ዓመተ 2006 ብሚሔ

ካልኣይ ክፋል

ደምበ ተቓውሞ ኣብ 2006

ደምበ ተቓውሞ ኣብ ሰለስተ ከፊልካ ክርአ ይካኣል። ብመጀመርታ ደረጃ፡ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ንክህሉ፤ በቲ ሓደ ወገን ድማ በትረ-ስልጣን ንምጭባጥ ናተን ፕሮግራማት ሓንጺጸን ሰባት ዝጉስጉሳን ዝቃለሳን ዘለዋ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን  እየን። ብኻልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላዕን ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ንክህሉ፡ መሰል ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንምርግጋጽ ዝቃለሳ ዘለዋ በርጌሳያውያን ማሕበራት እየን። ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ኤርትራዊያን ማዕከን ሓበሬታት ዘጠቓለለ’ዩ። ገምጋም ኣብ እንገብረሉ እዋን፤ ንጥፈታት እዘን ሰልፍታትን ውድባትን፡ ሲቪካዊያን ማሕበራት፡ ማዕከናት ሓበሬታን ኣብ ሰለስተ ከፊልና ክንፍትሽ ኢና። ሓደ ብሓደ ንጥፈታት እዘን ትካላት ምፍታሽ ዓቢ መጽናዕታዊ ስራሕ ዝሓትት ስለዝኾነ፡ ኣብቶም ፍርይ ዝበሉ ነገራት ጥራይ ከነተኩር ኢና። 

1.    ኤርትራዊያን ፖለቲካውያን ሰልፍታት

 

ፖለቲካውያን ውድባት ብቁጽሪ ኣዝየን ብዙሓት ካብ ሙዃነን ዝተላዕለ ናይ ነውስ-ወከፈን ንጥፈታት እዚ ይመስል ኢልካ ምግምጋም ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዳርጋ ኩለን እተን ሰልፍታት ናይ ሰልፈን ወይ ውድበን ዝኾነ ዓመታዊ ኣኼባ ኣካይደን ነብሰን-ፈቲሸን ንዝልዓለ ስራሕ ቅሩባት ሙዃነን ኣፍሊጠን ኣለዋ። መብዛሕተአን ኣብ ናይ ኣባላት ኣኼባታት ኣተኵረን ሰሪሔን፡ ርኡይ ዝኮነ ጎስጋስ ኣካይደን ኢልና ክንዛረበለን ዘኽእል ባይታ ግን የለን።

ኣብ 2006 ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል ንጥፈታት ኔሩ እንተኾይኑ፡ ኣብ ርእስ’ቲ ዳርጋ ንክልተ ዓመታት ኣብ መስርሕ ዝጸንሐን ብዘሕብን ምሕባር ሰለስተ ውድባት ዝተዛዘመ ምምስራት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዘብቀዐ ፍጻመ፡ ናይ ሓባር ኣራኣእያ ዘለወን ውድባት ብሓባር ናይ ምስራሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ዘግሃደ ኣብነታዊ ናይ ሓድነት መንፈስ ዝተራእየሉ ዓመት ኔሩ ክብሃል ይካኣል።

እዚ ስጉምታት፡ ነቲ ‘ሓደ ዓይነት ፕሮግራም ዘለወን ውድባት፡ ኣብ ሓደ ተጠርኒፈን ክሰርሓ ኣለወን’ ዝብል ትጽቢት ብከፊል ዝምልስ ኔሩ ክብሃል’ውን ይካኣል። ኣብ ደንበ ተቓወምቲ ናቱ ዝኾነ ስነ-ኣእምሮኣውን ናይ ስራሕ መክሰባትን  ክህልዎ ሙዃኑ ድማ ዘይክሓድ’ዩ። እዚ ስምረት ነቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ‘ናይ ኣራኣእያ ፍልልያት ምጽባብ’ ዝብል ሓሳባት፡ ዓቢ ደገፍ’ዩ። ኣብ ህዝቢው’ን  ዓቢ ናይ ተስፋ ጩራ ፈጢሩ’ዩ።

ብካልኣይ ደረጃ ክጥቀስ ዝኽእል ኣብነታዊ ፍጻሜ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብመራሕቲ ሰለስተ ውድባት ማለት፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ/ሰውራዊ ባይቶ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ’ዩ። እዚ ተበግሶ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዝሃበ፡ ተቓወምቲ ውዱባት ፍልልያቶም ብዘየገድስ ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ዘርኣየ ኣብነታዊ ኣኼባ’ዩ ኔሩ። ብሓፈሻ፡ ኣብ 2006 ዝተገብረ ንጥፈታት ተቓወምቲ ውድባት ክንርኢ ከለና፡ ካብ ሓድሕድ ምጽልላምን ምንቅቃፍን ተኣልየን፡ ናብ ዝሓሸ መንገዲ ምርድዳእ በጺሐን ክብሃል ይክኣል።

