መዓለሽ’ስ እንብዛ’ኳ በዚሑ!!

ሳልሳይ ክፋል

ክቡራት ኣንበብቲ ብመሰረት’ቲ ዝኣተክዎ ቃል እንሆ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ሒዘልኩም ቀሪበ፡-

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ብጀካ’ቲ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቱ ዘጋጥምዎ ዝተፈላለዩ ሓርጎጽጎጻት ንከቢድ ቅልውላው ዘምርሑ ሰለስተ ዓበይቲ ክስተታት ከም ዘጓነፎ ካብ ማንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዞም ሰለስተ ንከቢድ ቅልውላው ዘምርሑ ዓበይቲ ክስተታት ኣቶ በሺር እስሓቕ ብክንድ’ቲ ኣብ ስልጣን ብምድያብ ንምምራሕ ዘለዎ ስሱዕ ጥሙሓትን ግብራዊ ምንቅስቓስን ክምዘን ከሎ፡ ጉዳዩ ከምቲ በዓል ኣመል ኣመሉ ነይገድፍ ዝበሃል ምስላ’ዩ። ኣቶ በሺር እስሓቕ ምንጭን መሪሕን ናይቲ ጸገማት ወይ ድማ ኣብቲ ዝተፈጥረ ግርጭታት ድሑር ዝንባሌታት ክምዝምዝን ከሳውርን ምርኣይ ካብቲ ብግብሪ ዘንጸባርቕ ልሙድ ተርእዮታት’ዩ። እዚ ጭቡጥ ራእይን ተግባራዊ ምንቅስቓስን’ዚ ንፖሎቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝጻረር፡ ንሓድነት መላእ ኣካላቱ ድማ ዓቢ ሓደጋ ምዃኑ ይእምት። ነዚ ብጭቡጥ መርትዖታት ንምድጋፍ ዝኣኽል ድማ፡-

ንመሪሕ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጅግናን ስውእን ሓምድ እድሪስ ዓወተ ኣመልኪቱ ብደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ /ደምሓኩኤ/ ዝተዋህበ ውድባዊ መግለጺ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን መላእ ኣካላቱን ሓደ ካብቲ ዓቢ ቅልውላው ዝፈጠረ ጉዳይ ምንባሩ ኣይዝንጋዕን። ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ መሪሕ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ፡ ብጀካ’ቲ ውድባዊ መግለጺ ዝውጽአ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ /ደምሓኩኤ/ ኣብቶም ካልኦት ኣካላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝኾነ ፍልልይ ኣይነበረን። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ብደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ /ደምሓኩኤ/ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡ ግዚኡ ዘይምንባሩ ኣካታዒ ጉዳይ ኮይኑ፡ ሓደ ክፋል ሕ/ሰብ ብዝኾነ ኣካል ተበዲለ ብምባል ቅሬታን ስምዕታን ከቕርብ መሰላት ይህልዎ’ዶ ኣይህልዎን ዝብል፡ ነቲ ዝተፈጥረ ቅልውላው ኣብ ኣገባብ ኣፈታትሕኡ ብዝምልከት ግን ፍልልይ ነይሩን ክሳብ ሕጂ’ውን ኣሎን።

