ሽላ ጥልመት

ኣደራዕ ባርነት ምልኪ ናይ ባዕዳውያን

ኣብ ገዛእ መሬትና ኣብ ዘንጠጠየሉ እዋን

መታን ከጥዕምና

ምታን ክርህወና

ምረት ገድሊ ከምዉሁብ ወሲድካ

ገንሽል ፍትሓውነት በረኻ ሰፊርካ

ዘምጻእካዮ ሰላም ዝኣወጅካዮ ናጽነት

ሽላ መንጢሉና ሽላ ጥልመት ክሕደት፡፡

ከም እዛ!!

ኣብ’ቲ ግዜ ሰውራ ተቕቢሉ ሕድሪ

ንሩሑ ወፍዩ ዘይኣተወ ’ብጓህሪ

ወረ ነትን ዓመታት ናይ’ቲ ጨካናት ዘመን

ክሓልፍ’ዩ እንዳበለ ፊት ከምዘይ ገጠመን

ወዮ ውጹዕ ህዝብኻ’ምበር ሞሳ ሲኢኑለን፡፡

ኣንታ ስዉእ!!

ምእንታና ክትብል ምእንቲ ኤርትራ

ዉልዶ ንእስነትካ ንሃገር ሓሪራ

ክንሳ!!

ምእንትኡ ኮይና

ምእንቲ ዓላቒ

ኣሕሊፍና ሂብናያ ንሓደ መላኺ፡፡

ኣንታ ስዉእ!!

ብዕያሮ ሂወትካ ዝመጸት ናጽነት

ሃገር ዘልበስካያ ናይ ክብሪ መንነት

ህያብ 91ን እዚ’ንዝክሮ

ንመስተርሆት ክኾን ደምካ ዝነጠሮ

ኣኽሊል ዓወት ዘዕተረና ሽምካ ዝተወቕሮ

እዚኩሉ ጌርካ ምታን ክጥዕመና

ድሓር ብድሕሬኻ ግን ምልኪ መንጢሉና፡፡

ንሕና ከኣ!!!

ኣብክንዲ ንቃረብ ኣብክነዲ ንላዘብ

ረማዕ ኢልና ክንዲ ንዘራረብ

ሕድ-ሕድ ጾርና ክዘብል ክግዳዕ

ንረብሖ ዘይብልና መስመርና ነጥቅዕ

እቲ ዝኸፍአ!!!

ነዚ ኣስተብሂሉ ንዘዝተዓጥቀ

መላኺ ንምስዓር ርእሱ ንዘቕንዐ

ንሓቂ ጨቢጡ ዝወደነ ኣንፈቱ

ንድውኖ ሽሙ ንህቦ ዘይናቱ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

ብሰንሰሎማይ ሰላም ኣብ ሃገር

12 / መስከረም / 2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10444

Posted by on Sep 14 2016 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net