ዮሃና

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ንበዓል መስቀል ኣብጽሓኩም ይብል። በዓል መስቀል ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይምነ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንካርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ብምድጋፍ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ደው ክብሉን ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱን ይጽውዕ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

24 መስከረም 2010

ENCDC2011@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1582

Posted by on Sep 25 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net