ብሳልሳይ ደረጃ፡ መብዛሕትአን ሰልፍታት ኣብ ሓድሕድ ኣኼባታት ናይ ደገፍ መልእኽቲ ምስዳደንን ሓለፍቲ ኣብ ጉባኤታት ተረኺቦም ናይ ደገፍ መልእኽቲ ምቅራቦምን፡ ሓደ ሱግሚ ንቅድሚት’ዩ ክብሃል ይካኣል። እዚ ዋላዃ ከም ኣወንታ ክውሰድ ዝካአል ኮይኑ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንብሙሉአን ሰልፍታት፡ ሲቪካዊያን ማሕበራትን፡ ህዝቢን ጠርኒፉ ዝኾነ ክርአ ዝኽእል ለውጢ ዘይምምጽኡ ኣዝዩ ዘታሓሳስብ’ዩ። ኩለን ሰልፍታት ንፕሮግራማተን ብምምሕያሽ ካብ ፋሕ ዝበላ ብዙሓት ውድባት፡ ናብ ዝወሓዳ ጉጅለታት ንክጥርነፋ ዘይምግባረን፡ ንዓመተ 2006 ንቅድሚት ክወስድ ዝክእል ሰጉምቲ፡ ክንዮ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝረአ ንጥፈታት ኣይነበረን። እተን ሰልፍታት ኣብ ምሕባር-ንዘይምሕባር ዝብል ሓሳባት ሸንኮለል ይብላ ምህላወን ጋና ብዙሕ ይተርፈን ምህላዉ ዘርኢ ዓቢ ቀመር’ዩ።

ስጋብ ሕጂ ንኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዘሎ ህዝቢ ክጸልዋስ ይትረፍ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ’ውን ወዲበን ማዕበል ክገብርኦ ኣይካኣላን። ዋላ’ዃ ህዝቢ ባዕሉ ተሓታቲ እንተኾነ፡ እተን ሰልፍታት ንህዝቢ ንምስሓብ ዝገበርኦ ለውጢ ዘይምንባሩ ግን ዘሰክፍ’ዩ። ሰልፍታት ብቀንዱ ኣብ ህዝቢ ምውዳብን ምንቕቃሕን ዝገበርኦ እስትራተጂካዊ ለውጢ ኣይነበረን።እንትርፎ ምክሑሓለ መደብ ዕዮን መጥባሕቲ ፕሮግራማት ምግባርን፡ ናይ ብሓቂ ንህዝቢ ካብ ዘለዎ ጩቆና ንምውጻእ ዘክእል እስትራተጂ ወይ መደብ ዕዮ ኣዳልያ ዝተጓዕዘት ፖለቲካዊት ሰልፊ ኣላ ክብሃል ኣይካኣልን። ንአብነት እተን ‘ኣብ ጎነጽ ኢና ንኣምን’ ዝብላ ውድባት እንተሪኢና እንትርፎ ናይ ወረቐት ኵናት፡ ካብኡ ሓሊፈን ብግብሪ ዝኾነ ዓይነት ነገር ክገብራ አይተራእያን። እተን ‘ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ኢና ንኣምን’ ዝብላ’ውን እንተኾና እቲ ቃልሲ እንታይ ይመስል፧ ብከመይ ከ ይካየድ፧ ብኸመይ ከ የስርሓኦ፧ ዝገልጽ ዝተለማልአ ግብራዊ እስትራተጂ የለን። እቲ ዝንኣሰን ብተዛማዲ ሓደጋ ዘይብሉን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሰባት ወዲበን በራሪ ወረቀት  ክዝርግሓውን ኣይካአላን።

ጎነጻዊ ወይ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ምድጋፍ ከም መፈላለዪ ነጥቢ እንተዘይኮይኑ ካልእ ፋይዳ ዘለዎ ዘረባ ኮይኑ ኣይጸንሐን። እንሓንሳብ’ውን ናይ ጊዜና ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ይቁጸር ከይህሉ ዘሰክፍ’ዩ። ከም ትዕዝብትና፡ እዚ ስነ-መጎት’ዚ ብኽውንነታዊ መንገዲ ተራእዩ ክፍታሕ ምተገብኦ። ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ዓብዩ ናይ  ዓውደ ትንተና ኵናት ምቅያሩ ዝጠቅም ኣይኮነን። እቲ ዘሰክፍን ዘሕዝንን፡ ውድባት ኤርትራ ብሰሪ’ዚ፡ ኣብ ዘየድልን ዘይጭበጥን ህልኽን ሕልኽላኽን ኣትየን፡ ካብቲ ቀንድን ኣገዳስን ሕቶ፡ ልዕልና ሕግን ምርግጋጽ ፍትሕን ንነብሰን ኣግሊለን ኣብ ክሊ ፍልስፍናዊ ሞገት ተሸሚመን ከይተርፋ’ዩ። ብርግጽ ክዝረብ እንተተደልዩ፡ ዝኾነት ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ካልእ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ትኽተል ዘገድሳ ኣይኾነን። ህዝቢ ንመን ይስዕብ ናቱ ጉዳይ ይኸውን። እቲ ምንታይ ህዝቢ መተስፈሪ ኩሉ ጉዳያት ስለዝኾነ።

እቲ ሓቂ፡ ናይ ሓንቲ ሰልፊ መደብ ዕዮ ከምዝግባእ ክሰርሕን ክዕወትን ዘይምክኣለ፡ ዕዮ ገዛኻ ብግቡእ ካብ ዘይምስራሕ እምበር ካልኦት ከምናትካ መርገጺ ስለዘይወሰዳ ከምዘይኮነ ክፍለጥን ክስትውዓለሉን ይግባእ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ ካብዚ ሓቂ ሃዲማ ንኻልኦት ስለዝነቀፈት ዕዮ ገዝኣ ብግቡእ ኣካይዳ ክብሃል ኣይከኣልን።

