ወፍሪ ሓመድ ድበ ንጉጅለ ምልኪ

hgdf

(ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ክቃለሶ ዝግባእ ዝዓበየ እዋናዊ ሚስጢራዊ ሰነድ ህግደፍ)

ሎሚ ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝተዳለወ ግዜ ክወሃቦ ዘይግባእ እዋናዊ ሚሲጢራዊ ሰነድ ህግደፍ ይፍንወልኩም፡፡ ኣንጻር’ዚ ብተንኮል ዝተብዓጠ ሰነድ ኩሉ ፈታዊ ሃገሩ ዓቢ ንእሽቶ፡ ቆልዓ ሰበይቲ፡ ስንኩል ጥዑይ ከይፈለየ በቢዓቕሙ ክዋሰአሉን ክቃለሰሉን ይግባእ፡፡

ምእንተ’ዛ ብዓሰርታት ኣሻሓት ዝተኸፈልዋ ኤርትራ፡ ምእንተ ንስለ ናጽነት ቀያሕቲ ደቆም ዘወፈዩ ምዑታት ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ምእንተ’ቶም ፎቖዶ ጎዳጉዲ ህግደፍ ዝሓቐቑን ዝጸነቱን ኣያታትናን ኣሕዋትናን፡ ምእንተ’ቶም ፍቕዲ ኣጻብዕቲ ዝተረፉ ኣብ ትሕቲ ጎዳጉዲ ኢሳይያስ ኮይኖም ንፋስ ሓርነት ዝናፍቑ ቅዩዳት፡ ምእንተ ኣብ ፈቖዶ ኣጻምእ በረኻታት ሲናይ ዝተቐዝፉ ዜጋታት፡ ምእንተ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድራር ዓሳ ዝኾኑ ዜጋታት፡ ምእንተ’ቶም ብዘይ ሓጋዚን ቀባሪን ዝተረፉ ወለዲ፡ ምእንተ’ቶም ሃገር ከምዘይብሎም መዓስከራት ጎረባብቲ ሃገራት ኣጻቢቦም ዘለው ስደተኛታት፡ ምእንተ’ታ ንናጽነት ደም ዝፈሰሰላን ዝተነብዓላ ክብርቲ ባንዴራን ምእንተ’ቶም ብዕለት 3 ሚያዝያ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ዝተቀዝፉ መንእሰያት…ዝኾነ ኤርትራዊ ክቃለሰሉ ዝግባእ ዓቕሊ ጽበታዊ ስቱር ውዲት ህግደፍ ዘረጋግጽ ሰነድ እንሆ፡፡

እዚ ሰነድ ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ተዳሊዩ ብስም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ- ክፍሊ ጠረጴዛታት ዝወጸ ናብ ኩለን ሚሺናትን ጠቕላሊ ቆንስሊያታትን ዝተለኣኸ ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ክኣ ኣንጻር ባይቶ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣጻራዬ ኮሚሽን ሰብኣዊ መስልን ፍሉይ ራፖርተርን ውሁድ ተቓዉሞ ብምግባር ብውጽኢቱ ዓለም ዝፈንፈነቶ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ረኺቡ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዘዳለዎ ናይ ኣፍ ሞት ሰነድ እዩ፡፡ “ዓለም-ለኸ ኤርትራዊ መኸተ ንፍትሒ” ዝበሃል ብስም ፍትሒ ዝሽቅጥ ትካል ብምጥያስ፡ ክካየድ ዝጸንሐ ህግደፋዊ መኸተ ንምቅጻልን ንምድልዳልን ዝተዳለወ ኢሳይያሳዊ ሰነድ ከምዝሕብሮ ብኣስገዳድን ብወለንታን ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ናይ ተቓዉሞ ፊርማታት ብወረቐትን ብኢንተርኔትን ብምእካብ ንባይቶ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓናት ከቕርቡ ወጢኖም ኣለው፡፡ ኣብ ቀረባ ዝወጸ ሓድሽ ታሴራ (መንነት)፡ ፓስፖርትን ካልኦት መሳልጢ ውልቃዊ ደኩሜንታትን ከም ትሕጃ ብምጥቃም ዜጋታት ንምስላጥ ናብ ኢምባሲሳታትን ቆንስላትን ምስ ዝኸዱ ብጎኒ ብኣስገዳድ ነቲ ቅጥዒ ክመልእዎ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ምልካዊ ጉጅለ ኢሳይያስ ዝተኻየዱ ተቓዉሞታትን ዝተረኸበ ዓወታትን ንምፍሻል ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ዓቕምታቱ ጸንቂቑ ክረባረብሉ ዝወጠኖ ሰነድ፡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኩሎም እሙናት መሓውራት ህግደፍ ክረባረብሉ ተሓቢሩ ኣሎ፡፡ “ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን ልዕሊ’ዚ ካልእ ዋኒን የብልናን” ብምባል ሕድሕድ ዝተወጠነ መደብ ንምትግባር ብትእዛዝ ኢሳይያስ ሚሊዮናት ዶላራት ተሰሊዑሉ’ሎ፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ !!
ካብ ዕለት 16 ሚያዝያ ጀሚሩ ክሰርሓሉ ዝተወጠነ ነዚ እዋናዊ ሰነድ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኩሉ ግዱስ ዜጋ ክባጻሕ ብምግባር ብዕቱብ ከንብቦን ክርድኦን እንዳተላበኹ፡ ብምቕጻል’ዚ መልክዑ ቀይሩ ነቲ ኣብ ድርኩኺት ዕርበት ዝርከብ ጉጅለ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ተሓሲቡ ብዝለዓለ ኣወዳድባ ክትግበር ዝተወጠነ ሰነድ ብስምረትን ሓድነትን ኩሉ ደላይ ፍትሒ ንምፍሻሉ እቲ ዝለዓለ እዋናዊ ዕማምና ክኾውን ኣለዎ፡፡ ከም ሳክቲዝም ብወገነይ ነዚ መደብ ንምፍሻል ብቀጻሊ ክንገብሮ ዝግባእ ዝተራአዩኒ ሓሳባት ከምዝቅጽል ክገልጽ እፈቱ፡-

1. ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዘሎና ሃሊና ዝርዝር መደባት እዚ ክፋእ ጉጅለ ካብዚ ሰነድ ብምርዳእ በቢዝጥዕመና ህዝብና ክርዳኦ ብምግባር ነቲ ጻውዒት ክነጽጎን ምሉእ ብምሉእ ከፍሽሎን ክንቃለስ ኣለና፡፡

• ንምፍሻል እዚ እዋናዊ ውዲት ብወገና እውን ክንገብሮ ዝግባእ ኣኣብ ዘለናዮ ሃገር ኮይና ብተናጸልን ብዝተወደበን መልክዕ ንጸብጻብ ተቆጸጻሪት ጉጅለ ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድግፍ ፊርማታት ብምትእኽኻብ ናብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክንልእኽ ኣለና፡፡
• “ብዓማጺ ጉጅለ ኢሳይያስ ዝተኣሰሩ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ይፈትሑ” ዝብል ፐቴሽን ኣኪብና ናብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክንልእኽ ኣለና፡፡ ቆርበት በጊዕ ለቢሱ ዓለም ከደናግር ዝህቅን ዘሎ ተኹላ ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝፈጸሞ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምጽናት ወለዶታትን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብዝግባእ ንክርደኦ ክንቃለስ ኣለና፡፡

2. ተጣበቕቲ ንሰብኣዊ መሰላትን ንኣባላት ሲቪክ ማሕበራትን፡ ኣብ መላእ ዓለም ብውልቀን ብዝተወደበ ኣገባባት ኣብ ምሕላቕ መሰል ዜጋታት እትነጥፉ ዘለኹም ኣሕዋት ኤርትራውያን ነዚ ሰነድ መሰረት ገይርኩም ንኹለን ዓለም ለኻዊያን ውድባትን ወከልትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ተተርጊሙ ክባጻሕ ክትገብሩ ይግባእ፡፡ ድምጽና ድምጺ ደለይቲ ፍትሒ ንኽስማዕን መንነት ሒደት ሰዓብቲ ዓመጺ ክቃልዑን ኣብ መላእ ዓለም ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 26 ዝተገብረ ዓለም ዘደነቐ ኣኼባታትን ሰለማዊ ሰልፍታትን ክካየድ ምውዳብ የድልየና ኣሎ፡፡ (ብካልኦት ቋንቋታት ንምትርጓም ዓቕመይ ድሩት’ዩ)

3. ሰራሕተኛታት ዓለም ለኸ ውድባትን ሙሁራትን፡ እዚ ሰነድ ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ምስ ዝወጽእ ጸብጻብ ተቆጸጻሪት ጉጅለ ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ተወሳኺ መረዳእታ ኮይኑ ክቐርብ እጃምና ነበርክት፡፡ ብፍላይ ሙሁራት መደባት ሰሪዖም ብዛዕባ ዝርዝር ትሕዝቶታት ሰነድ ህግደፍ ብምምያጥን ብምትንታንን ህዝብና ብደቂቕ ክርደኦ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከበርክቱ ይግባእ፡፡

