ወዱ ንኢሳይያስ ምስ ኣርባዕተ ርእሱ ካብ ኤርትራ ክሃድም ፈቲኑ

ensf baner

ኣስመራ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሰንኪ’ቲ ንምልካዊ ምሕደርኡ ዝፈታትኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተኸስቱ ዓበይቲ ተረኽቦታት፥ ኣብ እዚ ዘይበሃል ሃውተታ ኣቲዩ ምህላዎ ተፈሊጡ።  እሙናት ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ፡ ወዱ ንመላኺ ኢሳይያስ ብርሃነ ዝተባህለ ከምኡ’ውን ወዳ ነታ ፍልጥቲ ድምጻዊት ኣብረሀት ኣንከረ ( ጓል ኣንከረ)  ዝረከብዎም 4 መንእሰያት ናብ ሱዳን ገጾም ክሰግሩ ብሓይልታት ዶብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ዝተታሕዙ ተፈሊጡ። ናይ ምህዳም ፈተነ ወዲ ኢሰይያስ፡ ኩነታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ጥርዚ በጺሑ ምህላዉ ዝሕብር ኢዩ ክብሉ ብዙሓት ካብ ዓበይቲ ወትሃድራውያን ሓላፍቲን ካልኦት ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዲፕሎማስያዊ ዓንኬላት ክዛረቡሉ ጀሚሮም ምህላዎም’ውን ተረጋጊጹ።

ምስ’ዚ ተረኽቦ’ዚ ዓቢ ምትሕሓዝ ዘለዎ ጉዳይ፡ መላኺ ኢሰይያስ፡ ዓበይቲ ጀነራላቱ ንህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ብዛዕባ ምትኽኻእ (ምውርራስ) ዝብል ቴማ ኣልዒሉ ከም ዘዛረቦም ተሓቢሩ። ካብ ውሽጢ’ቲ ኣኼባ ዝተረኽበ ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጾ፡ መላኺ ኢሳይያስ “ካብ ሕጂ ንድሓር ዕድመ ንደፍእ ኣሎና፣ ኩነታት ሃገር ብደቂቕ ትከታትልዎ ከም ዘለኹም፡ ቀጻልነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ሃለዋት በጺሑ ኣሎ፣ ስለ’ዚ ካብ ደቅናን መቕርብናን ተካእትና ክንፈጥር ናይ ግድን ኢዩ’’ ክብል ንጀነራላቱን ዓበይቲ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓለፍትን ገሊጹ። ኢሳይያስ ካብ’ቲ ቦኽሪ ወዱ (ኣብራሃም) ስለ ዝቐበጸ፡ ምስ ካልኣይ ወዱ (ብርሃነ)፡ ኣብ መጻኢ ሓላፍነት ክስከም ክቀራረብ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ብርሃነ ግን ኣብ ኣካይዳ ኣብኡን መሳርሕቱን ተሪር ነቐፌታ ከም ዘስመዖን፡ ህዝብና ምሕረት ዘይትህብዎ ኣብ ርእሲ ምባሉ፡ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ድልየት ኣለኒ ክብል’ውን ከም ዝገለጸሉን ተፈሊጡ። ካብ’ዚ ዝተበገሰ፣ ኢሳይያስ ቀጥታ ፓስፕርት ናይ ወዱ ብርሃነ ከም ዘሕደጎ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