እዚ ሓድሕዳውን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝምልከት ክኸውን ከሎ፡ እስከ ብሕጽር ዝበለ ንድፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ሰልፍታት ኤርትራ ንርአ። ህግደፍ ካብ ኹሉ መዋጥር ንምውጻእ እንዳዕለበጠ፡ ንህላውነት ፖለቲካ ሰልፍታትና ኣብ ሱዳን ንምድኻም ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ኢደን ኣጣሚረን ብፖሊሲታት ህግደፍ ክጽለዋን ኩነታት ኣንጻር ረብሐአን ክቅየር ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕንኽ ኣጋጣሚ’ዩ። ህግደፍ ምስ ሱዳን ብዝፈጸሞ ሽርሓዊ ዲፕሎማሲ፡ ኣብ ደምበ ተቓወምቲ ዓቢ ማህሰይቲ ኣውሪዱ’ዩ። ዓመታዊ ጉባእኤን ኣብ ሱዳን ከካይዳኦ ሓሲበን ዝነበራ ሰለስተ ውድባት፡ ብጸቕጢ ህግደፍ ናብ ካልእ ከባቢታት ከሰጋግርኦ ተገዲደን። ከም ግብረ-መልሲ፡ብተቓወምቲ ውድባት ንመንግስቲ ሱዳን ጸቕጢ ንምግባር ይኹን ንምእማን ዝወሰዳኦ ግብራዊ ስጉምቲ ኣይተራእየን። ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣሜሪካን ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን እዱድ ዲፕሎማሲያዊ ዘመተ እንዳካየደ እንከሎ፡ ነዚ ነቃዕ ተጠቂመን ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ይኹን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ምድንጋጽ ክረክባን እቲ ኩነታት ንረብሐአን ክቕይራ ዘይምፍታነን፡ ዓቢ ዕድል ከምዘምለጠን  ብሩህ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ንኩነታት ተቓወምቲ ናብ ምልማስ ከብጽሕ ዝኽእል ዲፕሎማሲ እንዳተኸተለ ኢድካ ኣጣሚርካ ምርኣዩ ግርህናን የዋህነትን’ዩ። ኣብ ሓድሕድ ምንቅቃፍ ዝተሳሕለ ብርዒ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ምድካሙ፡ ኣዝዩ ዝነውሐ መንገዲ ይጽበየና ከምዘሎ ዝእምት’ዩ።

ዘሎና ድሩት ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ክንግምግም እንተኾይኑ፡ ዓመተ 2006 ካብ ዓመተ 2005 ብግብራዊ ኣጠማምታ እንተተራእያ፡ ብዘይካ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናየን ስነ-ኣእምራዊ ረብሓ ዘለዎ ስጉምትታት ገዲፍካ፡ በዘን ውድባት ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ተስፋ ዝህብ ተግባራት ተሰሪሑ ኢልካ ክትዛረብ ዘድፍር ኣይኮነን። ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን’ውን እንተኾነ ነዚ ነገር ኣብ ምዕዋት ዝወሰዶ ክውንነታዊ ስጉምቲ ዘይምንባሩ ሓደ ካብቲ ዓቢ ድኽመት’ዩ።

በዚ ዘለዎ እንተቀጺሉ ድማ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ተስፋ ሓጣእ ክኸውን’ዩ። መንግስቲ ህግደፍ ብዝኮነ ዓይነት መንገዲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክብ ይኹን ነዚ ዘሎዎ ኣካይዳ ክቅይር ኣይክግደድን’ዩ።

ስለዚ ኩለን ውድባት ኣብ ዓመተ 2007 ካብዚ ኣጋጢምወን ዘሎ ፖለቲካዊ ለምሲ ወጺአን ናብ ዝሓሸ መድረኽ ክሰጋገራ እዋኑ ዝጠልቦ ግዴታ’ዩ። 

2.    ኤርትራዊያን ሲቪካዊያን ማሕበራት

 

ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት ኣብ 2006 ህዝቢ ኣብ ምውዳብ ዝላዓለ ምንቅስቃስ ኣርእየን። እዘን ማሕበራት ጽልውአን ዓብ’ዩ። ብዙሓት ሰዓብቲ ኣጥርየን፡ ብዙሓት ወዲበን፡ ብዙሕ ነቲ ብቀጥታ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግራት ዝምልከት ጉዳያት ግብራዊ ስጉምቲ ወሲደን።

ሕብረት ኣንጻር ምልኪ (Eritrean Anti Tyranny Global Solidarity) ብኣሕጽሮት (ሕብረት) ዝፍለጥ ልፍንቲ ናይ ምትሕግጋዝ፡ ባይታ ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ኣስታት 15 ሲቪካዊያን ማሕበራትን መርበብ ሓበሬታትን ዘካተተ’ዩ። እዚ ልፍንቲ ትካላዊ ኣዋቃቕራ ዘይብሉን፡ ዝኾነ ተበግሶ ኣብ ዝውሰደሉ እዋን ንምትሕግጋዝን ናይ ሓባር ስራሕ ንምዕዋት ዝቆመ’ዩ። ብኣገላልጻ እቲ ሕብረት፡ ነዚ ተበግሶ ዝተወስደሉ ምኽንያት፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንዘሎ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ባህሊ ንምድንፋዕን ሓሳባት፡ ክእለትን ንዋትን ዜጋታትን ማሕበራትን ኣዋሃሂድካ ብሉጽ ስራሕ ንምፍራ’ዩ። ሕብረት ኣንጻር ምልኪ፡ ስርሑ ካብ ዝጅምር ብዙሕ ኣድማዒ ስርሓት ኣካይዱ’ሎ። እዚ ሕብረት ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ብልፍንቲ ዘካየዶም ስርሓት እንተሪኢና፡

