ኳሕ ኳሕ ገም ገም ኣብዚ ጠዊኩም ክፈቱ ክትሰምዑ

ስምዑ

     ደቂ ሃገረይ ደናክልና ዓዳትኩም ላዛ ዘለዎ

     ዳጎ ማሓ ታበ ኢልኩም ሓበሬታ ትረኽብዎ

    ንሓባሪኹም ብኽብሪ ህ..ህ እናባልኩ ትሰምዕዎ

    ንፈታዊኽምን ጽላኢኹም ብቅጽበት ተለልዩዎ

     ሕኩመት ኢሳያስ ወደራዓይሰ ምኻኑ ፍለጥዎ

    ሓንሳብ ንሓዋሩ ብዘይ የዳግም ቐርኑ ዝብጥዎ

                                ስምዑ

   ደቂ ሃገረይ ኣኮሎግዛይና ዓባይ እምባሴራ

   ሕማቕ ተረኺቡ ነዊሕ መሪር ቓልሲ ኮይኑ ክሳራ

   ብደም ዝጨቀዉ ሸፋቱ ነጊሶም ሰፊሮማ ኣስመራ

   ኣብምንቲ ምንታዩ ምልእቲ ሃገር ትስሕን ዘላ መከራ

  ሓቢርና ፍትሓዊ ዕጥቅና ነደልድል ከይ ወሰኽና ክሳራ

 ከምዘይ ነበረት ክንገብራ ስርዓት ህግደፍ  እዛ ፌራ

                             ስምዑ

ደቂ ሃገረይ ሰራየና ንዘክር ዝሓለፈ እቲ መሪር ቓልሲ

እዚ ኹሉ ንሓርነት ህዝብና ዝካየድ ዝነበረ ጹዑቕ ተኽሲ

እዞም ኩሎም ኣሻሓት ጀጓኑና ሓሊፎም ንፍትሓዊ ቃልሲ 

ዒብ ሎሚ ስርዓት ሽፍታ ክነግስ ንህዝብና ዝዕምጽ ዝሃሲ

ሓቢርና ንቃለስ ስውኣትና ክቐስኑ ነንግስ ስርዓት ዲሞክራሲ

ኤርትራና ኣውያትን ብኽያታን ከብቅዕ ክትረክብ ንብዓታ ሓባሲ

                              ስምዑ

              ደቂ ሃገረይ ለጎጭዋና ትዘኩሩዶ ውርሳሻ ኣቦታትና

                 ኣብ ዛውል ማይላሓም ዋላ ገይሮም ሕጊ ዘጽኑሕልና

                 ሕጊ እንዳባ ብህግደፍ ክራሰ ብደውና ከም ዝመትና

                   ቃልስና ነሔድስ ክብረት ክንረክብ  ኩልና ሓቢርና

                  እወ ስርዓት ህግደፍ ከነዕኑ ክሓልፈላ ኤርትራ ሃግርና

                  ኩሉ እተፋላለየ ደርብታት ናጻ ኾይኑ ከማዕብል ሃገርና

                    ስምዑ

ደቂ ሃገረይ ሓማስየና ንሃገርና ድሓይሽ ንምከር

ህዝብና ብህግደፍ ኣፉ ተለጒሙ ብማሕቡስ ክሽንከር

ታሪኽ ከይ ከሰና ብሓባር  ንለውጢ ሓዲኡ  ይገበር

ንፍትሒ ዘይቡሉ ስርዓት ህግደፍ ንምልጋሱ ንባራበር

ሓቢርና ተቢዕና ንቃለስ ስልጣን ናብ ንህዝቢ ክሳጋገር 

ንነባሪ ራህውን፥ ሰላምን ፥ቅሳነትን፥ ከነስፍን ሓቦ ንግበር

                     ስምዑ

ደቂ ሃገረይ ሰምሃርና ደቂ ቀይሕ ባሕሪ ብር ተላዓሉ

ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ሽፍታ ነጊሱ ንሕስያ ዘይቡሉ

ነገር ዱኳኑ ብዕውር ሓሶት ዝነብር ንህዝቢ ኣታሊሉ

ክጥዕመኩም ከሎ ግምባሮም ጨምቱ ድሕር ኣይትበሉ

ዓመጸኛ ስርዓቶም ጨሪሹ ክፈርስ ህዝብና ክሓልፈሉ

ዕላማ ጻማ ሰማእታትና ክራጋገጽ ሰላም ክኸውን ንኹሉ

                ስምዑ

  ደቂ ሃገረይ ሳሕልና ምናሃሃሪ ሓርበኛታት

  ክዝክሮ ከለኹ እዚ ኹሉ ዝሓለፈ ታሪኻት

ኣብ ልዕሌኹም ዝድርበ ዝነበረ ብምባታት

 እወ ሰግርክሞ ንኹሉ ብትብዓት ብጽንዓት

 ዘገርም ናይ ሕጂ ገደደ ናይ ህግደፍ ከዳዓት

ካብ ወረደና ሓቢርና ንቃለስ ኣብ ጎኒ ውጹዓት 

                           ስምዑ

                     ደቂ ሃገረይ ባርካና ብጀመርቲ ሰውራ ትፍለጡ

                    ታሪኩም ብስርዓት ህግደፍ ተመንጢሉ ተቐንጢጡ

                     ኣነ ኢየ ናጽነት ኣምጺኤ እናበለ ብሓሶት ሸቅጡ

                      ብደይ ምርጫ ብሓይሉ ኣብ ስልጣን ተቐሚጡ

                     ንዝተቓዎሞ ብማእሰርቲ ናብ ጉድጓድ ወወጢጡ

                      ሓቢርክም ተቓለሱ ንዓማጸኛ ስርዓቶም ቀጥቁጡ

          ስምዑ

ደቂ ሃገረይ ጋሽና ሰቲና ንሕስብ ክላህና

ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ፍጹም ሰላም ነይ ህበና

ብደይ ምርጫ ኣብ ኮሮሻ ተስቂሉ ንጥፍኣትና

ንጥፋእ ዶ ንሃሉ? ንምረጽ ንድሕነት ኩሉና

ንበገስ ንስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ሓኺኽና

መሊሱ ክሕደስ እቲ ኹሉ ትብዓት ጅግንነትና

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2176

Posted by on Aug 22 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net