ኣብ ቅልውላው ግዜ ዕግርግር
ጸሓይ በሪቕሉ ተበላጺ ከዳናግር
ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 10/09/07
ገሊኡ ብኽፋኣት ገለ ብፍርሒ ኣንጎሉኡ ሒዙ
ብዙሓትውን ኣለዉ ብማዕዶ ርዒዶም ዝደንዘዙ
ሃገር እናጠፍአት ዘይዓጅቦም ንጥቕሞም ዘዐዘዙ
ሓጺር ዝሓስቡ ኣጉል እምነት ሃገር ከምዝሓዙ
ወላድን ውልድን ልቡ መሊኡ ዘየዕልለላ ሃገር
ሰላም ኣላ እናበሉ የውርዩ ሓሰውቲ ፈገራግር
ናቱ ገዲፉ ናይ ጎረበት ዘዕልል ህዝቢ ከዳናግር
እንታይ ሓጎሞካ ናይ ካልእ ናትካ ዘይትገብር
ንኸመኽንዩ ዶብና ከይትሓንጸጸ እናበሉ ዝቕሽሹ
ህዝቦም ደም እናተሓልበ ኣንቀባሪሮም እናደቀሱ
ምስ ጮዃን ስርዓት ተሻሪኾም እግሩ ዝልሕሱ
ከም ብዓል ጎባይ ጨላይ ሆ ናብ ዘልዎም ዝሕረሱ
ንምረት ህዝቢ ዝገልጽዎ ከም ስልጣኔ ዓወት
እዝጊ፣ ረቢ፣ ነየርኣዩና ከምዚኦም ብሃገር ዝጻወት
ብሽግር ህዝቢ ዝብድሁ ህግደፋውያን ቀራናት
ታይና ክንብሎም ልኹፋዶ ጽሉላት ፍዉሳት?
ጎይተትኩም እንግሊዝ ኣመሪካ የምህሩ ንደቆም
ነሕዋትኩም ንዓዲ ዓረብ ብዶላራት ይሸጥዎም
ንዘይ ተበርህዎም ንኽጠፍኡ እናደፋፍእዎም
እዚ ምስጢር ተሓቢኡኩም ድዮ እተጣቕዕሎም?
ንሕና ምስመንግስትና እናልኩም ተዅዱድሎም?
ኩሉ ምዃን ምስኣበዮ ህግደፍ ከውሒ ልቡ
ይምንጥሎም ኣሎ ሕጻናት ጡብ ኣደ ከይጸገቡ
ቆልዑ ምሻጥ ጀሚሩ ኣግማል ዓረብ ክጋልቡ
ኣደራዕ ወሪድዎ መታሕት ዘይኢዱ ረኺቡ
ከበሳውን ምዕፋን ኣላ ጽባሕ ደቅኹም ኣርንቡ
ዓዶም ዝሓደጉ ካብ ተባህለ ተዓዊኪ ተዓዊትካ
ህዝብና ደም ጥዒሙዎ ከም ዘሎዩ ዘብራሃልካ
ክንደይ ከይትቐስን ነዚ ሽግር ትሸፋፍኖ ዘለኻ
ደጋጊምካ ሕሰብ ብሓሶት ኣይትሽጥ ሕልናኻ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ን ስውኣትና
Short URL: https://english.farajat.net/?p=1146