  1. ንምልኪ ስርዓት ህግደፍን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ደብዳቤ ኣዳልዩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ግብራዊ ስጉምቲ ንኽውሰድ ብኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ዝርከቡ ኣባላት ኣቢሉ ናብ መንግስታት ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ዓባይ ብርጣንያ፡ ሽወደን፡ ኣውስትራልያን ኣብጺሑ። ዋላዃ ከምቲ ዝድለ ስጉምትታት እንተ ዘይተወሰደ ንጉዳይ ኤርትራ ግቡእ ኣቓልቦ ከምዝዋሃቦ ጌሩ ይርከብ።

 

  1. ብተወሳኺ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝመደበሩ፡ ብ ኣስፐር (Asper) ዝጽዋዕ ማሕበር ዘካየዶ ናይ እግሪ ጉዕዞ እውን ብሕብረት’ዩ ተማእኪሉ። ጉዳይ ናይ ሕልና እሱራት ብማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ኣቃልቦ ንክውሃቦ ዝዕላምኡ ካብ ከተማ ኒውዮርክ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተካየደ ናይ እግሩ ጉዕዞ፡ ናብ ኮንግረስ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣብጺሑ።

 

  1. ብተመሳሳሊ ብዓይነቱ ፍለይ ዝበለ “ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኹልና’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ መስከረም 2006 ልዕሊ 100 ሰባት ዝተሳተፍዎ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኤርትራ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ።

 

  1. ሕብረት፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ልዕሊ 400 ሰባት ዝተሳተፍዎን ብዓይነቱ ፍሉይ፡ ካብ ኩለን ፖለቲካዊያን ሰልፍታትን ሲቪካዊያን ማሕበራትን ዝመጹ፡ ዝበዝሑ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ዕውት ሰለማዊ ሰልፊ ብዓወት ኣሰላሲሉ።

 

  1. ብካልእ ወገን፡ ብኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከባ ማሕበራት ተመሳሳሊ ሰልፍታት ከምዝተኻየደ ይዝከር።

 

እዚ ኩሉ፡ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ ናብ ህዝቢ ብምውራድ  ዕላማታቱን ነብሱነ ኣብ ምፍላጥ ዝገበሮ ጻዕርታት ዘይምህላዉ ሓደ ከም ድኽመት  እቲ ሕብረት ክጥቀስ ይከኣል።

ብካልእ ሸነክ፡ ብኣብ እንግሊዝ ዝመደበረን ሰለስተ ማሕበራት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዓለምለኻዊ ሕብረት ክርስትያናትኤርትራውያን ንሰብኣዊን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዓባይ ብርጣንያረሊዝ ኤርትርያን ብዝፍለጡ ሰለስተ ማሕበራት ዝተወደበ፡ ብ08 ታሕሳስ ኣስታት 200 ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምቅዋም ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ: ኣብ ሎንዶን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ብዙሓት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓመጽ ሓሊፎም ዝመጹ መንእሰያትን ካልኦት ቀንዲ ኣባላት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበረን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ማሕበራትን ኣብቲ ዝተካየደ ሰለማዊ ሰልፊ ተሳቲፎም። 

ብተመሳሳሊ ኹነታት፡ ኣብ ዓመተ 2006 ኣብ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ኒውዚላንድን ዓዲ ጥልያን ብሲቪካዊያን ማሕበራት ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፍታት ዕውት ከምዝነበረ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

ሓደ ካብ ኣባላት ሕብረት ዝኮነ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ምንቕስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.) ንኣምር ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ብሰፊሑ ትድህስስ “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ 2006 ንህዝቢ ዘርጊሑ። እዛ መጽሓፍ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ዘሳተፈት፡ ሓደ ዓመት ዝወሰደት መጓሳጎሲት መጽሓፍ እያ። ዛጊት ኣብ ዝተፈላየ ኩርንዓት ዓለም ትዝርጋሕ ኣላ።

እታ መጽሓፍ፡ ናብ ክሉ ኩርናዓት ዓለም ንምዝርጋሓ ኣብ ዝግበር  ጻዕርታት፡  ኣብነታዊ ምሕዝነታት ሲቪካውያን ማሕበራት ተራእዩ።  ንኣብነት ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝመደበሩ ማሕበር ስኒት ሰላም፡ ብተበግስኡ ነታ መጽሓፍ ብምሕታም ኣብ ኩለን ከተማታት ጀርመን ይዝርጋሕ ከምዘሎ፡ ሓደ ካብቲ ኣብነታዊ ምትሕግጋዝ ሲቪካዊ ማሕበራት ምዃኑ ክጥቀስ ይኽኣል። ኣብ ካልእ ከተማታት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያን’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ነታ መጽሓፍ ንምዝርግሓ መደብ ከምዘሎ ይንገር።

