ዶ/ር በየነ ኪዳነ ኣቦ-መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ምስ ድምጺ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን መደብ ቋንቋ ትግርኛ ዘካየዶ ቃለ-መሓትት፡፡

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳን (ቀዳማይ ወገን)

09.07.2007

 

ሕቶ – ዶ/ በየነ ኪዳነ ኣብዚ እዋን’ዚ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ከመይ ክግለጽ ይከኣል?

 

መልሲ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብዙሕ ጊዜ ደጋጊምና ንርእዮ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ካብ’ቲ ዝነበሮ እንዳኸፍአን እንዳብኣሶን ምኻዱ፡ ምጥቃስ እንተዘይኮይኑ እዚኣ ኣላ ዝተመሓየሸት ኢልካ ትርእዮን ትዛረበሉን ኣርእስቲ ኣይህልውን’ዩ። ብኹሉ መዳያቱ እታ ሃገር ናብ ምንቁልቋል ገጻ ካብ እተምርሕ ነዊሕ እዋን ኮይኑ ኣሎ። ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ብፖለቲካዊ ዓይኒ እቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ጉጅለ፡ ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ኣገባብ ተጠቒሙ፣ ነታ ሃገር ትንፋስ ከም ዘይትረክብ፡ ህዝቢ ኸዓ ርእይትኡ ከምዘይገልጽ፣ ብዘይካ’ዚ ሕቶ ከልዕል ንዝርአ ወይ ዝጥርጠር’ውን ሰፈሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምዃኑ፡ እዚ ብዙሕ መብርሂ ዘድልዮ ወይ ዘካትዕ ኮይኑ ኣይረኽቦን። እቲ ካብ ኩሉ ዘሰክፍ ተመልሲና ክንርእዮ እንከለና፡ እቲ ናይ መንእሰት ጉዳይ’ዩ። ናይ ትምህርትን ናይ ስራሕን ዕድላቶም ተበላሽዩ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ናይ ሓርነት እዋን ኣትሒዙ ኣብ’ቲ እስገዳድ ዕስክርናን ባርነታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተጸሚዱ ካብ ዝነብር ብዘይ ድሌቱ፣ ብዘይ ካሕሳን ብዘይ ዓስብን ካብ ዝነብር ነዊሕ እዋን ኮይኑዎ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ እዚ ስርዓት’ዚ እታ መጻኢት ዕድሉ ዝኾነ ሽግራት ፈጢርካ  ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝካየድ ውግእ ምንቋቱ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ዝጠፍአ ሂወት ኩላትና ንፈልጦ’ዩ። ድሕሪ ሕጂ’ውን እቲ ከቢብዎ ዘሎ ኩነታት ናብ’ዚ ገጹ ዘምርሕ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ናይ መጻኢት ኤርትራ ተቐባሊ ሕድሪ መንእሰይ ኣብ ሽግር ይርከብ ኣሎ።

 

ብቑጠባዊ ዓይኒ ክንርእዮ እንተኾይና እታ ሃገር፡ እቲ ስርዓት ጨቢጡ ዘሎ ጉጅለ እዚ ኩሉ ምንጭታት ማእቶት፡ ባህርያዊ ሃብቲ ሃገር ኣብ ትሕቲኡ ገቢቱ፡ ኤርትራዊ ብልሒ ኪኢላነትን ተዓጻጻፍነትን ኣልሚሱ ነታ ሃገር ናብ ዕንወትን ድቀትን ካብ ዘምርሓ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ስለ’ዚ እታ ሃገር እተፍርዮን ንደገ እትልእኮን ሃላኺ-ኣቑሑ የለን። ስለ ዝኾነ’ውን ካብ ወጻኢ ትረኽቦ ሸርፊ የለን። ስራሕ ኣልቦነት መግለጺ ብዘይ ብሉ መልክዑ ሰማይ ካብ ዘሃርም ነዊሕ እዋን’ዩ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ካብ ደገ ብዝረኽቦ ሓገዝ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ፋሓ ኢሎም ዘለው ኤርትራውያን ቤተ-ሰቡ ኣብ ተጸባይነት ዝነብር ዘሎ’ዩ። ስለ’ዚ ብሓጺሩ ሰብ ዝሰርሖ ጥምየት ኣስፋሕፊሑ ይርከብ። ምስ’ዚ’ውን ግቡእ ሕክምና ስለ ዘይረክብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከሳቕይዎ ይርከብ። ስለ’ዚ እቲ ኩነታት ብሓጺሩ እዚ’ዩ ኢልካ ክትገልጾ ኣብ ዘይከኣል መዋዳድርቲ ዘይብሉ ሕማቅ ኩነታት’ያ ትርከብ።

 

ሕቶ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብመንጽር’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ወጽዓን ነዚ ኩነታት’ዚ ንምቕያር እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ይቃለስ ኣሎ’ዶ ክንብል ንኽእል? ዘይቃለስ እንተ ሃልዩኸ እንታይ ክገብር ኣለዎ ትብል?

