ቀጽሪ ሓርነት – ልዑላውነት

ክጽመም’የ አነ ግን አይጸመምኩን
ሽግር ዓብሊሉኒ ንግዚኡ እንተዘየፍረኹ
ትዕግስቲ ሰኒቀ ጸይረዮ እንተኸድኩ
አይምሰልኩም ትሓሊለ… ተስፋ… ዝቖረጽኩ!!!


ክቓለስ’የ… ብትሪ እንከይ ትሓለልኩ
ሸቶይ ሃሪመ መሰለይ ከይጨበጥኩ
ክብረይ መሊሰ ፍትሒ ከየንገስኩ
አይምሰልኩም ዝሕለል ብህይወተይ እንተለኹ *
ዘመን ውራ ውራ ሃገርና… ወዲቓ’ላ አብ ሓደጋ
ጠላማት “ትግራይ ትዕወት” ይብሉ ሃገርና አውሪዶም አብ ዕዳጋ
ገሊኦም ብሽም ልዑላውነት ንህግደፍ የምልኽዋ ንግፍዒ ጎበጣ
ፍትሒ… መሰል… ምንጋስ አይረሳዕ ህግደፍ ኮነ ህውሓት… ክልቲኦም ጣጣ


ኤርትራውነት… ክቡር መንነት ኤርትራ… አይትሽየጥ አይትልወጥ
ልዑላውነትና ዝትንክፍ ክሳዱ ይቑረጽ….. ይቖራረጽ!!!
ኤርትራ… ንኤትራዊያን ብኤርትራዊያ… ንዘልአለም ትምበር
ሃገራውነት… ይዓብልል ይዓንብብ ሓድነትና ይደልድል… ዕላማና ይተግበር


እራይ ምራይ… ደፊሮም ድምጾም ይስማዕ’ሎ
ኮረት መረት… ዓፊሮም ሕስድንኦም ይጋሃድ’ሎ
ኤርትራና ክጎብጥዋ ይእለም ይፍተል’ሎ
ተቢዖም እንተፈተኑ
አብአ ይቕበሩ… አብአ ይረኽብዋ!


ብሽም ልዑላውነት አይንተዓሾ… አይንታለል
ሕዮራትና ዶ ተፈቲሖም አብ ፍርዲ… ቐሪቦም?
መሰለታትና ዶ ተኸቢሩ ፍትሒ… ነጊሱ?
እንታ’ዩ ተቕዪሩ ተረኺቡ??? ንቐታሊ ገበነኛ ክንድግፎ ክንስዕቦ?!!?
* ንቓለስ… ሓቢርና ብዘይ ውዓል ሕደር
መርሓ ግብሪ አነጺርና… ቀጽሪ ሕርነት-ልዑላውነት ንፍጠር
ኤርትራ ሓራ ትውጻእ ኤርትራና ትዕወት….. ትተዓወት!!!
ሕድሪ ስዉአትና ይጋሃድ… ይተግበር ኤረና…ፍትሕን ሓርነት ትልበስ


ክሳብ ሎሚ መንነቶም ዘየረጋገጹ… ዕሱባት
መንነቶም ተቀያየሪ… አልቦ ክብሪ… ድሁላት
ትማልኢ ኢትዮጵያ ወይ ሞት ሎሚ ዓባይ ትግራይ… ጠላማት
ሕሱራት ፍጥረት… ኮርዳድ ዘርኢ ነፋሒቶ መንነቶም… ሕሱራት


ቀጽሪ ሓርነት-ልዑላውነት ይተግበር… ንድሕነት ሃገርና
ንሓርነት ካብ አርዑት ህግደፍ ንናደፍ… ንቃለስ ሓቢርና
ልዑላውነት ይረጋገጽ… ይትሓሎ ካብ ህውሓት ኮነ ወራራ ጓና
ስዉአትና ንዘልአለም ይከበሩ ትዓንብብ… ትበልጽግ ኤርትራና


መሰል ይውሰድ ድአ’ምበር ኣይዋሃብ !
ብትምኒትን መንዮት’ን ኣይጋሃድ !


ብምኽንያት 01 መስከረም – 01 September 2022
ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ምአንቲ ሓርነትን ናጽነትን፤ ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ኤረትራ
ዘልአለማዊ ዝኽሪ፤ መጎስ፤ ክብሪ፤ ሓበን… ንስዉአትና ሓርነት፤ ሰላም፤ ፍትሒ፤ ናጽነት… ንህዝብና ልዑላውነት፤ ሓድነት፤ ሕጋውነት፤ ብልጽግና… ንሃገርና

Abu Muhammad

01 መስከረም 2022

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11482

Posted by on Aug 31 2022 Filed under Articles, Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net