4. ጋዜጠኛታት፡ ብሎገራትን ስነ-ጥበበኛታትን፡ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብሞያኹም ክተማእዝንዎ ይግባእ፡፡ ስለዚ ነዚ እዋናዊ ህግደፋዊ ውዲት ንምብርዓን ናብ ህዝብና ክባጻሕ ሞያዊ ሓላፍነትኩም ክትገብሩ እላቦ፡፡ ብመሰረት’ዚ ኩሉኹም ጸሓፍትን ስነ-ጥበባውያንን ነቲ ውጽዕ ህዝብና ክነፍልጦ ኣብ ኢንተርኔት (ፌስቡክ፡ ዌብሳታት፡ ፓልቶክ፡ ቲዊተርን) ኣብ ራዲዮን ቴሌቭዥናትን ክቐርብ ብምግባር ንቕሓት ህዝብና ብምብራኽ ናብ ዘይዕጸፍ ህዝባዊ ማዕበል ክነሰጋግሮ ይግባእ፡፡ ብዓቕመይ ዘሎኒ ርእይቶታት እዚ ዝገለጽኩዎ ኮይኑ ካብዚ ንላዕሊ ክውሰድ ብዛዕባ ዝግበኦ መደባት ንምትግባር ዝለዓለ ምድላዋት ከምተካይዱ ብልቢ ይኣምን፡፡

ብሓፈሻ ብውሽጥን ግዳምን ተፈንፊኑ ዘሎ ጉጅለ ኢሳይያስ ትልኽ እንዳበለ ኣብ ሰንከልከል ይርከብ፡፡ ኣብ ሃገርና ንዓመታት ዘይተመለሱ ህዝባዊ ሕቶታት ናብ ግሉጽ ተቓዉሞታት እንዳረዓሙ፡ ማሓውራት ህደግፍ ተበታቲኹ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘይምትምማንን ምትፍናንን ሳዕሪሩ፡ ቑጠባዊ፡ ወትሃደራዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊ ክሳራታት ሓይሉ ከም መንግስቲ ክቑጸረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ስለ ዝርከብ “ኣለኹ” ንምባል ጥራይ ኣብ ጽንብልን ዳንኬራን ተኸዊሉ ኣሎ፡፡

ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝነብር ህዝቢ ከም መትከል ንመሰረታዊ ድልየታቱ ብምዕንቃጽን ብምኽልካልን ብኩፐን፡ ብጤሳ፡ ብምፍራስን ክልከላ ምህናጽ ኣባይትን፡ ብምሕራም ካብ ማሕበራዊ ቀረባት (ከም በዓል ማይ ልቺ ላምባን)፡ ብመቕጻዕቲ ስግረ ዶብ፡ ካልኦት ትሕጃታትን ብምጥቃም ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ጸኒሑ፡፡ ከም መቐጸልታ ከኣ ኣብ ግዳም ዝነብር ህዝቢ ቅድሚ ሕጂ ብቦንድን ካልኦትን መቐየድታትን ክሕዞ ፈቲኑ እዩ፡፡ ሕጂ ከኣ ነዛ ናይ ሞትን ሕዮትን ዝኾነት ሰነድ ንምትግባር ኢምባሲያዊ መሳለጢያታት ከም መዐንቀጺ ክጥቀመሉ ወሲኑ ኣሎ፡፡

ኩሉ ኤርትራዊ ተረዲእዎ ኣንጻር ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ዝለዓዓለሉን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ ጉርሒን ሽርሒን ጉጅለ ኢሳይያስ ፈሊጥዎ ዝያዳ ዲፕሎማሲያዊ ጸቕጥታት ኣብ ዘበረኸሉ ህሞት ስለ ዝበጻሕና ካብዛ መጻብቦ ንምውጻእ ብዝመሃመነ ዓቕሙ ሚሊዮናት ሰሊዑ ዝወጠኖ ሰነድ ብምፍሻል ን “ወፍሪ ሓመድ ድበ ምልኪ” ክንቀላጠፍ እላቦ፡፡

(ክቡራት ነበብቲ ንቅዳሕ ክምችኣኩም ነቲ ሰነድ ብመልክዕ ስእልን ስካንን ይፍንወልኩም፡፡ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ክባጻሕ ሼር ኣብ ምግባር ሕጂ እውን ኣይትሕመቑ)      https://www.facebook.com/permalink.php?story_fbid=1068953313169353&id=1022238184507533

 

Source : ERISSER

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10288

Posted by on Apr 21 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net