እዚ ዝተራእየ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ፡ ኣዝዩ ዘሐጉስን ተስፋ ዝህብን’ዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ኣብ ዝውሰደሉ እዋን፡ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ሲቪካዊያን ማሕበራትን መርበብ ሓበሬታትን ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ማሕበር ነዛ መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ዝዝርግሓሉ መንገዲ ፈጢሩ ዘይምጽንሑ ዓቢ ደክመት’ዩ። ብዝዓባ’ታ መጽሓፍ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ርእይቶን ርድኢትን ካብ ሕጂ ጀሚሩ ዝግምግመሉ መግዲ ከናድን ክሓስበሉን ድማ ይግባእ።

ልዮት ሰብአዊ መሰላት ኤርትራ ዝፍለጥ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንስደተኛታት ሓተቲ ዑቅባ ከርእዮ ዝጸንሐ ሓገዝ ወሰን የብሉን። እዚ ትካል ንብዙሓት ኤርትራዊያን ሂወት ዘድሓነ፡ ብጭቡጥ መርትዖታት ክስነ ዝክእል ተግባራት ዝፈጸመ ሲቪካዊ ማሕበር’ዩ። ንብዙሓት ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ዑቅባ ንክውሃቦም ጽዒሩን ይጽዕርን ኣሎ። ኣብ ሊብያ ኣብ ሓደጋ ጥርዝያ ዝርከቡ ዝነበሩ 300 ኤርትራዊያን፡ ኣብ 2006 ንምድሓኖም ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ማሕበር’ዩ። እዚ ሲቪካዊ ማሕበር ብወገኑ ብዘይካ እቲ ንኤርትራውያን ካብ ምጥራዝን ካልእ ሕማቕ ነገራት ከየጓንፎም ዝገበረሎም ሓገዛት፡ ኣብዚ ዓመት ንሽግርን መከራን ካብ ማልታ ናብ  ኤርትራ ዝተመልሱ ግዳያት ዘጓነፎም ስቕያት እትትርኽ ዶክመንታሪ ፊልም ኣዳልዩ ዘርጊሑ። ብሓቂ ድማ ጽባሕ፡ ተሓተቲ ናብ ፍረዲ ንምቕራብ ኣብ ዝግበር መስርሕ ሓጋዚ ተራ ክትጻወት ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን።

6       ማዕከን ሓበሬታታት ደምበ ተቓወምቲ

 

ኣብዚ ከይተጠቅሰ ክሓልፍ ዘይብሉ፡ ተራ መርበባት ሓበሬታ፡ ሬድዮን ተለቪ   ዠንን ደምበ ተቓወምቲ እየን። እተን መርበብ ሓበሬታት ኣብ 2006 ንህዝቢ ቅኑዕ ሓበሬታ ኣብ ምምጋብን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቅላዕን እዚ ዘይብሃል ተራ ተጻዊተን እየን። ብሕልፊ እተን ናይ ዝኾነት ሰልፊ ወይ ማሕበር ጸግዒ ዘይብለን ናጻ ትካላት፡ ኣብዚ ዝሓየለ ግደ ኔርወን እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይኮነን። ኣውራ ድማ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ዓዋተን ዝነበረን ናይ መሪሕነት ተራ ልዕሊ ናእዳ እንተልዩ ድማ ብሓቂ ዘይግበአን ኣይኮነን። እዚ ማለት ግን እተን ካልኦት ዋላ ሓደ ተራ ኣይነበረንን ንምባል ኣይኮነን። እታ ብምትሕብባር ተስፋደሊናኤ.ም.ዲ.ሰ.መን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታትን እንዳተዳለወት መዓልታዊ 30 ደቃይቅ፡ ሓሙሸተ መዓልታት ኣብ ሶሙን እትፍኖ ድምጺ-መሰልና ደሊና፡ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኣብ ምዝርጋሕ ዝተጻወተቶ ተራ ቀሊል ኣይነበረን።

እዚ ዋላኳ ከም ኣወንታዊ ስርሓት ማዕከናት ሓበሬታ ደምበ ተቓወምቲ ክውሰድ እንተተኻእለ፡ ድኽመታት ኣይተራእየን ማለት ግን ኣይኮነን። ገለ መርበብ ሓበሬታታት ንኣምር ዲሞክራሲ ካብ ዘይምርዳእ ይኹን ካብ የዋህነት ንውልቀ-ሰባት ምንእኣስን፡ ውድባት ምንሻውን ተዋፊረን ከምዝነበራ መርትዖ ዘድልዮ ጉዳይ አይኮነን። መርበብ ሓበሬታ ስለዘለካ፡ ድላይካ ክትብል ዕድል ስለዘለካ ነገራት ምድሕድሑ ዘይሓላፍነታዊ ጥራይ ዘይኮነ ብሕጊውን ዘሕትት’ዩ። ብርዒ ውቀሪ እንተልካያ ክትወቅር ዝእግማ ኣይኮነን። ብርዒ ግን ደረት ኣለዋ። ሓላፍነት’ውን ኣለዋ። ኩሉ ዜጋ’ውን ዝብሎ ስለዝሰአነ ኣይኮነን ትም ኢሉ ዘሎ። ብርዕኻ ኣዋዲድካ፡ ግዜኻ ኣጥፊእካ፡ ገሮሮኻ ስሒልካ ንህዝብን ሃገርን ዘየርብሕ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ምብኻን ዓቅምኻን ዓቕሚ እቶትካን’ዩ። ነቀፌታ፡ ኣገዳሲ ባእታ ኣብ ጉዕዞ ንዲሞክራሲ’ዩ። እዚ ማለት ግን ኩሉ ነቅፌታት ቁኑዕ’ዩ ማለት ከምዘይኮነ ምግንዛብን ነቐፈታኻ ብሓላፍነታዊ መገዲ ምቕራብ ድማ ግዴታ ናይ ነቓፋይ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ብርዕኻ ኣብ እተዋድደሉ እዋን ብዙሕ ምሕሳብ የድሊ። መጀመርታ፡ ንህዝቢ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ ከሕልፍ ምባል፧ ነቲ ጽሑፍ ብምዝርጋሕካ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ መክሰብ ክትረክብ ኢካ ምግንዛብ፧ ንርእስኻ ኣብ ቦታ ተኸታተልትኻን ሰማዕትኻን ብምእታው ምምርማርን ድማ ኣገዳሲ’ዩ።

