ኣይንድመርን

25 ነሓሰ 2018

ምጽዕዳው ከተማ ኣስመራ ብደቂ ሽዋ ዝንገሮም

ኣብ ዕቛር ዝሕጸቡ ዋናታት ገርግሱም፡

ወዳጀ ጓይላ ወዳጀ ከበሮ

ኵዳ ከይጀመረ ስበሮ

መጺጽ ስዋ መርዛም ሕንክሮ

ጸገም የለን እንዳተደመሮ፡

              ኣብ ኤርትራ ዘይተዘርበ ሽዋ፡ኣሩሲ፡ባሌ፡ተሰሚዑ

              ጎይተቶም ዝበልዕዎ፡ ንሱ ንሕና ዘጕስዑ

              ኣየ…ተደመሮታት ኣየኹድዱ ኣይስዕስዑ

              ኣቤት፡ ሓንቲ ቁም ነገር ከይሰምዑ

              ኢዶም ደም ክሳብ ዝሰርብ ዘጣቕዑ

              ሓሻኻ ንደመር ነፍሶም ዘግድዑ፡

ንኺድ ዕላማ ዘይብሉ መገሻ

ፖለቲካ የብሉ ኣድራሻ

ወርቒ ሂብካ ሓሰር ኻሻ

ጉዕዞ ንደመር ስንቒ ዓሻ፡

               ን20 ዓመታት

               ወያነ ካብ ባድመ ከይወጸት

               ዝርርብ ንሰላም ዘበት

               ክበሃል ከም ዘይጸንሐ ሕጂ ሃንደበት፡

እንሀልካ ጉያ ንኣዲስየ ኣዋሳ

ጸወታ ኮይኑ ተወሰጥ ቃርሳ

ዶብ ተረሲዑ ኣህዛብ ክተሓዋወሳ

ጽባሕ ዘይድገም፡ ሕቶ ዘይምለሳ፡

               ጥጅእ ትማሊ ሎሚ እንካ ወጸ

               መራሒ ክመርጸልና ያኢ፡ ባዕሉ ዘይተመርጸ

               ብራሕ ዓላ፡ ሰለድ፡ሳቡር፡ ኣስማጥ፡ ገደም ከም ዘይጸጸ

               ጓጉድ ኣሮሞ ካብ መርጸ

               ኣፍ ልቢ እንተሃረመ ብካባ እንተ’ግየጸ

               ኣብ ዝበጽሖ የብሉን ቅዋም ምስ መጸ፡

ምጽዕዳው ከተማ ኣስመራ ብደቂ ሽዋ ዝንገሮም

ኣብ ዕቛር ማይ ዝሕጸቡ ዋናታት ገርግሱም

ጓኖት ንዳህላክ፡ ዜጋታት ንታዕሊም

ተካል ዘመን ታሪኽ ሰላሕታ ክድገም፡

               ሽምግልና የብሉ ውዕል

               በዓል ቆጽሊ የብሉ ወኪል

               ስራሕ ቀደሙ ዕንክሊል

               መስዋእቲ ጀጋኑ ጋሽ ባርካ ደንከል

               ከበሳ ሰምሃር ሰንሒት ሳሕል

               ረኣናዮ እንካ ኣብ ኣዋሳ ክጽምበል፡

               እየ’ወ ንብዓት ኣደታትና ክዛሪ

               ውሉደን ዘይረኸቡ ንቡር ቀብሪ

               ኢትዮጵያዊት ክትእበድ ረኺባ ዝዘሪ

               ነገሩ ከቢድ’ዩ የቕልሎ ፈጣሪ፡

ሜዳ ንግስተ ሳባ ሜዳ ኣስመራ

ወዮ 27 ዓመት ዝሰማዕኽዮ ጃህራ

ኣንነት ዝላዕጠጦ ትዕቢት ፈኸራ

ንኣዋሳ ግዒዛስ ጽዋያ ቀይራ፡

                ኣሎ ሕከያ ሚለኒዩም ኣደራሽ

                ዘሕፍር ዘሕንኽ ብጥራሽ

                ዓዲ ሃሎ ጠንጢንካ ኣዋሽ

                ካባ ምስ ባኖ ብዘይ ነጻላ ሻሽ

                ድራማ ምድንጋር ምቕሻሽ፡

ሎሚ ሎምስስ ባድመ የለ ጾሮና

ኤርትራና ኣምላኽ ይክደና

ደለይቲ ፍትሒ እንተዘይ ሓቢርና

መን ክመልሶ መሰል ክብርና፡

                ሓቂ መዓስ ይጠፍእ ስቕ’ሉ

                ኣብ ኣዋሳ ዝውዓሉ

                ኣደራሽ ሚለኒዩም ዝወዓሉ

                ኩሉ ዝተዘርበ ሓቂ ከም ዘይብሉ

                እንሆ ሕሰም ህዝብና ይምስክርሉ፡

እወ ኣስመራ ጻዕዳ ቀጥሪ

ጀጋኑኺ ትሕቲ መሬት ተስፍሪ

ነፋጊት ደቃ ንጓኖት መዛወሪ

ክንዲ ስገም ስርናይ መሸላ፡ እሱራት ተፍሪ

መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት ወፍሪ

ይድረፍ መዝሙር ሰላም ዑፈይ ብረሪ፡

                    ሚዛን ዘይብሉ ኣበይ ዘሎ ሰላም

                    ንሓደ ዘብልሕ፡ ንሓደ ዝጕድም

                    ኢትዮጵያዊ ንዓዱ ኤርትራዊ ንስደቱ ግዳም

                    ተቐባሊ ወዲ ኣስመራ ድኻ፡ ጋሻና ሃብታም

                    ክትዛረበሉ ዘሕፍር ታሪኹ ነውራም፡

እሞ ደኣ ሰላም ምስ መን

ምስ ዝተበደለ ጭቁን

ብመዓልቲ ለይቲ ዝህደን

ብኩፖን ማይ መብራህቲ ብመቝነን

ፋሕ ዝበለት ስድራ ኣብ ውሽጥን ደገን፡

                    ጭቆና ራዕዲ ዘንገፍገፎ

                    ሰማዒ ዘይብሉ ዕጭ ዝተሓንፈፎ

                    ገዛእቱ ተመሊሶም ክድንግጹ ምሕልፎ

                    ምእንቲ ሃገር ፍልልያትካ ወንዝፎ

                    ጾርካ ኣውርዶ ኣራግፎ

                    ደላይ ፍትሒ እንተዘይሓቢሩ መን ክድግፎ

                    ናብዮ ጉዳይካ ባዕልኻ ሕለፎ፡

              ቀሪቡ ሰዓቱ ኣይትበል ፋሕፋሕ

ጭርሖ ይጽናሕ ብጽንዓት ስራሕ

ዘንጊ ትኸል ገስግስ ምራሕ

ሎሚ ፈልሲ፡ ፍረ’ዩ ጽባሕ

ሰላም ብሕጋዊ ውዕል ንኩሉ ክባጻሕ

ኣይተስግል ምልኪ ክሳብ ዝናሳሕ፡

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11128

Posted by on Aug 28 2018 Filed under Articles, Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net