ኣውሊዔይ… ኣውሊዔይ… ኣውሊዔየ
ኣውሊዔይ… ኣውሊዔይ… ኣውሊዔየ
ኣብ ኣኽሪያ….. ሰውራ ሓርነት ተባሪዓ
ኣውሊዔይ… ኣውሊዔይ… ኣውሊዔየ
ኣብ ኣስመራ……. ሸግ ሓርነት በሪሃ
***
ኣያ ሙሳ ዶ ክብለካ….. ኣቦይ ሙሳ
ሸኽ ሙሳ ዶ ክብለካ…. . ሓጂ ሙሳ
ኩሉ ኣስማትካ’ዩ… ኩሉ የጥዕመልካ
ምብርካኽ ዘይትፈልጥ ተባዕ ጅግና ኢኻ
****
ጅግና እንተበልኩኻ.. . . እወ. .. .ጅግና ኢኻ
ተባዕ እንተበልኩኻ.. .. . እወ.. . .ተባዕ ኢኻ
ኣንበሳ ኤሪትሪያ.. . . . . . ሸጥ ዝበለ መዓንጣ
ኣንጭዋ ሳሕል ኣንፈጥፈጠት ምስ ሰምዐት ድምጽኻ
*****
ካብ 60 ዓመታት ንላዕሊ.. ተቃሊስካ እንዲኻ
ደኺመ እንከይበልካ….. እንከይተሓለልካ
ኣቦ ሓርነት ፍትሒ…… ኣብሪህካያ ጩራ
ካብ ቤት ትምህርቲ ኣዲያእ ሰውራ እዊጅካያ
******
ኣደ ወሊዳ ትምከም… ኣይክንዲ ሽሕ እንዲኻ
ሸባብ ኣርራቢጣ…. ካብ ኣርባዓታት ጀሚርካ
ቀጺልካዮ ቃልሲ….. ምስ ማሕበር 7 ሓራካ
ምስ ፊዳኢዪን ጀብሃ….ምእንቲ ናጽነት ሃገርካ
***
እንታይ ዘይፈተንካ….. እንታይ ዘይገበርካ
ተወፋይነት ሓቦ…. ጽኑዕ ዘይስበር መንፈስካ
እምቢ ንምልኪ.. መሰለይ ኣይተንከፍ ዝበልካ
ኩሩዕ’የ በኣኻ ከዘንቱ…ንዘልኣለም ታሪኽካ
****
ኣንበሳ ወረቀት….. ሉሕሉሕ ሓሳኽ ስርዓት
ሸበድበድ ኣቲይዎ.. ድብልቕልቕ ምስ ፍርሃት
ሰዓቱ ኣኺሉ’ዩ.. … ጭፍራ ፍሽለት መዓት
ሓቢርና ንደርዕሞ..ንድፈኖ ብዘይ ክብሪ ስርዓት
*****
ኣቦ ትሪ ጽንዓት… . ፍትሒ ሕግን ትብዓት
በዲህካዮ ምልኪ…..መኻን ፍሹል ስርዓት
ጭፍራ ህግደፍ ቦኽባኽ.. .ጽረ ሕጊ ልምዓት
ዓገብ ንበል..ይኣክልንመከራ ሽግር ጥፍኣት
******
ህዝበይ ተላዓል… ተወደብ ተዓጠቅ ነቂሕካ
ዓቢ ምስ ንኡሽተይ…ዓላማታትካ ኣነጺርካ
እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ በል.. ሓቢርካ
ንምልካዊ ስርዓት በርቕቑ… ግዜ ከይወሰድካ
***
ይኣክል ጥርዓን ዘረባን…ንወደብ ንመክት ሓደ ኰንና
ሰዓት ፍትሒ ኣኺሉ’ዩ. …. ህዝበይ ተላዓለ ኣጆና
ዓወትና ናይ ግድን እዩ…ሽሕ እኳ እንተነውሐ ቃልስና
ኣይ ደቂ ከቢረ እንዲና.. ደቂ ዓዋተ..ደቂ ሓጂ ሙሳ
****
ብስራት… ብስራት… ንኹሉ ኤርትራዊ
ማዕበል ሓርነት ተላዕለ….. ዘይብሉ ዓጋቲ
ሓቢርና ንቃለስ….. መንእሰይ ምስ ዓበይቲ
ሓርነት.. ፍትሒ.. ክነልብሳ ልዑላዊት ዓዲ
ዓምር (ኣቡ ሙሓማድ)
12/01/2018
Short URL: https://english.farajat.net/?p=10919