ሰላም ፡ ህዝቢ ብህዝቢ ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

ኣርእስቲ ከም ዝሕብሮ፡ ” ሰላም፡ ህዝቢ ብህዝቢ” ዝብላ ቃላት ዝወጸን ዘይብሉ ካብ’ቲ ዓበይቲ ክንበጽሖ ንቃለሰሉ መሪሕ ዕላማ ዘቃልሕ’ዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ልዕሊ ሰላም ዝድለን የለን፡ ልዕሊ ህዝቢ ከኣ ስልጣን ዘለዎ ምምሕዳር ወይ መንግስቲ ከኣ የለን። እሞ እዘን ክልተ ” ሰላም፡ህዝቢ” ዝብላ ቃላት ስለምንታይ መጽኤን ዝብል’ውን ኣይሰኣንን። ልክዕ’ዩ ከኣ’ዩ ፡ ግን ብዛዕብ ህሉው ኩነታት ሃገርና ክንዛረብ ብስም ሰላምን፡ ህዝብን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ዕርቒ ኤርትራ ኢትዮጵያ ንምንጻር ዝኣክል’ዩ።

ብሰንኪ ዶባዊ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ዘስዓቦ ህልቐት ክንደይ ሂወት መንእሰያት ጠፊኡ፡ ንብረት በሪሱ፡ ህዝቢ ካብ ዓዱ ተመዛቢሉ ስድራ ቤት ፋሕ ብትን ኢሉ ዝሓለፈ ግዜ ብምዝካር፡ መራኸቢ ብዙሓት፡ጋዜጠኛታት ዓለም ንዝነበረ ባህርያት ኵናት ክገልጽዎ እንከለዉ እንታይ ይብሉ ነበሩ። ጨካን፡ ድሑር፡ ቀጥዒ ዘይብሉ ተምሳል ቅዲ ኵናት ቀዳማይ ኵናት ዓለም ዝነበረ እንዳበሉ ክገልጽዎ፡ ካብ’ቲ ሕሱምን ጨካንን ዓይነት ኵናት ምንባሩ ዘቅረበዎ መግለጺ’ዩ። ሕሰም ኵናት ተጸሊኡ ሰላም ይበሃል ኣሎ እሞ ሰላምና ይግበሮ። እንተኾነስ ሰላም በየናይ ንቀበላ ዝብል ሕቶ እንተራእናዮስ ዝጎድእ የብሉን።

እሞ ሎሚ ድሕሪ 20 ዓመት ሰላም ተባሂሉ። ሰላም ዝጸልእ ከምዘይልቦ፡ እሞ ከኣ ንብኵናት ዝላደየ ህዝብታት ብሓቂ ሰላም ዘድልዮ ዝግብኦን እኳ ደኣ ብዙሕ ደንጉይዎ ዘየብል ኣይኮነን። ቅድሚ ዶባዊ ኵናት ምጅማሩ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ኢትዮጵያ በብጉዳዩ ኣብ ዘየቋርጽ 30 ዓመት ዕረፍቲ ዘይብሉ ደማዊ ኵናት ከም ዝጸንሑ እንተዘይተረሲዑስ ካብ ማንም ህዝቢ ንላዕሊ ሰላም ዘድልዮ ህዝብታት ምዃኑ’ዩ ዘረድእ። እንተኾነ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ክልቲኡ ህዝቢ ካብ ሰላም ተዀሊፉ ኣብ ዳግማይ ኵናት ዝኣተወ’ዩ።

እሞ ሕጂ ኸ ኣብ ኣይሰላም ኣይኵናት ን20 ዓመታት ኣብ ሰንፈላል ዝጸንሐ ህዝቢ ዳግማይ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ከይወድቕስ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ተቐቢልዎ ዝኸይድ ኣሎ፡ ብልቦና ዘስተውዓለ ከኣ ውሕስነት ኣለዎ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ። ኣገዳሲ ሕቶ ከኣ’ዩ። ”ማሕለኻ ዘይብሉ ጓጉድ ድፉእ፡ ዳኛ ዘይብሉ ነገር ጥፍእ” ከም ዝበሃል ዓብይ ሃገራዊ ጉዳይ ብዋግኡን ክብረቱን እንተተሓዘ’ዩ ዝጸበቐ።

ልዕሊ ኩሉ ከኣ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ህዝቢ ብህዝቢ ብምርኻብ ሰላም ውሕስነት ክህልዋ ይኽእል’ዩ ዝብልዎ ብሕግን ስርዓትን ኣገባብን እንተዝስነስ ነቲ ዝስዕብ ስርሓት ንምስርሑ ከኣ ዝቀለለ ይኸውን ጥራሕ ዘይኮነስ ተቐባልነት ክህልዎ ይኽእል ዝብል’ዩ ። ይኹን ደኣ’ምበር ብስርዓትን ሕግን ዝብል ዝወደቀ ሓሳባት ኮይኑ እንሆ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ሰላም ህዝቢ ብህዝቢ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሰላም ህዝቢ ብህዝቢ ዝብል ኣበይ ክበጽሕ’ዩ ጽባሕ ዝረአ ጉዳይ’ዩ።

