ናይ ሓዘን መግለጺ

Eritrean Solidarity Movement for National Salvation ዕለት፡

14 ጥሪ 2017

ናይ ሓዘን መግለጺ

ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብ ዜና መስዋእቲ ገዲም ተቃላሳይ ዶ/ር ሃብተ

 

ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ሰብ ፍጡር ሓንሳብ ኢዩ ዝነበር። ዘልኣለማዊ ነባሪ ዘይምዃኑ ከኣ ኩሉ መዋቲ ኢዩ። ኣብ’ዛ ሓንሳብ ንነብረላ ዓለም ግን፡ ነዛ ሓንቲ ዕድል ብሂወት ኣብ ዝነብርሉ እዋን ታሪኽ ክሰርሑ፡ ኣብ ዕለተ ሂወቶም ሓንሳብ ኣብ’ዛ ሓደ እዋን ገዲፎማ ዝኸዱ ዓለም ገለ ኣብርኪቶም ዝሕልፉ ግን ዉሓዳት ኢዮም። ገለ ንዓለም ዝጠቅም ምህዞታት ይፈጥሩ፡ ገለን ከኣ ኣንጻር ጭቆና ዓፈናን ምልክን ይቃለሱ። ገዛእ ርእሶም ንስለ ብዙሓት ጭቁናት፡ ንእስነቶም፤ ዕድመኦም፡ ዕድላቶም ክሳብ ህይወቶም ይብጅዉ።

ገዲም ተጋዳላይ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያ ሓደ ካብቶም ብዙሕት መላእ ህይወቶም፡ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ንናጽነት ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ሃጸይ ሃይለስላሰ/ ደርጊ ኢሰፓ፤ ደኺመ ሰልክየ ከይበለ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ኣንጻር ገባትን ኣጽናትን ጉጅለ ህግደፍ ንሓርነት ዘቃለሱን ዝተቃለሱን ሓርበኛ ኢዮም። ዶ/ር ሃብተ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ዝኾነ መልክዑን ሕብሩን ብዘየገድስ መዋእሎም ንናጽነትን ሓርነትን ዲሞክራስን ብጽንዓት ዝተቃለሱ ብሃራት ዉሉድ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፡ ኤርትራ ዘፍረየቶም ተቃላሲ ኢዮም። ንስለ ክብረትን ናጽነትን ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ክብሉ ዕድመ ልክዕ ዝተቃልሱ፡ ሓርበኛ ክጠፍኡ ከለዉ፡ ኣብ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ዓቢ ግድዓት ኢዩ።

ዜና መስዋእቲ ገዲም ሓርበኛ ተቃላሳይ ዶ/ር ሃብተ ምስ ተሰምዐ፡ ነፍሲ ወከፍ ተቃላሳይ ሓርነት ኣብ ዉሽጡ ከቢድ ሓዘን ክስምዖ ግድን ኢዩ። ገዲም ተቃላሳይ ዶ/ር ሃብተ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ኣብ ማህደር ቃልስታት ኤርትራ ዝተሰነዱ ምስሊ ቃልሲና ኢዮም። እንተኾነ ተሓለቅቲ ጭቁናት ኣካላቶም ደኣ ምውት ይኩን እምበር ስርሖም፡ ራኢኦም ታሪኾምን ንዘልኣለም ነባሪ ኢዩ። እቲ ኩሉ ዝዓየይዎ ስራሕ ከኣ ወትሩ ከም በራህቲ ካብ ርሑቅ ደሚቁ ክብርህ ክነብር ኢዩ።

ገዲም ሓርበኛ ተቃላሳይ ዶ/ር ሃብተ ካብዛ ዓለም ብድንገት ድኣ ይፈለዩ እምበር፡ እቲ ንእስነቶም ዝከፈልሉ ህዝባዊ ዕላማ ቅኑዕን ሓቀኛ ሰለዝኾነ ክዕወት ኢዩ። ገድላዊ ዕዮኦም ነባሪ ኢዩ። እወ ሰብ ነባሪ ኣይኮነን ሓላፋይ ኢዩ። እቲ ዘይመውትን ነባርን ግን ታሪኽ ኢዩ።

ሰለዚ ንዶ/ር ሃብተ ተሰፋማርያም ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ፡ ስድራቤትን ፈትወትን፡ እንተላይ ንኹሎም ተቃለስቲ ብጾቶም ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

 

ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራዉያን ንድሕነት ሃገር

14/ጥሪ/2017

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10582

Posted by on Jan 17 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net