Poetry

ሽላ ጥልመት

Struggle For Freedom

ኣደራዕ ባርነት ምልኪ ናይ ባዕዳውያን

ኣብ ገዛእ መሬትና ኣብ ዘንጠጠየሉ እዋን

መታን ከጥዕምና

ምታን ክርህወና

ምረት ገድሊ ከምዉሁብ ወሲድካ

ገንሽል ፍትሓውነት በረኻ ሰፊርካ

ዘምጻእካዮ ሰላም ዝኣወጅካዮ ናጽነት

ሽላ መንጢሉና ሽላ ጥልመት ክሕደት፡፡

ከም እዛ!!

ኣብ’ቲ ግዜ ሰውራ ተቕቢሉ ሕድሪ

ንሩሑ ወፍዩ ዘይኣተወ ’ብጓህሪ

ወረ ነትን ዓመታት ናይ’ቲ ጨካናት ዘመን

ክሓልፍ’ዩ እንዳበለ ፊት ከምዘይ ገጠመን

ወዮ ውጹዕ ህዝብኻ’ምበር ሞሳ ሲኢኑለን፡፡

ኣንታ ስዉእ!!

ምእንታና ክትብል ምእንቲ ኤርትራ

ዉልዶ ንእስነትካ ንሃገር ሓሪራ

ክንሳ!!

ምእንትኡ ኮይና

ምእንቲ ዓላቒ

ኣሕሊፍና ሂብናያ ንሓደ መላኺ፡፡

ኣንታ ስዉእ!!

ብዕያሮ ሂወትካ ዝመጸት ናጽነት

ሃገር ዘልበስካያ ናይ ክብሪ መንነት

ህያብ 91ን እዚ’ንዝክሮ

ንመስተርሆት ክኾን ደምካ ዝነጠሮ

ኣኽሊል ዓወት ዘዕተረና ሽምካ ዝተወቕሮ

እዚኩሉ ጌርካ ምታን ክጥዕመና

ድሓር ብድሕሬኻ ግን ምልኪ መንጢሉና፡፡

ንሕና ከኣ!!!

ኣብክንዲ ንቃረብ ኣብክነዲ ንላዘብ

ረማዕ ኢልና ክንዲ ንዘራረብ

ሕድ-ሕድ ጾርና ክዘብል ክግዳዕ

ንረብሖ ዘይብልና መስመርና ነጥቅዕ

እቲ ዝኸፍአ!!!

ነዚ ኣስተብሂሉ ንዘዝተዓጥቀ

መላኺ ንምስዓር ርእሱ ንዘቕንዐ

ንሓቂ ጨቢጡ ዝወደነ ኣንፈቱ

ንድውኖ ሽሙ ንህቦ ዘይናቱ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

ብሰንሰሎማይ ሰላም ኣብ ሃገር

12 / መስከረም / 2016

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top