ሰላም ህዝቢ ብህዝቢ ተባሂሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ክብል ምስ ዝተጸምዐ፡ ኣበይ መሰልን ሓርነትን ምስ ተዋህቦ’ዩ፡ ብማዕረ’ቲ ኣብ ኣብየ መሳኵቲ ፈነወ ቲቪ፡ ማዕከናት ፈነወ ራዲዮን፡ጋዜጣታትን ሓሳባቱ ዝህብ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ በየናይ ኣገባብን መዕቀንን’ዩ ህዝቢ ኤርትራ ብጉዳይ ሰላምን ካልእ ንህዝቢ ወኪሉ ክዛረብን ሓሳቡ ክህብን። ቅድም ቀዳድም ሓሳቡ ዝህበሉ መሰል የብሉን። ኻልኣይ በየናይ ማዕከን ዕድል ረኺቡ’ዩ እሞ ክዛረብ። እቲ ዝዛረብ ዝጽሕፍ ሆ ዝብል ዘሎ ህዝቢ፡ ምስ መሰል ምዝራብ ዘይብሉ ብፍርሒ ተዋሒጡ ከብዱ ሓቕውፉ ዝሓድር ህዝቢ ብምውድድራ ህዝቢ ብህዝቢ ክበሃል’ውን ዘይግባእ’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብነታዊ ኣሽካዕላል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ ኣብ ሚነሶታ ነዚ ሰላም ህዝቢ ብህዝቢ ዝብል ሕቶ ዝሃበሉ መልሲ ኣገዳስንት ኣለዎ። ይኹን’ምበር ብመጠን ኣገዳስነት’ቲ ሕቶ ዕቱብ መልሲ ክወሃብ’ኳ እንተነበሮስ፡ ነቲ ሕቶ ንምምላስ ”ተሳትፎ ህዝቢ ንምርግጋጽ ድሮ ኢትዮጵያ ኣየር መንገድ ኣብ ምድላው ይርከቡ፡ ቴሌኮሚከሽን ተኸፊቱ፡ ጽርግያታት ከኣ ኣብ ምትዕርራይ ይርከብ” በለ።

ሰላም ህዝቢ ብህዝቢ፡ ብሓቂ ክንደይ ጽቡቕ ክንደይ ጥዑምን ሰናይ ኣበሃህላ’ዩ። ግን ነቲ ጽምኣት ሰላም ዘለዎ ህዝቢ ንምዝናይ ተባሂሉ እንተዘይኮይኑ ብፍጹም ውሕስነት ክኸውን ኣይክእልን። ህዝቢ ሙሉእ ሰላምን ምርግጋእን ክኾነሉ ስለ ዝደሊ በቲ ብደረጃ ሃገራት ኣቢሉ ዝብጻሕ ውዕላት፡ ብሕግን ስርዓትን እንተተኻኢሉ ብመንጎኝነት ማለት መሰኻክር’ምበር ካልእ ኣይኮነን። ህዝቢ ንነባሪ ሰላም ልዕሊ ዙረቱን ምብጻሕ ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ከም ዘገድሶ ርዱእ’ዩ። ሰላም እንተመጸ ከኣ ብነፋሪት፡ ብመኪና፡ እንተስ ብእግሩ ቤተ ሰቡን ፈተውቱን ክበጽሕ ነቲ ህዝቢ ብህዝቢ ዝበሃል ዘሎ ዝያዳ ክብሪ መዓርግ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነባሪ ሰላም ዝፍጠረሉ መንገዲ ኣይምስተሳእነን።

ንልዕሊ 20 ዓመት ለሚሱን ዛሕቲሉን ዝጸንሐ ርክብ ክልተ ሃገራት በዚ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ናህሪ ንክልቲኡ ህዝቢ ዘርብሕ ከም ዘይኮነ ዘመልክቶ ብዙሕ ሕቶታት ክለዓል ይኽእል። እዚ ከኣ ኩነታት ንድሕሪ ንምምላስ ዘይኮነ፡ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ጸዋዒት ሰላም ብቅንዕናን ግሉጽነትን ክስርሕ ማለት’ዩ። ብዝተረፈ ጉዳይ ሰላም ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዝተመርኮሰ ዝኾነ ሕጋዊ ለውጥን ስምምዕ ከይተበጽሐ ህዝቢ ተራኸብ ኢልካ ምዅብኳብ ቅንዕና ዘለዎን ንሙሉእ ሰላም ዝመርሕ ዘብጽሕ ዘይመስል’ዩ።

ቅድሚ ኩሉ ከም ርዱእ ክውሰድ ዘለዎ ተደመር ብዝብል ክልተኣዊ ስያመ ሰላም ይትረፍስ ፡ ብተናጽል ክልቲኤን ሃገራት ዘለዎኦን ዝሓልፍኦን ኩነታት ብግቡእ ተገምጊሙ ክጽናዕ ይግባእ።  ብድሕሪኡ’ዩ ከኣ ሰላም ከዕወት ዘኽእል መንገዲ ሓባራዊ ልምዓትን ምጣነ ሃብታዊ ዕብየትን ክዝተየሉ ዝሓሸ ክኸውን ዝኽእል። እንተዘየሎ ሃንደበት ሰላም ተባሂሉ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝተኻየደ እንታይ ዓይነት ርክብ ምዃኑ ህዝቢ ምልላይ ስኢንዎ ዘሰምደ፡ ዘደናገረ ምንባሩ ብዙሕ ዘዛረበን ዘዛርብ ዘሎን’ዩ።

