“ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ” ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኣን ናይ ስራሕ ምክፍፋልን መደብ-ስራሕን ኣውጺኡ

ህዝባዊ ሽማግለ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ንኻልኣይ ጊዜ ብምእካብ ኣቦ መንበርን፡  ምኽትልን፡ ዋና ጸሓፍን ከምኡውን ናይ ሓላፊ ሜድያን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስን፡ ስርዒታውን፡ መጽናዕተ-ቅዋማውን ጉዳያትን፡ ንኡሳን ሽማግለታትን መሪጹ። ብዘይካ’ዚ ድሕሪ ብዙሕ ክትዓትን ምይይጣትን ሓደ ናይ ስራሕ-መደብ ማኗል (Work-Plan) ነዲፉ ብምስራዕ ንኮሚሽን ኣቕሪቡ። ሓው ሃይለማርያም ተስፋይ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ኮምሽን ሰሜን ኣሜሪካ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ፡ ንዘሎ ሕቶታት ብምብራህን ርእይቶታት ብምውሳኽን ኣብ ምህብታም እቲ ንድፊ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ።

[cincopa AsNA-VqMY4d2]ህዝባዊ ሽማግለ ሎስ ኣንጀለስ፡ ብዛዕባ ነጻነትን፡ ህዝባዊ፡ ባህርያት ናይ’ዛ ኮምሽንዚ’ኣን ብርክት ዝበሉ  ሕቶታት ኣቕሪባ። ሓው ሃይለማርያም፡ ነዚ ሕቶታት’ዚ ክምልስ እንከሎ “ዝኾነ ኮምሽነር ተመሪጹ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንምግባር፡ ሃገራዊ ዋዕላ ዝሃቦ ሕድሪ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ደኣምበር ፖለቲካዊ ይኹን ሲቪካዊ ዕላማ ውድቡ ወኪሉ ክዋሳእ ከምዘይኮነን፡ ነጻነት ናይ እዛ ኮምሽን እዚኣ ከኣ ኣዝዩ ከም ዘገድሶን ህዝቢ’ውን ክሕልዎን ክከላኸለሉን ዘለዎ ዕላማ’ዩ ክብል” ኣረዲኡ። እዚ ብናይ ምሳሕ ግብዣ ዝተሰነየ ኣኼባዚ፡ ኣብ ትምህርታውን ስርርዓውን ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብዝተፈላለየ ሜላታት ዝምድናታቱ ማህሚኑ ኣብ ሓድሕዱ ከይዋሳእ ተበታቲኑ በበይኑ ጉጅም ክብል ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዜጋውን ኣብ መንፈሱ ዓቢ፡ ንያታዊ ተሓድሶ ዝፈጠረሉ ማሕበራዊ ህሞት’ውን እንተላይ ነበረ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ተሳተፍቲ ንሓደ ዓመት ዘገልግል ቀዋሚ ቤት ጽሕፈት ናይ ኮምሽን ኣብ ካሊፎርንያ ብምኽፋት ምስ ካልኦት ከተማታት ተሓባቢሮም ህጹጽ ወፈያታትን ወርሓዊ  ውጽኢታትን በብዓቕሞም ብምግባር ክተሓባበሩ ቃል ኣትዮም። ሓው ሃይለማርያም ብወገኑ ንተሳተፍቲ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ብስም ኮምሽን ክብ ዝበለ ምስጋና ብምቕራብ፡ በዚ ፍናን ዝመልኦ ተግባር’ዚ ከምዝተበራትዐን፡ ኣብ ዝግበር ጕስጓስ ድማ ደቀንስትዮ ንምትብባዕ ሓንቲ ስድራቤት ብምልኣት/ሰብኣይ ምስ ሰበይትን እኹላት ደቆምን ክምዝገቡ ምስ ዝገብሩ ንጉዳይና ሚዛኑ ከም ዘዕብዮን ዝያዳ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ከምዝህቦን ክገብር’ዩ” ክብል ኣተሓሳሲቡ። ብተወሳኺ ንዶር መሓመድ በሽር ኣብ ምንዳፍ እቲ ስራሕ መደብ ንዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ብምምስጋን፡ እዚ ሰነድ’ዚ ኣብ ኩሉ መደበራት ኮምሽን ኣገዳሲ ተራ ከምዝጻወት ብምግንዛብ ኣድናቖቱ ገሊጹ።

እዚ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ክገትኦ ዘይክእል ሱናማዊ ህዝባዊ ማዕበል’ዚ ንስርዓት ህግደፍ ሸቖጥቍጥ ስለ ዘበሎ ከም ኣመሉ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ ንህዝቢ “ካብዛ መጺኣ ዘላ ሓደገኛ ማዕበልዚ’ኣ ተጠንቀቑ” እናበለ ይጉስጕስ ምህላዉ’ኳ እንተተሓበረ፡ ህዝቢ ግን “ክላ ግደፉና ክንደይ’ሳዕ ክንዕሾ! ንሕናስ ዘይ ‘ልብና ምስኦም ዘሎ!” እናበለ ጠጠንጢንዎም ይኸይድ ምህላዉ መዓልታዊ ተርእዮታት ኮይኑሎ። በዚ ድማ ራዕዲ ኣትዩዎም ከምታ ናይ ደርጊ ኣብ መፋርቕ 90 ዓ/ም መዓልቶም ቀሪባ ከም ዘላ ዘስተብሃሉ መጋበርያ ህግደፍ ስንእንእ ኢሎም ህጣሞም እናጠፍኤ ይኸይድ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ምዕባሌታት እዚ ሓኒኑ እናተወንጨፈ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ነዚ ህዝባዊ ዕማም’ዚ ንምስልሳል ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ኢሎም ጻማ ቓልሶም ክሓፍሱ፣ ኮምሽን ከኣ ብወገኑ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምክያድ ንኹሉ ዘይሕለል ጻውዒት ክገብር ተላብዩ። ህዝባዊ ሽማግለ ሎስ እንጀለስ ብወገኑ ኣብ ጎድኒ ሃገራዊ ኮምሽን ደው ብምባል ሰፊሕ ጎስጓስ ከካይድ ምዃኑ ቃል ብምእታው ኣኼብኡ ብትስፉው መጻኢ ዛዚሙ።

“ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ”

ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኣን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1727

Posted by on Nov 3 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net