers.
    If the Arabs failed to occupy us, because we where blessed by Mutume Mohamed.
    He ” Don’t go to fight against the Habessha they are sleeping lione” it is not written in the Quran.

  9. y a

    mejemerya tirgum bhear mflat alena zeynebere mftar tirgum ayhbn ane kab biher tigrnga kiristyan koyne haymanotey entekeyre “jeberti koyne ” malet deyu zgerm eyu ??Tarik ente tegentsilu kali keymetse suk teblkum yhaysh “efun bshifunu

  10. Negash

    እቲ ዝገርም ጀበርቲ ኣሕዋትና እንዳበልካ ጀበርቲ ብሄር ኣይኮነን ምባል እንታይ እዩ ትርጉሙ? ንኣብነት እዛ ብመብራህቱ ተወልደ ዝተጻሕፈት ኣብ ነንሕድሕዳ ዝገራጮ መልእኽቲ ኣሎዋ፡ ክጠቅስ ” ሓደ ክፍለጥ ደለዎ ነጥቢ ግን ኣሎ፣ መሰል “ብሄርነት ጀበርቲ” ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን ግሂስዎ፣ ጀብሃውን ንጀበርቲ ከም ብሄር ፈሊጣቶም ኣይትፈልጥን’ያ። ስለ’ዚ ካብ ኣጉል ምኽንያታት ምፍጣር ክንእምን ኣእሙኑና፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ነዚ ደይቅበሉ ኣሕዋትና ጀበርቲ ከም ደለዉ ድማ ምቕባል።” ኣብዚ ነዚ ዘይቅበሉ ኣሕዋትና ጀበርቲ ኣለዉ ምባል ተጋራጫዊ ዶ ኣይኮነን። እንታዎት እዮም እቶም ጀበርቲ ዝበሃሉ ዘለዉ? ኣለኹም ግን ካኣ የለኹምን ኮይኑ ነገሩ። ብሄረ ጀበርቲ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ከምዝርከብ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ ቋንቆኦም ካኣ ከከም ክባቢኡ ይፈላለ ካብቶም ዝውቱራት ቋንቋታት ትግርኛ፥ ዓረብኛ፡ ሶማልን ሰዋሂሊን ይርከብዎም። ኣብ ሕብረተሰብና ብተለምዶ ሰብ ክንጽውዕ ከለና ጀበርቲ እንተኮይኑ ጥራሕ ኢና እገለ እቲ ጀበርቲ ንብሎ። እገለ እቲ ሻሃይ፡ ትግረ፡ ትግርኛ…….. ወዘተ ዝውቱር ኣይኮነን። ንምንታይ ኮን ይኸውን? ዋና ነገር ከመይ ኢልና ሓቢርና ንነብር እምበር ንሰሓሓበሉ ጉዳይ ክኸውን የብሉን። ንዓኻ ዘይደለኻዮ ኩን ኣይበሉኻ እምበር ዝደልይዎ እንተኾኑ እንታይ ይጎድለካ።

  11. hara

    I respect all ethnic groups and religions in Eritrea. I respect jeberti people also . But I heard this many times that jeberti is an ethnic group in Eritrea. still I could not get justification. The only difference I see between these is religion. I am bilen ethnic. There are three sects in bilen. The one sect is almost completely Muslims and they have a special name.the other two also. so can we consider those olso as ethnic. what about the tigre mensae the Christians? may you provide as any solid prove please.

  12. dekizemen

    I think the author of this article is out of our time and place.

  13. Haileyesus

    I do not see any problem for Eritrea and its people .If Geberti they want to be like other Eritrean ethnic group they deserve it.Why the Eritrea regime give Rashida ethnic statue than Geberti .All Geberti have the same religion the same culture so they are entitled to be like Rashida .or Beline .They can elect their own committee with their own office office in a city .There is nothing wrong.It is like recoginizing Gebertie identity .Remember the First Eritrean heroes who died for Eritrean cause were Gebertie .The father of Eritrea who was assassinated by unionist Abdlkader Kebere was a famouse Geberti .There are so many Gebertie contributed and sacrifice for Eritrea independence but no single Rashida gave his own life for Eritrea cause .There is 100 % nothing wrong if Gebertie want to recognized as other Eritrean ethnic group .

  14. መብራህቱ ተወልደ

    ሃይለየሱስ! ነገራት ተኹስ ኣለኻ። ብዛዕባ ኤርትራውያን ብሄራት ደለካ ኣፍልጦ ኣዝዩ ትሑት’ዩ። ንሙዃኑ ኣበየናይ ከተማ’ዩ ናይ ብሄራት ቤት ጽሕፈት ተደኲኑ ደሎ? ኣየነይቲ ብሄር ኢያኸ ብሽማግለታት መሪጻ ትመሓደር? ጀበርቲ ብጀካ’ቲ ኣመንቲ ምስልምና ሙዃኖም፣ ካብ ብሄረ ትግርኛ ድፈለዮም ባህሊ ይኹን ቋንቋዶ ምነገርካና? ኣብ ኤርትራ ዋጋ ደይከፈለን ብሰንኪ መግዛእቲ ደይተሰራጠየን ደይተሰደን ብሄር የለን። ስለምንታይ ንሓርበኛ ኣቦና ሸኽ ዓብደልቃብር ከቢረ እንዳልዓልኩም ትዋገይሉ ከም ደለኹም ፍጹም ርዱእ ኣይኮነን። እዚ ብጀካ ንዕላማታት’ቲ ድወደቐሉ መሰል ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ጨዊኻ ናብ ደይተድልየ መኣዝን ምቕያር እንተደይ ምኮይኑ ትርጉም ደለዎ ኣይኮነን። ከእምን ድኽእል ጭንጥታት እንተሎ ሃየ! ካብ’ዚ ሓሊፉ ተሪፉ ግን፣ ታሪኽን ጅግንነትን ሓርበኛታትና ኣይነራኽስ!!

  15. ኤርትራ ብ9 ብሄራት ዝቖመት ሃገር ክትከውን ከላ ነፍሲ ወከፍ ብሄር ድማ ነነይ ርእሱ ዞባታት ኣለዎ፡ ንምሳሌ ኩናማ ሕዳርብ ወዘተ ኣብ ጋሽባርካ ትግረ ብሌን ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ዓፈር ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ እንዳበለ ኩሉ ብሄራትና ዞቡኡን ዓዱን ይነግር፡፡ ጀበርቲ’ኸ ኣበየናይ ዞባ ኤርትራዩ መቦቆልኩም?

  16. tesfay

    I do not see any historical justification to recognize gebert
    As a seperate Tigrengna behaier.

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net