ምስዚ ጉዳይ’ዚ ብምዝማድ ኣብ ኣካላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝተፈጥረ ፍልልይ፡ ገለ ፖሎቲካዊ ውድባት ዝሓዝዎ መርገጻት ዘይመልክዑን ዘይትርጉምን ብምሃብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሕ/ሰብን መርበብ ሓበሬታታትን ክሰራሰር ወይ ክምዝመዝ ዝፍተን ዝነበረ ድሑር ስምዒታትን ዝንባሌታትን ብጣዕሚ ካብቲ ዘሕዝን ተርእዮ ነበረ። ኣብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብጭቡጥ ዘንጸባረቐ ተርእዮ ምንባሩ’ውን ኣይዝንጋዕን። ኣብዚ ቅልውላው’ዚ ዝሓዝዎ ውድባዊ ጽፍሕታት ብዘየገድስ፡ ድሑር ስምዒታትን ዝንባሌታትን ከሰራስሩ ወይ ክምዝምዙ ዝፍትኑ ብዙሓት ምንባሮም ዘይሰሓት’ኳ እንተኾነ፡ ኣቶ በሺር እስሓቕ ግን ብፍላይ ካብቶም መሪሕ እጃምን ተራን ዝጻወቱ ከም ዝነበረ ዝኸሓድ ኣይኮነን። እዚ ብወገነይ ነቲ ቅዱስ ራእይን ሰናይ ተበግሶን ዝወሰደ ጅግናን መሪሕን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ክብሪ ዘይህብን ዘነኣእስን ምዃኑ ይኣምን። ምክንያቱ ድማ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ ክብገስ ከሎ ንፍሉይ ሕ/ሰብ ዝጣበቕ ወይ ዝውክል ፖሎቲካዊ ራእይን ተበግሶን ስለ ዘይነበሮ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣቶ በሺር እስሓቕን ኩሎም ንዕኡ ዝመስሉ ኣካላትን ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ ብዝተበገሰሉ ቅዱስ ዕላማን ተግባራትን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐርቦን ዝርሕቆን ክፋል ሕ/ሰብ ዘይምህላዉ ብንጹር ክፈልጡ ይግባእ።

ብድሕሪ ምዝዛም ሃገራዊ ጉባኤ ኣዋሳ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ኣባልነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብምውጽኡ ተተሓሒዙ፡ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ምስ ተወድአ፡ ንዶ/ዮሱፍ ብርሃኑ ካብ መዝነቱ ብምውራድ፡ ኣቶ በሺር እስሓቕ ንቦትኡ ክትክእ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከም ሓሳብ ተታሒዙ ምንባሩ ስውር ምስጢር ኣይነበረን። እዚ ብዝተፈላለየ ምክንያታት ግዜ እናበልዐ ብዝኸደን 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ክጋባእ ተታሒዝሉ ዝነበረ እዋን እናተቐራረበ ብምምጽኡን ረብሓታት ዘይብሉ ምዃኑ እናተረጋገጸ ምስ መጸ፡ ብዘይዝኾነ መተካእታ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብመሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንምውራዱ ብዙሕ ምጉያይ ተካየደ። እዚ ብውሳኔ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝተበገሰ ሓሳብ ይኹን ደኣምበር፡ ኣቶ በሺር እስሓቕ ካብቶም ቀንዲ ምስ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ሕሽኹሹኽ በሃልትን ድራማታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣካላትን ምንባሩ ድማ ክኸሓድ ዝኽእል ኣይኮነን። ዶ/ዮሱፍ ብርሃኑ ካብ ሓላፍነቱ ብሕሽኹሹኽ ኣቶ በሺር እስሓቕን ብሃንደበታዊ ውሳኔ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምስ ምውራዱ ተታሓሒዙ ድማ ባይቶ ናብ ሓድሽን ከቢድን ቅልውላው ክኣቱ ግድን ኮይኑ። ኣቶ በሺር እስሓቕን መሰልቱን ግን እቲ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝተፈጥረ ቅልውላዉ፡ ኣብ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ጉድኣትን ክሳራታትን የብጽሕ ምንባሩ እንዶ ኣይነበሮምን። ዶ/ዮሱፍ ብርሃኑ ዋላ’ኳ ብክንደይ ቃልሲ ኣብ ሕጋዊ መዝነቱ እንተተመልሰ ብሳዕቤናቱ ኣብ መንጎ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን እናቐጸለ ዝኸደ ዘይምቕዳው ሓደ ካብቲ ህጹጽ ኣኼባ ክጽዋዕ ዘገደደ ምክንያታት ነበረ።

ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ምስቲ ኣቐዲሙ ተፈጢሩ ዝነበረ ቅልውላውን መንፈሳትን ብምዝማድ፡ ብውዑይ ክትዓትን ሓርጎጽጓጻትን ክሓልፍ ባህርያዊ’ዩ ነይሩ። እዚ መድረኽ’ዚ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣኼባታት ክዛመድ ከሎ ግን ዓሚቕ ገምጋማት ዝተካየደሉ፡ ብዙሕ ንጹራት ፖሎቲካዊ ውሳኔታት ዝተመሓላለፈሉን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ባህሊ ዘይተለመደ ሓድሽ ተበሶግታት ዝተወስደሉን ብኣውንታ ዝልለ መድረኽ’ዩ ነይሩ። ኣብ ፖሎቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝነበሩ ሕጽረታት ብንጹር ኣለልዩ። ኣብ መንጎ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣካታዒ ዛዕባ ኮይኑ ዝነበረ ጉዳይ ሓላፍነታትን ዕማምን ኣነጺሩ። ቀንዲ ዕማምን ሓላፍነትን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣሰናዳኢት ሽማግለን 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ምዕዋት ምዃኑ ብግቡእ ኣቐሚጡ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድማ ሓውሲ ነጻ ኣካል ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዝሰርሕ ተክኒካዊ ሽማግለ ምዃና ውሳኔ ኣሕለፉ። ንድፊ ሰነዳት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ተዳልዩ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ምስ ተሰማምዓሉ ክወርድ’ውን ሓንጸጸ። ቀንዲ ዕማምን ሓላፍነትን ክልቲኡ ኣካላት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ምዕዋት ክሳብ ዝኾነ ተወሃሂዱ ዞባዊ ሽማግለታት ከቕውም’ውን ኣረጋገጸ። 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ 6ተ ክሳብ 8ተ ወርሓት ኣብ ዘሎ ግዜ ክጋባእ ንጹራት ውሳኔታት ወሰደ። ብሓድሽ መንፈስ ንምጅማር ድማ ኩሉ ኣካል ናይቲ ዘይምቕዳው ዝነበረ መሪሕነታት ብምልኡ ካብ ሓላፍነታቱ ብገዛእ ፍቓዱ ክወርድ ሓቲቱ ወረደ። ከምዚ ዓይነት ተበግሶታት ድማ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጥ ሓድሽ ባህሊ ብምንባሩ፡ ክቡር ምስግና ብድሕሪ ምቕራብ ክተባባዕ ከም ዝግብኦ ተወስደ።

ኮይኑ ግን’ቲ ክተባባዕ ዝግብኦ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓድሽ ባህልን ኣውንታዊ ተበግሶን ዝተወስደ፡ ብኣቶ በሺር እስሓቕ ክበላሾ ግዜስ ኣይወስደን። እቲ ብገዛእ ርእሱ ካብ ሓላፍነት ክወርድ ፍቓደኛ ኮይኑ ዝተረኸበ መሪሕነታት ተመሊሱ ኣብ ቦታ ሓላፍነት ክመጽእ ኣይግባእን ዝብል ዝነበረ ሓፈሻዊ ምርድዳእ ሽዑ ንሽዑ ብኣቶ በሺር እስሓቕ ተጎስዩ ብሃንደበት ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክኸውን ሎቢ ክገብር ምስ ጀመረ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ካልእ ሓድሽ ቅልውላው ከይወድቕ ከቢድ ስክፍታን ስግኣትን ወለደ። ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ብኣቶ በሺር እስሓቕ ሎቢ ምስ ተበገሰ ንገለ ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን እንታይ’ዩ ጉዱ? ተባሂሎም ክሕተቱ ከለዉ ኣካል ናይቲ ከቢድ ስክፍታን ስግኣትን ምዃኖም ይገልጹ ነበሩ። ካብኡ ዝዘለለ’ውን ዓገብ’ዩ ኢልና  ኩሉ ዝለገስናሉ ሕውነታዊ ማዕዳታትን ምክርታትን ፍጹም ክሰምዕን ክቕበልን ብዘይምኽኣሉ፡ መዓለሽ ካልእ ሓድሽ ቅልውላው መታን ከይፍጠር በጃኩም ንስገሮ ዝብል ሓሳብ ምስ ኣምጽኡ ድማ ከም ቅቡል ተወሲዱ ተሰግረ። ምስቲ ሕጂ ዝተፈጥረ ቅልውላውን ንዕኡ ንምፍታሕ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተታሒዙ ዝጸንሐ ኣንፈትን ክምዘን ከሎ፡ ሽዕኡ ኣካል ናይቲ ስክፍታን ስግኣትን ኮይኖም ክሳብ ክንደይ ሕውነታዊ ማዕዳታትን ምክርታትን ይልግስሉ ነይሮም? ክትጠራጠር የገድድ።