 

መልሲ፡ ንሕና ካብ’ዚ ቀረባ እዋን ብፍላይ እዚ ዋሕዚ ናይ መንእሰያት ካብ ሃገር እናወሰኸን  እናስፋሕፈሐን ካብ ዝኸይድ እዋን ጀሚርና ክንዲ ዝተኻእለ መጠን ምስ መንእሰያት እናተራኸብና ካልእስ ይትረፍ ጉዳይ ሃገሮም ክርስዑ ከም ዘይብሎም፤ ተመሊሶም ኤርትራውያን ምኳኖም’ውን ክዝንግዑ ከም ዘይብሎም፤ ኣብ ምስትምሃርን ምንጋርን ብጽሒትና ከነበርክት ጸኒሕና ኢና። ኮይኑ ግን እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ትሕቲ’ዚ ስርዓት’ዚ ከጋጥሞም ዝጸንሐ ሕሉፍ ዝሓለፎ ጭቆናን ግፍዕታትን ኣስካሕኪሕዎም ስለ ዝጸንሐ ነዚ ከም ኤርትራውያን ሃገራዊ ስምዒቶም ከይተረፈ ሃስዩ ስለ ዝርከብ መጀመርያ ቃልስና ነዚ ንደገ ገጹ ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ ሃገሩ ክዝክር፡ ተመልሹ ሕድሪ ተቐባላይ ምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝካየድ ፖለቲካዊ ቃልስታት ዝለዓለ ግድኡ ከበርክት ኣብ ምኽኣል ክንቃለስ ኣለና። እዚ ተሃስዩ ዘሎ ሃገራዊ ስሚዒት ከኣ፡ እቶም መንእሰያት ንባዕሎም ነንሕድሕዶም ብምርኻብ ክመኻኸርሉን ነቲ ብሰንኪ ኣስካሓካሒ ጭቆና ርሒቕዎም ዝጸንሐ ሃገራዊ ስሚዒት  መሊሱ ሂወት ክሰኩዕ ኣብ ምግባር ግዲኦም ክጻወቱ ክንመኸሮም ጸኒሕና ኢና። እዚ ዘገድደና ዘሎ ምኽንያት ከኣ፡ ጽባሕ እዚ መንእሰይ’ዚ ብትምህርቲ ኮነ ብዓቕሚ ብኒሕ ሃገራውነቱ ክመልሶ እነተዘይክኢሉ ኣብ ጽባሕ ትመጽእ ኤርትራ ዝትካእ መንግስቲ’ውን ሓያል ባይታ ሓያል መሰረት ክህልዎ ስለ ዘይኽእል እዚ መሰረት’ዚ ኣብ ምትካል ንሕና ይኹን ወላ መንእሰይ ብወገኑ ክስለፈሉን ክዕጠቐሉን ከም ዘለዎ ኢና ንርእይ። ነዚ ድማ ኢና ንቃለስ ዘለና።

 

ሕቶ፡ ከም’ቲ ኣቐዲምካ ዝጠቐስካዮ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣብ ኩሉ መዳያቱ ክንርእዮ ከለና ሕማቕ’ዩ። እንድሕሪ እቲ ኩነታት ከም’ዚ ኢሉ ቀጺሉ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ’ውን ንኹላትና ብሩህ’ዩ። ስለዚ ነዚ ኩነታት’ዚ ንምኹላፍ ወይ ከኣ ነዚ ኩነታት’ዚ ንምቕያር ቅድሚ ኹሉ ብመንጽር ደንበ ተቓውሞ ክንርእዮ እንከለና፡ እንታይ ይድለ? ካብ’ቲ ዝድለ ኸ እንታይ ይግበር ኣሎ ክንብል ንኽእል?

 

መልሲ፡ እዚ ሕጂ ንዕርበት ገጹ ዘምርሕ ዘሎ መንእሰይ እሞ ከኣ በዚ ደረጃ ዝውሕዞ ዘሎ እንተቐጺሉ እቲ ኣሰካፊ ኮይኑ ኣብ ቅድሜና ዝረኣየና ዘሎ ጉዳይ ጽባሓ እታ ሃገር ተካኢ ኣብ ዘይብላ ባዲማ ከይትተርፍ’ዩ። ስለ’ዚ ነዚ ጠጠው ከነብሎ እንተዳኣ ኮይና፡ ብቐዳምነት ኩሉ’ቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎ ሓይልታት፣ ጉጅለታት፣ ውልቀ-ሰባት ኮታ፡ እዚ ስርዓት’ዚ ንምልጋስ ይምልከተኒ ዝብል ኣካል ተሰማሚዑ ዝፈላልዮ ጉዳያት እንተ ሃልዩ’ውን ጽባሓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪብና ክንወዳደረሉን ክንጻረየሉን ስለ ዝኾና ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ እዚ ሕጂ ዝፈለልየና ጉዳይ ንጎኒ ገዲፍና ብሓባር ኢድን ጓንትን ኮይና ነዚ ስርዓት’ዚ ምግጣምን ዕድሚኡ ምሕጻርን’ዩ። 