ገለ መርበባት ሓበሬታ፡ ትሕዝቶአን ኣዝዩ መሳጥን መሃርን ክነሱ፡ ናብቲ ናይ ብሓቂ ግዳይ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ዝበዝሐ ህዝብና ይበጽሕ ዘይምህላዉ፡ ከም ዓቢ ድኽመት ክቁጸር ይካኣል። ህዝቢ ንዘይተረድኦ ነገር ክድግፍ ኣይክእልን። ከምዚ እንተድኣ ቀጺሉ ድማ፡ እቲ ሓበሬታ ጽቡቅ መወከስ መጽናዕቲ ካብ ሙዃን ሓሊፉ ካልእ ክፍይድ ኣይኮነን። እቲ ብሓበሬታ ክነቅሕን ንመሰሉ ክልዓልን ተደልዩ ዘሎ ህዝብና እምበር፡ ህዝቢ ኣሜሪካ ወይ ዓባይ ብርጣንያ ኣይኮነን። ሰለዚ እቲ ዝወጽእ ጽሑፋት እንተወሓደ ብትግርኛ ወይ ብዓረብ ክኸውን ንቃልሲ ሓጋዚ ረቛሒ’ዩ። መንግሰቲ ህግደፍ ካብ ብልጫታቱ ሓደ፡ ንህዝቢ ብዝርድኦ ቋንቋ ሓበሬታ ምልጋስ’ዩ። እተን ነዚ ዕሽሽ ዝብላ ዘለዋ መርበባት ሓበሬታ ነዚ ከቓልባሉ፡ እቶም ኣብ ኣዝማሪኖ ዶትኮም ከይተሓለሎም ጽሑፋት ብእንግሊዚኛ ዘበርክቱ ዘለዉ ውፉያት ድማ፡ በቲ ህዝብና ዝርድኦ ቋንቋ እንተዝጽሕፉ ኣበርክትኦም ዝያዳ ምዓዘዘ። እንተዘይኮይኑ ግን  እቲ ጽቡቅ ኣበርክቶኦም ኣብ ውሑዳት ኣንበብቲ እቲ ቋንቋ ተደሪቱ ክተረፍ’ዩ።

መደምደምታ

ሲቪካዊያን ማሕበራትን ማዕከናት ዜናን ህዝቢ ኣብ ምብርባርን ንመሰል ኤርትራዊያን ኣብ ምጥባቅን፡ ሓበሬታ ኣብ ምልጋስን ኣብ ዓመተ 2006 ዝንኣድ ስራሕ ኣበርኺተን እየን። ብሓባር ሰሪሐን ብዙሓት ዜጋታት ፍልልያቶም ብዘየገድስ ኣብ ሓደን ንጹርን ዕላማ ብምጥርናፍ ዕውት ተቓውሞታት ክካየድ ሓጊዘን። እዚ ጥራይ ግን ነቲ ናይ ብሓቂ ኣብ ሃገርና ክመጽእ ተደልዩ ዘሎ ለውጢ እኹል ስጉምቲ ከምዘይኾነ ክንርደኦ ይግባእ። ንጥፈታተንን ስርሐተንን ድማ ብመንጽር ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘምጽኦ ለውጢ ክመዝና ይግባእ። እቲ ምንታይሲ፡ ንዝመጽእ ዓመት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምስዝወስዳ ኣብ ሓደ ቦታ ኾንካ ስጉምቲ ኣመልክት ኾይኑ ከይተርፍ ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ብሓባር ከሰርሓን ሓያልን ኣድማዒ ልፍንቲ ክፈጥራሉ ዝኽእላ መንገዲ ሃሰስ ክብላ ይግብእ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ናጽነተን ሓልየን ኣብ ምትብባዕን ምትሕግጋዝን ክዋሳኣውን ሓላፍነተን ክኸውን ይግባእ።

ፖለቲካዊያን ሰልፍታት ከም ኩሉ ውልቀ-ሰብ ፖለቲካዊ መሰለን ተጋሂሱ ዘሎ ትካላት ስለዝኾና፡ ስቪካዊያን ማሕበራት ክጣበቃለን ግቡአንን ሐላፍነተንንውን  እዩ። ስለ’ዚ፡  ሲቪካዊያን ማሕበራት እቲ ቃልሲ ኣብ ምፍላሙ ድኣምበር ገና ናብ ዝዓበየ ናይ ህዝቢ ማዕበል ክቕይራ ዝተርፈን ዘሎ ብድሆታት ኣለልየን ዝዓበየ እጃም፡ ኣብ ምርግጋጽ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዕዙዝ ኣበርክቶ ክገብራ እጅገአን ሰብሲበን ክሰርሓ ይግባእ።

