ArticlesPoetry

መስከረም. . . ናይ ሓርነት ጩራ

ጅግና ናይ ጀጋኑ. . . ሓምድ እድሪስ ዓዋተ

ሰውራ ኣዊጅዋ ኣብ  መስከረም  ሱሳን ሓደ

ክብርን መጎስን ይኹን ንኹሉ ዋጋ ዝኸፈለ

ተባዕ ተጋዳላይ መስተንክር ሰሪሑ ዝተዓወተ

*****

ብረትካ ደርቢኻ. . . .   ላኻ ዘይለወጥካ

ዑቅባ ዘይጠለብካ. . ህዝብኻ ራሕሪሕካ

ምእንቲ ህዝብኻ. . . . .    በጃ ዝሓለፍካ

መሰረት ኤራትራውነት ዓንዲ ሃገር ኢኻ

*****

ጅግና ተጋላይ. . . . መስተንክር ሰሪሕካ

ነጻ. . .  ኣውጺኻያ. . . . ኤርትራ ሃገርካ

ባሕሪ ኣይሰገርካ. . . . .  ሃዲምካ ጀጂኻ

ምስጋናይ ይብጻሕካ. .  ኣብ ዘለኻ  ሊኻ

*****

ሃገሩ ክዝመት   ራሕሪሑ ዝሃደመ

ኣብ ሃገር እንዳማቱ ዑቅባ ዝሓተተ

ክዛረብ ጀሚሩ ከይሓነኸ ከይሓፈረ

ንሰውራና ከናሹ ኤረና ክሸጣ ንወያነ

*****

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንኹሎም ጀጋኑ ሰማእታትና

ክብሪ… ሞጎስ…  ምስጋና…  ይብጻሕኩም ካባና

ሳላኹም  ኤርትራ ነጻ ኾይና… ሃገር ተጸዊዕና

ሓርነትና’ውን ክትግበር’ዩ…  ብቃልሲ ጀጋኑና

*****

ምንም እንተ ነውሐ…… ድቕድቕ ጸላም ለይቲ

ወላ እንተጸበበ… ካብ ዓይኒ መርፍእ ድቕቕቲ

ካብ ዕረ’ውን እንተ መረረ እንተ ነውሐ ለይቲ

ክንሰግሮ’ና ኩሉ ጸገማትና ብጽንዓት ትዕግስቲ

*****

እዚ’ይኮነን ነይሩ ናይ ህዝብና… ትጽቢትን ሕልሚ

ብሸፋቱ ክትጉበጥ ሃገርና ክትከውን ኣልቦ ፍሽልቲ

ብንቅሓት ሕቢርና ንቃለስ  ክነድሕና ካብ ዓዘቕቲ

ዓወትና ናይ ግድን’ዩ…… ወላ እንተ  ነውሐ ለይቲ

*****

ብደምካን ዓጽምኻን……መሬት ነጻ  ዘውጻኻ

ሓርነት ህዝብና ክትግበር’ዩ… ብጀጋኑ ደቅኻ

ኤሪትሪያ ኣይትሽየጥ… ኣይትልወጥ ውርሻኻ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ…  ክብረት ይኹን ንዓኻ

*****

መስከረም ዕምባባ… ናይ ናጽነት ጩራ

ንስኻ ክትመጽእ… ይሕደስ……  ተስፋና

ወርሒ ብድሆ ቃልሲ ክብሪ ዘልበስካና

ከቢራ ክትዕንብብ’ያ… ልዕልቲ ሃገርና

*****

ንቃለስ ሓቢርና…… ንፍትሒ… ንለውጢ

መሰላትና ይተሓሎ…… ብስርዓት… ብሕጊ

   አይትዓምት ዓይንኻ……… እጃምካ አወፊ

    መክት መሰላትካ ብዕዙዝ ፍናናዊ ሓይሊ

ዓምር (መልበን – ኦስትረልያ)

01 መስከረም 2019

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top