 

እታ ቀዳመይቲ ክትግበር ዘለዋ ነዚ ስርዓት’ዚ ከመይ ገይርካ ግዜ ከይወሰደ፡ ብመንጽር ኣብ’ዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ነታ ሃገርን ህዝብን ከየብረሰን ከየጽነተን ተልግሶ? እትብል ነጥቢ’ያ። እዚ ኣልጊሱ ንሕና ከም’ቲ ንደልዮን ንጽበዮን ሓደ ንኹሉ ዝወከለን ንኹሉ ዘሳትፍን ደሞክራስያዊ ስርዓት ምስተተኽለ፡ ባዕሉ’ቲ ጉዳይ መንእሰይ ተመሊሱ ዳግመ ርእይቶ ክገብረሉ ምዃኑ፡ ኩነታት ናይ ሃገር’ውን ምስ’ዚ ተተሓሒዙ እናተመሓየሸ ክኸይድ ስለ ዝኽእል እቲ ዋሕዚ ናይ’ቲ መንእሰይ ምስ’ዚ ምውዳቕ ናይ’ዚ ስርዓት’ዚ ኣተኣሳሲርና ኢና ንርእዮ። ስለ’ዚ ግዜ ከይወሰደ እንከሎ እዚ ስርዓት’ዚ ክወድቕ ኢና ንርእይ። ድሒሩ እቲ መንእሰይ በጺሕዎ ዘሎ ጉድኣት ኣብ ምፍዋስ እቲ ዝማሃር ክምሃር፡ እቲ ናይ ስራሓ ብቕዓት ዘለዎ’ውን ክሰርሕ፡ እቲ በዂሩ ዘሎ ሰራሕተኛ ኣብ ሃገር’ውን መሊሱ እንዳደንፍዐን እንዳደልደለን ክኸይድ ምእንቲ ናብ’ዚ ገጽና ኢና ከነምርሕ  ዘለና ማለት’ዩ ኣብ መጻኢት ኤርትራ። ስለ’ዚ ብሓጺሩ እዚ ዋሕዚ ናይ መንእሰይ ጠጠው ኣቢልና ናብ ተሸካሚ ሕድሪ ሃገር ክንቅይሮ እንድሕር ኮይና ብዝቐልጠፈ እዋን እዚ ስርዓት’ዚ ከልግስ ከም ዘለዎ ምግባር’ዩ። እቲ መንእሰይ’ውን ስደት መፍትሒ ጸገም ከም ዘይኮነ ተገንዚቡ፡ ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ እጃሙ ከበርክት ከም ዘለዎ ናይ ምግባር ሓላፍነትና ክንዋጻኣ ኣለና።   

 

ሕቶ፡ እቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎ ሓይልታት ኣንጻር’ቲ ስርዓት ንከድምዕ ተቓራሪቡ ክሰርሓሉ፡ ዝኽእል ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። ዝብል ተረድኦ ካብ ዝፍጠር ነዊሕ ጊዜ ገይሩ’ዩ። ምኽንያቱ ናይ ኪዳን ምፍጣር ናይ’ዚ ውጽኢት ይመስለኒ። ናይ ቅድም ናይ ምሕዝነት ምፍጣር’ውን ከምኡ። ስለ’ዚ እቲ ቅድም ኣብ ምሕዝነት ሕጂ ድማ ኣብ ኪዳን ዘሎ ሓይልታት ኣብ ደንበ ተቃውሞ እቲ ዝበዝሐን ዝያዳ ጽልዋ ዘለዋን’ዩ’ውን ክንብል ንኽእል። ከም’ዚ ኢሉ እንዳሃለወ ቅድሚ 4 ወርሒ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ ዝተፈጥረ ምፍልላያት ነይሩ። ምናልባት ተመሊስና ናብ ዝርዝሩ ክንኣትው ኣድላይ ኣይመስለንን። ግን ሕጂ ኸ እንታይ ክገብር ኣለዎ? ኣኺልዎ ድዩ ድሕሪ ሕጂ ናብ ሓደ ከምጽኦ ዝኽእል ዕድል የለን?  

