ውረስ ሥዩማይ
by Teclesenbet Teclai
በሽሐት ተረኺብና ክንውድስ ከነሳሲ
ተነዅኒኽና ነቢዕና ስሌኻ ሐወይሲ
ተሕተ ሥዩም ወሪድና ክንቅበላ ነታ ነፍሲ፤
ተቓላሳይ ዘቢጡ መሬት
ተማጓታይ ወሪዱ ባይታ
ስለ’ቲ ክቡር ህዝቢ ንኤርትራና እወታ
ስለ’ቲ በዓል ሓቦ በዐል ታሪኽ ያታ
ከይሰልከየ ን’40 ዓመት መመላእታ፣
ዓጽመ-ወለደይና ደኒና ኡይ ኢላ ብናታ
ሠውራዊ ባይቶ ደኒና ኡይ ኢላ ብናታ
ደምበ ተቓውሞ ደኒና ኡይ ኢላ ብናታ
ንሞጎስ ሥዩማይ በብናታ ብሓደ ከቲታ
ሥዩም አርኪቡ ሞት ወሲዳቶ ብሰላሕታ፡፡
ጕዳም ወርደት’ዩ ዝገጠመ ኮታ
አብ ግዜ ለውጢ ናይ ኪዳንና ከውታ
አብ መድረኽ ምልኪ ናይ ኢሰያስ ጸወታ፣
አብ ሽዋ ዝወረደ
ብሬሳኡ ንኤውሮጳ ዝተሰደ
ከም ክርስቶስ ጐይታ ብሞት ዘዋሀደ
ሥዩም መአስ መይቱ ዋላ ካባና እንተኸደ፡፡
እንኮ ዘመዱ ዘመደ ኤርትራ
እንኮ ዓርኩ ዐርከ ሠውራ
እንኮ ዓዱ መትከል አውራ ብአውራ
ባህሉ ባህሊ ደቀ-ሥመራ
ሥዩም አይምተገብኦንዶ አብ ሃገሩ ስፍራ?
ጽንዐት ንዅላትና!
ዘልአለማዊ ክብሪ ንሰማእታትና
ክብርን መጎስን ንሥዩም ብጻይና!
Short URL: https://english.farajat.net/?p=2306