ንኹሉ ግዜየ ኣለዎ ጽንዓት ጥራሕ
ክንደይ እንዲና የሕሊፍና ተመኩሮ
ክንደይ ጎቦ ተሓኺሩ ተሰጊሩ ስንጭሮ
ጣቓዒት ብኻላሽን ብቡባ ነይሩ ኮቦሮ
ዝኹሉ ዕርድታትና ጀጋኑና ተቐብሮ
ህዝበይ ተመሊስና ሕሉፍ ቃልሲ ንዘክሮ
ነዚ ሕሉፍ ቃልሲ ኣሻሓት መስዋእቲ ተኸፈሎ
ንዕላማ ናጽነት ሓርነት ቅኑዕ መንፈስ ዝዓሰሎ
ብሓባር ኣንጻር ባዕዳዊ ገዛኢ ዕጠቕ ኮይኑ ድሎ
ውጽ’ኢቱ ሕጂ ነዛምድ ወዮ’መስዋእቲ ተኽፈሎ
ኣበይ ኣሎ እቲ ሓርነት መሰል ቅሳነት ዝዓሰሎ
መርገምዩ ብውልቀ መላኺ ሃገርና ኣትዩዋ ሰለሎ
ኣየ ሃገረይ ንውልቀ መላኺድየ ከፊለ የሕዋተይ
ኤርትራ ንውልቀ መላኺድየ እዚ ኹሉ ቓልሰይ
ከዔርፍ ኣይ ካልኩን እና ራኣኩ እዝኹሉ ስቓይ
ሓቦይ ኣይ ጽንቕቕን በጃ ህዝበይ ጽኑዕ መርገጸይ
ስልጣን ከይ ተረከበ ደቁ ዝከፈለ ውጹዕ ህዝበይ
ኣይ ጠልምን ንዕላማ ዝተሰዉኡሉ ጀጋኑ ብጾተይ
ኣይ ንረስዕ ታሪኽ ወዲ ሰብ ክዝከርዩ ከከም ግብሩ
ባዓል ክፍእ ብስክፍታ ይነብር መዋእሉ ተቓቒሩ
ባዓል ጽቡቕ ተግባር እና ተመስገነ ይነብር ንሓዋሩ
እዚ’ዩ እቲ ሓቂ ሕሰቡ ከይ ጸልመተ ኽሎ ብቐትሩ
ኣንቱም ሕማቅ መርገጽ ዘለኩም ኣምብቡ ተማሃሩ
ተወደቡ ተሰርዑ ጭኮና ክሕምሸሽ እግረ’ እግሩ
ጽንዓት ዋግ’ኣ ናይ ቡኡነት ኣዝዩ ኩብር’ዩ
ጽንዓት ኣብ ቃልሲ ውጺቱ ፍጹም ዓወት’ዩ
ንጠቕምኻ ክትብል ምድሕርሓር ውድቀት’ዩ
ኣብ ደምበ ተቃውሞ ዓወት እንድሕሪ ተደል’ዮ
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ምስራዕ’ዩ
ኣብዚኣ ትቕሚ ዘይብሉ ስሱዕ ህግደፍ ጥራሕ’ዩ
ሳላ ጽንዓት ብመስዋእቲ ረኺብና ናጽነትና
ህዝበይ ሕጂ ውን ብጽንዓት ከም ቀደምና
ገንዘብናን ግዝየናን ሂወትናን ከይ በቐቕና
ንፍጹም ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ኤርትራና
በብመዩ’ኡ ቀሲኑ ናብሩኡ ክመርሕ ህዝብና
ንህግደፍ ንዝበጣ ኩላትና ብሓደ ተሰሪዕና
ጽንዓትን ሕድገትን ብሓንሳብ ይኺዳ
ፍረ ተቃውሞና ክንረኽበሉ ፋይዳ
ብህግደፍ ዝህለቐ ህዝቢ ከነሰክም ዕዳ
ክትሕጎስ ሕዝንቲ ኣደ ዘላ አትዋሪዳ
ክትምለስ ዝነበረት ኣርሒቓ ተስዲዳ
ከም ናጽነት ጽንዓት ንሓርንርት
ኤርትራና ክትላቐቅ ካብ ባርነት
ክተርፍ ህዝቢ ዘይ መረጸካ ሽመት
ስልጣን ንህዝቢ’ዩ ኢልና ንማጎት
ንድሕሪት ምእንቲ ከይ ንጉትርት
ጸኒዕና ንቃለስ ከይ ይብለና ሸተት
ሃገር ናይ ስውኣትን ስንኩላትን ኢያ
ብመትከሎምን ዕላሞኦምን ዝቋመር
ፈለኽ ትብል ትንፋስ ክሳብ ዘላትና
ኣይ ነፍቅድን
ብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)
Short URL: https://english.farajat.net/?p=2374