 

መልሲ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ጉባኤ ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ተመልሽና ክንርእዮ እንተዳኣ ኮይና፡ እዚ ጉባኤ’ዚ ኣብ’ቶም ኣገደስትን ኣድለይትን ዝኾኑ ጉዳያት ሃገር ተዓዊቱ ነይሩ ክንብል ንኽእል ኢና። ግን ከኣ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ይተዓወት ደኣ እንበር፡ ባይቶ ናይ ኪዳን ሓንቲ ፈጻሚት ኣካል ተሰማሚዑ ክመርጽ ብዘይምኽኣሉ፡ ኣበ’ዚ መዳይ’ዚ ምፍሻሉ ንብዙሓት ካብ ርሑቕን ቀረባን ክከታተልዎ ዝጸንሑ ወገናት ከሰንብድ ኪኢሉ’ዩ። እዚ ንዝኾነሉ ምኽንያት  ሓላፍነት ዝሽከም’ኳ እንተሃለወ ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ ብፍላይ’ቲ ካብ ጭቆና ስርዓት ህግደፍ ክናገፍ ሃንቀው ኢሉ ዝጽበ ዝነበረ ዝሰፍሐ ክፋል ህዝብና ከም ዝሰንበደ ንርዳኣ ኢና።

 

ንሕና ብዝገበርናዮ ዳህሳስ’ውን ነዚ ትዕዝብትታት’ዚ ኣንቢርና ኢና። ካብ መጀመርታኡ’ውን ከም ናይ ሓጐስ ዜና ኣይዘርጋሕናዮን። ኮይኑ ግና ብፍላይ ኣብ ንጹር ርእይቶታት ምፍልላይ ንባዕሉ መሰረት ምዕባለ’ውን ክኸውን ስለ ዝኽእል እቲ ምፍልላይ ከም ሓደጋ ኣይንርእዮን ኢና። እቲ ዝሓሸ ክውንነት’ዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ግን ፍልልያት ክረከብ እንከሎ’ውን ንርእሱ እቲ ፍልልያት ብሰላማውን ደሞክራስያውን ስለ ዝእለ ፍልልያት ስለ ዝተረኸበ ከሰንብድና የብሉን። ዋላ’ቲ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ሓደ ጽላል ምጥርናፍ ከም ኣወንታ ይረአ እንተ ነበረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እዚ ክትብሎ ትኽእል ዝሰርሖ ፖለቲካዊ ጉዳያት ወይ ኣንጻር’ዚ ስርዓት’ዚ ዝፈጠሮ ስንብራት ብዘድምዕ መንገዲ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ክህልው እንተኾይኑ ብድሕሪ ሕጂ ብዝግበር ቃልሲ’ዩ። እዚ ናይ ባዕሉ በዓል በይታውን ወድዓውን ምኽንያታት ጸንሒዎ’ዩ። ስለ’ዚ ኣነ ብወገነይ ክርእዮ እንከለኹ “ካብ ሕጂ ዝነቐወ ዝብእስ ኣየሕደረንን” ከም ዝበሃል ምስላ ወለዲ ሎሚ  ንቅዋም ኪዳን ሃሪሙ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ዝወስድ ኣካል ክንርኢ እንከለና ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ከንዕዘብ እንተዳኣ ኮይና ጽባሕ’ውን ድሞክራስያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እንምስርተሉ እዋን ቅዋም ወይ ስርዓት መንግስቲ ሃሪሙ ዲክታተርያዊ ኣንፈታት ክሕዝ ይኽእል። ስለ’ዚ ካብ ሎሚ ኣትሒዝና ነዚ ኣብ ምርጫ ዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ክንቃወም እንከለና ብመትከል’ዩ። ብሓጺሩ ዘይኢሰያስስ ደኣ ቅዋም ኣየተግብርን፡ ብቕዋም ተቐይደ ሃገር ኣየማሓድርን’ ስለ ዝበለ ኢና ንቃውም ዘለና። ስለ’ዚ ኣብ ቃልሲ ከለና ከም’ዚ ዓይነት ሰባት ከንዕዘብ ከለና፡ ብዘይ ተቓውሞ ክንሰግሮም እንተኮይና  ንጽባሕ’ውን ኣይተዳለናሉን አለና ዘስምዕ ስለ ዝኾነ ቁቡል ኣይኮነን። ግን እዚ ደኣ ይኹን’በር ኣብ መንጎ’ዚ ሕጂ ተፈላልዩ ዘሎ ክንፍታት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ናይ ርኽክብ መስኖ ክህልው ኣለዎ። እንታይ’ዩ እቲ ርኽክብ ክኸውን ዝኽእል፡ ኩሉ ነናቱ እምንቶ ሒዙ እቲ ዝካየድ ቃልሲ፡ ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ ክንቃለሰሎም ዝጸናሕና ጉዳያት ደሞክራሲ፡ ንኣብነት ኣብ መንጎ ውድባት ክካየድ ዘለዎ ውድድር ሰላማውን ደሞክራስያውን ክኸውን፡ ኣብ ጽባሕ ትመጽእ ኤርትራ ሰለማዊ ናይ ስልጣን ምቅብባል ክህልው፡ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ስልጣን ንምድያብ፡ ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ ወሳንነት ህዝቢ ክቕበሉ፡ ወዘተ ዝብሉ ጉዳያት’ መሰረት ክኾኑ ኣለዎም። ካብ ሕጂ ኣትሒዝና በዚ ዝተጠቐሰ መሰረታዊ ነጥብታት ክንጅምር ይግበኣና። ነዚ ዓቂብና  ብዝዋሓደ ሰለማዊ ዝምድና ክህልው ካብኡ ሰጊሩ’ውን እቲ ምቅርራብ፡ ካብ ዝተሓተ ጀሚሩ ናብ ዝሓሸ ክድይበሉ ዝኽእል ኣንፈታት እንተተራእዩ ኣብ መጻኢ ብቓልሲ ክንርእዮ ንኽእል ጉዳይ’ዩ። ንሕጂ ግን ክልቲኡ ክንፍታት በብዘለዎ ክሰርሕ፡ እሞ ኣብ ስራሓ እንድሕሪ ኣትኩሩ እቲ ዝድለ ፍረ’ውን ክርከብ ይኽእል’ዩ። ብሓጺሩ ክብሎ ዝደሊ እቲ ክንፍታት ኣብ መንጉኡ ሰለማዊ ዝምድና ክህልው ንሕና ብእምነትና ክንቃለሰሉ ኢና። ናብ’ቲ ቅድሚ ጉባኤ ዝነበሮ ኩነታት ክምለስ ግን ምስ’ዚ ዝሓለፍናዮ ምረታት ብኡ ንብኡ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ንባዕሉ ጊዜ ዝወስድ’ዩ።

