መጸዋዕታ ንኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሽወደን ዝነብር
Important Public Announcement from Sweden
ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ኣትያቶ ካብ ዘላ ኩሉ መዳያዊ ወጥሪ ንምዉጻእን ዲክታቶርያዊ ኣገዛዝኣ ህግደፍ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምቕያሩን ኣብ ዝምልከት ሃገራዊ ጉዳይ ዝተጋብኤ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ከምዝተቓንዐ ዝዝከር እዩ፡፡ ኣብ ሽወደን ካብ ዝርከቡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ፖለቲካዉያን ዉድባትን ሲቪል ማሕበራትን ብህዝቢ ናብቲ ዋዕላ ተመሪጾም ዝተላእኩ ዉልቀ ኤርትራዉያንን ዘጣመረ ጉጅለ ኤርትራዉያን፡ ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፎም ብሰላም ናብ ሽወደን ተመሊሶም ኣሎዉ፡፡ በዚ ምኽንያት ጽላል ሲቪላዉያንን ፖለቲካዉያንን ዉድባት ኤርትራ ኣብ ሽወደን፡ ህዝቢ ብዛዕባ ዋዕላን ዉሳነታቱን ኣካይድኡን ንጹር ስእልን ሓበሬታን መአንታን ክህልዎ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብምዉዳብ ንኹሉኹም ኤርትራዊያን ኣብ ሽወደን እትነብሩ ኣብዚ ኣገዳሲ ኣኼባ ክትሳተፉ ጽላል ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ዉድባትን ብኣኽብሮት ይዕድም።
ዕለት 11 መስከረም 2010
ሰዓት ካብ 11፡00 – 17፡30
ቦታ ሺስታ ትሬፍ
ብደሓን ምጹ
ኣካያዲ ሽማግለ
ኤርትራዊ ጽላል ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ዉድባትን ኣብ ሽወደን
Important Public Announcement from Sweden
Recalling the coincidence our peoples suffering under brutal dictatorship and the national conference for democratic change held in Addis- Ethiopia from 31/7 to 9/8 2010 , conference participants have returned back home to Sweden. Therefore, the Eritrean umbrella organization consisting of political and civil society organizations invites all concerned Eritreans in Sweden to an open discussion on the conference outcomes and and the real picture how the conference was performed.
Date : September 11th Saturday 2010
Time: Local time: 11.00 to 17.00
Place: Kista Hall -Subway towards Akalla line 11
Welcome All !
Organizers/ SESADU
Short URL: https://english.farajat.net/?p=1436