እዚ ናይ ምውርራስ ዝብል ስልቲ ምስ’ቲ ኣብ ምስሪ ብሑስኒ ሙባረክ፣ ኣብ የመን ብዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሊብያ ብሙዓመር ገዳፊ ስልጣን ንደቆም ከውርሱ ዘካየድዎ ከንቱ ፈተነ ምኳኑ ብግብሪ ተረጋጊጹ እናሃለወ። ኢሳይያስ ሎሚ ክደግሞ ምፍታኑ፡ ክሳብ ክንደየናይ ካብ ተመክሮ ምልካውያን ኣዕሩኽቱ፡ ትምህርቲ ዘይቀስም መራሒ ኢዩ ክብሉ ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ተመራመርቲ ይገልጹ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣስመራ፡ ከም ተጻይ መልሲ ነቲ ብውድብና ዝተኻየድ ተባዕ ስርሒት ቀሓውታን፡ ናይ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝድይብ ዘሎ ተቓውሞ ንምግጣምን፡ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ስለያ ስራሓቱ ኣዋፊሩ ምህላዉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። ነዘን ኣዋፊርዎን ዘሎ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ባጀት ሰሊዑ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብኣተን፡ ኣብ ከባቢአ ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ተርእዮ፡ ከም ንኣብነት ሓድሽ ሰብ ምስ እትርኢን፡ ኣብ ጎረባብቲ እናበጽሓት ኩሉ ዝበሃል ክትጸናጸንን፡ እቲ ስርዓት ብኢደ ዙር ናብ ህዝቢ ከሕልፎ ዝደሊ ጉዳያት ከትብጽሕን፡ መልሚሉ ኣዋፊርወን ከም ዘሎ ተረጋጊጹ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝኽተሎ ዘሎ ዕርቃኑ ዘረጋግጽ ተግባር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምስ’ቲ ኣብ 60ታት ብመንግስቲ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ገኒኑ ዝንበረ ብባደር ማይንሆፍ ዝፍለጥ ዕጡቕ ናይ ጸጋም ምንቅስቓስ (Baader-Meinhof) ዝመሳሰል ኢዩ  ክብሉ ናይ ፖለቲካ ተመራመርቲ ገሊጾም።

ብተወሳኺ ናይ’ዚ ዝተገልጸ ሓበሬታ፡ ጸጥታዊ ሻቑሎታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እና ዓበየ ይኸይድ ምህላው ዘረጋግጽ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ከም ኣባላት ዑቑር ሰራዊት ዝፍለጡን ብኣካላት ስሩዕ ሰራዊት ዝተሰነዩን ፡ ምሉእ ለይቲ ከተማታት ክሕልዉን ኣብ ዝተፈላለየ ዞናታት ክዞሩ ክመ ዝሓድሩን ተፈሊጡ።

ኣስመራ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዕለት 02/04/2015 ብ“ሓራት” ዝፍለጥ ናይ መንግስቲ ህዝባዊ ሞጎዓዝያ ኩባንያ፡ሓለፍትን መራሕቲ መካይንን ሰራሕተኛታትን ኣብ ማእሰርቲ ዳጒኒዎም ምህላዉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። ቀጥታዊ ምኽንያታት ናይ’ዚ ዝተወስደ ስጉምቲ ብደቂቕ’ኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎ እምነት ጸንቂቑ ምህላዉ እናተረጋገጸ ዝመጽእ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ እቲ ምኽንያት ጸጥታዊ ጉዳይ ኢዩ ዝብል ዓቢ ግምት ኣሎ። ነዚ ብዝያዳ ዘራጉድ ከኣ፡ ድሕሪ ምእሳር ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ኤርትራውያን፡ እተን ህዝቢ ዘጓዓዕዛ መካይን ብኣባላት “ድምሒት” ይካየዳ ምህላወን ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ።

ዓዲ ዃላ፡ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዓዲዃላን ድባርዋን መደብ ምፍራስ ኣባይቲ ንምትግባር፡ ነቶም ገዛውቶም ዝፈርሶም ዜጋታት ንብረትኩም ቀልጢፍኩም ኣውጽእዎ ዝብል መጥንቀቕታ ብጽሑፍ ንነፍስ ወከፎም ከም ዘረከበ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