 

ሕቶ፡ ገለ ገለ ሰባት ግን፡ ኪዳን ናብ’ቲ ዝነበሮ ባህሪያዊ ቦታኡ ክምለስ ኣለዎ ይብሉ። ስለ’ዚ  ንኪዳን ናብ’ቲ ቅድሚ ጉባኤ ዝነበሮ ኩነታት ሕጂ ክትመልሶ ተኽእሎ ኣለ ድዩ? እዚ ኩነታት’ዚ ከመይ ትርእዮ?

 

መልሲ፡ በቲ ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ጉባኤ ዝሓለፍናዮ ኩነታት ክንመዝኖ እንከለና፡ ኪዳን ናብ’ቲ ቅድሚ ጉባኤ ዝነበሮ ኩነታት ክትመልሶ ዝብል ኣረኣእያ ብናተይ ግምት ወይ ሚዛን ዘይ ክውንነታ’ውን ዘይ ተግባራውን ኮይኑ እየ ዝርኽቦ። ግን ከኣ ኩላትና ናይ ሓባር ጸላኢ ከም ዘለና፡ መጠን ጽባሓ’ውን ኣብ’ታ ሃገር በብዘለና ርእይቶታት ተወዳዲርና ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምምስራት ብሓባር ክንቃለስ ስለ ዝኾና ኣብ መንጎና ናይ ርኽክብ መስኖ ክህልው ኣለዎ ባሃልቲ ኢና። እዚ እንታይ ማለት’ዩ ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ኣብ ናይ ሰለስተ ውድባትና ርኽክባት ወይ ሰሚናር ዝመዘናዮ፡ ኣብ መንጎ’ዚ ክልቲኡ ክንፍታት ኪዳን ናይ ርኽክብ መስኖ ክፉት ክኸውን ኣለዎ። ብመሰረቱ ንሕና ክንፊ ሓደ ዘኽስሰና ሕጋዊ ጥሕሰታት ስለ ዘይፈጸምና ድርድር ክንገብር ኣለና፡ ወይ ድማ ሕድገት ክንገብር ኣለና ኣይኮናን ንብል ዘለና። ግን ኣብ መንጎ’ዚ ክልተ ክንፍታት’ዚ ናይ ርኽክብ መስኖ ክኽፈት። ኮፍ ኣብ ንብለሉ እዋን’ውን ካበየናይ ደረጃ ጀሚርና ኢና፡ ክንራኸብ ንኽእል ብሓባር ክንርእዮ ንኽእል ጉዳይ’ዩ። ሕጂ ብሕጂ በዚ ደረጃ’ዚ ርኽክብ ክንፈጥር ንክኽል ኢና ወይ እዚ ዓቐን’ዚ ዝሓዘ ዝምድና ክንፈጥር ኢና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ዝራእየና ዘሎ ግን ኣብ መንጎ’ዚ ክልቲኡ ክንፍታት ይኹን ካብ’ኡ ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ርኽክብና እናዓሞቐን እንዳሰፈሐን ክኸይድ ከም ዘለዎ ብመትከል ከም ንኣምነሉ ጥራይ’ዩ።

 

ሕቶ፡ ኪኖ’ቲ በዚ ጉዳይ ምስካፍ፣ ኪኖ’ቲ ንምንታይ ከም’ዚ ተፈጢሩ ኢልካ ምሕዛን፣ ነቲ ነገር ብንቕሓት ኣብ ምዛንን ነቶም ተዋሳእቲ’ውን ዘዝግበኦም ሚዛን ተሓታትነት ኣብ ምሃብን ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ከመይ ኣሎ? ወይስ ንኹሉ ወግናትዩ ብኣልማማ ዝኹንኖ?