ሓፈሻዊ መደምደምታ  

ዓመተ 2007 ዓወትን ራህዋን ንኽትከውን

 

ዓመተ 2006 ብሚሔ መርሚርና ንፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና ብደምበታት ብምኽፋል ክንድህስስ ፈቲንና። ደምበ-ተቓውሞ ዘርኣዮ ምዕባለ ዝንኣድ ከምዝነበረን ዝተርፎ ብዙሕ ከምዘለዎ ርኢና። ነዚ ንምምሕያሽ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ሕቶ ክልዓል ናይ ግድን’ዩ።

ብዘለና ሓፈሻዊ ገምጋም ደምበ-ተቓውሞ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዎ ጽልዋ ኣዝዩ ውሑድ ሙዃኑ ሪኢና። ፍታሕ እንተዘይ ተጌርሉ፡ ፖለቲካዊያን ሰልፍታት ይኹና ሲቪካዊያን ማሕበራት ኣብ ናይ ዳያስፖራ ንጥፈታት ጥራይ ተሓጺረን ክተርፋ እየን። እዚ ድማ፡ ተቓወሞኻ ብሰለማዊ ሰልፍን፡ ካልእ ናእሽቱ ንጥፈታትን ምግላጽ ጥራይ ኮይኑ ክተርፍ’ዩ። እዚ ንኣባላትን ተሳተፍትን እዚ ንጥፈታት እንዳ ኣሰልከዮም ከይመጽእ ዘሰክፍ ነገር’ዩ። እዚ ማለትና ሰለማዊ ሰልፍታት ይትረፍ ማለት ከምዘይኮነን እንታይ ዳኣ ጽልውኡ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣቱ ንምግባር ኣብ 2007 ክጻዓረሉ ከምዘለዎ ንምዝኽኻር’ዩ።

ዋላ’ዃ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ተሳትፎ ህዝቢ ኣውራ ድማ መንእሰያት ዕዙዝ ምንባሩ ከም ዓቢ ዓወት ክጥቀስ ዝካኣል እንተኾነ፡ ሰፊሕ ተሳትፎ ሓፋሽ ናብ ደምበ-ተቓወምቲ ከይህሉ ዝዕንቕጽ ዘሎ ጉዳይ ብደቂቕ ክጽናዕን ፍታሕ ክርከበሉን ዘለዎ ኣገዳሲ ስራሕ’ዩ። ስለዚ ኩለን ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ 2007 ነዚ ጉዳይ ከም ዓቢ ሕማም ቆጺረን፡ ነብሰን ክፍትሻን ፈውሲ ከናድያን ይግባእ።

እቲ ሳልሳይን ኣገዳሲ ነጥቢን ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ድኹም ምህላዉን ንነቓዓት ህግደፍ መዝሚዝካ ንጉዳያት ናብ ረብሕኡ ኣብ ምቕያር ስለ ዘይሰርሕን’ዩ።

ዋላ’ኻ ኣብ ቅልጡፍ እዋን ክወድቅ’ዩ እንተ ዘይተባህለ ስርዓት ህግደፍ ብናቱ ጌጋታት ናብ ነብሰ-ቅትለት ይኸይድ ከምዘሎ ፍሉጥ ጉዳይ ኮይኑ አሎ። ህግደፍ ባዕሉ ንባዕሉ ብናቱ ድኽመታት እንተወዲቁ ግና፡ ሃገር ናበየናይ ኣንፈት ክትከይድ ከምትክእል ዝፍለጥ ነገር የለን። እዚ ድማ ንብዙሓት ዜጋታት ኣብ ስክፍታ ንክነብሩ ዝገብር ዘሎ ሓቂ’ዩ። ድሕነት ህዝብን ሃገርን እምበኣር፡ ኣብ ምድኻም ስርዓት ህግደፍ ከይተሓጽረ፡ ደምበ-ተቓውሞ ህዝቢ ናይ ምጥርናፍን መሪሕ ተራ ናይ ምጽዋት ብቕዓትን ከምዘለዎ ከርእይን ድማ ንዓወት ወሳኒ ረቛሒ ምዃኑ ከስተብህለሉ ይግባእ። ሰለዚ ደምበ-ተቓውሞ  ካብ ንህግደፍ ብጉጉይ ፖሊሲኡ ክሳብ ዝወድቕ  ምጽባይን፡ ሃገር ጽቡቅ የላን ኢልኻ ሚኒን  ካብ ምባልን ንሰርዓት ህግደፍ እንዳረገምካ ምድሪ ካብ ምጥብጣብን፡ ንነብሱ ኣልዩ ህዝቢ ክቕበሎ ዝክእል መደብ-ዕዩ ብምውጻእ መሪሕ ተራ ክጻወት መድረኽ ዝጠልቦ ሓላፈነቱ ምዃኑ ክግንዘቦ ይግባእ።

ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ካብዚ ዘለዎ ደረጃ ናብ ዝልዓለ ተቓውሞ ክድይብ እንተኾይኑ፡ ‘እንታይ ምምሕያሻት ክግበር ኣልዎ?’ ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ’ዩ። ብዘሎና ድሩት ክእለት እዚ ዝስዕብ ነገራት እንተተጌሩ ናብ ዝሓሸ ዓወት ክንበጽሕ ክንክእል ኢና ዝብል እምነት ኣሎና።

