መን፡ዩ ከዳዕ?

መን’ዩ ከዳዕ መልሲ ንክቡር ሓው ሃይለ ተኽለ ካብ ስያትል ኣብ ትሕቲ መን’ዩ ከዳዕ ዝብል ኣርእስቲ

ወድ ዓድ ካብ ስደት

17 ሓምለ 2020

ንሕና ዲና ህዝብና እንዳ ተጨቆነ ነዘውትር ጓይላ ምስዕሳዕ?

ንሕና ዲና ዲክታቶር እንድግፍ ህዝብና ክውጻዕ?

ንሕና ዲና ደይ ረኣየና ናይ ኢስያስ ደም ህዝብና ሰትዩ ምጉሳዕ?

ንሕና ዲና ህዝብና ንኽቅጥቅጥ ንስርዓት ህግደፍ ነውፍየሉ መግዝኢ ስላዕ?

ንሕና ዲና ህግደፍ እንተ ተነቂፉ ዘብለና ጸላዕላዕ?

ንሕና ዲና ህግደፍ ክጋገ እንከሎ ነብዝሕ ዋዕዋዕ?

ንሕና ዲና ኣብ ፈቀዳ ሃገራት ተኣኪብና ንብል ፈራዕራዕ?

ንሕና ዲና ኣብ ህግደፍ ሃቡ ዝበሉና ሱቅ ኢልና ንህብ እንዳበልና ራዕራዕ?

ንሕና ዲና ከም ከብትን ጤለ-በጊዕን ብድሌት ህግደፍ ንስራዕ?

ንሕና ዲና ኢስያይስ ኣይከሰርናን ምስ በለ ብጣቅዒት ዝበልናዮ ኣገናዕ?

ንሕና ዲና ኣብ ግዜ ውግእ ካብ ገጽ ቲቪን ህዝብን ንሕባዕ?

ንሕና ዲና ወትሩ ኣመልና ኣብ ግዜ ቅሳነት ተባዓት ክንበሃል ነብዝሕ ምጉብዕባዕ?

ንሕና ዲና ለይትን መዓልትን ከም ጸማማት ሓንጊዱና ዘሎ ሓቅታት ህግደፍ ምስማዕ?

ንሕና ዲና ከይደቀስና ንሓድር እኩባትን ጥሙራትን ንምግምማዕ?

ቅድሚ ንህዝብኻ ከዳዕ ምባል ኢሳያይስ ባዛዕባ ጉዳይ ዶብ እተዛረቦ ምስትንክር ብልቦና ስማዕ

ቅድሚ ውድቀት ህግደፍ ንዓ ምስ ህዝብኻ ተሰማማዕ።

ኣንቲ ኤረይ ኩሕሎ

ራህዋኺ ቀሪቡሎ

ስርዓት ህግደፍ ክዕሎ

ሊንክ ናይታ ግጥሚ ሓው ሃይለ ተኽለ ካብ ስያትል ሼር ግበሩ ወስኹላ ስለ ዝበለ ኣነ’ውን እነሆ ብዓቅመይ እጃመይ የቅርብ።

ዝውሰኽ ወስኹ ሸር ከኣ በሉ

Posted by Haile Tekle on Saturday, 8 June 2019

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11363

Posted by on Jul 26 2020 Filed under News, Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net