 

መልሲ-  ድሕሪ እዚ ኩነታት ምርኣዩ ናይቲ ህዝቢ ርኢቶ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ። ብሓፈሻ ክርኤ እንከሎ ግን ኪዳን እዝን እዝን ከድምዕ ጸኒሑ ስለ ዝኾነ ምምቃሉ ወይ ምፍንጫሉ ኣወንታዊ ኣይኮነን፡ ዝብል ዘይኮነስ፡ ነታ ጽላል ተቓውሞ ጥራሓ ጠርኒፍዋ ብምጽንሑ ከም ሓደ ኣወንታዊ ስጉምቲ ክወሰድ ስለ ዝጸንሐ በዛ ኣብ ክልተ ምግምዓ ብዙሕ ኣይተሓጎሰን። ንሕና’ውን እቲ ኪዳን ተዓዊቱ ወይ ሞራል ህዝቢ ኣሓዲሱ ክንብል ኣይንኽእልን። ግን ካብ’ዚ ወጺእኻ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ ርእይቶታት ኣሎ። ኣብ ኣሜሪካ እንተኾይኑ ኩሉ’ቲ ብሓፈሻ፡ ዝበልክዎ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እዚ ከም ክውን ነገር ንቕበሎ ኢና። ካብ ኮነ ግን እዚ ክንፊ ሓደ እንታይ ብልጫታት ከም ዘርእይ ክንጽበዮ ኢና። ከም ክውን ነገር ነዚ ናይ ስለስተ ውድባት ምሕዝነት እሞ ንሱ ዝውክሎ ዘሎ ክንፊ ናይ ኪዳን እንታይ ይሰርሕ እንታይ የድምዕ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ናይ ቃልሲ ከኣ እንታይ ዓይነት ንጥፈታት የካይድ በዚ’ዩ ክምዘን ዘለዎ ዝብል’ዩ። ኣብ ኣውሮጳ ካብ’ዚ ፍልይ ብዝበለ ርእይቶታት ኣሎ። ንሱ ከኣ እቲ ዓኣቐዲመ ክንገልጾ ዝጸናሕኩ ኪዳን ናብ ክውንነት ናብ’ቲ ዝነበሮ ኩውንነት ክምለስ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ኣሎ። እዚ ርእይቶ ግን ከም’ቲ ዝበልኩዎ ተግባራዊ ከም ዘይከውን፡ ኣብ’ዚ ሓጺር እዋን’ዚ ክዕወት ከም ዘይኮነ ብምብራህ መኪትናዮ ኢና። እዚ ድሌት’ዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንሓደ ሽግር እቶም ኣካላት ናይ’ቲ ሽግር ብሓባር ክሰርሕሉ እንተ ዘይክኢሎም ክፍታሕ ከም ዘይክእል ከነብርሆ ኪኢልና ኢና።

 

ኣብ’ዚ ከባቢ ሃገራት ንዝርከብ መሰረታት ሰለስቲኡ ውድባት ብሓፈሻ ክንርእዮ እንከለና፡ ነቲ ሰለስተ ውድባት ዘካየድኦ ጻዕሪ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ይድግፍዎ’ዮም። በዚ መዳይ’ዚ’ውን ነቲ ዘሎ ጽፍሕታት ንቕድሚት ክደፍኣሉ ምዃኑ ዓጊቡ ብሓባር ክሰርሕ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ሱዳን’ውን እቲ ኣኼባታት ናይ መሰረታትን ካድራትን ናይ ሰለስቲኡ ውድባት ብሓባር ከካይድ ተራእዩ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ እቲ ዘደንቕ  ኣብ መደበር ስደተኛታት ምስ ዝርከቡ መሰረታትን ኤርትራውያንን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ነቲ ክንፍና ዘካየዶ ጻዕርታት ማለት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ጥርናፊኡ ሓሊዩ ንኽወጽእ ክሳብ መወዳእታ ዘካየዶ ሕድገታትን በብደረጅኡ ዘቕረቦም መዋጽኦታትን ኣሞጊስምዎ’ዮም። እዚ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ካብ ሓልዮት ዝነቅል መሰረት፡ እቲ ክነፍስ ዝወረሐ መሰረት ዘይብሉ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝሃሲ ወፈራታት ምእንቲ ከየድምዕ  ብተናጽል ድዩ ወይ ብእኩብ እዚ ክንፊ’ዚ ምስቶም ካልኦት ውድባት ብቐጻሊ ርኽክባት ከካይድ ከም ዘለዎ ተማሕጺኑ ኣሎ። ስለ’ዚ ብሓጺሩ፡ ብፍላይ ኣብ መሰረታት መደበር ስደተኛታት ዝርከቡሉ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ርእይቶ ሒዞም ምቕራቦም፡ ብሓቂ ብሱልን ዘሐጉስን ኮይኑ ኢና ረኺብና’ዮ።