ብመጀመርታ፡ ህዝቢ ንዝተረድኦ ቅኑዕ ራኢ ጥራይ ከምዝድግፍን በጃ ኽሓልፍ ድልው ከምዝኸውንን ክንፈልጥ ይግባእ። ህዝቢ ናብ ደምበ-ተቓውሞ ክመጽእ እንተኾይኑ ድማ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ማለት ፖለቲካዊያን ሰልፍታት፡ ሲቪካዊያን ማሕበራት፡ ውለቀ-ሰባትን  ክጥርንፍ ዝኽእል ሓደ ንራኢ ኩሉ ኤርትራዊ ዝውክል ግብራዊ ራእይ ከዳሉ ይግባእ። እቲ ጽሑፍ ነታ ኩሉ ኤርትራዊ ጽባሕ ክርእያ ዝምነያ ሃገር ብንጹር ስእሊ ከቀምጥ ይግባእ። ኣብ ሃገርና እዚ ራኢ ኣብ ተግባር ንከይውዕል ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ መን ሙዃኑ ፈልዩ ከቐምጥውን ይግባእ።

ነዚ ራኢ ክውን ንምግባር ሓላፍነትን ግዴታ ዜጋታት እንታይ ሙዃኑ ከስፍር ይግባእ። እዚ ራኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብንጹር እንተተቀሚጡ ህዝቢ ምስ ደምበ-ተቓውሞ ንክጽምበር ዝዓግቶ ጉዳይ የለን። ምልክን ስቓይን ህዝቢ ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ከኽትም’ዩ።

ካልኣይ፡ ኩለን ፖለቲካዊያን፡ ሲቪካዊያን ማሕበራት ብልፍንቲ ክሰርሓሉ ዝክእላ ባይታ ከጣጥሓን፡ ንኣብ ሃገር ዘሎ ኹነታት ንምቕያር ንህዝቢ ተስፋ ንምስናቕ ዘኽእል ኣብ ውድዓውነት ዝተመርኮሰ ናይ ግዜ ሰሌዳን ንጹር እስትራተጂን ክነድፋ፡ ነዚ ንምዕዋት ድማ ብሓባር ክሰርሓ ይግባእ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ደምበ-ተቓውሞ ንኤርትራ ብስሙርን ብዘይገለ ጸገምን ናይ ምምሕዳር ብቕዓት ከምዘለዎ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎ። ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ሓድሕድ ዘሎ ርክባት ምምሕያሽ፡ ብልፍንቲ  ዕውት ስራሕ ብምሰራሕ ምምስካር ኣገዳሲ’ዩ። ቐንዲን ኣገዳሲን ጉዳይ ድማ መን ይወድቦ ብዘየገድስ ንኩለን ፖለቲካዊያን ሓይልታት፡ ሲቪካዊያን ማሕበራትን፡ ወከልቲ ኩለን ብሄራትን፡ ውለቀ-ሰባትን ዝሳተፍዎ፡ ዕላምኡ ንጹር ዝኮነ ሃገራዊ ዋዓላ ክካየድ ይግባእ። እዚ ሃገራዊ ዋዓላ ድማ ብዘይገለ ሽፍንፍን ሕብእብእን ናብ ህዝቢ ብምዝዝርጋሕ፡ ብኽፉት መንገዲ ቀጻሊ ሓበሬታ ከመሓላልፍን ይግባእ፡፡

ዓመተ 2007 ዓመተ ዓወትን፡ ምኽታም ምልክን ዝብሰረላ ክትከውን እንተኾይኑ፡ ደምበ ተቓውሞ ንጹር ራኢን፡ ናብ ውሽጢ ሃገርን ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ተሳታፍነት ዘረጋግጽ ክውንነታዊ ስትራተጂን ብምሕንጻጽ፡ ኩሪኹሪት ህግደፍ ብምልላይ ክሰርሕ ይግባእ። ዓመተ ዓወትን ራህዋን ክኸውን እንዳተመነና፡ ነቶም ከይተሓለሎም ዝቓለሱ ዘለዉ ኣቦታት ንብሉጽ ኣበርክተኦም ከዕዝዙ እንዳጸዋዕና፡ ነቶም ንደምበ-ተቓውሞ ንምሕያሉ ከይተሓለሎም ሃናጺ ነቐፌታዊ ርእይትኦም ዝልግሱ ዘለዉ ውልቀሰባትን፡ መርበብ-ሓበሬታትን ልዑል ኣድናቖት ይብጻሓዮም።

እቲ ግዳይ ህግደፍ ክነሱ፡ ስቅታ ውሒጥዎ ዘሎ መንእሰይ ታሪኽ ግብኡ ንክገብር ይሓቶ ከምዘሎን፡ እዞም ተቋወምቲ ኣይሰርሑን ካብ ዝብል ዕባራ ምኽንያታት ንነብሱ ብምእላይ ሽግሩ፡ ሽግር ወለዱ፡ ማሓዝቱን፡ ህጻናት የሕዋቱን ንኸኽትም   መሪሕ ተርኡ ክጻወት ይግብኦ።

2007 ዓመተ ዓወትን ራህዋን ይግበረልና!!

ኣማኒኤል መድሃኔ

ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ

ደቡብ ኣፍሪቃ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2609

Posted by on Jan 14 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net