ሰናይ ክራማት እንዳ ኣሕለፈ ድርቂ ሓጋይ ዝጽበዮ ሕዝቢ

እታ ህዝብና ሕቶታት ዝድርድረላ ዘሎ ህግደፋዊት መንነት ወረቐት ብግልባጥ ገጽ ናይ ፎቶ ( ጉርዲ ስእሊ )

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣጥሚኻ ግዛእ ዝመትከሉ ዓንዳሪ ኣካይድኡ ግሁድ ብምግባር፡ ነዚ ዝቕጽል ዘሎ ጽቡቕ ክራማት ፍረ
ንኽርከቦ ንሓረስቶት ሃገርና ኣብ ክንዲ ምትብባዕ እሞ ብኡ ኣቢሉ ብበረኸት ሕርሻ ንህዝብና ዘረጋግእ እቶት ዝኽዕብትን ብኡ መንጽር ድማ ዕዳጋታት ሃገርና ኣብ ምርግጋእ ተርኡ ዝጻወትን፡ ብምኽንያት ካብ ኣባል ስድራቤት ሓረስቶት ሃገርና ስግረ-ዶብ ከይድኩም ዝብል ጸቓጢ ምሕደርኡ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገጠራት ሃገርና ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ ቦታታት ምቕዳሮምን ምሕዳሮምን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

keremti

እዚ ብፍላይ ኣብ ሓደሽቲ ሓዳር ውጻእ ( መንእሰያት ሰብ ሓዳር) ኣጋጢሙ ምህላዉ ዝተሓበረና ሓበሬታ ክራማት፡ ዛጊት ክራማት ሃገርና ጽቡቕ ይቕጽል እኳ እንተ ሃለወ፤ ብሰሪ ኣቦ ገዛ ወይ በጽሒ ውላድ ስግረ-ዶብ ከይድኩም ብዝብል ምስምስ ስድራቤታት ከይሓርሱ ከይምሕሱ ተኸልኪሎም ከሪሞም ኣለዉ ክብሉ ምንጭታት እዚ ሓበሬታ ንቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ገሊጾም፡ ናይ ሓበሬታና ምንጭታት ከምዝገለጹልና፡ ናይ እዚ ውጺኢት ድማ እቶም ካብ ምስዳድ ዝተረፉ ኣባላት ስድራቤታት ሮዖኦም ጠቕሊሎም መገዲ ስደት ተተሒሒዞምዎ ምህላዎምን ዝኸፍአ ናይ ስደት ጉዕዞ ይርአ ምህላዉን ሓቢሮም፡፡
ብተወሳኺ ወሃብቲ ሓበሬታና ከም ዝገለጹልና፣ እቲ ኣብ ኣውራጃ ሰምሃር ጥራሕ ብተደጋጋሚ ንልዕሊ 3 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ግፋ ንደቂ ኣንስትዮ ናብ ግዱድ ዕስክርና፡ ብዝኸፍአ መልክዑ እንከላይ ንኣንስቲ ሰብ ሓዳርን ኣደ ቆልዑን ንዝኾና’ውን ከይነሓፈ እንዳለኻኸመን ይቕጽል ምህላዉ ከገልጹልና ከለዉ፡ ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሙሉእ ኣውራጃ ሳሕልን ( ክፋል ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕባሕሪ ) ኣብ ዝበዝሕ ኣውራጃ ኣከለጉዛይን ( ገለ ክፋል ዞባ ደቡብ ) ነታ ካብ ሙሉእ ምእታው ዓመተ 2016 ትወሃብ ዘላ ህግደፋዊት ኤርትራዊት መንነት ወረቐት ህዝቢ ይነጽጋ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ፡፡ እቶም ንትግባረ ምቕያር ሓድሽ መንነት ወረቐት ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ካድራትን ሰራሕተኛታት ኢመግረሽንን ስርዓት ህግደፍ ነቲ ናይ ምቕያር መስርሕ ንምፍጻም ንህዝቢ ክጉስጉሱ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ካብ ህዝቢ ሰፍ ዘይብል ሕቶታትን ክምልስዎ’ውን ዘሸግሮም ብድሆታትን የጋጥሞም ምህላዉ ይግለጽኣሎ፡፡

ገለ ካብ እቶም ብህዝቢ ዝለዓሉ ዘለዉ ቀንዲ ሕቶታት ድማ፦

እታ ህዝብና ሕቶታት ዝድርድረላ ዘሎ ህግደፋዊት መንነት ወረቐት ብግልባጥ ገጽ ናይ ፎቶ ( ጉርዲ ስእሊ )

እታ ህዝብና ሕቶታት ዝድርድረላ ዘሎ ህግደፋዊት መንነት ወረቐት ብግልባጥ ገጽ ናይ ፎቶ ( ጉርዲ ስእሊ )

1, እዛ ትቕየር ዘላ ወረቐት ትወድቀሉ ግዜ ን2031 ዝብል ማሕተም ዘለዋ ብምዃና እዚ ገደብ ግዜ እንታይ ኢዩ መምዘኒኡ?

2, በዚ ዘላቶ ቅርጽን መልክዕን ንኽትዝርጋሕ ይኹን እቲ ንኽንድኡ ዝኣክል ንውሓት ዓመታት ምግላጽ ንምንታይ ኣድለየ?

3, መንነት ከም መድሃኒት፤ ወይ መስተታት ዝወድቕ ኣይኮነን መንነት መንነት ኢዩ፡ ስለ እዚ ንምሕዳሳ እንተኮይኑ ነዛ ወረቐት እዚኣ ዝሓዘ ዜጋ፡ ኣብ ዝኣረገቶ ከሐድሳ፡ ኣብ ዝጠፍአቶ ክትትከኣሉ መሰሉ ምዃኑ ዘነጽር ምግለጺ ኣብ ክንዲ ዝጽሓፋ ስለምንታይ ትወድቀሉ ግዜ ክጸሓፋ ኪኢሉ? ዝብልን ካልእ ንመሰል ዜጋታት ናይ ምኽባር ግዴታ ከም ዘለዎ መንግስቲ ዘዘኻኽሩን ዝገልጹን ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ህዝቢ ይልዓሉ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
12 / መስከረም / 2016
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10447

Posted by on Sep 14 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net