 

ሕቶ፡ ሓደሓደ ሰባት ኣብ ውሽጢ ኪዳን ሽግርን ምክፍፋልን ንክመጽእ ጠንቂ ዝኾነ፡ ሸነኻት ወይ  ብሎካት ምፍጣር’ዩ ይብሉ። እቲ ብሎካት’ውን በዚ ሕጂ ብሎክ ሓደ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ብሰለስተ ውድባት’ዩ ጀሚሩ’ዩ ይብሉ። ስለ’ዚ ኣብ ከም’ዚ ንሕና እንነብረሉ ዘለና ፖለቲካዊ ሃለዋት ብሎካት ምፍጣር ጸገም ከምጽእ ይክእል ድዩ? እንታይ ማለቶም’ዩ?

 

መልሲ፡ መጀመርያ ኣብ’ዚ ክንጠቕሶ ዘለና ጉዳይ እንተልዩ፡ እቲ ፍልልያት ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤ ናይ ኪዳን ዝተፈጥረ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ምሕዝነት ጀሚሩ ዝነበረ ፍልልያት’ዩ።

ቀዳማይ፡ ቅዋም ናይ ኪዳን  ወይ እቲ ምሕዝነት ዝቕየደሉ ቅርጻ ስርዓት ንኹሉ ሕቶታትን  ምናልባታትን ብዝምልሽ መንገዲ ክምዕብል ኣለዎ ኣብ ዝብሉን፡ የለን እዚ ክቕየር የብሉን ኣብ

ዝብሉን ክልተ ኣካላት ፍልልያት ጸኒሑ’ዩ።

 

ካልኣይ፡ ቻርተር ናይ ኪዳን ምእንታን ኣብ ኩሉ ከድምዕን ክጥርንፍን ኩሉ ብዝቕበሎ መልክዕ ክመሓየሽ ኣለዎ። ኣብ ዝተሓተ ነጥበ ስምምዕ ዝተሞርኮሰ ቻርተር’ዩ ክኸውን ዘለዎ።  ኣብ ዝብሉን፡ የለን፡ ቻርተር ናይ ኪዳን በቲ ዘለዎ ክቕጽል’ዩ ዘለዎ ዝብሉን ፍልልይ ጸኒሑ።

 

ሳልሳይ፡ ኩለን ውድባት ኤርትራ ማዕረ ስፍሓትን ክብደትን ዘለወን ኣይኮናን። ገለ ገልኤን ዓበይቲ ኣለዋ፣ ገልኤን ማእከሎት፣ ገልኤን ድማ ናኣሽቱ ኣለዋ። ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን ውሑዳት ኣባላት ዘለዎM ነብሶም ከም ውድባት ፈሊጦም ዝንቀሳቐሱ ኣለዉ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ናይ ኪዳን ኣመራርሓ ዝካየድ ተሳትፎ ብደረጃ ክበደትን ስፍሓትን ናይ’ተን ውድባት ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብሉ ብሸነኽና ማለት’ዩ፡ የለን እዚ ብማዕረ ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም መሰረታቱ ዘርጊሑ ዘሎ ውድብን ውሑዳት ኣባላት ኣብ ውሱን ቦታ ዝውንን ውድብን ብማዕረ ክሳተፉ ኣለዎም ዝብልን፡ ፍልልይ ጸኒሑ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ፍልልይ ሓድሽ ኣይኮነን።

 

እዚ ጉባኤ ድሕሪ ምክያድና’ውን ነዞም ኣርእስትታት እዚኣቶም ኣልዒልና ኣብ እንካታዓሎም ዝነበርና እዋን፡ እዚ ፍልልያት’ዚ ተንጸባሪቑ’ዩ። ፍሉጥ’ዩ ቻርተርን ቅዋምን ኩሉ ዝዓግበሉ ዘይኮነስ ኩሉ ብዝቕበሎ መልክዕ ምምሕያሹ ሓደ ዓወት ኣመዚጊብና’ና፡ ክንብል ንኽእል ኢና። ነቲ መጠናዊ ውክልና ዝብል ኣርእስቲ ዝምልከት ከም’ቲ ዝተደለየ መጽናዕቲ ተኻይዱ ንክትዕ ዝቐረበ ኣይነበረን። ስለ’ዚ መጠናዊ ተሳትፎ ናይ ውድባት ዝብል ከይተዓወትናሉ ኢና ወጺእና። ከምኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት’ውን ኣድቒቕና ክትዕ ብምክያድ ተዓዊትናሎም ክንወጽእ ዝግበኣና ከም ሓደ ሰራዊት ምምስራት ዝብል ነይሩ። እዚ’ውን ኣይተዓወትናሉን። ብሓፈሻ ክምዘን እንከሎ ግን፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ መወዳእታ  ኣብ ኣመራርጻ ፈጻሚት ኣካል ዝተራእየ ፍልልይ እቲ ጉባኤ ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፡ ነዛ እዋን’ዚኣ ከስርሓና ብዝኽእል መንገዲ ዳርጋ ተዓዊትናሉ ወጺእናሉ  ክንብል ንኽእል ማለት’ዩ።