ብፍላይ ድማ ሓደስቲ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ምስ ተመረጹ ብክልተ ምክንያታት እቲ ስክፍታን ስግኣትን ብዝያዳ እናረጎደ መጸ። በቲ ሓደ ወገን ኣቶ በሺር እስሓቕ ኣብ ልዕሊ’ቲ ክንድ’ዚ ዝኣኽል ረዚን ሓላፍነት ክስከም ፖሎቲካዊ ብቅዓትን ተጻዋርነትን ዘይብሉ ምዃኑ፡ እቲ ልሙድ ናይ ምዝራግ ባህርያቱ ዝወልዶ ስክፍታን ስግኣትን’ዩ ነይሩ። ብካልእ መዳይ ድማ እቶም ሓደስቲ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክኾኑ ዝተመዘዙ ኣካላት ብምልኦም፡ ብዕድመ ዝነኣሱን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፖሎቲካዊ ልፍንትታት ብደረጃ ሓላፍነት ልሉያት ስለ ዘይነበሩን ኣቶ በሺር እስሓቕ ከም መሳትኡ ክርእዮም ስለ ዘይኽእል ንዕኦም ግቡእ ክብሪ እናሃበ፡ ብእኦም ክምራሕን ክምእዘዝን ክሳብ ክንደይ ቅቡል ክወስድን ነብሱ ኣመዓርዩን ኣዳልዩን ኣሎ ካብ ዝብል ዝብገስ ነበረ። ብዝኾነ ናይቲ ሽዑ መዓለሽ ዝወለዶ ሸለልትነት ከምቲ መዓለሽ ከመል ኣልጀሽ ዝበሃል ምስላ እንሆ ሎሚ ዋግኡ ክንኸፍል ግድን ኮይኑ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ናብ ሓድሽ ቅልውላዉ ክኣቱ ተገዲዱ ኣይስሩር ኣይምውት ኮይኑ ይሳቐ። ስለዚ መዓለሽ ዘምጽኦ ክሳራታት ክሳብ ክንድ’ዚ እንተኮይኑ፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሸለልትነት ተመክሮ ክንወስድን ተሓታትነት ክህሉ ይግባእን ንዝብል ሓሳብ ንኣቶ በሺር እስሓቕ፡ ኣቶ ፍስሃ ናይር፡ ኣቶ ኣቡበከር ፍሬታይን መሰልቶምን ንምንታይ ክንድ’ዚ ዝኣኽል ዓቕሊ ጽበትን ምዕልባጥን ፈጠረሎም? ናይዚ ሕቶ’ዚ መልሲ ሕጂ’ውን ንዕኦም ዝምልከት ጥራይ ይኸውን።

ክቡራት ኣንበብቲ ክሳብ ራብዓይ ክፋል ትሕዝቶ ጽሑፈይ ሒዘልኩም ዝቐርብ ሰናይ ቅነ በዓል ነጻነት ክኾነልኩም ብልቢ ይምነ። ሕጂ’ውን ንስለ’ቲ ሓቅን ንስለ’ቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ንጻዕዳ ጻዕዳ ንጸሊም ድማ ጸሊም ክብሉ ዝኽእሉ ኣካላት የተባብዕ።

 

ብፍረ ሓቂ ዓወት

17 ግንቦት 206 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10331

Posted by on May 17 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net