ኣባይቲ ዜጋታት ብኣልማማ ናይ ምፍራስ መደብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ህዝብና ዓቢ ቁጠዐን ጽልእን ኣሕዲሩ ምህላዉ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራት እቲ ስርዓት ዘፍረሶም ኣባይቲ ብጀነራል ፍሊጶስ ወልደ የውሃንስ ላዕላዋይ ኣዛዚ ወትሃድራዊ ስታፍ ( Chief of staff ) ዝምራሕ ሓይሊ ሰራዊት ስለ ዝነበረ፡ ህዝብና ነቲ ቦታ ብዑና ፊሊጶስ ዝብል ኣውጺኡሉ ምህላዉ ተሓቢሩ። ህዝቢ ዘጋጠሞ እንተገጠሞን፣ ዝበለ እንተበለን፣ ሓልዮት ይኹን ሰብኣዊ ርህራሄ ዘይብሉ ጀነራል ፊሊጶስ ግን እቲ ናይ ምዕናው ኣባይቲ መደብ ክቕጽል ምዃኑ ኣንዳዕዲዑ ይዛረብ ኣሎ። ካብ’ቶም ቀንዲ የማናይ ኢድ ናይ’ዚ ጀነራል’ዚ ዝቑጸሩ ሓደ፡ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ኣውልያይ ናይ ዞባ ማእከል (ኣስመራን ካባቢኣን) ኣመሓዳሪ ንክኸውን በቲ ምልካዊ ስርዓት ተሾይሙ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣብ ኣስመራን ካቢኡን ዝፍጸም ግፍዓት እና ዓበየ ክመጽእ ምዃኑ እቲ ዝበጽሓና ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

09/04/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9517

Posted by on Apr 10 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

4 Comments for “ወዱ ንኢሳይያስ ምስ ኣርባዕተ ርእሱ ካብ ኤርትራ ክሃድም ፈቲኑ”

  1. sebay

    sebay ! lomi kulu seb zfeltn zefeltn internet sila zitkem , nayzy haberetacka gele siabty kitrekb ika intekonegin nayzitblo zeleka , bihaile ” gize” mis temsekere hasot koinu inteterckibu itom mewltaka keyterufu ilamaka stiwitsiay gerom kikotsirwoyom.
    ane zibleka, kali politicawi means amiska dea ewot srah srah imber bickmzas aygidinn,
    hasot ab hagerena bizikone meleki HaTyat eyu !
    ab mewedata nay welawin kemzikemay siameselu izi natka article nikigmgmo tsegem yeblun. mnalbat ginn nigruh seb keeshwo yikili u.
    mnalbat hasabatay kem degef wey stili kitro aygban.

  2. asmara

    Please give us something different. You looks desperate and we people are fade up of your fake news.

  3. Zigeremo

    Farajat,

    ከምዚዶ ኢልካ ሓቀይ፡
    ” ናይ ምህዳም ፈተነ ወዲ ኢሰይያስ፡ ኩነታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ጥርዚ በጺሑ ምህላዉ ዝሕብር ኢዩ ክብሉ ብዙሓት ካብ ዓበይቲ ወትሃድራውያን ሓላፍቲን ካልኦት ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዲፕሎማስያዊ ዓንኬላት ክዛረቡሉ ጀሚሮም ምህላዎም’ውን ተረጋጊጹ።”
    እምበርዶ፡ ዋላ ክንዲ ናይ ደርሆ ዝኸውን ሓንጎል ኣሎካ’ዩ? ኢስያስ ብወዱ ድዩ ዚሕገዝ ኔሩ ክሳብ ሕጂ፡ ሎሚ ወዱ ‘ክሃድም’ ምስ ፈተነ እቶም ጀነራላት ዝሻቐሉ? በጃኻባ ገለ በል። ዋእ፡ ሎምስ ካንዶ ሓንጎል ዘይብልና ኢኹም ቂጺርኩምና። ወዲ ኢሰያስ ኣይነን ኢሰያስ እንተጠፈአ ዘሻቕል የለን።

    ካብ ቆሎ ጥጥቖ፡ ናይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ጽቡቕ ዜና ኣምጽኡ። ደሓር ሰዓቢ ክትርኽቡ። እንተዘይኮይኑ፡ ድሙ ተዓንቂፋ ኣንጭዋ ጸዲፋ ኣይትኹኑ። ወረ ንምንታይ ኢኹም ረሲዕኩሞ ናይ ዓሊ ዓብዱ? ኣይ ንሱ እንድዩ ደኣ ወዱን መቓልስቱን ድሓር ግን ዝሃደመ። ኣንታይዶ ተፈጢሩ እዩ? ስለዚ፡ ስለዝጌሄር ኢልናኩም ኡስስስስስ በሉ።

  4. መስተውዓሊ

    ኩሉ ግዜ ኤርትራውያን ኣስተውዑሉ፡ዝጸሓፍ ቤላቤሎው ፀለመ ብኢትዮጵያወያን ሙኻኑ ፍለጡ::

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net