 

ሕቶ- ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ክልተ ክንፍታት ወይ ከኣ ክልተ ወገናት ኣሎ። ገለ-ገለ ሰባት ግን ነዚ ክውንነት’ዚ ናይ ምኽሓድ ምልክታት’ውን ትርኤሎም ኢኻ። ኪዳን ከም ቀደሙ ከምዘሎ ኣምሲልካ ናይ ምቕራብ ፈተነታት’ውን ይረኤ’ዩ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ እቲ ውድባትና ዝርከባሎ ቀዳማይ ወገን ኪዳን ከመይ ኣሎ? ብኸመይ ኣገባብ’ዩ ሕጂ ብልጫታቱ ከርኢ? ምኽኒያቱ ከም’ቲ ኣቐዲምካ ዝባልካዮ፡ ክፍተን ኣለዎ።

 

መልሲ፡ እቲ ኪዳን ኣይተመቐለን ኣይተፈንጨለን ዝብል ኣበሃህላ’ኳ ኣብ ነናቱ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ነናቱ ትከላት መስሪቱ ክንቀሳቐስ ካብ ዝጅምር ድሮ ገለ ወርሓት ሓሊፉ ስለ ዘሎ፡ ነዚ የለን ዝብል ንክውንነትን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታትን ምኽሓድ ስለ ዝኾነ፡ ብዙሕ ከዛርበና ዝግብኦ ጉዳይ ኣይኮነን። ማለት ክውን ዘሎ ነገር’ዩ። ንሰርሓሉ ዘለና መንገዲ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ብዛዕባ’ቲ ሃለዋት ናይ ኪዳን ቀዳማይ ወገን እንድሕር ኮይኑ፡ ንሕና ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ናይ ሰለስተ ውድባት ሰሚናር፡ ከም ዝርኣናዮ ብደረጃ ኪዳን ከመይ ክንቅጽል ኢና? ክንድ’ቲ ንሕና ኣብ ክሊ ኪዳን እንዳተቓለስና ዝመጽኣናሉ እዋን፡ ዝፈጠርናዮ ዝምድና ኣብ ባይታ’ውን ሓባራዊ ስርሓት እንዳካየድና ክንቅጽል ከም ዝግበኣና ዝሕብረና እዩ። ኣብ’ዚ ሰለስቴና ውድባት ብዘይ ነግ ፈርግ ኣቲኪልና ክንጽቅል ኢና። ካለኦት ውድባት ተተወሲኸሞ ድማ ዝያዳ ከድምዕ እዩ። ውጽኢቱ ድማ ሽዑ ዝሕብረና ክኸውን’ዩ። ስለ’ዚ መጀመርያ ንርእዮ ዘለና ጉዳይ፡ ሓባራዊ ስራሓት ናይ’ዚ ክንፊ-ሓደ ምድልዳል‘ዩ፣ ክምዕብልን ክሰፍሕን ከምዘለዎ ምግባር’ዩ። ነዚ ከኣ ተበጊስናሉስ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ውጺኢታቱን ፍሬታቱን ከርኣይ ጀሚሩ’ሎ። ካብ’ዚ ተበጊስና ኣብ’ዚ ናይ ሓበራዊ ስራሓ ምስ ኣትከልና ኸዓ፡ ካብኡ ናብ ዝማዕበለ ስርርዕ ክንድይብ ምእንቲ ካብኡ ናብ ዝዓመቖ ሓድነት ገጽና ከነምርሕ ምእንቲ እዚ መጀመርያ ሓባራዊ ስራሓት ከነደልድልን ካልኦት ሓይልታት’ውን ኣብ ዙርያና ከም ዝጥርነፉ ናይ ምግባር ቃልስታት ከነካይድ’ዩ እቲ ዘሎ ቀጻሊ ዕላማና።ነዚ መንገዲ ከኣ ጽቡቕ ተታሓሒዝናዮ ኣለና።  ንቕድሚት ኸዓ ንስጉም ኣለና።

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1108

Posted by on Jul 9 2007 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net