ብሕጽር ዝበለ ኤርትራውያን ዘለዎ ሃለዋት ኣልዒልካ ምዝራብ ንህሉው ኩነታት ሰላም ሚዛን ክህብ ዘኽእል ኩነታት ሓባሪ ይኸውን፡ ካብኡ ሓሊፉ ብወገን ኤርትራ ውሽጣታዊ ሰላምን ሓርነቶም ኣመቱ ዘይብሎምስ ብዛዕብ ሰላምን መሰል እንዳማቶም ከእንግዱ ዘይከኣል’ዩ ዝኸውን። ምእንቲ’ዚ ቅድም ቀዳድም ኤርትራ ከም ህዝብን ሃገርን ብክልተ እግሩ ጠጠው ኢሉ ማለት ቅዋሙ፡ ሕገ መንግስቱ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ’ዩ ክሙጉት ዝኽእል ንማለት’ዩ። ኣብ ፍሉ ኩነታት’ውን ቆጽሊ ዘውደቅሎም መራሕቱ’ኳ ብዘይ ውዕል ንዝገብርዎ ውዕል ሰላም ክቅበሎን ከይቅበሎን ቅዋምን ሕገ መንግስትን ማዕረ ክንደይ ካብ ሓደጋታት ክከላኸለሉ ዘኽእል ሓይሊ ምህላዉ ክርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። እሞ ደኣ ሕጂ ሙሉእ ሓርነት ሰላም ዘይብሉ ህዝቢ፡ ብሓይሉ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ስሓሒቡ ጓቲቱ ኣምጺኡ ሰላም ተቀበልዎ ንዝበሎም ብኸመይ መዐቐኒ ኣሚኖም ቀሲኖም ክቅበልዎ ይድለ ኣሎ።

ሰላም ጽቡቕ እንድዩ፡ ግን ከኣ ሰላም ቆዋምን ነባርን መታን ክኸውን፡ ሕጋውነት ሰላም ከኽበር ይግባእ። ኣህጉራዊ ስምምዕ ሰላም ኣሎ። እዚ ከኣ ድሮ ካብ ዝውዳእ 17 ዓመታት ሓሊፉ እዩ። ብኡ እንተ ዝጅመር’ውን ሕማቕ ኣይምነበረን። ሰላም ንክትቆውም ሕግታት ሰላም ዘሪግካ ኣይከኣልን። ሕግታት ሰላም ምስ ተማልአ ከኣ ሰላም ይመጽእ። ሰላም ንኣዓ ዘቁም ሕግታት ከይተኸበሩ ኣብ መድረኽ ሰላም ክብጻሕ ኣይከኣልን ።

ኣብ 1977 ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ነጻ ወጺእሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ምልካዊ ስርዓት ደርግ ሰላም ኣሎ ይበሃል ነይሩ። ክሳብ ኢህወድግ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ እዛ ቃል ሰላም ኣይጠፍአትን ዝነበረት። ብግብሪ ግን ህዝቢ ይጭፍጨፍ ይስደድ ይሳቐ ዝነበረሉ እዋን’ዩ። ምእንቲ’ዚ ሰላምን ንሰላም ዘብጽሕ መስርሕ ከዋዊልካ ክኸውን ኣይከኣልን።

 ምእንቲ’ዚ ላዕለዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ጎረባብቶም መጻምዲ ሰላሞም ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሃለዋት ኣይፈልጡን ክበሃል ኣይከኣልን፡ ብኣንጻሩ ስግር ማእከላይ ባሕርን ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዘለዉ መራሕቲ ይትረፍስ ተራ ህዝቢ ዝፈልጥዎ’ዩ። እሞ ከመይ ደኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰላም ዝረገጸ ስርዓት እንዳረኣኻ፡ ህዝቡ ሰላም ዝኸልአ ስርዓት እንዳረአኻ፡ ሰላም ዓዶም ስኢኖም ሰላም ጎረቤት ዝዳነገጹ ህዝቢ ኣብ ትሕተኦም ማእለያ ዘይብሎም ህጻናት መንእሰያት ሽማግለታት ምስክረነት ግዳይ መጻኢ ውዕል ሰላም እንዳረአኻ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ፖለቲካውያን ኤርትራ ሓይልታት ኣጊድካ ፡ ተቃወምቲ ሃይልታት ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃ ግብጺ፡ሱዳን፡ኤርትራ እንዳኣኻኸብካ ምስ ዝተገድዐ ዝተወጸዐ ህዝቢ፡ ሰላም ፍቕርን ክልተ ህዝቢ ኢልካ ትጭርሕን ትዝምርን ዘይካኣል’ዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11124

Posted by on Aug 20 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net